ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ሰነ 2017

ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ኣተኵር

ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ኣተኵር

“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝ. 83:18

መዝሙር፦ 9, 22

1, 2. (ሀ) ሕጂ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚምልከት እንታይ ዓብዪ ጕዳይ ኣሎ፧ (ለ) ነቲ ጕዳይ እቲ ምግንዛብና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንገንዘብ ከም ዓብዪ ጕዳይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ሃብቲ ኣብ ምድላብ ወይ ነቲ ዘጥረይዎ ኸይስእኑ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ እዮም ዜተኵሩ። ገሊኦም ድማ ንስድራ ቤቶም፡ ንጥዕናኦም፡ ወይ ኣብ ህይወቶም ንዚዓምምዎ ነገራት እዮም ከም ዓብዪ ጕዳይ ገይሮም ዚርእይዎ።

2 ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ግና ኣዝዩ ዓብዪ ጕዳይ እዩ። ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ዕሽሽ ከይንብሎ ኽንጥቀቕ ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ዕሽሽ ክንብሎ እንኽእል፧ ብዕለታዊ ናብራና እንተ ተዋሒጥና፡ ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኽንርስዕ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ፈተናታት ምስ ከበደና፡ ነቲ ዓብዪ ጕዳይ ክንርስዖ ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብዝያዳ ብእተገንዘብና መጠን፡ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ብዝያዳ ኽንጻወሮ ንኽእል ኢና። እዚ ግንዛበ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ይሕግዘና እዩ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3. ሰይጣን ምስ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ብእተተሓሓዘ እንታይ መጐተ እዩ ኣቕሪቡ፧

3 ሰይጣን ድያብሎስ ዝገበሮ ተግባር፡ ልዑላውነት የሆዋ ቕኑዕ እንተ  ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ እዩ። ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ብልሹው ከም ዝዀነ፡ የሆዋ ድማ ንፍጡራቱ ጽቡቕ ነገር ከም ዝኸልከሎም ገይሩ እዩ ተማጒቱ። ሰባት ባዕሎም ርእሶም እንተ ኣመሓዲሮም፡ ብዝያዳ ኸም ዚሕጐሱን ከም ዚሕሾምን እዩ ኣሚቱ። (ዘፍ. 3:1-5) ብዘይካዚ እውን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ካብ ልቡ እሙን ከም ዘይኰነ፡ ብዙሕ ጸቕጢ ምስ ወረዶ ድማ ንኣገዛዝኣ የሆዋ ኸም ዘይቅበሎ ኣሚቱ እዩ። (እዮ. 2:4, 5) ስለዚ ድማ የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ካብ ግዝኣቱ ወጻኢ ጽቡቕ ህይወት ከም ዘይህልዎም ምእንቲ ኺረጋገጽ፡ እተወሰነ ግዜ ኺሓልፍ ፈቒዱ።

4. ጕዳይ ልዑላውነት ኪፍታሕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

4 እቲ ድያብሎስ ዘቕረቦ ኽስታት ሓሶት ምዃኑ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ንሰይጣን መርትዖኡ ኬቕርብ ግዜ ዝሃቦ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንዅሎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራን ዚምልከት እዩ። (መዝሙር 83:18 ኣንብብ።) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንኣገዛዝኣ የሆዋ ኣይተቐበልዎን፣ ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ብዙሓት ካልኦት ከምኡ ገይሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም፡ እቲ ድያብሎስ ዝበሎ ነገር ሓቅነት እንተ ኣልይዎ ይሓስቡ ይዀኑ። እቲ ጕዳይ እቲ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ወይ መላእኽቲ ኽሳዕ ዘይደቀሰ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብን ዓሌታትን ነገዳትን እንዳታትን ውልቀ ሰባትን ዘሎ ግጭት ኣይፍታሕን እዩ። ልዑላውነት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ ግና፡ ኵሎም ነቲ ቕኑዕ ኣገዛዝኡ ንሓዋሩ ኺግዝኡ እዮም። ሽዑ፡ ኣብ ብዘላ ዩኒቨርስ ሰላም ኪሰፍን እዩ።—ኤፌ. 1:9, 10

