ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ሰነ 2017

የሆዋ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና

የሆዋ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና

“እቲ . . . ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ . . . ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።”2 ቈረ. 1:3, 4

መዝሙር፦ 33, 41

1, 2. የሆዋ ኣብ ጸበባና ዜጸናንዓና ብኸመይ እዩ፧ ቃሉኸ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧

ኣብዛ ዓንቀጽ ኤድዋርዶ ኢልና እንጽውዖ ሓደ ዘይተመርዓወ ሓው፡ ንሓደ ስቲቨን ዚብሃል ምርዑው ሽማግለ ብዛዕባ ዘተሓሳሰቦ ጕዳይ ኣዛረቦ። ኤድዋርዶ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:28 ዚርከብ፡ “እዞም [ዚምርዓዉ] ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ” ዚብል ቃላት እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ስለዚ፡ ኤድዋርዶ፡ “እዚ ‘ጸበባ’ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እንተ ተመርዕየኸ ኸመይ ገይረ እየ ዝኽእሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ስቲቨን ነታ ሕቶ ቕድሚ ምምላሱ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዝጸሓፎ ኻልእ ነገር ኪሓስብ ንኤድዋርዶ ነገሮ፣ እቲ ኺሓስበሉ ዝነገሮ ነገር ድማ፡ “እቲ . . . ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ [ዝዀነ የሆዋ] . . . ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ” ዚብል እዩ ነይሩ።—2 ቈረ. 1:3, 4

2 የሆዋ ፈቃር ኣቦ እዩ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ድማ የጸናንዓና እዩ። ነቲ ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህቦ ደገፍን መምርሕን ኣብ ህይወትካ ተመኪርካዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ጥንቲ ንዝነበሩ ኣገልገልቱ ዚገብሮ ዝነበረ፡ ንዓና እውን ንጥቕምና ኸም ዚሓስብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኤርምያስ 29:11, 12 ኣንብብ።

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ጠንቂ ጸገምና ወይ ጸበባና እንተ ፈሊጥና፡ ንምኽኣሉ ይቐልለና  እዩ። ጠንቂ እቲ ኣብ ሓዳር ወይ ኣብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ጸበባ ምፍላጥና እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ዓይነት ‘ኣብ ስጋ ዘሎ ጸበባ’ ደኣ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ካብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኻብዚ ግዜናኸ እንታይ ዜጸናንዕ ኣብነታት ክንረክብ ንኽእል፧ ነዚ ምፍላጥና፡ ንምኽኣሉ ይሕግዘና እዩ።

‘ኣብ ስጋ ዚህሉ ጸበባ’

4, 5. ገለ ኻብቲ ‘ኣብ ስጋ ዚህሉ ጸበባ’ እንታይ እዩ፧

4 ኣምላኽ ኣብ ኣጋ መጀመርታ ታሪኽ ሰብ፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ኸም ዝበለ ነንብብ ኢና። (ዘፍ. 2:24) የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኬመራዕዎም ከሎ እዩ ኸምኡ ኢሉ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ዘይፍጹም ኵነታት፡ ምምርዓውን ሓዳር ምጅማርን ውጥረት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። (ሮሜ 3:23) ከመይሲ፡ ብዙሕ ግዜ፡ ስልጣን ወለዲ፡ ብስልጣን ሰብኣይ ይትካእ እዩ። ኣምላኽ ንሰብኣይ፡ ርእሲ ሰበይቱ ኪኸውን ስልጣን ሂብዎ እዩ። (1 ቈረ. 11:3) እዚ ለውጢ እዚ ንገሊኦም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ይኸብዶም እዩ። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ሰበይቲ ብወለዳ ዘይኰነስ፡ ብሰብኣያ ኽትምራሕ ከም ዘለዋ ኽትቅበሎ ይግባእ። ኣብቲ ምስ እንዳ ኣሕሙ ዚህሉ ርክብ ውጥረት ኪሰፍን፡ ንሓደስቲ መርዑ ድማ ጸበባ ኼምጽኣሎም ይኽእል እዩ።

