ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ነሓሰ 2017

 ካብ መዛግብትና

“ካልእ ዓብዪ ኣኼባ መዓስ እዩ ዚህልወና፧”

“ካልእ ዓብዪ ኣኼባ መዓስ እዩ ዚህልወና፧”

እዋኑ መወዳእታ ሕዳር 1932 እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተቐማጦ ዘለውዋ ዕምርቲ ኸተማ መክሲኮ ሲቲ ብኤለክትሪክ ዚዓዪ ናይ ፈለማ መብራህቲ ትራፊክ ተተኺሉ ነበረ። ሕጂ ግና እዚ ምልክታት ትራፊክ እዚ፡ እዋናዊ ዜና ኣይኰነን። ኣቕረብቲ ዜና እታ ኸተማ፡ ናብ ሓድሽ ፍጻመ እዛ ሰሙን እዚኣ ሰጊሮም እዮም። ካሜራታቶም ኣዋዲዶም፡ ንምምጻእ ሓደ ኽቡር ጋሻ፡ ማለት ነቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ኣብ መደበር ባቡር ይጽበዩ ነበሩ። ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነቲ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዚካየድ ሃገራዊ ኣኼባኦም ኪእከብ ዝመጸ ሓውና ራዘርፎርድ ምዉቕ ኣቀባብላ ኺገብሩሉ ኣብኡ ተረኺቦም ነበሩ።

ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ!)፡ “እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ሪፓብሊክ መክሲኮ፡ ኣብ ሓቂ ኣብ ዚርአ ዕቤት ሓለፍ ዝበለ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ ዀይኑ ኣብ ታሪኽ ከም ዚምዝገብ ኣየጠራጥርን እዩ” ኢላ ነይራ። ነዚ 150 ኣቢሎም ጥራይ ዚዀኑ ተኣከብቲ ዝነበርዎ ዓብዪ ኣኼባ ፍሉይ ዝገበሮ ግና እንታይ እዩ፧

ቅድሚ እቲ ፍጻመ እቲ፡ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መክሲኮ ብዙሕ ኣይፈረየን ነይሩ። ካብ 1919 ንነጀው ንኣሽቱ ኣኼባታት እኳ እንተ ተገብረ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ግና ቍጽሪ ጉባኤታት ነክዩ ነይሩ እዩ። ብ1929 ኣብ መክሲኮ ሲቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ተኸፍተ፡ እቲ ዅነታት ተስፋ ዘለዎ መሰለ። ግናኸ፡ ዕንቅፋታት ነይሩ እዩ። ንግዳዊ ዋኒንን ዕዮ ስብከትን ብሓደ ምትሕንፋጽ ኪቋረጽ ከም ዘለዎ መምርሒ ምስ ተዋህበ፡ ሓደ በዚ ዘይተሓጐሰ ኮልፖልተር (ፈላሚ) ኣገልግሎቱ ኣቋረጸ፡ ናቱ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን መስረተ። እቲ ሓላው ጨንፈር ዝነበረ ሓው እውን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባር ይገብር ስለ ዝነበረ፡ ብኻልእ ተተክአ። ስለዚ፡ ኣብ መክሲኮ ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር፡ መንፈሳዊ መበራትዒ የድልዮም ነበረ።

ብ1941 ኣብ መክሲኮ ሲቲ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ

ሓውና ራዘርፎርድ፡ ኣብቲ ዝገበሮ ምብጻሕ ክልተ ዜነቓቕሕ መደረ ዓብዪ ኣኼባን ሓሙሽተ ሓያል መደረ ረድዮን ብምሃብ ነዞም እሙናት መሰኻኽር ብዙሕ ኣተባቢዕዎም እዩ። መደበራት ረድዮ መክሲኮ፡ ንፈለማ ግዜ እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ከም ዚቃላሕ ገበራ። ድሕሪ እቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ እቲ ሓድሽ እተሸመ ሓላው ጨንፈር ነቲ ዕዮ ወደቦ። እቶም ቀናኣት መሰኻኽር ድማ ብሓድሽ ሓይልን ሳላ በረኸት የሆዋን ንቕድሚት ገስገሱ።

ንዓመታኡ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ዘይኰነስ፡ ክልተ ዓብዪ ኣኼባ እዩ ተገይሩ። እቲ ሓደ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቨራክሩዝ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብ መክሲኮ ሲቲ እዩ ተኻይዱ። ኣብ ኣገልግሎት እተገብረ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ጀመረ። ብ1931፡ 82 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ግና ቍጽሮም ብዓሰርተ ዕጽፊ ዛየደ። ኣብቲ ብ1941 እተገብረ ቲኦክራስያዊ ዓብዪ ኣኼባ ንምእካብ፡ 1,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ተኣከብቲ ናብ መክሲኮ ሲቲ መጺኦም እዮም።

“ጐደናታት ተወሪሩ”

ብ1943 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ 12 ኸተማ መክሲኮ እተገብረ “ሓራ ህዝቢ” ዘርእስቱ ቲኦክራስያዊ ዓብዪ ኣኼባ ንምውዕዋዕ ፖስተራት ተጠቕሙ። * ክልተ ፖስተር ንሓድሕዱ ይተሓሓዝ እሞ፡ ኣብ መንኵብ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ብቕድሚት ሓደ ድማ ብድሕሪት ይንጥልጠል ነበረ። እዚ ሜላ ምውዕዋዕ እዚ፡ ናይ  የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1936 ኣትሒዞም ዚጥቀምሉ ዝነበሩ እዩ።

