ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ግንቦት 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 27 ሰነ ኽሳዕ 31 ሓምለ 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ንፍልልያት ብፍቕሪ ኣደቅሶ

ሸቶኻ እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧ ኣብ ክርክር ንምርታዕ፡ ነቲ በዳሊ ጌጋኡ ኸም ዚእመን ንምግባር፡ ወይስ ካልእ፧

“ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

ንኣርባዕተ ሕቶታት ዚውሃበን መልሲ፡ ሎሚ ትንቢት የሱስ ዚፍጽሙ ዘለዉ መን ምዃኖም ከተለሊ ይሕግዘካ።

ከመይ ጌርካ ብሕታዊ ውሳነታት ትገብር፧

ቀጥታዊ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ሕጂ እውን ይልውጦዶ ኣሎ፧

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንጥምቀት ቅድሚ ምብቃዑ፡ ይጣላዕን ሽጋራ የትክኽን ብዙሕ መስተ ይሰትን ሓሽሽ ይወስድን ነይሩ፣ ነዚ ዅሉ ሓዲግዎ ኼብቅዕ ግና ካልእ ለውጢ ምግባር ከቢድዎ እዩ።

ካብ መሰናድዎታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

ካብ ገሊኡ መሰናድዎታት የሆዋ ኸይተጠቐምና ኸም ዜምልጠና ኺገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧

“እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም”

ብ1919 ዓለምለኻዊ ጽልዋ ዘሕደረ ዕዮ ተጀመረ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ንሰራሕተኛ መንግስቲ ህያብ ወይ መቝሽሽ ኪህብ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ ሓደ ሰብ ካብ ውገዳ ኸም እተመልሰ ምልክታ ምስ ተነግረ፡ እታ ጉባኤ ኸመይ ገይራ ሓጐሳ ኽትገልጽ ትኽእል፧ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ሓጽቢ ቤት-ዛታ ‘ዜንቀሳቕሶ’ ዝነበረ እንታይ እዩ ነይሩ፧