ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

“ብግብርን ብሓቅን” ንፋቐር

“ብግብርን ብሓቅን” ንፋቐር

ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።”—1 ዮሃ. 3:18

መዝሙር፦ 106, 100

1. ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ እንታይ እያ፧ ብልጽቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

እታ ኣብ ቅኑዕ ስርዓታት እተመስረተት ፍቕሪ (ኣጋፐ)፡ ውህበት የሆዋ እያ። ምንጫ እውን ንሱ እዩ። (1 ዮሃ. 4:7) እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ንኻልኦት ከም እትፈትዎም ንዘሎካ ስምዒት እትሓቍፍ እኳ እንተ ዀነት፡ ቀንዲ መለለዪኣ ግና ምእንቲ ጥቕሚ ኻልኦት እትገብሮ ስስዐ ዘይብሉ ተግባራት እዩ። ሓደ መወከሲ ኸም ዝሓበሮ፡ ኣጋፐ “ብተግባራታ ጥራይ ክትፍለጥ ትኽእል እያ።” ንኻልኦት ከምዚኣ ዝዓይነታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ምስ እነርእዮም ወይ ንሳቶም ምስ ዜርእዩና ትርጉም ዘለዎን ሓጐስ ዝመልኦን ህይወት ይህልወና።

2, 3. የሆዋ ንደቂ ሰብ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

2 የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ቅድሚ ምፍጣሩ እውን ከይተረፈ፡ ንሰባት ከም ዜፍቅሮም ኣርእዩ እዩ። ንምድሪ፡ መንበሪት ክትከውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰባት ንህይወት እናኣስተማቐሩ ምሉእ ብምሉእ ተሓጒሶም ንዘለኣለም ከም ዚነብሩላ ገይሩ እዩ ፈጢሩዋ። ንረብሓኡ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ንጥቕምና ኢሉ እዩ ፈጢርዋ። ቀጺሉ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮም ደቁ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ብምሃብ ባሪኽዎም እዩ።

3 ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ዝዓበየ መግለጺ እታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ንዘርኢ እቶም ክልተ ዓለወኛታት፡ ገለ ኻባታቶም ንፍቕሩ ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዚህቡ ርግጸኛ ብምዃን፡ በጃ ኣሰናደወሎም።  (ዘፍ. 3:15፣ 1 ዮሃ. 4:10) ካብታ ብዛዕባ እቲ መድሓኒ ዘተስፈወላ ህሞት ኣትሒዙ ኸኣ፡ እዚ መስዋእቲ እዚ ድሮ ኸም እተፈጸመ ገይሩ ቘጸሮ። ድሕሪኡ፡ ኣስታት 4,000 ዓመት ጸኒሑ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንደቂ ሰብ መስዋእቲ ኪኸውን ብምልኣኽ ዓብዪ ዋጋ ኸፊሉ እዩ። (ዮሃ. 3:16) የሆዋ ኸምዚኣ ዝበለት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ስለ ዘርኣየናስ፡ ኣዚና ኸነማስዎ ዚግባእዶ ኸይኰነ!

4. ዘይፍጹማት ሰባት፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

4 ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ንሕና እውን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ፍቕሪ ኸይነርኢ ዕንቅፋት ዚዀነና እኳ እንተ ዀነ፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ንዘሎና ኽእለት ግና ኣየጥፍኦን እዩ። ኣቤል ካብ ዝነበሮ ጥሪት ነቲ ብሉጽ መሪጹ ብምስዋእ፡ ንኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍ. 4:3, 4) ኖህ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት መልእኽቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። እቶም ሰባት ኣወንታዊ ምላሽ እኳ እንተ ዘይሃብዎ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሰቢኹሎም እዩ። (2 ጴጥ. 2:5) ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ምስ ተኣዘዘ፡ ካብ ስምዒቱ ኣብሊጹ ንኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ ኣርእዩ እዩ። (ያእ. 2:21) ንሕና እውን ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ከምዞም እሙናት ሰባት እዚኦም፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ንደሊ ኢና።

ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧

5. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ዚብል ምኽሪ ብምሃብ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትርአ ገሊጹ ኣሎ። (1 ዮሃ. 3:18) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ብቓልና ፍቕሪ ኽንገልጽ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። (1 ተሰ. 4:18) የግዳስ፡ ተግባር ዜድልዮ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ፡ ፍቕርና ብቓላት ጥራይ ምግላጽ እኹል ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ንህይወት ዜድልዮ መሰረታዊ ነገራት ምስ ዚስእን፡ ትምኒትና ጥራይ ምግላጽ ኣኻሊ ኣይኰነን። (ያእ. 2:15, 16) ብተመሳሳሊ፡ ንየሆዋን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ፡ ኣምላኽ “ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ” ክንልምኖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ክንካፈል እውን ትድርኸና እያ።—ማቴ. 9:38

6, 7. (ሀ) ‘ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ’ እንታይ እያ፧ (ለ) ገለ ኣብነታት ኣምሰሉ ፍቕሪ ጥቐስ።

6 ሃዋርያ ዮሃንስ “ብግብርን ብሓቅን” ክንፋቐር ከም ዘሎና ገሊጹ እዩ። ስለዚ፡ ፍቕርና “ብዘይ ግብዝና” ወይ ‘ግብዝና ዘይብላ’ ኽትከውን ኣለዋ። (ሮሜ 12:9፣ 2 ቈረ. 6:6) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ዘይኰንናዮ ኸነምስል እናፈተንና፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነርኢ ኣይንኽእል ኢና ማለት እዩ። ምናልባት፡ ‘ግብዝና ዘለዋ ፍቕሪዶ ኣላ እያ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መልሱ፡ “የላን” ዚብል እዩ። ከመይሲ፡ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ዘይኰነትስ፡ ኣምሰሉ ጥራይ እያ።

7 ገለ ኣብነታት ንርአ። ኣብ ገነት ኤደን፡ ሰይጣን ንረብሓታት ሄዋን ከም ዚሓስብ መሲሉ እኳ እንተ ቐረበ፡ ተግባራቱ ግና ስስዐን ግብዝናን ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 3:4, 5) ብመዓልትታት ዳዊት፡ ኣሒቶፌል ምስ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ርክብ ናይ ሓሶት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣሒቶፌል፡ ረብሓ ዚረክብ ኰይኑ ምስ ተሰምዖ፡ ንዳዊት ክሒድዎ እዩ። (2 ሳሙ. 15:31) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ከሓድትን ኣብ ጉባኤ ፍልልይ ዚፈጥሩን “ብጥዑም ዘረባን ብሽሕጣንን” ፈቃራት ከም ዚዀኑ የምስሉ እዮም። ከም ሓቂ ግና ብስስዐ ተደሪኾም እዮም ከምኡ ዚገብሩ።—ሮሜ 16:17, 18

8. ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

8 ግብዝና ዘለዋ ፍቕሪ ኣንጻር እታ ኣምላኻዊት ባህርይ ዝዀነት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ብምዃና፡ እተዋርድ እያ። ንሰባት ደኣ እምበር፡ ንየሆዋ ኸነታልሎ ኣይንኽእል ኢና። የሱስ፡  እቶም ካብ ግቡዛት ዘይፍለዩ ሰባት፡ “ብዜስካሕክሕ መገዲ” ኸም ዚቕጽዑ ሓቢሩ ኣሎ። (ማቴ. 24:51) ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ግብዝና ዘለዋ ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዘይደልዩ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ወትሩ፡ ስስዐ ወይ ምትላል ዘይብላ ፍቕሪ ድየ ዘርኢ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ቀጺልና፡ ‘ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ’ ኸነርእየሉ እንኽእል ትሽዓተ መገዲ ንመርምር።