5. ኣብ ጕዳይ ልዑላውነት የሆዋ እንታይ ግደ እዩ ዘሎና፧

5 ልዑላውነት ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ኺረጋገጽ እዩ፣ ኣገዛዝኣ ሰይጣንን ደቂ ሰብን ድማ ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ ኺውገድ እዩ። ኣምላኽ ብመሲሓዊት መንግስቱ ኣቢሉ ዜስፍኖ ግዝኣት ኪዕወት እዩ፣ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ሰባት ድማ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ጐድኒ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ኪቘሙ ኸም ዚኽእሉ ኼመስክሩ እዮም። (ኢሳ. 45:23, 24) ሓደ ኻብቶም ንጽህናኦም ሓልዮም ንልዑላውነት የሆዋ ዚድግፉ ሰባት ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧ ከምኡ ኽትከውን ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ንጽህናና ንምሕላው ግና ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ከነተኵር፡ ብሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ክንግንዘብ ኣሎና።

ምርግጋጽ ቅኑዕነት ካብ ድሕነት ንላዕሊ የገድስ

6. ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

6 ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ካብ ብሕታዊ ሓጐስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ሓቂ እዚ ንኣገዳስነት ድሕነትና ዜትሕት፡ ወይ ድማ የሆዋ ብዛዕባና ብሓቂ ኸም ዘይግደስ ዚእምት ድዩ፧ ኣይፋልን። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧

7, 8. ምፍጻም እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብ ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነቱ ዚጠቓለል ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ንደቂ ሰብ ብዙሕ የፍቅሮምን የኽብሮምን እዩ። ብደም ወዱ ገይሩ መገዲ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ኪኸፍተልና ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9) የሆዋ ነቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ዘይፍጽሞ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ድያብሎስ ንኣምላኽ፡ ከም ዝሓሰወን ንፍጡራቱ ጽቡቕ ነገር ከም ዝኸልከሎምን ኣገዛዝኣኡ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነን ገይሩ ንምኽሳስ ምኽንያት ምረኸበ ነይሩ። እቶም፡ “እቲ ንሱ ኣብዚ ኸም ዚህሉ እተተስፈወ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ፡ ኵሉ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኢሎም ዜላግጹ ተጻረርቲ እውን ሓቆም ምዀኑ ነይሮም። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ስለዚ ኸኣ የሆዋ፡ ድሕነት እዙዛት ደቂ ሰብ፡ ኣብ ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነቱ ኸም ዚጠቓለል ኪገብሮ እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡  ልዑላውነት የሆዋ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። ስለዚ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ወትሩ ኸም ዜፍቅሮምን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዘጸ. 34:6

8 ልዑላውነት የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ምቕባልና፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ንድሕነትና ወይ ንዋጋና ዜትሕቶ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንልዑላውነትን ንድሕነትን ገግቡእ ቦታኡ ኢና እንህቦ ዘለና። ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ከነተኵርን ነቲ ቕኑዕ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ክንድግፍን እንተ ዄንና፡ እዚ ቕኑዕ ኣረኣእያ እዚ ኣገዳሲ እዩ።

