ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ጥሪ 2017

ኣብ ግዜ ፈተና ብትሕትና ተመላለስ

ኣብ ግዜ ፈተና ብትሕትና ተመላለስ

‘ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና ተመላለስ።’—ሚክ. 6:8

መዝሙር፦ 48, 80

1-3. እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ እንታይ እዩ ዘይገበረ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ንጉስ የሮብዓም ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን፡ የሆዋ ነቲ ኸሓዲ ዝነበረ ንጉስ እስራኤል ከቢድ መልእኽቲ ፍርዲ ኼብጽሓሉ ኢሉ ኻብ ይሁዳ ሓደ ነብዪ ለኣኸ። እቲ ትሑት ዝነበረ ነብዪ ብተኣማንነት መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብጽሐ፣ የሆዋ ድማ ንኣገልጋሊኡ ኻብ ቍጥዓ የሮብዓም ሓለዎ።—1 ነገ. 13:1-10

2 እቲ ነብዪ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ፡ ካብ ቤት-ኤል ምስ ዝመጸ ኣረጊት ሰብኣይ ሃንደበት ተራኸበ። እቲ ሰብኣይ፡ ነብዪ የሆዋ ኸም ዝዀነ ተዛረበ። ነቲ መንእሰይ ነብዪ ድማ፡ ነቲ ‘ኣብ እስራኤል እንጌራ ኸይበልዕን ማይ ከይሰትን በታ ዝኸደላ መገዲ ኸይምለስን’ የሆዋ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ኬፍርስ ኣታለሎ። የሆዋ በዚ ኣይተሓጐሰን። እቲ ነብዪ የሆዋ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ፡ ቀተሎ።—1 ነገ. 13:11-24

3 እቲ ትሑት ዝነበረ ነብዪ ብድፍረት ምስቲ መታለሊ ኣረጊት ነብዪ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ኺመላለስ’ ከም ዝነበሮ ረሲዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሚክያስ 6:8 ኣንብብ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ዚብል ሓሳብ፡ ንልዑላውነቱ ምድጋፍን ንመሪሕነቱ ምስዓብን ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመሓላልፍ። ትሑት ሰብ፡ ምስቲ ፈቃርን  ኵሉ ዚኽእልን ኣቦኡ የሆዋ ቐጻሊ ርክብ ኪህልዎ ኸም ዘለዎ ይግንዘብ እዩ። እቲ ነብዪ ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ መምርሒታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ንየሆዋ ባዕሉ ኺሓትቶ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምኡ ኸም ዝገበረ ኣይነግረናን እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሕና እውን ከቢድ ውሳነታት ክንገብር የድልየና ይኸውን፣ ቅኑዕ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ እውን ኣይንጽረልናን ይኸውን። ብትሕትና መምርሒ የሆዋ ንምርካብ እንተ ጽዒርና ግና፡ ከቢድ ጌጋታት ካብ ምግባር ክንናገፍ ንኽእል ኢና።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምሃር ኢና፧

4 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ትሕትና ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንክርስትያናት ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ ምዃናን ነዛ ባህርይ እዚኣ ምንጽብራቕ እንታይ ከም ዜጠቓልልን ርኢና ኢና። ንትሕትናና ኺፍትን ዚኽእል ኵነታት ግና እንታይ እዩ፧ ጸቕጢ ኼጓንፈና ኸሎ እውን ትሑታት ምእንቲ ኽንከውን፡ ነዛ ባህ እተብል ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ንትሕትናና ኺፍትን ዚኽእል ሰለሰተ ልሙድ ኵነታትን ነዚ ብኸመይ ብጥበባዊ መገዲ ኽንዋጽኣሉ ኸም እንኽእልን ክንርኢ ኢና።—ምሳ. 11:2

