ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

ንልዑላውነት የሆዋ ደግፍ!

ንልዑላውነት የሆዋ ደግፍ!

“ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእ. 4:11

መዝሙር፦ 12, 150

1, 2. ነፍሲ ወከፍና ነየናይ ነጥቢ ኢና ኽንኣምነሉ ዘሎና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ድያብሎስ ንየሆዋ፡ ንልዑላውነቱ ብዘይግቡእ ከም ዚጥቀመሉን ደቂ ሰብ ብርእሶም እንተ ተመሓደሩ ኸም ዚሕሾምን ይማጐት እዩ። እሞኸ ሰይጣን ሓቁ ድዩ፧ ብርእሶም ዚምሓደሩ ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ እንተ ዚኽእሉ ነይሮም፡ ብዘይ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝሓሸ ነገርዶ ምረኸቡ፧ ንስኻኸ ኻብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ንዘለኣለም እንተ ትነብርሲ ምተሓጐስካዶ፧

2 ነዚ ሕቶታት እዚ ባዕልኻ ኢኻ ኽትምልሶ ዘሎካ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ጕዳይ እዚ ኺሓስበሉ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ኣገዛዝኣ የሆዋ ዝበለጸ ምዃኑን ንዕኡ ብምሉእ ልብና ኽንድግፎ ኸም ዚግባእን ንጹር ኪዀነሉ ይግባእ። ሕጂ እምበኣር፡ የሆዋ ኣብ ዩኒቨርስ ኪገዝእ ዚግብኦ በይኑ ምዃኑን ስለምንታይ ኣገዛዝኣኡ ብሉጽ ከም ዝዀነን ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ነዚ መሰረት ዚኸውን ሓሳባት እስከ ንመርምር።

ኪገዝእ መሰል ዘለዎ የሆዋ እዩ

3. ልዑላዊ ገዛኢ ኪኸውን ዚግብኦ የሆዋ ጥራይ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

3 የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ፈጣርን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ልዑላዊ ገዛኢ ኪኸውን ይግብኦ እዩ። (1 ዜና 29:11፣ ግብ. 4:24) ኣብ ራእይ 4:11፡ እቶም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ዚገዝኡ 144,000 መጋዝእቲ ክርስቶስ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን  ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኸም ዝበሉ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። እወ፡ የሆዋ ንዅሉ ስለ ዝፈጠረ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብን መንፈሳውያን ፍጡራትን ናይ ምግዛእ ምሉእ መሰል ኣለዎ።

4. ንልዑላውነት የሆዋ ዚጻረር ዘበለ ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

4 ሰይጣን ዋላ ሓንቲ ኣይፈጠረን። ስለዚ፡ ንዩኒቨርስ ኪገዝእ ዚግብኦ ኣይኰነን። ንሱን እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብትዕቢት ተደሪኾም እዮም ካብ ልዑላውነት የሆዋ ዓልዮም። (ኤር. 10:23) ልክዕ እዩ፡ ኪመርጹ ናጽነት ዘለዎም ፍጡራት ከም ምዃኖም መጠን፡ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም ኪምሓደሩ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ንምግባር ግና መሰል ተዋህቢዎም ድዩ፧ ኣይፋልን። ናይ ምምራጽ ናጽነት ንሰባት፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ግቡእ ምርጫ ኺገብሩ የኽእሎም እዩ። ካብ ፈጣሪኦምን ወሃብ ህይወቶምን ኪዓልዉ ግና መሰል ኣይህቦምን እዩ። እምበኣር፡ ካብ የሆዋ ዚዓሉ ዘበለ ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይግቡእ እዩ ዚጥቀመሉ። ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ቕኑዕ ግዝኣት የሆዋ ኢና ኽንምሓደር ዘሎና።

