ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ጥሪ 2014

 ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኢጣልያ እተገብረ ምብጻሕ

ናብ ኢጣልያ እተገብረ ምብጻሕ

ኢጣልያ፡ ካብ ነዊሕ ገምገም ባሕሪ ኽሳዕ እቲ ሓባጥ ጐባጥ ዝዀነ ሰንሰለት ኣኽራን፡ ካብቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ኣዝዩ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ክሳዕ እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ኣብ ኣዕጽምቲ ዚኣቱ ቝሪ እተጠቓልል ሃገር እያ። እሳተ ጐመራ ዚበዝሓ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ ብዘይካ ደሴት ስትሮምቦሊን ከረን ኢትናን፡ ንጡፍ እሳተ ጐመራ ሒደት እዩ።

ኢጣልያ ሓንቲ ኻብተን ብዙሓት ተቐማጦ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳ እያ። ኣዕራብን ቢዛንትዩማውያንን ግሪኻውያንን ደቂ ኖርማንዲን ፊንቄኣውያንን ዚርከብዎም ብዙሓት ህዝቢ ብእኣ ሓሊፎም እዮም።

በጻሕቲ ዓዲ በታ ጎንዶላ እትብሃል ጃልባ ገይሮም ብመትረባት ቨኒስ ይጓዓዙ

ኢጣልያ ብታሪኽን ብስነ ጥበብን ሃብታም እያ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢጣልያ፡ ፍርስራስ እቲ ብጥንታውያን ግሪኻውያንን ሮማውያንን እተሰርሐ ፍልይ ዝበለ ህንጻታትን ብግዜ ተሃድሶ ዝነበረ ስራሓት ስነ ህንጻን ይርአ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኸም እኒ በርኒኒን ሚካኤልኣንጀሎን ራፋኤልን ዜዘክረካ ቕብኣታትን ሓወልትታት እምነ በረድን ማይ ጃሕጃሕን ኣሎ።

ቀንዲ ኽፋል መዓልታዊ ንጥፈታት ኢጣልያውያን፡ ምግቢ እዩ፣ ምስ ምግቢ ዚተሓሓዝ ብዙሕ ልማዳት ድማ ኣለዎም። ቀንዲ ምግቦም ፓስታ ዀይኑ፡ ድሕሪኡ ስጋ ወይ ዓሳ ምስ ኣትክልቲ ገይሮም ይበልዑ። ዘይቲ ኣውሊዕ ብብዝሒ ስለ ዚፈሪ፡ ኣዘውቲሮም ይጥቀሙሉ እዮም። ፒሳን ሪሶቶ ዚብሃል ምግብን እውን ኣዝዩ ህቡብ ምግቢ ኢጣልያውያን እዩ።

ፓስታ ቐንዲ ምግቢ ኢጣልያውያን እዩ

 ኢጣልያውያን ፍሽሑዋትን ተቐበልቲ ጋሻን ወኻዕታ ዚፈትዉን እዮም። ምስ ካልኦት ምዕላል ስለ ዚፈትዉ፡ ኣብ ኣደባባያት ኬዕልሉ ወይ ከኣ ብእግሮም እናኸዱ ወጃዕ ኪብሉ ምርኣይ እተለምደ እዩ።

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኢጣልያ፡ ሰዓብቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ከም ዝዀኑ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ ክርስትያን ዚኸዱ ግና ሒደት እዮም። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ህዝቢ ዘለዋ ተሰማዕነት ኣመና ደኺሙ እዩ፣ እቶም ሰዓብቲ ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዚስዓብ ዝነበረ ምስ ምንጻል ጥንስን ፍትሕን ዚተሓሓዝ ሕግታት ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ።

ቍጽሪ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይውስኽ እዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃርን በቲ ኣብኡ ዚርከብ ስርዓታት ኪነብሩ ብምጽዓርን እዮም ዚፍለጡ። ኣብ ምልእቲ ሃገር፡ ልዕሊ 3,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ፣ መብዛሕትአን ድማ ነቶም ጥልያንኛ ዘይዛረቡ ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግራኦም እየን ዚጽዕራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ስደተኛታት ብሰለስተ ዕጽፊ ስለ ዝወሰኸ፡ ብቛንቋታት ወጻኢ ዚውሃብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ቫቲካን ኣብ ሮማ እትርከብ ከተማ እኳ እንተ ዀነት፡ ካብ 1929 ንነጀው ርእሳ ዝኸኣለት ናጻ ሃገር ኰይና እያ፣ ስለዚ፡ ዜጋታት ኢጣልያ ንኸተማ ቫቲካን ከም ወጻኢ ሃገር ገይሮም እዮም ዚርእይዋ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያ ዚርከብ ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ዶሎማይት