ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2016

ምስ ኣምላኽ ምዕያይ የሐጕሰና

ምስ ኣምላኽ ምዕያይ የሐጕሰና

“ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ምስኡ እናዓየና ንምሕጸነኩም ኣለና።” —2 ቈረ. 6:1

መዝሙር፦ 28, 14

1. የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንኻልኦት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዓዲምዎም፧

የሆዋ ልዑልን ፈጣሪ ዅሉን ደረት ዘይብሉ ጥበብን ሓይልን ዘለዎን እዩ። እዮብ ነዚ ተረዲእዎ እዩ። የሆዋ ንእዮብ ብዛዕባ ግብርታት ፍጥረቱ ምስ ሓተቶ፡ እዮብ፡ “ኵሉ ኸም እትኽእልን፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ አሎኹ” ኢሉ መሊሱሉ እዩ። (እዮ. 42:2) የሆዋ ዝደለዮ ዘበለ ብዘይ ሓገዝ ኪገብር ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንኻልኦት ኣብ ዕላማኡ ምስኡ ኺዓይዩ ዓዲምዎም እዩ።

2. የሆዋ ንየሱስ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኺዓዪ እዩ ዓዲምዎ፧

2 እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ መጀመርታ ፍጥረቱ፡ መንፈሳዊ ውሉዱ እዩ። የሆዋ ንወዱ፡ ኣብ ኵሉ ኻልእ ዕዮታት ፍጥረት ምስኡ ኺሳተፍ ፈቒዱሉ እዩ። (ዮሃ. 1:1-3, 18) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እውን እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ።” (ቈሎ. 1:15-17)  በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንወዱ ኣብ ዕዮ ፍጥረት ከም ዚሳተፍ ብምግባርን ብዛዕባ እቲ ወዱ ዝነበሮ ኣገዳሲ ግደ ንኻልኦት ብምንጋርን ኣኽቢርዎ እዩ።

3. የሆዋ ንኣዳም እንታይ ኪገብር እዩ ዓዲምዎ፧ ስለምንታይከ፧

3 የሆዋ ንደቂ ሰብ እውን ምስኡ ኺዓይዩ ዓዲምዎም እዩ። ንኣብነት፡ ንኣዳም፡ ንእንስሳታት ስም ኬውጽኣሎም ፈቒዱሉ እዩ። (ዘፍ. 2:19, 20) ኣዳም ነቶም ፍጡራት እቲኦም ኪዕዘቦምን ባህርያቶም ኬጽንዕን እንታይ ስም ከም ዚገልጾም ኪውስንንሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! የሆዋ ንእንስሳታት ባዕሉ ስም ኬውጽኣሎም ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ እዩ ፈጢርዎም። ኰይኑ ግና፡ ኣዳም ከም ዚሰምዮም ብምግባር፡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንኣዳም፡ ነታ ገነት ካብ ኤድን ወጻኢ እውን ኬስፍሓ ኣጋጣሚ ሂብዎ እዩ። (ዘፍ. 1:27, 28) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳም ጸኒሑ ምስ ኣምላኽ ኪዓዪ ኣይደለየን፣ እዚ ድማ ንዕኡን ንዘርኡን ዓብዪ ጕድኣት እዩ ኣምጺኡ።—ዘፍ. 3:17-19, 23

4. ካልኦት ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ከመይ ገይሮም እዮም ምስ ኣምላኽ ዝዓየዩ፧

4 ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት እውን ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ እጃም ኪህልዎም ዓዲምዎም እዩ። ኖህ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ዘድሓነት መርከብ ሰሪሑ እዩ። ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጺእዎም እዩ። እያሱ ነቶም ህዝቢ እቲኦም ናብ ምድሪ ተስፋ ኣእትይዎም እዩ። ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤተ መቕደስ ሃኒጹ እዩ። ማርያም ኣደ የሱስ ኰይና እያ። ኵሎም እዞም እሙናት ሰባትን ብዙሓት ካልኦትን ዕላማ የሆዋ ንምፍጻም ምስኡ ዓይዮም እዮም።

5. ኣብ ምንታይ ዕዮ ኢና ኽንሳተፍ እንኽእል፧ የሆዋ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኼሳትፈናኸ ግዴታ ኣለዎ ድዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ሎሚ፡ የሆዋ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ምሉእ ደገፍ ክንህብ ይዕድመና ኣሎ። እተፈላለየ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት ኣሎ። ገሊኡ ንዅሎም ክርስትያናት ክፉት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኵላትና ግና ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ብኻልእ መገዲ ኺገብሮ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ካብ ሰማይ ብቐጥታ ኺዛረቦም ምኸኣለ ነይሩ። የሱስ ከም ዝበሎ ድማ፡ የሆዋ ንኣእማን ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኸም ዚጭድሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 19:37-40) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ‘መዓይይቱ’ ኽንከውን ፈቒዱልና ኣሎ። (1 ቈረ. 3:9) ስለዚ ኸኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ምስኡ እናዓየና ንምሕጸነኩም ኣለና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (2 ቈረ. 6:1) ምስ ኣምላኽ ምዕያይ ዘይግብኣና ኽብሪ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ገለ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ምስ ኣምላኽ ምዕያይ የሐጕሰና

6. እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ኺዓዪ ኸሎ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧

6 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ኣምላኽ ምምዕያይ የሐጕሶም እዩ። እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ብጥበብ ተመሲሉ ኺዛረብ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ . . . ተገንዘበኒ። ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሐጕሶ፡ ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ኢሉ እዩ። (ምሳ. 8:22, 30) የሱስ ብሓጐስ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ዓይዩ እዩ፣ እቲ ዝዓየዮ ዕዮን ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ምፍላጡን ከኣ እዩ ኣሐጒስዎ። ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧

ንሰብ ሓቂ ኻብ ምምሃር ንላዕሊ ዜዕግብ ዕዮ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ዕዮ ስብከትና ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ኣብ ምሃብን ኣብ ምቕባልን ሓጐስ ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ። (ግብ. 20:35) ሓቂ ምቕባልና ሓጐስ ኣምጺኡሉና እዩ፣ ሓቂ ንኻልኦት ክንነግሮም ከለና እውን ሓጐስ የምጽኣልና  እዩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክንነግሮም ከለና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝጠመዩ ሰባት ንኣምላኽናን ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ክቡር ሓቅታትን ኪርድእዎን ኬማስዉሉን ስለ ዚጅምሩ፡ ደስ ይብለና እዩ። ኣብ ኣተሓሳስባኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መገዲ ህይወቶም እውን ለውጥታት ኪገብሩ ምርኣይና ንልብና ይትንክዮ እዩ። ሽዑ፡ ነቲ ብስራት ናይ ምንጋር ዕዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸነስተውዕል ንኽእል። ነቶም ምስ ኣምላኽ ዚዕረቑ፡ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይኸፍተሎም እዩ። (2 ቈረ. 5:20) ንሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ ናብ ዜኽእሎም መገዲ ኺኣቱ ኻብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ዜሐጕስን ዜዕግብን ዕዮ እሞ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

8. ምስ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዕያይ ገሊኦም እንታይ ኢሎም፧

8 ሰባት ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ኪቕበልዎ ኸለዉ ዜሐጕሰና እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ባህ ከም እነብሎን ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕርታት ከም ዜሐጕሶን ምፍላጥና እውን ደስ ይብለና እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ኣብ ኢጣልያ ዚነብር ማርኮ፡ “ንሓደ ዝገበርኩሉ ቐልጢፉ ዚርስዖ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እቲ ዘሎኒ ብሉጽ ነገር እህቦ ኸም ዘለኹ ምፍላጠይ ዘይተኣደነ ሓጐስ የምጽኣለይ እዩ” ይብል። ኣብ ኢጣልያ ዜገልግል ፍራንኮ ዚብሃል ድማ፡ “የሆዋ ብቓሉን መንፈሳዊ መሰናድዎታቱን ገይሩ፡ ከም ዜፍቅረና፡ ምእንታኡ እንገብሮ ዅሉ ኸኣ ዋላ እኳ ዘይረብሕ እንተ መሰለና ንዕኡ ኣገዳሲ ምዃኑን የዘኻኽረና እዩ። ምስ ኣምላኽ ምዕያይ ዜሐጕሰንን ንህይወተይ ትርጉም ከም ዚህልዋ ዚገብርን ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ” ይብል።

ምስ ኣምላኽ ምዕያይ፡ ምስኡን ምስ ሰባትን የቀራርበና

9. ኣብ መንጎ የሆዋን የሱስን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

9 ምስቶም እነፍቅሮም ክንዓዪ ኸለና፡ ምሳታቶም ንቀራረብ፡ ንባህርያቶም ከኣ ንፈልጦ ኢና። እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚገብርዎ እውን ንፈልጥ ኢና። የሱስ ምስ የሆዋ ምናልባት ንቢልዮናት ዓመታት እዩ ዓይዩ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ከኣ ድልድልትን ዘይትብተኽን ፍቕሪ እያ ማዕቢላ። የሱስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚቀራረቡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 10:30) ዜደንቕ ሓድነት እዩ ነይርዎም፣ ወትሩ እውን ብስኒት እዮም ዚዓይዩ ነይሮም።