5. ስለምንታይ ኢና ውሳነታት ኣምላኽ ፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

5 ልዑላውነት የሆዋ ግቡእ ዚዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። የሆዋ ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣኑ፡ ፍጹም ፍትሓዊ እዩ። ንሱ ባዕሉ፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍትሕን ጽድቅን ኣብ ምድሪ ዝገብር ኣነ የሆዋ [እየ]” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ኤር. 9:24) ፍትሓውን ቅኑዕን ዝዀነ ነገር ንምውሳን፡ ዘይፍጹማት ሰባት ንዝጸሓፍዎ ሕግታት ኣይውከስን እዩ። ፍጹም ፍትሑ ኻብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዚምንጭው፣ ኣብኡ ተመስሪቱ ድማ ንደቂ ሰብ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕግታት ይህቦም። “ጽድቅን ፍትሕን መሰረት [ዝፋኑ] እየን፣” ስለዚ፡ ኵሉ ሕግታቱን ስርዓታቱን ውሳነታቱን ቅኑዕ ምዃኑ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መዝ. 89:14፣ 119:128) ብኣንጻሩ ግና፡ ሰይጣን ንየሆዋ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ገይሩ እኳ እንተ ኸሰሶ፡ ንሱ ባዕሉ ግና ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ኬምጽእ ኣይከኣለን።

6. የሆዋ ንዓለም ንምምሕዳር መሰል ከም ዚህልዎ ዚገብር ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

6 ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንዩኒቨርስ ንምእላይ ዜድሊ ፍልጠትን ጥበብን ስለ ዘለዎ፡ ልዑላዊ ገዛኢ ኪኸውን ይግብኦ እዩ። ንኣብነት፡ ንወዱ፡ ንሓካይም ዝጨነቖም ሕማማት ኬሕዊ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። (ማቴ. 4:23, 24፣ ማር. 5:25-29) ብዓይኒ የሆዋ፡ እቲ እተገብረ ነገራት፡ ተኣምራት ኣይነበረን። ሰብነትና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ይፈልጥ እዩ፣ ዝዀነ ጕድኣት እውን ኬዐሪ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ምዉታት ኬተንስእን ባህርያዊ ሓደጋታት ኬወግድን ይኽእል እዩ።

7. ጥበብ የሆዋ ኻብ ጥበብ እታ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘላ ዓለም ኣጸቢቑ ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ዘላ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መንጎ ሃገራትን ብዘሎ ግጭት ትሕመስ እያ ዘላ። የሆዋ ጥራይ እዩ ኣብ ብዘላ ዓለም ሰላም ንምስፋን ጥበብ ዘለዎ። (ኢሳ. 2:3, 4፣ 54:13) ብዛዕባ ፍልጠትን ጥበብን የሆዋ እናፈለጥና ብዝኸድና መጠን፡ ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ኢና እነሕድር። ንሱ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣየወ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ! ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ፡ መገዱ እውን ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ!”—ሮሜ 11:33

ግዝኣት የሆዋ ዝበለጸ እዩ

8. ካብ ኣገዛዝኣ የሆዋ ንልብኻ ዚትንክዮ እንታይ እዩ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኺገዝእ ዚግብኦ ምዃኑ ጥራይ ኣይኰነን ዚገልጽ። ስለምንታይ ብሉጽ ገዛኢ ኸም ዝዀነ እውን ይገልጽ እዩ። ሓደ ምኽንያት ድማ ብፍቕሪ ዚገዝእ ምዃኑ እዩ። እወ፡ ብዛዕባ እቲ ንልዑላውነቱ ዚጥቀመሉ መገዲ ኽንሓስብ ከለና፡ ልብና ይትንከ እዩ። “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡  ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” እዩ። (ዘጸ. 34:6) ንሰብኣውያን ገላዉኡ ብኣኽብሮት እዩ ዚሕዞም። ካብቲ ንሕና ንርእስና ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ እዩ ዚሓልየልና። ከምቲ ድያብሎስ ዚብሎ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ነገር ኣይከልኦምን እዩ። አረ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እኳ ነቲ ፍቑር ወዱ እዩ ሂቡና።—መዝሙር 84:11፣ ሮሜ 8:32 ኣንብብ።

9. ኣምላኽ ንውልቀ ሰባት እውን ከም ዚግደሰሎም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