“ብግብርን ብሓቅን” ብኸመይ ከም እንፋቐር

9. ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ ንምግባር እያ እትድርኸና፧

9 ከይተፈለጥካ ብእተገልግሎ ኣገልግሎት ባህ ይበልካ። እንተ ተኻኢሉ፡ ንኣሕዋትና “ብሕቡእ” ወይ ከይተፈለጥና ብፍቕሪ ኸነገልግሎም ፍቓደኛታት ክንከውን ይግባእ። (ማቴዎስ 6:1-4 ኣንብብ።) ሃናንያን ሰጲራን ነዚ ኣይተግበርዎን። ገንዘብ ኬዋጽኡ ኸለዉ፡ እቲ ዝገበርዎ ምእንቲ ኺውረ፡ ንወፈያኦም ኣጋኒኖም ኣቕረብዎ፡ ብግብዝናኦም ከኣ ተቐጽዑ። (ግብ. 5:1-10) ናይ ሓቂ ፍቕሪ ግና ንኣሕዋትና ብዘይርኣዩለይ ወይ ከይተፈለጥና ባህ ኢሉና ኸነገልግሎም እያ እትድርኸና። ንኣብነት፡ እቶም ንኣመሓዳሪ ኣካል መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው ዚሕግዝዎም ኣሕዋት፡ ኣቓልቦ ኺግበረሎም ኰነ ብዛዕባ እቲ ዚዓይዎ ዕዮ ኸም ዚፍለጥ ኪገብሩ ኣይደልዩን እዮም።

10. ንኻልኦት ኣብ ምኽባር ቀዳሞት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ንኻልኦት ኣብ ምኽባር ቀዳሞት ንኹን። (ሮሜ 12:10 ኣንብብ።) የሱስ ኣትሒትካ ዚርአ ዕዮ ብምዕያይ ንኻልኦት ከነኽብር ከም እንኽእል ዜርኢ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። (ዮሃ. 13:3-5, 12-15) በዚ ኸምዚ ንኻልኦት ከነኽብር እትሕግዘና ትሕትና ኸነማዕብል ክንጽዕር የድልየና። ሃዋርያት እውን እንተ ዀኑ፡ ክሳዕ እቲ መንፈስ ቅዱስ እተቐበሉሉ እዋን ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተግባር ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም። (ዮሃ. 13:7) ንኻልኦት ምእንቲ ኸነኽብሮም፡ በቲ ዘሎና ትምህርቲ፡ ስጋዊ ጥሪት፡ ወይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝረኸብናዮ መሰል፡ ብዛዕባ ርእስና ኣዕዚዝና ኽንሓስብ የብልናን። (ሮሜ 12:3) ብዘይካዚ፡ ካልኦት ኪውደሱ ኸለዉ፡ ማዕሪኦም ክብሪ ኸም ዚግብኣና ወይ ከኣ ኣብቲ ዕዮ እጃም ከም ዘሎና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ ኣብ ክንዲ እንቐንእ ምስኦም ንሕጐስ ኢና።

11. ናእዳና ኻብ ልቢ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

11 ንኣሕዋትካ ኻብ ልቢ ንኣዶም። ናእዳ ‘ንምህናጽ ዜድሊ ጽቡቕ ቃል’ ስለ ዝዀነ፡ ንኻልኦት ክንንእደሉ ዚሕግዘና ኣጋጣሚታት ከነናዲ ይግባእ። (ኤፌ. 4:29) ይኹን እምበር፡ ናእዳና ኻብ ልቢ ኪኸውን ኣለዎ። ካብ ልቢ እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ሽሕጣን እዩ ዚኸውን። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሰብ ዜድልዮ ምኽሪ ኸይንህቦ ዕንቅፋት ይዀነና። (ምሳ. 29:5) ንሓደ ሰብ ንኢድካ ኸተብቅዕ፡ ብድሕሪኡ ምሕማዩ፡ ግብዝና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ በዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ፣ ንኻልኦት ኪንእዶም ከሎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ የርእዮም ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ ባህርያቶም ጠቒሱ ኻብ ልቢ ንኢድዎም እዩ። (1 ቈረ. 11:2) ጌጋታት ኪገብሩ ኸለዉ ግና ብለውሃት ኣነጺሩ ይምዕዶም ነበረ።—1 ቈረ. 11:20-22

