ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ቍ. 5 2017

 ገበር | መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧ ስለምንታይከ የገድሰና፧

መላእኽቲ ብኸመይ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ፧

መላእኽቲ ብኸመይ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ፧

እሙናት መላእኽቲ ብጕዳያት ደቂ ሰብ ኣዝዮም ይግደሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ከኣ ብንጥፈት ይሳተፉ እዮም። ኣምላኽ ንምድሪ ምስ ፈጠራ፡ መላእኽቲ “ብሓደ እልል ኢሎም፡ ኵሎም ደቂ ኣምላኽ ድማ ብናእዳ ጨዲሮም” እዮም። (እዮብ 38:4, 7) ኣብ መላእ ታሪኽ፡ መላእኽቲ ናብ ፍጻመታት ትንቢታዊ ቓላት “ኪጥምቱ” ተመንዮም እዮም። እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ነገራት ዚገልጽ እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:11, 12

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍጸም መላእኽቲ ኣብ ገሊኡ እዋናት ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብእተወሰነ ደረጃ ኸም ዘዕቈብዎም ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 34:7) ንኣብነት፦

  • የሆዋ ነተን እኩያት ከተማታት ዝነበራ ሶዶምን ጎሞራን ኬጥፍአን ከሎ፡ መላእኽቲ ነቲ ጻድቕ ሎጥን ንስድራ ቤቱን ኪሃድሙ ሓገዝዎም።—ዘፍጥረት 19:1, 15-26

  • ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን፡ ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ኣብ እቶን ሓዊ ተደርብዮም ኪቕተሉ ምስ ተፈርዱ፡ ኣምላኽ ‘መልኣኹ ልኢኹ ንገላዉኡ ኣናገፎም።’—ዳንኤል 3:19-28

  • እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝነበረ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ሃርጓማት ኣናብስ ምልእቲ ለይቲ ምስ ገበረ፡ “ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ” ብምባል ብኸመይ ከም ዝደሓነ ገለጸ።—ዳንኤል 6:16, 22

መላእኽቲ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም ንእሙናት ሰባት ኪሕግዝዎም ጸኒሖም እዮም

መላእኽቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ደገፍዋ

ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ኣምላኽ ዝለኣኾም መላእኽቲ ንምፍጻም ዕላማ የሆዋ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ኣብ ንጥፈታት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ጣልቃ ይኣትዉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፦

  • ሓደ መልኣኽ ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ነቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሃዋርያት ናብ ቤተ መቕደስ ከይዶም ኪሰብኩ ኣዘዞም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:17-21

  • ሓደ መልኣኽ ንፊሊጶስ እቲ ወንጌላዊ ናብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እተውርድ መገዲ ምድረ በዳ ኸይዱ ነቲ ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ኺሰብከሉ ኣዘዞ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-33

  • ከምቲ ኣምላኽ ዝመደቦ፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ክርስትያናት ዚዀኑሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ሓደ መልኣኽ ነቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ብራእይ ተራእዮ እሞ፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ጸዊዑ ናብ ቤቱ ኼምጽኦ ኣዘዞ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:3-5

  • ሃዋርያ ጴጥሮስ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ሓደ መልኣኽ ተራእዮ እሞ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:1-11

መላእኽቲ ብኸመይ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ፧

ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ተኣምራዊ መገድታት ብዚመሳሰል መገዲ ገይሩ ንሰባት ምእንቲ ኺሕግዞም መላእኽቲ ይጥቀም ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ  የሎን። ግናኸ፡ የሱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነዚ ዕዮ እዚ ብመሪሕነት መላእኽቲ ይፍጽምዎ ኸም ዘለዉስ ትፈልጥዶ፧

መላእኽቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብስራት ኪእወጅ ይሕግዙ ኣለዉ

መላእኽቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ምእንቲ ኺፈልጡ ተጊሆም ከም ዚሕግዝዎም መጽሓፍ ራእይ ትሕብር እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ፦ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኬበስሮም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ብስራት ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ረኣኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ‘እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ኣምልኽዎ’ በለ።” (ራእይ 14:6, 7) ሓያሎ ዘመናዊ ተመክሮታት፡ መላእኽቲ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይድግፍዎ ኸም ዘለዉ መርትዖ ይህብ እዩ። ሓደ ሓጥእ እኳ ምስ ዚንሳሕ እሞ፡ ናብ የሆዋ ምስ ዚምለስ፡ “ኣብ መንጎ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ።”—ሉቃስ 15:10

ዕዮ ስብከት ምስ ተዛዘመ፡ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ እቲ ንጉሰ ነገስት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣርማጌዶን “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪዋጋእ ከሎ፡ እቶም ብመላእኽቲ ዝቘሙ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት” ኪድግፍዎ እዮም። (ራእይ 16:14-16፣ 19:14-16) ጐይታና የሱስ፡ ‘ነቶም ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎ ሕነ ኺፈድዮም’ ከሎ ድማ፡ እቶም ሓያላት መላእኽቲ ኸም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኰይኖም ኪዓይዩ እዮም።—2 ተሰሎንቄ 1:7, 8

ስለዚ እምበኣር፡ መላእኽቲ ብብሕትኻ ኸም ዚግደሱልካ ተኣማመን።ከመይሲ፡ ብዛዕባ ድሕንነት እቶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ዚደልዩ ሰባት ዓሚቝ ተገዳስነት እዩ ዘለዎም። የሆዋ ድማ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እሙናት ኣገልገልቱ ምእንቲ ኼተባብዕዎምን ኬዕቍብዎምን ብተደጋጋሚ ተጠቒሙሎም እዩ።—እብራውያን 1:14

ነፍሲ ወከፍና እምበኣር፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ኬድልየና እዩ። ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚእወጅ ዘሎ ብስራት ክንሰምዖን ክንእዘዞን ዲና፧ ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብቲ ሓያላት መላእኽቲ ኣምላኽ ዚህብዎ ፍቕራዊ ሓገዝ ምእንቲ ኽትጥቀም ባህ ኢልዎም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።