5 ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸም ዝጠነሰት ምስ ነገረቶ እውን፡ ዜጨንቕ ኵነታት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ውሉድ ኪረኽቡ ምዃኖም እኳ እንተ ኣሐጐሶም፡ ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪኡን ኪህሉ ዚኽእል ጸገማት ጥዕና ግና ኬሻቕሎም ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ውሉድ ሽዑሽዑን ኣብ ነዊሕ እዋንን ዜሕድሮ ቝጠባዊ ጽልዋ የተሓሳስቦም እዩ። ሕጻን ምስ ተወልደ ኸኣ፡ ተወሳኺ ምትዕርራያት የድሊ እዩ። ውሉድ ክንክን ዜድልዮ ብምዃኑ፡ ንመብዛሕትኡ ግዜን ቈላሕታን ኣደ ኺወስድ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰብኡት፡ ኣንስቶም ንሕጻን ኣብ ምክንኻን ስለ ዜተኵራ፡ ዕሽሽ ከም እተባህሉ ይስምዖም እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣቦ ምስ ኰነ፡ ሓድሽ ሓላፍነታት ይስከም እዩ። ክንክንን ሓልዮትን ዜድልዮ ሓድሽ ኣባል ስድራ ቤት ስለ እተወሰኸ፡ ሓላፍነታቱ ይውስኽ እዩ።

6-8. ሰብ ሓዳር ውሉድ ኪህልዎም ተመንዮም እንተ ዘይወሊዶም፡ እንታይ ኪስምዖም ይኽእል፧

6 ንገሊኦም ሰብ ሓዳር ካልእ ዓይነት ጸበባ የጓንፎም እዩ። ውሉድ ኪህልዎም እኳ እንተ ደለዩ፡ ኪወልዱ ግና ኣይክእሉን። ሰበይቲ ኸይጠነሰት ምስ ጸንሐት፡ ስምዒታዊ ጸቕጢ ኼጋጥማ ይኽእል እዩ። መውስቦ ዀነ ውሉድ ካብ ጭንቀት ሓራ ዘይገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ሰብ ሓዳር ውሉድ ኪህልዎም እተመነይዎ ትምኒት እንተ ዘይተፈጺሙሎም፡ እዚ ንባዕሉ ‘ኣብ ስጋ ዘሎ ጸበባ’ እዩ። (ምሳ. 13:12) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መኻን ምዃን ዓብዪ ጸገም ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ፡ ሓብታ ውሉዳት ከም ዝወለደት ምስ ረኣየት፡ ከቢድ ጓሂ ተሰሚዕዋ እዩ። (ዘፍ. 30:1, 2) ብዙሓት ውሉዳት ምውላድ ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ሃገራት ዜገልግሉ ሚስዮናውያን፡ ስለምንታይ ውሉዳት ከም ዘይብሎም ይሕተቱ እዮም። ነቶም ሓተትቶም ብሜላ ጽቡቕ ገይሮም ኣረዲኦምዎም ኬብቅዑ ድማ፡ “በሉ ኽንጽልየልኩም ኢና” ይብልዎም እዮም።

7 ሓንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሓብቲ፡ ውሉድ ክትወልድ እኳ ብዙሕ ትደሊ እንተ ነበረት፡ ከምቲ ትምኒታ ኣይኰነላን። ድሕሪኡ፡ ኣብ ህይወታ ሓደ ለውጢ ኣጓነፋ። ትምኒታ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኸም ዘይፍጸመላ ምስ ፈለጠት፡ ሕማቕ ተሰምዓ። ንሳን ሰብኣያን ንዘይውሉዶም ከም ውሉዶም ገይሮም ኬዕብዩ ወሰኑ። ይኹን እምበር፡ እታ ሓብቲ ኻብ ሓዘን ኣየምለጠትን። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ዘይውሉድና ኸም  ውሉድና ጌርና ምዕባይ፡ ናትና ውሉድ ከም ምውላድ ከም ዘይኰነልና እፈልጥ ነይረ” ትብል።

