ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ለካቲት 2014

 ከመይ ይመስል ነበረ፧

ቆስጣንጢኖስ

ቆስጣንጢኖስ

ቆስጣንጢኖስ፡ ክርስትያን ከም ዝዀነ እተዛረበ ናይ መጀመርታ ሃጸይ ሮሜ እዩ ነይሩ። ከምኡ ብምግባሩ፡ ንታሪኽ ዓለም ኣዝዩ ጸልይዎ እዩ። ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ መስጐጕቲ ዚወርዶ ዝነበረ ሃይማኖት ብምቕባል፡ ህዝበ ክርስትያን ንኽትምስረት መገዲ ጸሪጉ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ ዘ ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ዝገለጾ፡ ክርስትና ዚብሃል ሃይማኖት፡ ንታሪኽ ዚጸሉ “ሓያል ማሕበራውን ፖለቲካውን ትካል” ኪኸውን ከኣለ።

ብዛዕባ ሓደ ጥንቲ ዝነበረ ሃጸይ ሮሜ ኽትግደስ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ብዛዕባ ክርስትና ትግደስ እንተ ዄንካ፡ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ውዲት ቆስጣንጢኖስ፡ ክሳዕ እዚ ግዜና ንዘሎ እምነትን ልምድን ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ከም ዝጸለዎ ኽትፈልጥ ኣሎካ። እዚ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

ኣብያተ ክርስትያን—ሕጋውነት ለበሳ፡ መሳርሒ ድማ ኰና

ብ313 ድ.ክ. ቆስጣንጢኖስ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሮሜ፡ ሊሲንዩስን ማክሲሚኑስን ድማ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮሜ ይገዝኡ ነበሩ። ቆስጣንጢኖስን ሊሲንዩስን ድማ ንዅሉ ሰብ፡ ሓርነት ኣምልኾ ፈቐዱ። ቆስጣንጢኖስ፡ ክርስትና ንሃጸያዊ ግዝኣቱ ሓድነት ዜምጽኣሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ነቲ ሃይማኖት ዕቝባ ገበረሉ። *

ይኹን እምበር፡ ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ከም እተገማምዓ ምስ ፈለጠ፡ ሰንበደ። እተን ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምእንቲ ኺበጽሓ ድማ፡ ከም “ቅኑዕ” ጌርካ ዚርአ ሰረተ እምነት ኪፈጥርን ኬተግብርን ጸዓረ። ኣቡናት ብቆስጣንጢኖስ ምእንቲ ኺፍተዉ፡ ንሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ኪለማለሙ የድልዮም ነይሩ፣ እቶም ከምኡ ዝገበሩ ኸኣ፡ እቲ ዚኸፍልዎ ግብሪ ተነከየሎም፣ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ተዋህቦም። ቻርለስ ፍሪማን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ነቲ ‘ቕኑዕ’ ሰረተ እምነት ክርስትና ምቕባል፡ ናብ መንግስተ ሰማይ ዜእቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሃብቲ እውን ዜውህብ እዩ ነይሩ” በለ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዓለማዊ ጕዳያት፡ ገበርትን ሓደግትን ኰኑ። ኣርኖልድ  ህዩ ማርቲን ጆንስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “እታ ቤተ ክርስትያን ዜዕቍባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚእዝዛ ሓለቓ እውን እያ ረኺባ” በለ።

“እታ ቤተ ክርስትያን ዜዕቍባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚእዝዛ ሓለቓ እውን እያ ረኺባ።” —ኣርኖልድ ህዩ ማርቲን ጆንስ፡ ጸሓፍ ታሪኽ።