ኵነታትና ምስ ዚልወጥ

5, 6. ባርዚላይ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

5 ብሕታዊ ዅነታትና ወይ ሓላፍነትና ምስ ዚልወጥ፡ ትሕትና ምርኣይ ፈተና ኪዀነና ይኽእል እዩ። ዳዊት ነቲ ወዲ 80 ዓመት ዝነበረ ባርዚላይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስኡ ኺነብር ዕድመ ኣቕረበሉ፣ እዚ ድማ ንባርዚላይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ነይሩ። ንዕድመ እቲ ንጉስ እንተ ዚቕበሎ፡ ምስ ንጉስ ናይ ቀረባ ርክብ ምሃለዎ ነይሩ። ባርዚላይ ግና ነቲ ዕድመ ኣይተቐበሎን። ስለምንታይ፧ ብዕድመ ደፊኡ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ንጉስ ጾር ኪዀኖ ኸም ዘይደሊ ነገሮ። እቲ ምናልባት ወዱ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኪምሃም ኣብ ክንዳኡ ኪኸይድ ድማ ተማሕጸነ።—2 ሳሙ. 19:31-37

6 ትሕትና ንባርዚላይ ሚዛናዊ ውሳነ ኺገብር ሓጊዛቶ እያ። ንዕድመ ዳዊት ዘይተቐበሎ፡ ሓላፍነት ኪቕበል ከም ዘይበቅዕ ስለ እተሰምዖ ወይ ኣብ ግዜ እርጋኑ ጾር ዘይብሉ ናብራ ኺነብር ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ኵነታቱ ኸም እተለወጠን ዓቕሙ ድሩት ምዃኑን ስለ እተገንዘበ እዩ። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኺስከም ኣይደለየን። (ገላትያ 6:4, 5 ኣንብብ።) ኣብ ስልጣን፡ ዝና፡ ወይ ተፈላጥነት ነተኵር እንተ ዄንና፡ ምትህልላኽን ምቅንናእን ጓህን ጥራይ እዩ ዜፍርየልና። (ገላ. 5:26) ትሕትና ግና ብዅሉ ኽእለትናን ጻዕርናን ንኣምላኽ ክብሪ ኸነምጽእን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዚከኣለና ኽንገብርን ትሕግዘና።—1 ቈረ. 10:31

7, 8. ትሕትና ብርእስና ኸይንእመን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

7 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ምስ እንረክብ፡ ዝለዓለ ስልጣን እውን ይህልወና እዩ፣ እዚ ድማ፡ ትሕትናና ይፍትን እዩ። ነህምያ ብዛዕባ ሕማቕ ሃለዋት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐ፡ ናብ የሆዋ ኣበርቲዑ ጸለየ። (ነህ. 1:4, 11) የሆዋ ስለ ዝባረኾ ድማ፡ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ሹም እቲ ዞባ ኪኸውን መዘዞ። ነህምያ ዓብዪ ሓላፍነትን ብዙሕ ሃብትን ልዑል ስልጣንን እኳ እንተ ነበሮ፡ ኣብ ናይ ርእሱ ተመክሮ ወይ ክእለት ኣይተወከለን። ምስ የሆዋ ደኣ ተመላለሰ። ንሕጊ ኣምላኽ ብምውካስ ድማ መምርሒ የሆዋ ይደሊ ነበረ። (ነህ. 8:1, 8, 9) ንኻልኦት ኪዕብልሎም ኣይጸዓረን፣ የግዳስ፡ ብናይ ርእሱ ወጻኢታት ንኻልኦት የገልግል ነበረ።—ነህ. 5:14-19

8 ነህምያ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ዝያዳ ዕዮ ወይ ተወሳኺ ሓላፍነት ምስ እንረክብ፡ ትሕትና ብርእስና ኸይንእመን ከም እትሕግዘና የርኢ። ሓደ ሽማግለ ብርእሱ ጥራይ ዚእመን እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ የሆዋ ኺረክብ ብጸሎት ከይለመነ ንጉባኤ  ዚምልከት ጕዳያት ይዓዪ ይኸውን። ገሊኦም ከኣ መጀመርታ ውሳነ ገይሮም፡ የሆዋ ውሳነኦም ኪባርኸሎም ይጽልዩ ይዀኑ። እዚ ግና ትሕትና ዜንጸባርቕ ድዩ፧ ትሑት ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታን ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ወትሩ ይዝክር እዩ። እቲ ቐንዲ ዜገድስ ነገር፡ ክእለትና ኣይኰነን። ብፍላይ ቅድሚ ሕጂ እንፈልጦ ዅነታት ወይ ዘሕለፍናዮ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብርእስና ኸይንእመን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።) ቤተ ሰብ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ እቲ እንረኽቦ ሓላፍነታት ካብ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትና ወይ ጉባኤና ዝሓሽና ኸም ዚገብረና ኣይስምዓናን እዩ። የግዳስ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቢርና ኢና እንዓዪ።—1 ጢሞ. 3:15