8 ክርስትያን ኣንስቲ “ብምውላድ ውሉድ ደሓን” ኪዀና ምዃነን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞ. 2:15) እዚ ግና ውሉድ ምውላድ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚመርሕ ኣይኰነን ዚገልጽ ዘሎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰበይቲ እትናብዮ ውሉድ ምስ እትወልድ፡ ምስቲ ኣብ ቤታ እትዓይዮ ዕዮ ተደሚሩ፡ ወረ ኻብ ምውራይን ኣብ ዘይምልከታ ኻብ ምእታውን ከም ዚሰትራ እዩ ዜመልክት። (1 ጢሞ. 5:13) ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓዳርን ኣብ ናብራ ስድራ ቤትን እውን ጸበባ ኼጋጥማ ይኽእል እዩ።

ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኽንጻወር ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9, 12 ርአ)

9. ሞት መጻምድቲ በይኑ ዝዓይነቱ ጸበባ ኺብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

9 ምስ መውስቦ እተተሓሓዘ ጸበባ ኽንሓስብ ከለና፡ ሓደ ዓይነት ጸበባ ቐልጢፉ ናብ ኣእምሮና ኣይመጸልናን እዩ። እዚ ድማ ሞት መጻምድቲ እዩ። እወ፡ ሞት መጻምድቲ ንብዙሓት ዘጓነፈ በይኑ ዝዓይነቱ ጸበባ እዩ። እቲ ብህይወት ዚተርፍ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኼጋጥሞ ዘይተጸበዮ ጸበባ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ኣብቲ የሱስ ዘተስፈዎ ትንሳኤ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። (ዮሃ. 5:28, 29) እሞኸ እቲ ተስፋ እቲ ነቲ ብህይወት ዝተረፈ መጻምድቲ ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ ብዙሕ ኬጸናንዖ ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ኻብቲ እቲ ፈቃር ኣቦና ነቶም ጸበባ ዘጓነፎም ብቓሉ ኣቢሉ ዚድግፈሉን ዜጸናንዓሉን መገዲ እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ የሆዋ መጸናንዒ ምስ ተዋህቦም ከመይ ከም እተሰምዖምን ብኸመይ ከም እተጠቕሙን እስከ ንርአ።

ኣብ ጸበባና ዜጸናንዓና መጸናንዒ

10. ሃና ኻብ ጭንቃ እፎይታ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 እታ ፍቕርቲ ሰበይቲ ኤልቃና ዝነበረት ሃና፡ ሓደ ጸበባ ኣጋጢምዋ ነይሩ። ሃና መኻን ነበረት፣ እታ ጵኒና ዝስማ መቐናቕንታ ዝዀነት ሰበይቲ ኤልቃና ግና ውሉዳት ነበርዋ። (1 ሳሙኤል 1:4-7 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ጵኒና ንሃና “ዓመት ዓመት” ተባጭወላ ነበረት። እዚ ንሃና ጓህን ጭንቅን ኣምጽኣላ። ነዚ ጕዳይ እዚ ናብ የሆዋ ብምቕራብ ግና እፎይታ ኽትረክብ ደለየት። እወ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነዊሕ ጸለየት።’ የሆዋ ነቲ ልማኖኣ ኺህባ ትጽበ ነይራ ድያ፧ ከምኡ ኺገብረላ ተስፋ ገይራ ኽትከውን ኣለዋ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ድሕሪ እቲ ጸሎታ “ደጊም . . . ጓሂ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን።” (1 ሳሙ. 1:12, 17, 18) የሆዋ ውሉድ ከም ዚህባ ወይ ብኻልእ መገዲ ፍታሕ ኸም ዚህባ እምንቶ ነበራ።

11. ጸሎት ኬጸናንዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንናን እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ክሳዕ ዝዀነን፡ ፈተናን ጸበባን የጋጥመና እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) የሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ምዃኑ ምፍላጥና ግና፡ ክንደይ ኰን ሰናይ እዩ! ሓደ ኻብቲ ብብሕቲ ንዜጋጥመና ጸበባ ኽንክእሎ ዚሕግዘና ነገር፡ ጸሎት እዩ። ሃና ልባ ናብ የሆዋ ኣፍሲሳ እያ። ብተመሳሳሊ፡ ኪጸብበና ኸሎ፡ ንየሆዋ እንታይ ከም እተሰምዓና ኽንጠቕሰሉ ጥራይ ኣይኰነን ዘሎና። የግዳስ፡ ናብኡ ኽንምህለል፡ እወ ብጸሎት ስምዒታትና ኣጸቢቕና ኽንገልጸሉ እዩ ዘሎና።—ፊል. 4:6, 7