9 የሆዋ ንህዝቡ ዜርእዮም ሓልዮት ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ኣይኰነን። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እውን ኣጸቢቑ ይግደሰሉ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጨቈንቶም ንምድሓን መሳፍንቲ ዘተንስኣሉ ሰለስተ ዘመን እስከ ንሕሰብ። ኣብቲ ህውከት ዝበዝሖ እዋን፡ ነታ እስራኤላዊት ዘይኰነት፡ ዓብዪ መስዋእቲ ኸፊላ ግና ናይ ሓቂ ኣምላኺት ዝዀነት ሩት ዝስማ ሰበይቲ ኣስተብሂሉላ እዩ። የሆዋ ንሩት፡ ሰብኣይን ውሉድን ብምሃብ ባሪኽዋ እዩ። እቲ በረኸት ግና በዚ ኣየብቅዐን። ሩት ካብ ሞት ምስ ተንስአት፡ ወዳ ኣብ መስመር ወለዶ እቲ መሲሕ ምንባሩ ኽትፈልጥ እያ። ታሪኽ ህይወታ ኣብታ ብስማ እተሰምየት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ከም እተዓቀበ ምፍላጣ ድማ ብዙሕ ኬሐጕሳ እዩ!—ሩት 4:13፣ ማቴ. 1:5, 16

10. ኣገዛዝኣ የሆዋ ጨቋኒ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣገዛዝኣ የሆዋ ጨቋኒ ወይ ዘይተዓጻጸፍ ኣይኰነን። ናጽነት ዘለዎን ዜሐጕስን እዩ። (2 ቈረ. 3:17) ዳዊት ነዚ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ]፡ ብርታዐን ሓጐስን ኣብ መንበሪኡ እዩ” በለ። (1 ዜና 16:7, 27) ኤታን እቲ ዘማሪ እውን፡ “እቶም እልልታ ዚፈልጡ ህዝቢ ሕጉሳት እዮም። ኦ የሆዋ፡ ንሳቶም ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። ምሉእ መዓልቲ ብስምካ ይሕጐሱ፣ ብጽድቅኻ እውን ልዕል ይብሉ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝ. 89:15, 16

11. ኣገዛዝኣ የሆዋ ብሉጽ ምዃኑ ዘሎና እምነት ከመይ ጌርና ኸነደልድል ንኽእል፧

11 ብዛዕባ ሕያውነትን ሰናይን የሆዋ ብዙሕ እንተ ኣስተንቲንና፡ ነቲ ግዝኣቱ ብሉጽ ምዃኑ ዘሎና እምነት የደልድሎ እዩ። ከምቲ ዘማሪ ድማ፡ “ካብ ሽሕ ኣብ ካልእሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ!” ኣብ ዚብል መደምደምታ ንበጽሕ ኢና። (መዝ. 84:10) እዚ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን። የሆዋ ፈቃር ነዳፊናን ፈጣሪናን ብምዃኑ፡ ብሓቂ ዜሐጕሰና ነገር ይፈልጥ እዩ፡ ዜሐጕሰና እውን ኣብዚሑ ይህበና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ መስዋእቲ ኽንከፍል እኳ እንተ ኣድለየ፡ ክንገብሮ ዚደልየና ዘበለ ዅሉ ንጥቕምና እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።—ኢሳይያስ 48:17 ኣንብብ።

12. ንልዑላውነት የሆዋ እንድግፈሉ ቐንዲ ምኽንያትና እንታይ እዩ፧

12 ድሕሪ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ልዑላውነት የሆዋ ኸም ዚዓልዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ራእ. 20:7, 8) ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚልዓዓሉ፧ ሽዑ፡ ድያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ኺፍታሕ፡ ንደቂ ሰብ ድማ ኬስሕቶም ኪሕልን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ከም ቀደሙ ንጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ኪሓስቡ ብምትዅታዅ እዩ ዚፍትኖም ዚኸውን። ሰባት ንየሆዋ ኸይተኣዘዙ ንዘለኣለም ኪነብሩሉ ዚኽእሉ መገዲ ኸም ዘሎ ገይሩ ኼእምኖም ይፍትን ይኸውን። እቲ ኽሱ መሸም ምሉእ ብምሉእ ሓሶት እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ‘ነዚ ሓሶት እዚ እኣምኖ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልና ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ንየሆዋ እነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ብምኽንያት ሕያውነቱን ንዩኒቨርስ ኪገዝእ መሰል ዘለዎ ብምዃኑን ድማ ነገልግሎ እንተ ዄንና፡ ነቲ ድያብሎስ ዜምጽኦ ኽሲ ንጽየፎ ኢና። ኣብ ትሕቲ እቲ ኺገዝእ ዚግብኦ ፈቃር ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብህይወት ክንነብር ኣይንደልን ኢና።