ሓደ ኻብቲ ፈቃራትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ምዃንና እነርእየሉ መገዲ፡ ንእተሸገሩ ኣሕዋትና ምሕጋዝ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ኣጋይሽ ክንቅበል ከለና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ተቐባል ጋሻ ኹን። የሆዋ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ለጋሳት ክንከውን ኣዚዙና እዩ። (1 ዮሃንስ 3:17 ኣንብብ።) ነዚ ግና ብቕኑዕ ድራኸ ኽንገብሮ ኣሎና። ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና፦ ‘ብቐዳምነት ንኣዕሩኸይ፡ ንምርኡያት ሰባት፡ ወይ ከኣ ብገለ መገዲ ጽቡቕ ኪገብሩለይ ንዚኽእሉ ሰባት ድየ ዚቕበሎም፡ ወይስ ኣጸቢቐ ንዘይፈልጦም ወይ ኪፈድዩኒ ንዘይክእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክልግሰሎም ዚኽእለሉ መገድታት እየ ዘናዲ፧’ (ሉቃ. 14:12-14) ነዚ ዚስዕብ  ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ሓደ ክርስትያን ብጻይካ ዘይጥበባዊ ውሳነታት ብምግባሩ ኣብ ስእነት እንተ ዚወድቕ፡ ወይ ከኣ ሓደ ኣብ ቤትካ ዝዓደምካዮ ሰብ ከየመስገነካ እንተ ዚተርፍ እንታይ ምገበርካ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ፡ ነቲ፡ “ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቓባበሉ” ዚብል ምኽሪ ምትግባሩ ጥበባዊ እዩ። (1 ጴጥ. 4:9) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ፡ ነቲ ብቕኑዕ ድራኸ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ከተስተማቕሮ ኢኻ።—ግብ. 20:35

13. (ሀ) ንድኹማት ምሕጋዝ ብፍላይ ኣጸጋሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧ (ለ) ንድኹማት ንምድጋፍ እንታይ ግብራዊ ነገራት ክንገብር ንኽእል፧

13 ንድኹማት ደግፎም። ነቲ፡ “ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም” ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንስዕበሉ እዋን፡ ፍቕርና ኽሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ምዃና ኽትፍተን ትኽእል እያ። (1 ተሰ. 5:14) ድኹማት ዝነበሩ ሓያሎ ኣሕዋት፡ ድሕሪ ገለ ግዜ ብእምነት ድልዱላት ዚዀኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግና ትዕግስትናን ቀጻሊ ደገፍናን የድልዮም እዩ። ንኣብነት፡ ዚሃንጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ከነካፍሎም፡ ምሳና ኼገልግሉ ኽንዕድሞም፡ ወይ ከኣ ኪዛረቡና ኸለዉ ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ንሓደ ክርስትያን “ብርቱዕ” ወይ “ድኹም” ከም ዝዀነ ጌርና ኣብ ክንዲ እንሓስቦ፡ ኵላትና ብርቱዓትን ድኹማትን እንዀነሉ ግዜያት ከም ዘሎ ኽንዝክር ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ድኻም ከም ዘለዎ ተኣሚኑ እዩ። (2 ቈረ. 12:9, 10) ስለዚ፡ ኵላትና ደገፍ ክርስትያን ብጾትና የድልየና እዩ።

14. ምስ ኣሕዋትና ብሰላም ንምንባር፡ ክሳዕ ክንደይ ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧

14 ገባር ሰላም ኩን። ካልኦት ብጌጋ ኸም እተረዱኡና ወይ ከም ዚጐድኡና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ብእተኻእለና መጠን ምስ ኣሕዋትና ብሰላም ክንነብር ንጽዕር ኢና። (ሮሜ 12:17, 18 ኣንብብ።) ንሓደ ክርስትያን ምስ እንብድሎ፡ ካብ ልቢ ይቕረታ ምሕታት፡ ነቲ ርክብ የመሓይሾ እዩ። ንኣብነት፡ ብላዕለ ላዕሉ “ኣይትሓዘለይ” ጥራይ ኣብ ክንዲ እትብል፡ “ኣይትሓዘለይ፡ ከምኡ ኽብል ኣይነበረንን” ብምባል ጌጋኻ ተኣመን። ሰላም፡ ብፍላይ ኣብ ሓዳር ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ንበይኖም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን እናተሰጕደሙ፡ እናተጸራረፉ፡ ወይ እናተሃራረሙ ዚነብሩ ኽነሶም፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ግና ፍቕሪ ኸም ዘለዎም ኬምስሉ ጌጋ እዩ።