እዮብ ብኸመይ ኣረኣእያኡ ኸም ዘዐረየ

9. ሰይጣን ምስ እዮብ ብእተተሓሓዘ እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ግቡእ ኣረኣእያ ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት እተጻሕፋ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ እዮብ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ኣብኣ ኸኣ፡ ንእዮብ ከቢድ መከራ እንተ ወሪድዎ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይግዝኦ ሰይጣን ተማጒቱ እዩ። ስለዚ ድማ ሰይጣን፡ ኣምላኽ ንእዮብ ኪወቕዖ ሓሳብ ኣቕረበ። የሆዋ ኸምኡ ኣይገበረን፣ ግናኸ፡ ንሰይጣን፡ “ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ እዩ” ብምባል፡ ንእዮብ ኪፍትኖ ፈቐደሉ። (እዮብ 1:7-12 ኣንብብ።) እዮብ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ገላዉኡን መነባብሮኡን ዓሰርተ ዚፈተዎም ደቁን ሰኣነ። እቲ መከራ ኻብ ኣምላኽ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣምሲሉ እዩ ሰይጣን መከራ ኣውሪዱሉ። (እዮ. 1:13-19) ቀጺሉ፡ ሰይጣን ንእዮብ ብዜሳቕን ብዜስገድግድን ሕማም ወቕዖ። (እዮ. 2:7) ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ፡ ሰበይቱን እቶም ከም ፈተውቱ መሲሎም ዝመጽዎ ሰለስተ ብጾቱን ተስፋ ዜቝርጽ ቃላት ተዛረብዎ።—እዮ. 2:9፣ 3:11፣ 16:2

10. (ሀ) እዮብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናኡ ዝሓለወ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ግናኸ፡ ብኸመይ እዩ ዝበደለ፧

10 እሞኸ ኣብ መወዳእታ እንታይ ኰነ፧ እቲ ሰይጣን ዝበሎ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምዃኑ ተረጋገጸ። እዮብ ንኣምላኽ ዝባኑ ኣይሃቦን። (እዮ. 27:5) ይኹን እምበር፡ እዮብ ንእተወሰነ ግዜ ግቡእ ኣረኣእያኡ ስሒቱ ነይሩ እዩ። ጻድቕ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ እምብዛ ኣተኲሩ ነይሩ እዩ፣ ምኽንያት መከራኡ ኺፈልጥ ከም ዚግብኦ እውን ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። (እዮ. 7:20፣ 13:24) ንዅሉ እቲ ዘሕለፎ መከራ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ ከምኡ ኢሉ ኺሓትት ሓቁ እዩ ንብል ንኸውን። ኣምላኽ ግና፡ ኣተሓሳስባ እዮብ ኪእረም ከም ዘለዎ እዩ ወሲኑ። እሞኸ የሆዋ እንታይ እዩ ኢልዎ፧

11, 12. የሆዋ ንእዮብ እንታይ እዩ ኣረዲእዎ፧ እዮብከ እንታይ እዩ ዝገበረ፧

11 ኣምላኽ ንእዮብ እተዛረቦ ቓል፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ካብ ምዕራፍ 38 ክሳብ 41 ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብኡ ግና የሆዋ ንእዮብ፡ ስለምንታይ መከራ ኸም ዝወረዶ ኺገልጸሉ ኣይፈተነን። የግዳስ፡ ምስ ዕቤት ኣምላኽ ብምንጽጻር ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ እዩ ኣረዲእዎ። ካልእ ኬተሓሳስቦ ዘለዎ ዝዓበየ ጕዳይ ከም ዘሎ እውን  ኪግንዘብ ሓጊዝዎ እዩ። (እዮብ 38:18-21 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ፡ እዮብ ኣረኣእያኡ ኼዐሪ ኽኢሉ።

12 እዮብ ከቢድ መከራ ድሕሪ ምሕላፉ፡ የሆዋ ኸምዚ ዝበለ ቐጥታዊ ምኽሪ ምሃቡስ ኣኽቢዱሉ ኽንብል ንኽእልዶ፧ ኣይፋልን፡ ኣምላኽ ኣየኽበደሉን፣ እዮብ እውን ከምኡ ኣይተሰምዖን። ብርቱዕ ፈተና እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ተረዲእዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ “ስለዚ እየ ነቲ ዝበልክዎ ዝስሕቦ ዘለኹ፣ ኣብ ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ ኸኣ ዝንሳሕ ዘለኹ” ኢሉ እተዛረበ። (እዮ. 42:1-6) ኣቐዲሙ እውን፡ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኤሊሁ ኣሪምዎ እዩ። (እዮ. 32:5-10) እዮብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መግናሕቲ ተቐቢሉ ኣረኣእያኡ ምስ ኣዐረየ ኸኣ፡ የሆዋ በቲ እዮብ ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘርኣዮ ተኣማንነት ባህ ከም ዝበሎ ገለጸ።—እዮ. 42:7, 8