ነቐፌታ ወይ ውዳሰ ምስ ዚውሃበና

9, 10. ትሕትና ንዚውሃበና ዘይቅኑዕ ነቐፌታ ኽንጻወር እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

9 ዘይቅኑዕ ነቐፌታ ምስ ዜጋጥመና፡ ስምዒትና ምቍጽጻር ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ሃና እታ መቐናቕንታ ዝነበረት ጵኒና ብዘምቍራጽ ተባጭወላ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ሳዕ ትበኪ ነበረት። ሰብኣያ የፍቅራ እኳ እንተ ነበረ፡ መኻን እያ ነይራ። ጸኒሑ፡ ኣብ ማሕደር ኣምላኽ ክትጽሊ ኸላ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ዝሰኸረት መሲልዎ ተዛረባ። እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጕህያ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ይኹን እምበር፡ ሃና ርእሳ ገትአት፣ ንኤሊ ድማ ብኣኽብሮት መለሰትሉ። እቲ ልቢ ዚትንክፍ ጸሎታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ኣሎ። መግለጺታት እምነትን ውዳሰን ሞሳን ዘጠቓለለ ድማ እዩ።—1 ሳሙ. 1:5-7, 12-16፣ 2:1-10

10 ትሕትና፡ ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ክንስዕሮ’ እውን ትሕግዘና እያ። (ሮሜ 12:21) ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ህይወት መብዛሕትኡ ግዜ ፍትሓዊ ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ ብተግባር እኩያት ከይንቝጣዕ ክንጽዕር ኣሎና። (መዝ. 37:1) ኣብ መንጎ መንፈሳውያን ኣሕዋት ወይ ኣሓት ጸገም እንተ ተላዒሉ፡ እቲ ዅነታት ዝያዳ ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ትሑት ሰብ ግና ንየሱስ እዩ ዚመስሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ምስ ተጸርፈ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን። . . . ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን”  ይብለና። (1 ጴጥ. 2:23) የሱስ፡ ሕነ ናይ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 12:19) ክርስትያናት እውን ትሑታት ኪዀኑን “ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ” ከይምልሱን ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ።—1 ጴጥ. 3:8, 9

11, 12. (ሀ) ሽሕጣን ወይ መጠኑ ዝሓለፈ ውዳሰ ምስ ዜጋጥመና፡ ትሕትና ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧ (ለ) ኣብ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ኣብ ጠባይናን ትሕትና ኸነርኢ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

11 ሽሕጣን ወይ መጠኑ ዝሓለፈ ውዳሰ እውን ትሕትናና ኺፍትን ይኽእል እዩ። ኣስቴር፡ ኵነታታ ብዜደንቕ መገዲ ምስ ተለወጠ እንታይ ከም ዝገበረት እስከ ንርአ። ኣዝያ መልክዐኛ እያ ነይራ፣ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ከኣ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ረኸበት። መዓልቲ መዓልቲ ድማ፡ ምስተን ካብ ብዘሎ ሃጸያዊት ግዝኣት ፋርስ ዝመጻን እቲ ንጉስ ኪሓርየን ዚወዳደራ ዝነበራን ኣዋልድ ትራኸብ ነበረት። እዚ ዅሉ ግና ንኣረኣእያኣ ኣይቀየሮን። ከም ቀደማ ንሰብ እተኽብርን እድብትን እያ ነይራ። እቲ ንጉስ ንግስቱ ኽትከውን ምስ ሓረያ እውን ኣይተዓበየትን።—ኣስ. 2:9, 12, 15, 17

ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ንኣምላኽን ንኻልኦትን ከም እነኽብር ድዩ ዜርኢ፡ ወይስ ትሕትና ኸም ዚጐድለና፧(ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12 ትሕትና ዅሉ ሳዕ ሕንከት ዘለዎን ግቡእን ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኪህልወና ትሕግዘና እያ። ኣብ ልቢ ሰባት ክንኣቱ እንኽእል፡ ብጃህራ ወይ ዘይግቡእ ትዅረት ናብ ርእስና ብምስሓብ ዘይኰነስ፡ “ብህዱእን ልኡምን መንፈስ” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:3, 4 ኣንብብ፣ ኤር. 9:23, 24) ብዛዕባ ርእስና ብልብና ዚስምዓና ነገር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ዘረባናን ኣብ ግብርናን ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ፍሉይ መሰላት ከም ዘሎና፡ ምስጢራት ከም እንፈልጥ፡ ወይ ሓላፍነት ምስ ዘለዎም ኣሕዋት ፍሉይ ርክብ ከም ዘሎና ዚእምት ሓሳባት ንዛረብ ንኸውን። ወይ ከኣ ካልኦት ንዘምጽእዎ ሓሳብ ወይ እጃሞም ንዘበርከቱሉ ዕዮ ንሕና ጥራይ ከም ዝገበርናዮ ጌርና ብምግላጽ ክንምስገነሉ ንፍትን ንኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን የሱስ ዜደንቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝጠቐሶ ወይ ካብኡ ዝወሰዶ እዩ ነይሩ። ብትሕትና ኸምኡ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣብ ፍልጠቱ ወይ ጥበቡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ተመስሪቱ ኸም ዚዛረብ ሰማዕቱ ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 8:28

ዘይርጉጽ ኵነታት ምስ ዜጋጥመካ

13, 14. ትሕትና ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብር እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

13 ካልእ ንትሕትናና ዚፍትን ኵነታት ኬጋጥመና ዚኽእል ውሳነታት ክንገብር ከለና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኸሎ፡ ነብዪ ኣጋቦስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ኸይዱ ኸም ዚእሰር ነገሮ። እንተ ኸይዱ፡ ኪቕተል እውን ይኽእል ነበረ። እቶም ኣሕዋት ድማ ብዛዕባ እቲ ንጳውሎስ ኬጋጥሞ ዚኽእል ኵነታት ፈሪሆም፡ ከይከይድ ለመንዎ። ጳውሎስ ግና ኪኸይድ ወሰነ። እምብዛ ብርእሱ ኣይተኣማመነን ወይ ብፍርሂ ኣይለመሰን። ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣመነ፡ የሆዋ ናብ ዝመርሖ ዘበለ ኸይዱ ዕዮኡ ኺፍጽም ድማ ድሉው ነበረ። እቶም ኣሕዋት ነዚ ምስ ፈለጡ፡ ብትሕትና ነቲ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ዝገበሮ ውሳነ ምቅዋም ሓደጉ።—ግብ. 21:10-14

14 ትሕትና እቲ እንወስዶ ስጕምቲ ንዚህልዎ ውጽኢት ምሉእ ብምሉእ ክንፈልጦ ወይ ክንቈጻጸሮ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን እውን ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ትሕግዘና እያ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ መዳይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንካፈል ሓሲብና ንኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ እንሓምም እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ኣረጋውያን ወለድና ሓገዝና እንተ ኣድልይዎም ብኸመይ ክንሕግዞም ኢና፧ ንሕና ንባዕልና ምስ ኣረግና መን ኪናብየና እዩ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ብጸሎት ወይ ምርምር ብምግባር ምሉእ ብምሉእ መልሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና። (መክ. 8:16, 17)  ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ፡ ድሩት ዓቕሚ ኸም ዘሎና ኽንፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኽንቅበሎ እውን ይሕግዘና እዩ። ምርምር ብምግባርን ንኻልኦት ብምምኻርን መምርሒ ኽንረክብ ብምጽላይን፡ መንፈስ ኣምላኽ ብዚመርሓና ኣንፈት ክንከይድ ኣሎና። (መክብብ 11:4-6 ኣንብብ።) ከምኡ ምስ እንገብር፡ የሆዋ ንውሳነታትና ኺባርኾ ወይ ሸቶታትና ምእንቲ ኸነዐሪ ብልእመት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 16:3, 9