12. ነታ መበለት ዝነበረት ሃና ሓጐስ ክትረክብ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

12 ብሰንኪ መኻንነት ወይ ብሰንኪ ሞት ሰብና ኣብ ህይወትና ባዶነት ኣብ ዚስምዓና እዋን፡ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። ብግዜ የሱስ እትነብር ዝነበረት ነብዪት ሃና፡ ድሕሪ ምምርዓዋ ምስ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ ምስ ገበረት፡ ሰብኣያ ሞተ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ፡ ውሉድ ከም ዝነበራ ኣይሕብርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃና ኣብ 84 ዓመት ዕድሚኣ እንታይ ትገብር ነይራ፧ ሉቃስ 2:37፡ “ለይትን መዓልትን  እናኣገልገለትን እናጾመትን እናተማህለለትን ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት” ትብል። እወ፡ ሃና ንየሆዋ ምግልጋላ፡ የጸናንዓን የሐጕሳን ነበረ።

13. ቤተ ሰብና መጸናናዕቲ ኣብ ዘይኰኑሉ እዋን፡ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኸመይ ገይሮም ኬጸናንዑና ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ ኣብነት ጥቐስ።

13 ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣጸቢቕና እንተ ተቐራሪብና፡ ናይ ሓቂ ፈተውትን ናይ ቀረባ ብጾትን ንረክብ ኢና። (ምሳ. 18:24) ፖላ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከላ ኣዲኣ ኻብ ሓቂ ምስ ወጸት፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃየት ትዝ ይብላ እዩ። ነዚ ፈተና እዚ ምጻሩ ኸቢድዋ ነበረ። ኣን ዝስማ ኣብታ ጉባኤ ዘላ ፈላሚት ንመንፈሳዊ ጥዕናኣ ሓያል ተገዳስነት ምስ ኣርኣየት ግና፡ ብዙሕ ተተባብዐት። ብዛዕባኡ ፖላ ኸምዚ ትብል፦ “ምስ ኣን ዝምድና እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ፍቕራዊ ሓልዮታ ግና ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ። ንየሆዋ ኸገልግሎ ሓጊዙኒ እዩ።” ፖላ ብተኣማንነት ኻብ ምግልጋል ኣየቋረጸትን። ጸኒሓ ኣዲኣ ናብ ሓቂ ምስ ተመልሰት እውን፡ ኣዝያ ተሓጒሳ እያ። ኣን እውን ንፖላ ኸም መንፈሳዊት ኣደ ስለ ዝዀነታ፡ ሕጕስቲ እያ።

14. እቶም ዜጸናንዑ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

14 ንኻልኦት ብብሕቲ ኽንግደሰሎም ከለና፡ ገሊኡ ኣሉታዊ ስምዒትና ኺንኪ ይኽእል እዩ። ምርዑዋት ወይ ዘይተመርዓዋ ኣሓት መዓይይቲ ኣምላኽ ኰይነን ብስራት ኬበስራ ኸለዋ፡ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዚረኽባ ይፈልጣ እየን። ፍቓዱ ብምግባር፡ ንኣምላኽ ኬኽብራ እዩ ሸቶአን። ገሊአን እሞ ኸኣ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብራኦ ተሳትፎ  ንጥዕናአን ከም ዚጠቅም ገይረን ይርእያኦ እየን። ኵላትና ነቶም ኣብ ክልና ዀነ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ምስ እንግደሰሎም፡ ኣብ ጉባኤና ዝያዳ ምቅርራብ ይህሉ እዩ። (ፊል. 2:4) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም “እተጥቡ ኣደ” እዩ ዀይኑሎም፣ ከም መንፈሳዊ ኣቦኦም እውን እዩ ነይሩ።—1 ተሰሎንቄ 2:7, 11, 12 ኣንብብ።