13. የሆዋ ንእዮብ ዝሃቦ ምኽሪ፡ እቲ መከራ ምስ ኣብቅዐ እውን ንእዮብ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ ንእዮብ ዝሃቦ ምኽሪ፡ እቲ መከራ ምስ ኣብቅዐ እውን ንእዮብ ጠቒምዎ እዩ። ብኸመይ፧ ርግጽ እዩ፡ የሆዋ ‘ነቲ ዳሕራይ ክፋል ህይወት እዮብ ካብቲ ቐዳማዩ ኣብሊጹ ባሪኽዎ እዩ።’ ይኹን እምበር፡ እዮብ ኣብ መወዳእታኡ ‘ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ስለ ዝነበርዎ፡’ ነዚ በረኸት እዚ ንምርካብ ግዜ ወሲዱሉ እዩ። (እዮ. 42:12-14) ብዘይካዚ፡ በቶም ሰይጣን ዝቐተሎም ደቁ ይሓዝን ነይሩ እዩ። ንእተወሰነ እዋን ድማ ነቲ መከራኡ ኣጸቢቑ ይዝክሮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ጠንቂ እቲ መከራኡ ብዝሓሸ እኳ እንተ ተረድኦ፡ ክሳዕ ክንድኡ መከራ ኺጸግብ ስለምንታይ ከም ዘድለየ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝመጸ ሓሳባት እኳ እንተ መጾ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ኼስተንትን ይኽእል ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ግቡእ ኣረኣእያ ኺሕዝን ኪጸናናዕን ይኽእል ነይሩ እዩ።—መዝ. 94:19፡ እ.ጽ.።

ኣብ ጸገማትካ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ከተተኵርዶ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ካብ ተመክሮ እዮብ እንታይ ንምሃር፧

14 ንሕና እውን ንዛንታ እዮብ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝን ክንጸናናዕን ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ . . . ንትምህርትና እዩ [እቲ ዛንታ] እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) እሞ ደኣ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ብቐዳምነት፡ ኣብ ህይወትና እምብዛ ኻብ ምትኳርና እተላዕለ፡ ነቲ ዓብዪ ጕዳይ፡ ማለት ንምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ኣይንረስዓዮ። ከም እዮብ፡ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እሙናት ብምዃን ኣብቲ ኣገዳሲ ጕዳይ እጃምና ኸነበርክት ከም እንኽእል ድማ ንዘክር።

15. ኣብ ትሕቲ መከራ እሙናት ምዃንና፡ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧

15 ብዛዕባ እቲ ተኣማንነትና ዘለዎ ዋጋ ምስትንታንና ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧ እቲ እንጸግቦ መከራ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነ ስለ እንፈልጥ  እዩ። እወ፡ እቲ ዜጓንፈና መከራ፡ የሆዋ ኸም ዘይተሓጐሰልና ዜርኢ ዘይኰነስ፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ከም ዝደገፍና እነርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ ዚዀነልና። (ምሳ. 27:11) ተጻዋርነትና ድማ “እተፈተነ ብቕዓት” እዩ ዜፍሪ፣ ንተስፋና እውን የደልድላ እዩ። (ሮሜ 5:3-5 ኣንብብ።) ዛንታ እዮብ፡ “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን” ምዃኑ እዩ ዚምስክር። (ያእ. 5:11) ስለዚ፡ ነቶም ንልዑላውነት የሆዋ እንድግፍ ዘበልና፡ ንሱ ዓስብና ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ ምፍላጥና፡ ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ኽንጻወር’ ይሕግዘና እዩ።—ቈሎ. 1:11

