ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ታሕሳስ 2013

  ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ብራዚል እተገብረ ምብጻሕ

ናብ ብራዚል እተገብረ ምብጻሕ

እቲ ፋዥዋደ ዚብሃል ጥዑም ምግቢ፡ ባህላዊ ምግቢ ብራዚላውያን እዩ

ቶካን

ፈለማ ኣብ ብራዚል ዚቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ሃደንትን ሓረስቶትን እዮም ነይሮም። ፖርቱጋላውያን ዳህሰስቲ፡ ናይ ሮማ ካቶሊክ ምስ ኣተኣታተዉ ድማ፡ ሓያሎ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ ጸሎትን ተሃንጸ። ገሊኡ ህንጻታት ብወርቂ ብእተለበጠ ኣዕጻው ዘጌጸ እዩ ነይሩ።

ካብ መፋርቕ መበል 16 ዘመን ኣትሒዙ ኽሳዕ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ መራኽብ ባሮት፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ኣብ ሕርሻ ንኺሰርሑ ናብ ብራዚል ኣግዒዘናኦም እየን። እዞም ባሮት እዚኦም ከኣ፡ ሃይማኖታዊ ጽምብላቶም ኣተኣታተዉ እሞ፡ ከም ማኩምባን ካንዶብላን ዝኣመሰላ ጕጅለታት ሃይማኖት ዚርከባአን፡ ሃይማኖታት ኣፍሮ ብራዚላውያን ማዕበላ። ኣፍሪቃውያን ኣብ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ምግብን ብራዚል እውን ጽልዋ ገይሮም እዮም።

ኣብ ብራዚል ምስ ሩዝን ካብሎን ዚቐርብ ብስጋን ብጸሊም ባልዶንጋን ተሓዋዊሱ እተሰርሓ ፋዥዋደ እተባህለ ምስ ባህላዊ ምግቢ ፖርቱጋላውያን እተወሃሃደ ባህላዊ ጸብሒ ኣሎ። ኣብ መበል 19ን 20ን ዘመናት፡ ካብ ኤውሮጳን (ብፍላይ ካብ ጀርመንን ኢጣልያን ፖላንድን  ስጳኛን) ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን እተሰድዱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምስ ህዝቢ ብራዚል ተጸምበሩ።

ሎሚ፡ ኣብ መላእ ብራዚል ልዕሊ 750,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 11,000 ጉባኤታት የገልግሉ ኣለዉ። ልዕሊ 800,000 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ይመርሑ ኣለዉ። ሰላሳን ሓደን ዝዀኑ ጕጅለታት ህንጸት ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኣብ ዓዓመት ካብ 250 ክሳዕ 300 ኣቢሉ ዚበጽሕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይሃንጹን ይጽግኑን ኣለዉ። ካብ መጋቢት 2000 ንነጀው፡ 3,647 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ኣሎ።

ትፈልጥዶ፧

ፈለግ ኣማዞን ካብ ኵሉ ኣፍላጋት ዚበዝሕ ማይ የፍስስ፣ ንውሓቱ ብገምጋም 6,400 ኪ.ሜ. ይበጽሕ

ፈለግ ኣማዞን ምንጪ እቲ ብስፍሓቱ ኣብ ዓለም ብቐዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ኣግራብ እዩ