ካብ ስድራ ቤት ዚርከብ መጸናንዒ

15. ንውሉዳት ሓቂ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ብቐዳምነት ናይ መን እዩ፧

15 ሓደ ኸነተኵረሉ ዚግባእ መዳይ፡ ንስድራ ቤትና እንህቦ ምጽንናዕን ደገፍን እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደስቲ ክርስትያናት ንብሱላት ኣስፋሕቲ፡ ንደቆም ሓቂ ኣብ ምምሃር ኪሕግዝዎም፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን መጽናዕቲ ኺመርሑሎም ይሓትትዎም እዮም። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንውሉዳት ናይ ምምሃርን ናይ ምስልጣንን ሓላፍነት፡ ብቐዳምነት ናይ ወለዲ እዩ። (ምሳ. 23:22፣ ኤፌ. 6:1-4) ኣብ ገሊኡ መዳያት ግና፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ የድሊ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ንወለዲ ኻብ ሓላፍነቶም ሓራ ኣይገብሮምን እዩ። ኣብ ስድራ ቤቶም ኣዘውቲሮም እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ልማድ ኪህልዎም ኣለዎ።

16. ንውሉዳት ክንሕግዞም ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

16 ሓደ ወላዲ ንኻልእ ሰብ፡ ንውሉዳቱ መጽናዕቲ ኺገብረሎም እንተ ሓቲቱ፡ እቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ሰብ፡ ሓላፍነት ናይ ወለዲ ኺስከም ከም ዘለዎ ኺሓስብ የብሉን። ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ዘይብሎም ወለዲ ንደቆም መጽናዕቲ ኺምርሓሎም ዚሓትቱሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ናይ የሆዋ ምስክር፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ብምሃቡ፡ ማዕረ ወላዲ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ኺሓስብ የብሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ቤት እቶም ውሉዳት ኰይኑ ወለዶም ወይ ካልእ ብሱል ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ዚርከበሉ እዋን ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ግቡእ ህዝባዊ ቦታ እንተ ተገብረ ይሓይሽ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዋላ ሓደ ሰብ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ብጌጋ ኣይትርጕሞን። ጸኒሖም እቶም ወለዲ ነቲ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ንደቆም ኪኣልዩ ዝሃቦም ሓላፍነት ኪፍጽሙ ኢና ተስፋ እንገብር።

17. ውሉዳት ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከመይ ገይሮም ከም ዜፍቅርዎን ምኽሩ ኸመይ ገይሮም ከም ዚስዕቡን ዚምሃሩ ውሉዳት፡ ንስድራ ቤቶም ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንወለዶም ብምኽባርን ብስጋዊ መገድታት ብምሕጋዝን ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ መንፈሳዊ ኣበርክቶ ኺገብሩ እውን ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ሴት ዝዀነ ላሜክ ንየሆዋ የምልኾ ነበረ። እዚ ኣቦ ስድራ ዝነበረ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ ወዱ ኖህ፡ “ኣብዛ የሆዋ ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን ኬጸናንዓና እዩ” በለ። ምድሪ ኻብቲ ተረጊማቶ ዝነበረት መርገም ሓራ ምስ ኰነት ከኣ፡ ትንቢቱ ተፈጸመ። (ዘፍ. 5:29፣ 8:21) ብተመሳሳሊ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚስዕቡ ውሉዳት፡ ሕጂ ንዜጋጥም ጸገማት ንምስጋሩን ካብቲ ኻብ ማይ ኣይሂ ዚዓቢ ጸበባ ንምድሓንን እጃሞም ብምግባር፡ ንስድራ ቤቶም ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

18. ጸበባ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ብትብዓት ክንጻወር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ጸሎትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከቡ ኣብነታት ምስትንታንን ምስ ህዝቢ የሆዋ ምቅርራብን፡ ሎሚ ንዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ኵሉ ጸበባኦም የጸናንዖም ኣሎ። (መዝሙር 145:18, 19 ኣንብብ።) የሆዋ ምንጪ ነባሪ ምጽንናዕ ምዃኑ ምፍላጥና፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸበባ ብትብዓት ክንጻወር ከም ዚሕግዘና ኣየጠራጥርን እዩ።