ኣትኵሮኻ ኸይስረቕ ተጠንቀቕ

16. ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ንርእስና ኸነዘኻኽራ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ወትሩ ኣብ ምርግጋጽ ቅኑዕነት ልዑላውነት የሆዋ ምትኳር ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዜጓንፈና ጸገማት ኪዕብልለና ይኽእል እዩ። ብተዛማዲ ንኣሽቱ ዝዀነ ጸገማት እኳ ብዙሕ እንተ ተጨኒቕናሉ፡ ኣብ ኣእምሮና ዓብዪ መሲሉ ኺርኣየና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ምድጋፍ ዘለዎ ኣገዳስነት ንርእስና ኸነዘኻኽራ ኣሎና።

17. ኣብ ዕዮ የሆዋ ኣዘውቲርና ምስታፍና፡ ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ከነተኵር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 ኣብ ዕዮ የሆዋ ኣዘውቲርና ምስታፍና፡ ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ከነተኵር ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ረኔ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ወቕዒ ኣጋጠማ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ብርቱዕ ቃንዛን ሕማም መንሽሮን ነበራ። ኣብ ሆስፒታል ኣትያ ኽትሕከም ከላ፡ ነቶም ሰራሕተኛታትን ንተሓከምትን ንበጻሕትን ትምስክረሎም ነበረት። ኣብ ሓደ ሆስፒታል ከላ፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙንን ፈረቓን 80 ሰዓት ዚኣክል መስከረት። ናብ ኣጋ ሞት ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን እኳ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኣይረስዓቶን። እዚ ኸኣ ነቲ ጭንቃ ቝሩብ ኣፍኲሱላ እዩ።

18. ተመክሮ ሓንቲ ሓብቲ ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ ምድጋፍ ዘለዎ ጥቕሚ ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብ መመዓልቲ ጸቕጥታትን ንኣሽቱ ጸገማትን ኬጋጥመና ኸሎ እውን፡ ኣብ ልዑላውነት የሆዋ ኸነተኵር ንደሊ ኢና። ጀኒፈር ናብ ዓዳ እትኸደሉ በረራ ንምርካብ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ኽትጸንሕ ተገዲዳ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ በረራታት ብተኸታታሊ ተሰሪዝዋ እዩ። እትፈልጦ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ብድኻም ተወዲኣ ኣብ እትጽበየሉ ዝነበረት እዋን፡ ብቐሊሉ ኸተማርር ምኸኣለት ነይራ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ነቶም ተመሳሳሊ ዜበሳጩ ዅነታት ዘጋጠሞም ሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ምእንቲ ኽትህቦም ጸለየት። እሞኸ እንታይ ፍረ ረኺባ፧ ንብዙሓት ሰባት ክትምስክረሎምን ብዙሕ ጽሑፋት ከተበርትክትን ክኢላ እያ። “ፈታኒ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ኸም ዝባረኸኒ፡ ንስሙ ጽቡቕ ምስክርነት ክህብ እውን ዚኣክል ብርታዐ ኸም ዝሃበኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ድማ ትብል። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣትኵሮኣ ኣብ ዕላማ የሆዋ ገበረት።

19. ህዝቢ የሆዋ ምስ ልዑላውነት የሆዋ ብዚተሓሓዝ እንታይ መትከል እዩ ዘለዎም፧

19 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣገዳስነት ልዑላውነት የሆዋ ይግንዘብዎ እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ንልዑላውነቱ ይድግፉ እዮም። ደገፍቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ምዃንና መጠን፡ ከምዚ ዝበለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ ክንጽዕር ኣሎና።

20. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንልዑላውነቱ ንምድጋፍ እትገብሮ ጻዕሪ ኸመይ ይስምዖ፧

20 የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት ብእተቕርቦ ኣገልግሎትን መከራ ኼጋጥም ከሎ ብእተርእዮ ተጻዋርነትን ኣቢልካ ንልዑላውነቱ ንምድጋፍ እትገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (መዝ. 18:25) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ብምሉእ ልብና ኽንድግፎ ዘሎና ስለምንታይ ከም ዝዀነን ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእልን ክንርኢ ኢና።