10. ስብከት ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ዜቀራርበና ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓደ እዋን፡ የሱስ ንየሆዋ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሕልዎም ብጸሎት ለሚንዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ” እዩ ኢሉ። (ዮሃ. 17:11) ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍን ከለና፡ ነቲ ባህ ዜብል ባህርያቱ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ንዕኡ ኽንኣምኖን መምርሒኡ ኽንስዕብን ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኸኣ ንምሃር። ንኣምላኽ ምስ እንቐርቦ፡ ንሱ እውን ይቐርበና እዩ። (ያእቆብ 4:8 ኣንብብ።) ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ተመሳሳሊ ጸገማትን ሓጐስን ስለ ዜጋጥመና፡ ሕደ ሸቶታት ድማ ስለ  ዘሎና፡ ምሳታቶም ንቀራረብ ኢና። እወ፡ ብሓባር ንዓዪ፡ ብሓባር ንሕጐስ፡ ብሓባር ከኣ ንጻወር ኢና። ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ኦክታቪያ፡ “ምስ የሆዋ ኽዓዪ ኸለኹ፡ ምሕዝነተይን ርክበይን ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ዝፈትዎ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓባራዊ ሸቶን ኣንፈትን ስለ ዚምስረት፡ ምስ ካልኦት ከም ዝቀራረብ ይገብረኒ እዩ” ትብል። ንስኻኸ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ካልኦት ንየሆዋ ባህ ንምባል ዚገብርዎ ጻዕርታት ክትርኢ ኸለኻስ ምሳታቶምዶ ኣይትቀራረብን፧

11. ኣብ ሓዳስ ዓለም ምስ የሆዋን ምስ ኣሕዋትናን ብዝያዳ ኸም እንቀራረብ እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧

11 እታ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ብጾትና ሰባትን ዘላ ፍቕሪ ሕጂ ድልድልቲ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ ግናኸ፡ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ብዝያዳ ኽትድልድል እያ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚህሉ ዕዮ እሞ ሕሰብ! ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ሰባት፡ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎምን መገድታት የሆዋ ኽንምሃሮምን ኣሎና። ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር ኣለዋ። እዚ ቐሊል ዕዮ ኣይኰነን፣ ኣብ ትሕቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ብሓባር ምዕያይን ናብ ፍጽምና ምዕባይን ግና ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ! ሰባት ንሓድሕዶምን ምስ ኣምላኽን ብዝያዳ ኺቀራረቡ እዮም፣ ኣምላኽ ከኣ ‘ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ኬጽግቦ እዩ።’—መዝ. 145:16

ምስ ኣምላኽ ምዕያይ ዕቝባ እዩ

12. ዕዮ ስብከት ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

12 መንፈሳውነትና ኽንሕሉ ኣሎና። ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ዚዕብልላ ዓለም ስለ እንነብርን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንናን፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ብቐሊሉ ኽንቀድሕ ንኽእል ኢና። መንፈስ ዓለም ምስ ሓደ ናብ ዘይደለናዮ ኣንፈት ዚደፍኣና ውሕጅ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብውሕጅ ተደፊእና ምእንቲ ኸይንኸይድ፡ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ንምሕንባስ ክንጋደል የድልየና እዩ። ብተመሳሳሊ፡ በቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ መንፈስ ምእንቲ ኸይንውሰድ፡ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና እዩ። ንሰባት ክንሰብኽ ከለና፡ ንእምነትና ኣብ ዜዳኽም ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣገዳሲን ጠቓምን መንፈሳዊ ነገራት ኢና እነተኵር። (ፊል. 4:8) ስብከት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ተስፋታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ስርዓታቱን ስለ ዜዘኻኽረና፡ ንእምነትና የድልድሎ እዩ። እቲ እንለብሶ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ከኣ ምሉእ ዘይጕዱል ይኸውን።—ኤፌሶን 6:14-17 ኣንብብ።

13. ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብዛዕባ ስብከት ከመይ ከም እተሰምዖ እንታይ ኢሉ ገሊጹ፧

13 ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ትሑዛት እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ጸገማትና እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና፣ እዚ ድማ ዕቝባ ይዀነና እዩ። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ጆኤል፡ “ዕዮ ስብከት ንኽውንነት ከይርስዕ ይሕግዘኒ እዩ። እቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓለይ ዝረኽቦ ዘለኹ ጥቕምታትን የዘኻኽረኒ እዩ። ዕዮ ስብከት ትሑት ክኸውን ይሕግዘኒ፡ ናብ የሆዋን ናብ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክጽጋዕ ድማ ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ እዩ” ይብል።

14. ኣብ ዕዮ ስብከት ምጽናዕና፡ መንፈስ ኣምላኽ ምሳና ኸም ዝዀነ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

