ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ሰነ 2013

 ከመይ ይመስል ነበረ፧ | ኤል ሪኳየርሜንቶ

ብስም ኣምላኽ እተዋህበ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ

ብስም ኣምላኽ እተዋህበ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ

“ከምዚ እንተ ዘይጌርኩም፡ . . . ብሓገዝ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽመጸኩም፡ ብዅሉ ሸነኽን ብዚከኣለኒ መገድን ድማ ክዋግኣኩም እየ፣ ኣብ ትሕቲ ኣርዑትን ተኣዛዝነትን ቤተ ክርስትያንን ግርማውነቱን ከም እትኣትዉ ኸኣ ክገብረኩም እየ፣ ንኣንስትኹምን ንደቅኹምን ባሮት ክገብሮምን . . . ክሸጦምን እየ፣ ንንብረትኩም ወሲደ ብዚከኣለኒ ኽጐድኣኩም እየ። . . . በቲ ዜጋጥመኩም ሞትን ጕድኣትን፡ ግርማውነቱን ንሕናን እቶም ምሳይ ዝመጹ ሰብኡትን ዘይኰንናስ፡ ንስኻትኩም ከም እትሕተቱሉ ፍለጡ።”

እዚ ወግዓዊ ኣዋጅ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ስግንጢር ኣዋጃት እዩ ነይሩ። ሓደ ኽፋል እቲ ብስጳንኛ ኤል ሪኳየርሜንቶ ዚብሃል ኣዋጅ ኰይኑ፡ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበሩ ስጳኛውያን ወረርቲ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ምስ በጽሑ ዓው ኢሎም ዜንብብዎ ዝነበሩ እዩ።

እቶም ወረርቲ ነቶም ደቀባት እንታይ ንኺገብሩ እዮም ዜገድድዎም ነይሮም፧ ስለምንታይከ፧

ናብ ካቶሊክነት ብሓይሊ ምቕያር

ኮሎምበስ ብ1492 ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ኻብ ዚበጽሕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ነቲ ሓድሽ ቦታታት ናይ ምምሕዳር መሰል ከም ዘለወን ገለጻ። ክልቲአን ሃገራት፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ኣብ ምድሪ ዘሎ ተወካሊ ክርስቶስ ገይረን ይርእያኦ ስለ ዝነበራ፡ ፍልልያተን ንምፍታሕ ንዕኡ ኣማኸራኦ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝሃቦ መምርሒ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ነቲ ሓድሽ ቦታታት ንስጳኛን ንፖርቱጋልን መቐላአን፣ እቶም ደቀባት እምነቶም ናብ ካቶሊክነት ምእንቲ ኪቕየር ድማ፡ እተን ክልተ ሃገራት ሚስዮናውያን ናይ ምልኣኽ ግዴታ ኸም ዘለወን ተነግረን።

እቲ ወረራ እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ ንጉሳዊ ስርዓት ስጳኛ ንተግባራት እቶም ወረርቲ ሕጋዊ መልክዕ ኬትሕዞ ደለየ። ስጳኛውያን፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቦታታት ኪህቦም ከሎ፡ ከም ተወካሊ ኣምላኽ ኰይኑ ይዓዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ወረርቲ ነቶም ደቀባትን ንንብረቶምን ከም ድላዮም ናይ ምግባር፡ ንናጽነቶም ድማ ናይ ምንፋግ መሰል ከም ዘለዎም ገለጹ።

ስጳኛውያን ነቶም ደቀባት ብዛዕባ ውሳነ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚሕብሩሉ  ሰነድ ኣዳለዉ። እቶም ደቀባት፡ ክርስትና ኪቕበሉን ተገዛእቲ ንጉስ ስጳኛ ኪዀኑን ጻውዒት ይቐርበሎም ነበረ። እንተ ኣብዮም፡ ስጳኛውያን ብስም ኣምላኽ ምስቶም ደቀባት “ፍትሓዊ” ውግእ ኪዋግኡ ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም ነበረ።

