ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ቍ. 2 2017

የሱስ ንሓማት ጴጥሮስ በጺሑዋን ኣሕውዩዋን እዩ።—ማቴዎስ 8፡14, 15፣ ማርቆስ 1፡29-31

ክርስትያን ኣገልገልቲ መውስቦ ኪኽልከሉ ግቡእ ድዩ፧

ክርስትያን ኣገልገልቲ መውስቦ ኪኽልከሉ ግቡእ ድዩ፧

ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስን ቡድህናን ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ሃይማኖታትን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖተንን ንካህናተንን ከይዋሰቡ ይኽልክላ እየን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ልምዲ እዚ ጠንቂ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣቕሽሽቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት ገኒኑ ዚርአ ዘሎ ጾታዊ ብልሽውና ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም።

ስለዚ፡ ‘ክርስትያን ኣገልገልቲ መውስቦ ኪኽልከሉ ኸም ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ይሓትት ድዩ፧’ ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ መበቈልን ኣመዓባብላን እዚ ልምዲ እዝን ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያን እስከ ንርአ።

መውስቦ ምኽልካል ኣብ ታሪኽ ሃይማኖት

ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ መውስቦ ምኽልካል፡ ‘ሓደ ውፉይ ሰብ ወይ መራሒ ሃይማኖት ከይምርዖ ምኽልካል ወይ ካብ ጾታዊ ርክብ ኪሕረም ምግባር ማለት እዩ።’ ብ2006፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ንመንበረ ጵጵስና ሮማ ኣብ ዘቕረቦ መደረ፡ ግዴታዊ ምኽልካል መውስቦ “ድሕሪ ግዜ ሃዋርያት ነዊሕ ከይጸንሐ ዝጀመረ ልምዲ” ኸም ዝዀነ ገለጸ።

እንተዀነ ግና፡ ካብ መውስቦ ምኽልካል ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ልምዲ ኣይነበረን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንኣመንቲ ብጾት ብዛዕባ እቶም ‘ብድራኸ መንፈስ ዜስሕት ዘረባታት’ ዚዛረቡን ‘መውስቦ ዚኽልክሉን’ ሰባት ኣጠንቂቕዎም እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4፡1-3

መውስቦ ናይ ምኽልካል ልምዲ፡ ኣብ ምዕራባውያን ኣብያተ “ክርስትያን” ኪተኣታቶ ዝጀመረ ኣብ ካልኣይ ዘመን እዩ። ብመሰረት እታ ሰሊባሲ ኤንድ ረሊጅዮስ ትራዲሽንስ (መውስቦ ምኽልካልን ልምድታት ሃይማኖትን) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እዚ “ምስ ምስፍሕፋሕ እቲ ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝጀመረ ሓድሽ ልምዲ ጾታዊ ምሕራም ዝመጸ እዩ።”

ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ዘመናት፡ ዋዕላ ቤተ ክርስትያንን ኣበው ቤተ ክርስትያንን፡ ምኽልካል መውስቦ ኻህናት ኣተኣታተዉ። ጾታዊ ርክብ፡ ዜርክስን ምስ ክህነታዊ ዕዮ ዘይከይድን ከም ዝዀነ ገይሮም  ይሓስቡ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸም ዝሓበሮ፡ “ክሳዕ መወዳእታ 10ይ ዘመን፡ ብዙሓት ኣቕሽሽትን ገሊኦም ኣቡናትን ኣንስቲ ነይረናኦም እየን።”

ኣብቲ ብ1123 ከምኡ ድማ 1139 ኣብ ሮማ እተኻየደ ዋዕላ ላተራን፡ ካህናት መውስቦ ኸም ዚኽልከሉ ተገብረ፣ ክሳዕ ሎሚ ድማ ወግዓዊ ኣቕዋም ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም እተመርዓዉ ኣቕሽሽቲ፡ ንብረት እታ ቤተ ክርስትያን ንደቆም ከየውርስዎም እሞ፡ ጽልዋን እቶትን እታ ቤተ ክርስትያን ከይጠፍእ ተኸላኺሉ እዩ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ምኽልካል መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ

ኣምላኽ ብዛዕባ ምኽልካል መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ኣብኡ ድማ የሱስ ብዛዕባ እቶም ንዕኡ ብምምሳል “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም” ከይተመርዓዉ ዚነብሩ ሰባት ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 19፡12) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ምስዚ ብምስምማዕ፡ ብዛዕባ እቶም “ምእንቲ እቲ ብስራት” ኢሎም ኣብነቱ ብምስዓብ ከይተመርዓዉ ኺነብሩ ዝመረጹ ክርስትያናት ተዛሪቡ እዩ።—1 ቈረንቶስ 7፡37, 38፣ 9፡23