እንታይ ዓይነት ክርስትና፧

ብምኽንያት እቲ ቆስጣንጢኖስ ምስ ኣቡናት ዝገበሮ ስምምዕ፡ ፍርቁ ክርስትያናዊ፡ ፍርቁ ኸኣ ኣረማዊ ዝዀነ ሰረተ እምነት ዘለዎ ሃይማኖት ተመስረተ። ዕላማ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ፡ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ከም ዚሰፍን ምግባር ደኣ እምበር፡ ሃይማኖታዊ ሓቂ ምንዳይ ስለ ዘይነበረ፡ ካብኡ ዚሓይሽ ሃይማኖት ኪምስረት ኣይትጽበን ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ቆስጣንጢኖስ ኣረማዊ ሃጸይ እዩ ነይሩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ ቆስጣንጢኖስ ነቶም ዘይተሰማምዑ ኽልተ ወገናት ንምሕጓስ፡ “ብሓፈሻኡ ኣብ ግብርታቱን ምምሕዳሩን፡ ደይመደይ ኢሉ ንጹር ዘይኰነ መትከል” ሒዙ ይጓዓዝ ነበረ።

ቆስጣንጢኖስ ተሓላቒ ክርስትና ኸም ዝዀነ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ንኣረማውነት እውን ምሉእ ብምሉእ ኣይሓደጎን። ንኣብነት፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንኖ ቘጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ይካፈል ነበረ። (ዘዳግም 18:10-12) ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ሓወልቱ፡ ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ኺስውእ ከሎ ዜርኢ ቕርጺ ኣሎ። ንኣምላኽ ጸሓይ ኣብ ሰልዲ ኸም ዚወጽእን ንኣምልኾኡ ኸም ዜስፋሕፍሕን ብምግባር፡ ንኣምላኽ ጸሓይ ምምላኹ ቐጺሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ህይወቱ፡ ኡምብርያ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኢጣልያ፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ዚኸውን ቤተ መቕደስ ኪሰርሑሉን ኣብኡ ዜገልግሉ ኻህናት ኪሸሙን ፈቒዱ ነይሩ እዩ።

ቆስጣንጢኖስ ብ337 ድ.ክ. ንኺመውት ቍሩብ መዓልትታት ምስ ተረፎ እዩ “ክርስትያን” ኰይኑ ተጠሚቑ። ብዙሓት ምሁራት፡ ቆስጣንጢኖስ ንኺጥመቕ ዝደንጐየሉ ምኽንያት፡ ፖለቲካዊ ደገፍ እቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ክርስትያናትን ኣረማውያንን ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ታሪኽ ህይወቱ ዀነ ኸይተጠምቀ ኽሳዕ መወዳእታ ምጽንሑ፡ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮ እምነት ኣብ ሕቶ እዩ ዜእትዎ። ሓደ ሓቂ ግና ኣሎ፦ እታ ቆስጣንጢኖስ ሕጋውነት ዘልበሳ ቤተ ክርስትያን፡ ብፖለቲካውን ብሃይማኖታውን መዳይ ሓያል ኰይና እያ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንክርስቶስ ዝባና ብምሃብ፡ ንዓለም መረጸት። የሱስ ግና ብዛዕባ ሰዓብቱ ኺዛረብ ከሎ፡ ‘ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን’ ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:14) ካብዛ ኻብ ዓለም ዝዀነት ቤተ ክርስትያን እዚኣ ድማ፡ ማእለያ ዘይብለን ካልኦት ሃይማኖታት ወጻ።

እዚ ዅሉ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ዝዀነት ትኹን ቤተ ክርስትያን ንእትምህሮ ትምህርቲ ብዓይኒ ዕሙተይ ክንቅበሎ የብልናን፣ የግዳስ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 4:1

^ ሕ.ጽ. 6 ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ቆስጣንጢኖስ፡ “ክሳዕ ከባቢ መወዳእታ ግዝኣቱ ኣብ ኣረማዊ ኣምልኾ ይካፈል ነይሩ” ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ንክርስትያናዊ እምነት ካብ ልቡ ተቐቢልዎ እንተ ነይሩ ኣከራኻሪ እዩ።

ዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም

እምነትካ ንኻልኦት ከተካፍሎም ከለኻ እንታይ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል፧ ንኻልኦት ከየቐየምካ ብኸመይ እምነትካ ኽትገልጸሎም ትኽእል፧