“ፍትሒ ንምርካብ ኢልካ ዚግበር ዓመጽ፡ ሸለል ኪብሃል ከም ዚከኣል ዚገልጽ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሎ፡ ስጳኛውያን ንተግባራቶም ፍትሓዊ ንምምሳል ገለ ነገር ኪምህዙ ነይርዎም።”—ፍራንሲስ ሱሊቫን፡ ኣባል ካቶሊክ ዝዀነ የሱሳዊ ፕሮፌሰር ስነ ሃይማኖት

“ዘይፍትሓውን እኩይን ነውራምን”

ሰበ ስልጣን ስጳኛ ነቲ ኣዋጅ ዜንብቡሉ ዝነበሩ ምኽንያት፡ ንሕልናኦም ንምቕሳንን ነቲ ንጉሳዊ ወረራ ቕቡል ንምግባርን እዩ ነይሩ። እቶም ወረርቲ መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ ኣዋጅ ገና ኣብ መርከቦም ከለዉ ወይ ከኣ ኣብ መሬት እቶም ቋንቋ ኤውሮጳ ዘይፈልጡ ደቀባት ኰይኖም የንብብዎ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ተቐማጦ ብፍርሂ ይሃድሙ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ሰብ ንዘይብሉ ኣጓዱ ይንበብ ነበረ።

እቲ ብሓይሊ ሃይማኖት ንምቕያር እተገብረ ጻዕሪ፡ ደማዊ ጭፍጨፋ ኸም ዚካየድ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብ1550 ኣብ ቺለ እተገብረ ውግእ፡ ካብ ዓሌት ኣሮኬንያን ዝዀኑ ኣስታት 2,000 ሰባት ሞይቶም እዮም። እቲ ወራሪ ዝነበረ ፐድሮ ደ ቫልዲቪያ ንንጉስ ስጳኛ ብዛዕባ እቶም ደቀባት ኪጽሕፈሉ ኸሎ፡ “ብመሰረት እቲ ግርማውነኩም ዝሃብኩምዎ ትእዛዝ፡ መልእኽተኛታትን ትእዛዛትን [ማለት እቲ ኤል ሪኳየርሜንቶ ዚብሃል ኣዋጅ] ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ለኣኽኩሎም፡ ብሰሪ ንቕጽናኦም ክልተ ሚእቲ ሰባት ኣእዳዎምን ኣፍንጫኦምን ተቘሪጾም እዮም” በለ። *

እቶም ወረርቲ ነቲ ኤል ሪኳየርሜንቶ ዚብሃል ኣዋጅ ምንባቦም፡ ንሕልናኦም ኣቕሲንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃይማኖት ስጳኛውያን ከም ዚሰፍሕ ኣብ ምግባር ብዙሕ ኣበርክቶ ኣይነበሮን። ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ነቲ እቲ ኤል ሪኳየርሜንቶ ዚብሃል ኣዋጅ ዘሕደሮ ጽልዋ ብዓይኑ ዝረኣየ ባርተሎሜ ደ ላስ ካሳስ ዝስሙ ሚስዮናውን ፈላስን፡ “እቲ ትእዛዝ ክሳዕ ክንደይ ዘይፍትሓውን እኩይን ነውራምን ዘይቅኑዕን ስግንጢርን ኰን እዩ ነይሩ! ነቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዘውረዶ ሕማቕ ስም እሞ ኸኣ ክዛረበሉ ኣይደልን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ጎንዛሎ ፈርናንደዝ ደ ኦቭየዶ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ እተገብረ ዜስካሕክሕ ተግባራት፡ እቶም ደቀባት ብዛዕባ ክርስትና ሕማቕ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ገይሩ እዩ።

ኣምላኽ ነዚ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብስሙ ዝገበርዎ ጭካነ ይሕተተሉ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ይርሐቕ” እዩ ዚብል።—እዮብ 34:10

^ ሕ.ጽ. 12 ገሊኡ ምንጭታት ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኤል ሪኳየርሜንቶ ዚብሃል ኣዋጅ ብ1573 ተወጊዱ እዩ።