15. ካብ ልቢ ይቕረ ኸም ዝበልና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

15 ብናጻ ይቕረ በል። ንሓደ ዝበደለና ሰብ በደሉ ምስ እንሓድገሉ፡ ወይ ቂም ምስ ዘይንሕዘሉ፡ ይቕረ ንብለሉ ኣሎና ማለት እዩ። ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ እናተዓጋገስና፡ ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክንሕልዎ ብምግዳል፡’ ነቶም ከም ዝበደሉና ዘይተገንዘቡ ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ብናጻ ይቕረ ኽንብለሎም ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:2, 3) ካብ ልብና ይቕረ ምእንቲ ኽንብል፡ ንኣተሓሳስባና ብምቍጽጻር ‘ከይንቕየም’ ክንጽዕር ኣሎና። (1 ቈረ. 13:4, 5) ንቕየም እንተ ዄንና፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ  እውን ንሓዋሩ ኺበላሾ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:14, 15) ብዘይካዚ፡ ምእንቲ እቶም ዝበደሉና ብምጽላይ፡ ካብ ልቢ ይቕረ ኸም ዝበልናሎም ከነርኢ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 6:27, 28

16. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንእተዋህበና ፍሉይ መሰላት ብኸመይ ክንርእዮ ይግባእ፧

16 ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ፍሉይ መሰላት ምስ ዚውሃበና፡ ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 10:24) ንኣብነት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ኺዓይዩ እተመደቡ ኣአንገድቲ፡ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ኣብ መአከቢ ይርከቡ እዮም። እዚ ዕዮ እዚ እተዋህቦም መብዛሕትኦም ኣሕዋት፡ ንዕኦምን ንስድራ ቤቶምን ዝሓሸ ቦታ ኣብ ክንዲ ዚመርጹ፡ ኣብ ትሑት ቦታ እዮም ኮፍ ዚብሉ። ጥቕሚ ርእሶም ብዘይምድላይ፡ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ እዮም ዜርእዩ። ነቲ ሰናይ ኣብነቶም ብኸመይ ክትቀድሖ ትኽእል፧

17. ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ ንምግባር እያ እትድርኾ፧

17 ንሕቡእ ሓጢኣት ተናዘዘሉን ሕደጎን። ሓጢኣት ዝፈጸሙ ገሊኦም ክርስትያናት ምእንቲ ኸይዋረዱ ወይ ካልኦት ብእኦም ምእንቲ ኸይጕህዩ ኢሎም፡ ነቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ኪሓባብእዎ ይፍትኑ እዮም። (ምሳ. 28:13) እዚ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝፈጸሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ስለ ዚጐድእ፡ ፍቕራዊ ተግባር ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘይውሕዝን ሰላም እታ ጉባኤ ኸም ዚዝረግን እዩ ዚገብር። (ኤፌ. 4:30) ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ክርስትያናት፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንተ ኣልያቶም፡ ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ቀሪቦም ሓጢኣቶም ይናዘዙ እዮም።—ያእ. 5:14, 15

18. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧

18 ፍቕሪ ኻብ ኵለን ባህርያት ዝዓበየት እያ። (1 ቈረ. 13:13) እዛ ፍቕሪ እዚኣ እንተ ኣልያትና፡ ሰዓብቲ የሱስ ምዃንና ንልለ፡ ነቲ ምንጪ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ንመስሎ። (ኤፌ. 5:1, 2) ጳውሎስ፡ “ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ” በለ። (1 ቈረ. 13:2) ሃየ እምበኣር፡ “ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓል” ጥራይ ኣይንፋቐር!