ኣብ መክሲኮ ሲቲ፡ ፖስተራት ሒዝካ እተገብረ ወፈራ እተርኢ ብ1944 ናይ ዝወጸት መጽሔት ቍራጽ

ላ ናስዮን እትብሃል መጽሔት ብዛዕባ እቲ ኣብ መክሲኮ ሲቲ፡ ፖስተራት ሒዝካ ብእተገብረ ወፈራ እተረኽበ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዚ በለት፦ “ኣብታ ቐዳመይቲ [ናይ ዓብዪ ኣኼባ] መዓልቲ፡ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ብዙሓት ሰባት ኪዕድሙ ተነጊርዎም ነበረ። ንጽብሒቱ ድማ፡ እቲ መአከቢ ቕጽጽ ኢሉ መልአ” በለት። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግና በቲ እዚ ወፈራ ዝገበሮ ጽልዋ ስለ ዘይተሓጐሰት፡ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተላዕለት። ይኹን እምበር፡ እቶም ተባዓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ነቲ ጐደናታት ደኣ መልእዎ። ላ ናስዮን፡ “ብዘላ እታ ኸተማ እያ ርእያቶም። . . . ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ፖስተራት መወዓውዒ እዮም ተቐይሮም ነይሮም” ኢላ ጸሓፈት። እታ ዓንቀጽ፡ ኣሕዋት ኣብ ጐደናታት መክሲኮ ሲቲ እናዓየዩ ኸለዉ ዜርኢ ስእሊ እውን ኣውጺኣ ነበረት። ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ኸኣ፡ “ጐደናታት ተወሪሩ” ዚብል ተጻሒፍዎ ነበረ።

“ብስሚንቶ ኻብ እተሰርሐ ባይታ ዚልስልስን ዚመውቕን ዓራት”

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዚግበር ዝነበረ ሒደት ዓበይቲ ኣኼባታት ምእንቲ ኺእከቡ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ይገብሩ ነይሮም። ብዙሓት ኣኼበኛታት፡ ባቡራት ካብ ዘይበጽሕኦን ጽርግያታት ካብ ዘይብሉን ግሉል ኣቝሻት ዝመጹ እዮም ነይሮም። ሓንቲ ጉባኤ፡ “በዚ ኸባቢ እዚ ዚሓልፍ እንኮ መስመር፡ መስመር ተሌግራፍ እዩ” ኢላ ጸሓፈት። ስለዚ ኸኣ፡ ኣኼበኛታት ዓብዪ ኣኼባ ናብ ዚግበረሉ ኸተማ እትወስዶም ባቡር ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣባቕል ተወጢሖም ወይ ብእግሮም ንሓያሎ መዓልታት ኪጐዓዙ የድልዮም ነበረ።

መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድኻታት ስለ ዝነበሩ፡ ናብቲ ዓብዪ ኣኼባ መብጽሒ ጥራይ እውን ኪኸፍሉ ይኸብዶም ነይሩ። ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ምስቶም ንኣሕዋቶም ኪቕበሉ ብፍቕሪ ኣባይቶም ዝኸፈቱ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀነዩ። ገሊኦም ድማ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሓደሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ 90 ዚዀኑ ኣኼበኛታት፡ “ንነፍሲ ወከፎም 20 ካርቶናት መጻሕፍቲ ሰሪዖም ከም ዓራት” ብምጥቃም፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቀነዩ። ኣብ መጽሓፍ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቶም መማሰውቲ ኣጋይሽ ነቲ ዓራውቲ፡ “ብስሚንቶ ኻብ እተሰርሐ ባይታ ዚልስልስን ዚመውቕን ዓራት” ኰይኑ ኸም ዝረኸብዎ ሓበረ።

ነዞም መመስገንቲ ኣሕዋት፡ ኣብ ባህ ዜብል ክርስትያናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ምእካብ፡ ካብ ኵሉ እቲ ዚኽፈል መስዋእትታት ዚበልጽ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ፡ ብዝሒ ኣብ መክሲኮ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ በብቝሩብ ናብ ሓደ ሚልዮን እናደየበ ኪኸይድ ከሎ፡ እዚ መማሰዊ ናይ ምዃን መንፈስ ገና ይንጸባረቕ ኣሎ። * ብ1949 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ ብዛዕባ እቶም ኣሕዋት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ [ኣሕዋት] ዜሕልፍዎ ኣጸጋሚ እዋናት ንቲኦክራስያዊ መንፈሶም ኣየዝሓሎን። ከመይሲ፡ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ኣሕለፍና፡ እቲ ኣኼባ ንነዊሕ እዋን ቀንዲ ኣርእስቲ ዕላሎም እዩ ዚኸውን። እቶም ኣሕዋት ብቐጻሊ ዚሓትትዎ ሕቶ ኸኣ፡ ‘ካልእ ዓብዪ ኣኼባ መዓስ እዩ ዚህልወና፧’ ዚብል እዩ።” ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣሕዋት ከምቲ ሽዑ ዚስምዖም ዝነበረ እዩ ዚስምዖም።—ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።

^ ሕ.ጽ. 9 መጽሓፍ ዓመት 1944 (እንግሊዝኛ) ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መክሲኮ ተፈላጥነት ከም ዚረኽቡ ገይሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ብ2016 ኣብ መክሲኮ 2,262,646 ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም ነይሮም።