ትሕትና ኣማዕብል

15. ብዛዕባ የሆዋ ምስትንታንና ትሑታት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 ትሕትና ብዙሕ ጥቕሚ ኻብ ሃለዋ፡ ከነማዕብላ እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧ ኣርባዕተ መገዲ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ባህርያትን መንነትን የሆዋ ምስ እነስተንትን፡ ትሕትናን ፍርሃት የሆዋን ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 8:13) ምስ መልኣኽ ወይ ምስ ሰብ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም እንመላለስ ኣይንረስዕ። ነዚ ምዝካርና፡ ‘ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት ክንብል’ ኪድርኸና እዩ።—1 ጴጥ. 5:6

16. ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ምስትንታንና ትሑታት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 ካልኣይ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ምስትንታንና፡ ትሕትና ኸነማዕብል ኪሕግዘና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሆዋ ነቲ ሕሱር ክፍሊ ኣካላት ወዲ ሰብ “ብዝያዳ ኽብሪ” ኸም ዝሸፈኖ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 12:23, 24) ብተመሳሳሊ፡ ዓቕምና ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንዅላትና ይሓልየልና እዩ። ምስ ካልኦት ኣየወዳድረናን ወይ ከኣ ክንጋገ ኸለና ፍቕሩ ኣይከልኣናን እዩ። የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ስለ እንፈልጥ፡ ኣብ ቤቱ ኸነገልግል ከለና ቕሳነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ።

17. ካልኦት ዚገብርዎ ሰናይ ነገራት ክንርኢ ምጽዓርና እንታይ ጽልዋ ኺገብረልና ይኽእል፧

17 ሳልሳይ፡ ኣብነት ኣምላኽና ብምስዓብ ካልኦት ዚገብርዎ ሰናይ ነገራት ክንርኢ ምስ እንጽዕር፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ትሑታት ንኸውን። ኣትኵሮ ኻልኦት ክንስሕብ ወይ ሓላፍነት ካልኦት ክንወስድ ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ብትሕትና ምኽሪ ኻልኦት ክንረክብን ነቲ ዚህቡና ሓሳባት ክንሰምዖን ኢና እንጽዕር። (ምሳ. 13:10) ፍሉይ መሰላት ኪረኽቡ ኸለዉ ምሳታቶም ንሕጐስ ኢና። የሆዋ “ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት” ኪባርኾም ከሎ ምስ ረኣና ድማ ንየሆዋ ንውድሶ ኢና።—1 ጴጥ. 5:9

18. ንሕልናና ምስልጣንና ትሑታት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

18 ራብዓይ፡ ንሕልናና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነሰልጥኖ፡ ትሑታት ንኸውን። ንዅሉ ነገራት ብኣረኣእያ የሆዋ ኽንርእዮ ብትሕትና ስለ እንጽዕር፡ ጽቡቕ ጌርና እነመዛዝን ኢና እንኸውን። ኣዘውቲርና ብምጽናዕን ብምጽላይን ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ በብቝሩብ ንሕልናና ኸነደልድሎ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 1:5) ንኻልኦት ቀዳምነት ክንህብ ከም ዘሎና ድማ ንምሃር። ከምዚ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ባዕሉ ትሕትናን ካልእ ኣምላኻዊ ባህርያትን ከነማዕብል ብምሕጋዝ፡ ‘ንስልጠናና ኺፍጽሞ’ እዩ።—1 ጴጥ. 5:10

19. ንዘለኣለም ትሑታት ኴንና ኽንመላለስ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

19 እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ነብዪ ይሁዳ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ ትሕትና ብዘይምርኣዩ ህይወቱን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ጽቡቕ ርክብን ስኢኑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ እውን ትሑታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅድሜና ዝነበሩ ዀኑ ሎሚ ዘለዉ እሙናትን ትሑታትን ሰባት እዚ ኸም ዚከኣል ኣርእዮምና እዮም። ምስ የሆዋ ንነዊሕ እዋን ምስ ተመላለስና፡ ዝያዳ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። (ምሳ. 8:13) ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ምስ የሆዋ ኽንመላለስ ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ዜደንቕን መዳርግቲ ዘይብሉን እዩ። ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣኽቢርና ንሓዞ፡ ንዘለኣለም ምስ የሆዋ ብትሕትና ኽንመላለስ ድማ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።