ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ነሓሰ 2013

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

በብመዓልቱ፡ ልዕሊ 20 ገዳይም ወተሃደራት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ርእሶም ይቐትሉ። በብወርሑ ኸኣ፡ ካብቶም ክፍሊ ጕዳያት ገዳይም ወተሃደራት ሕ.መ.ኣ. ዝከናኸኖም ወተሃደራት፡ 950 ዚዀኑ ርእሰ ቕትለት ይፍትኑ።

ቻይና

ቻይና ደይሊ እትብሃል ጋዜጣ ኸም ዝጸብጸበቶ፡ “ካብተን ናብ ካልእ ክፋል ቻይና ኸይደን ዚሰርሓ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዳርጋ ፍርቀን ቅድሚ መርዓ ይጠንሳ፣ እዚ ኸኣ ምስ ቍጽሪ እተን ቅድሚ ሓደ ወለዶ ዝነበራ ዘይተመርዓዋ ቻይናውያን ኣዴታት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።” ብዘይካዚ፡ ሕብረተ ሰብ ቻይና፡ “ነቶም ብዘይ መርዓ ተኣኻኺቦም ዚነብሩ ሰብ ሓዳር . . . ሓንጐፋይ ኢሉ ይቕበሎም” ኣሎ።

ግሪኽ

እቲ ብ1974 ካብ ግሪኽ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ዝነበረ ሕማም ዓሶ ይምለስ ኣሎ። ሳዕቤኑ ድማ፡ ቍጠባዊ ቕልውላውን ንኽንክን ጥዕና ህዝቢ ዚወጽእ ዝነበረ ገንዘብ ስለ ዝነከየን ምዃኑ እዩ ዚንገር።

ህንዲ

ኣብ ህንዲ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ማሕበራዊ ለውጥታት እኳ እንተ ተራእየ፡ ገና ግና 74 ሚእታዊት ዚዀኑ ሰባት፡ ካብ “ተፋቒሮም ዚማራዓዉ፡” ስድራኦም ኬማጽኡሎም እዮም ዚደልዩ። ብዘይካዚ፡ 89 ሚእታዊት ዚዀኑ ሰባት፡ ካብ ምስ ወለዶምን ደቆምን ጥራይ፡ ምስ ብዙሓት ኣዝማዶም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ።

ኢጣልያ

“[ካቶሊካዊት] ቤተ ክርስትያን፡ ኣብተን ሃብታማት ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ተዳኺማ እያ ዘላ። ባህልና ኣሪጉ እዩ፣ ዓበይቲ ህንጻታት እኳ እንተ ሃለወና፡ ገዳማትና ግና ጥርሑ እዩ ተሪፉ ዘሎ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚርአ ቢሮክራሲ ሰማይ እዩ በጺሑ ዘሎ፣ ወግዕታትናን ልብሰ ኽህነትናን ኣዝዩ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ . . . ቤተ ክርስትያንና ገና 200 ዓመት ድሒራ እያ ዘላ።”—ምስ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ቕድሚ ሙማቱ እተገብረን ጋዜጣ ኮርየሬ ዴላ ሴራ ዘሕተመቶን ቃለ መጠይቕ።