 ብተኣማንነት ንልዑላውነት ኣምላኽ ደግፍ

13. ንኣምላኽ ክንመስሎ ምድላይና፡ ንዕኡ ኸም እንድግፎ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

13 እምበኣር፡ ልዑላውነት የሆዋ ብምሉእ ልብና ኽንድግፎ ዚግብኣና ነገር እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ንሱ ኺገዝእ መሰል ኣለዎ፣ ኣገዛዝኣኡ እውን ብሉጽ እዩ። ንጽህናና ብምሕላውን ንኣምላኽ ብተኣማንነት ብምግልጋልን ድማ ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍ ንኽእል ኢና። ከመይ ጌርናኸ ኢና ብኻልእ መገዲ ኽንድግፍ እንኽእል፧ ተግባራትና ብመገዲ የሆዋ ብምግባር፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ከምቲ የሆዋ ዚገብሮ ንምግባር ዚከኣለና ዘበለ እንተ ጽዒርና፡ ንኣገዛዝኣኡ ኸም እንፈትዎን ከም እንድግፎን ነርኢ።—ኤፌሶን 5:1, 2 ኣንብብ።

14. ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታትን ርእስታት ስድራ ቤትን ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ፧

14 የሆዋ ንስልጣኑ ወትሩ ብፍቕሪ ኸም ዚጥቀመሉ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሃር ኢና። ንኣገዛዝኣኡ ዚፈትዉ ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን እውን፡ ጨቈንቲ ወይ ተቘጻጸርቲ ኣይኰኑን እዮም። የግዳስ፡ ንየሆዋ እዮም ዚመስልዎ። ጳውሎስ ንኣምላኽን ንወዱን ይመስሎም ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 11:1) ስለዚ ድማ፡ ንኻልኦት ሰባት ዜዋርዶም ነገር ኣይገበረን፣ ወይ ቅኑዕ ኪገብሩ ጸቕጢ ኣይገበረሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ይልምኖም እዩ ነይሩ። (ሮሜ 12:1፣ ኤፌ. 4:1፣ ፊሞ. 8-10) ኣብዚ ጳውሎስ ንየሆዋ እዩ መሲልዎ። እምበኣር፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ንኣገዛዝኣኡ ዚድግፉን ነዚ ኣብነት እዚ እዮም ኪስዕቡ ዘለዎም።

15. ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ርእስነት ምኽባርና ንኣገዛዝኣ የሆዋ ኸም እንፈትዎ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

15 እሞኸ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ምስቲ ስርዓት እቲ ብኣኽብሮት ተሓባቢርና ብምዕያይ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኸም እንድግፍ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ዋላ እውን ሓደ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲኡና ወይ ምስኡ እንተ ዘይተሰማሚዕና፡ ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ክንድግፍ ንደሊ ኢና። እዚ ኻብ መገዲ ዓለም ኣዝዩ እተፈልየ  እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሆዋ እንመላለሰሉ መገዲ ህይወት እዩ። (ኤፌ. 5:22, 23፣ 6:1-3፣ እብ. 13:17) ኣምላኽ ንጥቕምና ስለ ዚሓሊ፡ ከምኡ ብምግባርና ንጥቀም ኢና።

16. ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚድግፉ ሰባት ብሕታዊ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ብቐዳምነት እንታይ እዮም ኣብ ግምት ዜእትዉ፧