14 ስብከት፡ መንፈስ ኣምላኽ ምሳና ኸም ዝዀነ ዘሎና እምነት እውን የድልድለልና እዩ። ዓንጋሊ እንጌራ ኣብ ማሕረሰብካ ንዚርከቡ ሰባት ከተከፋፍል ስራሕ ቀሪቡልካ እሞ ንበል። ነቲ ስራሕ ብምስራሕካ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይክፈለካን እዩ፣ ወጻኢታትካ እውን ኣይሽፈነልካን እዩ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ነዊሕ ከይጸናሕካ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ እንጌራ ኸም ዘይደልይዎ፡ አረ ገሊኦምሲ ነቲ እንጌራ ምዕዳልካ እውን ከም ዚጽልኦም ትፈልጥ። ነቲ ስራሕ እቲ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ምቐጸልካዮ፧ ብኣሉታዊ ምላሽ ሰባት ስለ እትደሃል፡ ንምቕጻሉ ዜኽእል ውሽጣዊ ብርታዐ  ኣይህልወካን እዩ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትና ዘየመስግኑ ሰባት እናኣባጨዉልናን እናኣላገጹልናን ንነዊሕ ዓመታት ብወጻኢታትና ኣገልግሎትና ቐጺልና ኢና። እዝስ መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ይዓዪ ኸም ዘሎ መርትዖ ዚኸውን ደይኰነን፧

ምስ ኣምላኽ ምዕያይና፡ ንዕኡን ንሰባትን ፍቕሪ ኸም ዘሎና የርኢ

15. ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

15 ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚተሓሓዝ እሞ ሕሰብ። ሰባት ከይሞቱ ንምድሪ ኺመልእዋ እዩ ዕላማኡ ነይሩ፣ ኣዳም እኳ እንተ ሓጥአ፡ የሆዋ ሓሳቡ ኣይቀየረን። (ኢሳ. 55:11) ኣብ ክንዳኡስ፡ ደቂ ሰብ ካብ ኵነኔ ሓጢኣትን ሞትን ዚወጹሉ መሰናድዎ እዩ ኣዳልዩ። የሱስ ምስዚ ዕላማ እዚ ተሰማሚዑ ኺዓዪ ኢሉ ናብ ምድሪ መጺኡን ህይወቱ ምእንቲ እዙዛት ሰባት መስዋእቲ ገይሩ ሂቡን እዩ። ሰባት እዙዛት ምእንቲ ኪዀኑ ግና፡ ኣምላኽ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዮም ኪርድኡ ኣለዎም። ስለዚ፡ የሱስ ንሰባት፡ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ምሂሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምኡ ኺገብሩ ነጊርዎም እዩ። ንሰባት ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑ ብምሕጋዝ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምንጋፍ ዝገበሮ ፍቕራዊ መሰናድዎ ብቐጥታ ኢና እንሳተፍ።

16. ስብከትና ምስታ ኣምላኽ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

16 ንሰባት ናብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኣትዉ ምሕጋዝ፡ ንሰባትን ነቲ “ዅሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ” እተባህለሉ የሆዋን ፍቕሪ ኸም ዘሎና የርኢ። (1 ጢሞ. 2:4) የሱስ ካብቲ ንህዝቢ እስራኤል እተዋህበ ሕግታት ኣየነይቲ ዝዓበየት ከም ዝዀነት ምስ ተሓትተ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ መሊሱ፦ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’” (ማቴ. 22:37-39) ኣብ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ፡ ነዚ ትእዛዛት እዚ ዘሎና ተኣዛዝነት ኢና እነርኢ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:42 ኣንብብ።

17. ብዛዕባ እቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ክብሪ ኸመይ ይስምዓካ፧

17 ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና! የሆዋ ዜሐጕስ ዕዮ ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስኡን ምስ ካልኦትን የቀራርበና እዩ፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ንመንፈሳውነትና ዕቝባ ይኸውን እዩ። ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣዝዩ እተፈላለየ ዅነታት እዮም ዚርከቡ፣ ግናኸ፡ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ፡ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት፡ ብርቱዓት ኰኑ ድኹማት፡ ኰታስ ኵሎም እዞም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ህዝቢ ኣምላኽ እምነቶም ንኻልኦት ንምንጋር መገድታት የናድዩን ይረኽቡን ኣለዉ። ምስቲ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ቻንተል ዝሃበቶ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓሳብ ትሰማማዕ ትኸውን፦ “እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝሓየለ ፈጣሪ ዅሉን ሕጉስን ኣምላኽ፡ ‘ኪዲ፡ ተዛረቢ! ኣብ ክንዳይ ኴንኪ ተዛረቢ፡ ካብ ልብኺ ተዛረቢ። ብርታዐይ፡ ቃለይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማያዊ ደገፍ፡ ምድራውያን ብጾት፡ ቀጻሊ ስልጠና፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግቡእ ግዜ ልክዕ መምርሒ እህበኪ ኣለኹ’ ኢሉኒ እዩ። የሆዋ ዝበለና ኽንገብርን ምስኡ ኽንዓይንሲ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!”