ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ቍ. 2 2017

ነቶም ካብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚድሕኑ ሰባት፡ ገነት እትኸውን ምድሪ ትጽበዮም ኣላ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ነገራትን፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዘለና የርኢ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ዳሕሮት መዓልትታት ብውግእን ብጥሜትን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ብለብዒ ቐተልቲ ሕማማትን እዩ ዚልለ። —ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:11

  • ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ከቢድ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ውድቀት እዩ ዜጋጥሞ ዘሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2-5

ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

ገሊኦም ሰባት . . . ዳሕሮት መዓልትታት፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ብምጥፋእ ከም ዚዛዘም ኪኣምኑ ኸለው፡ ካልኦት ድማ ኵነታት ኪመሓየሽ ተስፋ ይገብሩ። እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”መዝሙር 37:29

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