እንተዀነ ግና፡ የሱስ ኰነ ጳውሎስ፡ ኣገልገልቲ ኻብ መውስቦ ኪኽልከሉ ኸም ዘለዎም ኣይኰኑን ዚእዝዙ ነይሮም። የሱስ፡ ከይተመርዓኻ ምንባር ‘ውህበት’ ደኣ እምበር፡ ኵሎም ሰዓብቱ ዜጥርይዎ ኸም ዘይኰነ ገሊጹ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም “ተመርዕዮም ዘይፈልጡ” ምስ ጸሓፈ፡ “ሓሳበይ እህብ ኣለኹ እምበር፡ ካብ ጐይታ ትእዛዝ የብለይን” ብምባል ብቕንዕና ተኣሚኑ እዩ።—ማቴዎስ 19፡11፣ 1 ቈረንቶስ 7፡25፣ እግረ ጽሑፍ።

ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ሓዊስካ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያን ኣገልገልቲ፡ ምርዑዋት ሰብኡት ከም ዝነበሩ እዩ ዚሕብር። (ማቴዎስ 8፡14፣ ማርቆስ 1፡29-31፣ 1 ቈረንቶስ 9፡5) ጳውሎስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ርኹስ ጾታዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ ብምንባሩ፡ ሓደ ክርስትያን ሓላዊ፡ ምርዑው እንተ ዀይኑ፡ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ከምኡ ድማ “ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ” ኪኸውን ከም ዘለዎ ጸሓፈ።—1 ጢሞቴዎስ 3፡2, 4

እዚ፡ ጾታዊ ርክብ ዘይግበረሉ መውስቦ ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ” ኸምኡ ድማ ንምርዑዋት ሰብ ሓዳር ንጾታዊ ርክብ ብዚምልከት “ሓደ ነቲ ሓደ ኣይከልክሎ” እዩ ዚብል። (1 ቈረንቶስ 7፡3-5) ብንጹር እምበኣር፡ መውስቦ ዘይምግባር፡ ኣምላኽ ዚሓትቶ ብቕዓት ኣይኰነን፣ ክርስትያን ኣገልገልቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ግዴታ እውን ኣይኰነን።

ምእንቲ እቲ ብስራት

መውስቦ ምኽልካል ግዴታ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ የሱስን ጳውሎስን ከይተመርዓኻ ብዛዕባ ምንባር ብኣወንታ እተዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ ሰብ ከይተመርዓወ ምንባሩ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ኬካፍል ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሉ ስለ ዚኽእል እዩ። እቶም ዘይተመርዓዉ፡ እቶም ምርዑዋት ካብ ዘለዎም ጭንቀት ሓራ ስለ ዝዀኑ ዝያዳ ኺዓይዩ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረንቶስ 7፡32-35

ኣብነት ዴቪድ እስከ ንርአ፣ ንሱ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ምእንቲ ኺምህር ኢሉ ነቲ ኣብ መክሲኮ ሲቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ዝነበረ ስራሕ ሓዲጉ፡ ኣብ ኮስታሪካ ናብ እትርከብ ገጠር ኪግዕዝ ወሲኑ እዩ። እሞኸ፡ ዘይምምርዓዉ ድዩ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኺወስድ ሓጊዝዎ፧ ንሱ፡ “ብርግጽ” ብምባል ይምልስ። ቀጺሉ፡ “ሓድሽ ባህልን እተፈልየ መነባብሮን ምልማድ ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ገዛእ ርእሰይ ጥራይ ክኣሊ ስለ ዝነበረኒ ግና ንምልማዱ ቐሊሉለይ እዩ” ይብል።

ወንጌላውያን ናብ ዜድልዩሉ ኸባቢታት ከተገልግል ዝገዓዘት ክላውድያ እትብሃል ዘይተመርዓወት ክርስትያን ከምዚ ትብል፦ “ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣገልግሎት የሐጕሰኒ እዩ፣ ከመይ ገይሩ ኸም ዚከናኸነኒ ኽርኢ ኸለኹ ድማ እምነተይን ምስኡ ዘሎኒ ርክብን ይድልድል እዩ።”

“እተመርዓኻ ወይ ዘይተመርዓኻ ኹን ብዘየገድስ ንየሆዋ ኣምላኽ ካብቲ ኽትህቦ እትኽእል እቲ ዝበለጸ እንተ ሂብካዮ፡ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።”—ክላውድያ

ዘይምምርዓው ጾር ኪኸውን የብሉን። ክላውድያ ቐጺላ፡ “እተመርዓኻ ወይ ዘይተመርዓኻ ኹን ብዘየገድስ ንየሆዋ ኣምላኽ ካብቲ ኽትህቦ እትኽእል እቲ ዝበለጸ እንተ ሂብካዮ፡ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ” በለት።—መዝሙር 119፡1, 2