“ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧ ጣልቃ ኸይኣተኻኸ ብሰንኪ ዓመጻ ኽሳዕ መዓስ ክምህለል እየ፧” (ኣንባቆም 1:2, 3) እዘን ቃላት እዚአን፡ እቲ ሞገስ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣንባቆም ዝስሙ ጻድቕ ሰብኣይ እዩ ተዛሪብወን። እዚ ግና እምነት ከም ዝጐደለቶ ዜርኢ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ኣምላኽ ንኣንባቆም፡ ንመከራ ዜወግደሉ ምዱብ ግዜ ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹሉ እዩ።—ኣንባቆም 2:2, 3

ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብካ መከራ ኺወርድ ከሎ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ንምውሳድ ከም ዝደንጐየን ኣቐዲሙ ጣልቃ ኺኣቱ ኸም ዝነበሮን ብቐሊሉ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ብምባል የጸናንዓና እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:9

ኣምላኽ መዓስ እዩ ስጕምቲ ዚወስድ፧

ኣብ ቀረባ እዋን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ! የሱስ ኣብ እተዛረቦ ነገር፡ ሓደ ወለዶ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ሓደ “ስርዓት” ከም ዝኣኸለ ዜለልየሉ ዝርዝር ምልክት ከም ዚርኢ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:3-42) ትንቢት የሱስ ኣብ ግዜና ይፍጸም ምህላዉ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ዚኣትወሉ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ ኸም ዘሎ የርኢ። *

ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ዜወግዶ ግና ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ንመከራ ደቂ ሰብ ንምእላይ ዘለዎ ሓይሊ ኣርእዩ እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ፦

ባህርያዊ ሓደጋ፦ የሱስን ሃዋርያቱን ብባሕሪ ገሊላ ኺጐዓዙ ኸለዉ፡ ብርቱዕ ማዕበል ነታ ጃልባኦም ኬጥሕላ ኢሉ ነበረ። የሱስ ግና ንሱን ኣቦኡን ንተፈጥሮኣዊ ነገራት ኪቈጻጸሩ ኸም ዚኽእሉ ኣርኣየ። (ቈሎሴ 1:15, 16) የሱስ፡ “ዝግ በል! ህዳእ!” ጥራይ በለ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።”—ማርቆስ 4:35-39

ሕማም፦ የሱስ ንዕዉራት፡ ንሓንካሳት፡ ሕማም ምንፍርፋር ንዘለዎም፡ ንድዉያት፡ ወይ ዝዀነ ዓይነት ድናሰ ንዘለዎም ሰባት ኣሕውዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ . . . ኣሕወዮም” ይብል።—ማቴዎስ 4:23, 24፣ 8:16፣ 11:2-5

ጥሜት፦ የሱስ በቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ ሒደት ምግቢ ኸም ዚብርክት ገይሩ እዩ። ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ ኽልተ ግዜ ንኣሽሓት ሰባት ከም ዝመገበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 14:14-21፣ 15:32-38

ሞት፦ እቲ የሆዋ ንሞት ንምስዓር ዘለዎ ሓይሊ፡ ኣብቲ የሱስ ከም ዝፈጸሞ ተመዝጊቡ ዚርከብ ሰለስተ ትንሳኤ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ሓደ ኻብቶም ንሱ ዘተንሰኦም ሰባት፡ ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ እዩ ነይሩ።—ማርቆስ 5:35-42፣ ሉቃስ 7:11-16፣ ዮሃንስ 11:3-44

^ ሕ.ጽ. 5 ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti እውን ትርከብ እያ።