16 ብብሕታዊ ውሳነታትና ኣቢልና እውን ንልዑላውነት ኣምላኽ ዘሎና ደገፍ ከነርኢ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብ ኵሉ ዅነታት ዝርዝር ትእዛዛት ኣይህበናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓሳቡ እዩ ዚገልጸልና። ንኣብነት፡ ንክርስትያናት ዚኸውን ዝርዝር ሕግታት ኣከዳድና ኣይሃበን። የግዳስ፡ ትሕትና ዜርእን ንክርስትያን ኣገልጋሊ ዚበቅዕን ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኪህልወና ኸም ዚደሊ እዩ ገሊጹልና። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ንኻልኦት መዐንቀፊ ኸይንኸውን ወይ ብውሳነና ኸይንርብሾም ከም ዜተሓሳስቦ እውን ሓቢሩና እዩ። (1 ቈረ. 10:31-33) እምበኣር፡ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ንምርጫና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐዳምነት ንሓሳብ የሆዋ ኣብ ግምት ነእቱ እንተ ዄንና፡ ንኣገዛዝኣኡ ኸም እንፈትዎን ከም እንድግፎን ነርኢ።

ውሳነታት ክትገብር ከለኻን ኣብ ንጥፈታት ስድራ ቤትካን፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ደግፍ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-18 ርአ)

17, 18. ሰብ ሓዳር ንልዑላውነት የሆዋ ኸም ዚድግፉ ዜርእዩሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

17 ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንመገድታት የሆዋ ኺድግፉሉ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ንልዑላውነቱ ኺድግፉሉ ዚኽእሉ ሓደ መዳይ እስከ ንርአ። ንበል ሓዳር ከምቲ እተጸበይዎ ዀይኑ ኣይጸንሖምን። ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ሓዳሮም ጸገማት የጋጥሞም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ነቲ የሆዋ ንእስራኤል ዝሓዘሉ መገዲ ኺሓስቡሉ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንርእሱ፡ ነቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኸም ሰብኣዮም ከም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። (ኢሳ. 54:5፣ 62:4) እቲ “ሓዳር” እቲ ድማ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ! ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ቐልጢፉ ተስፋ ኣይቈረጸን። ነቶም ህዝቢ ብተደጋጋሚ ምሒርዎም እዩ፣ ነቲ ዝኣተወሎም ኪዳን ከኣ እሙን ኰይኑ እዩ። (መዝሙር 106:43-45 ኣንብብ።) እዚ የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕርስ ናብኡ ዚስሕበና ደይኰነን፧

18 እምበኣር፡ ሰብ ሓዳር እውን ንየሆዋ ኺመስልዎ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ጸገማት ካብ ዘለዎ ሓዳር መውጽኢ ንምርካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ኼናድዩ የብሎምን። የግዳስ፡ የሆዋ ኸም ዝቘረኖም፡ ንሓድሕዶም ‘ኪጣበቑ’ ኸኣ ከም ዚደልዮም ይግንዘቡ እዮም። ሓደ ሰብ ተፋቲሑ ንኻልእ ኪምርዖ ዜኽእሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ምንዝርና ጥራይ እዩ። (ማቴ. 19:5, 6, 9) ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ንምምሕያሽ ዚከኣሎም ብምጽዓር፡ ነቲ ቕኑዕ ኣገዛዝኣ የሆዋ ይድግፉ እዮም።

19. ክንጋገ ኸለና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ዜጕህዮ ነገራት ንገብር ኢና። ንሱ እውን ነዚ ይፈልጦ እዩ፣ ብፍቕሪ ተደሪኹ ድማ በቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ኣቢሉ ይቕረ ኺብለልና መሰናድዎ ገይሩልና ኣሎ። ስለዚ፡ ብገለ ምስ እንብድል፡ ንየሆዋ ይቕረታ ኽንልምኖ ኣሎና። (1 ዮሃ. 2:1, 2) ብቐጻሊ ርእስና ኣብ ክንዲ እንደቍስ፡ ካብ ጌጋና ኽንምሃር ኣሎና። ካብ የሆዋ እንተ ዘይርሒቕና፡ ንሱ ይቕረ ኺብለልናን ኬሕውየናን እዩ፣ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥም ተመሳሳሊ ዅነታት ክንሰግር ድማ ኪሕግዘና እዩ።—መዝ. 103:3

20. ሕጂ ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሆዋ ኪኸውን፡ ነቲ ቕኑዕ መገድታቱ እውን ኪምሃር እዩ። (ኢሳ. 11:9) ግናኸ፡ ንሕና ንመብዛሕትኡ እቲ ትምህርቲ፡ ሕጂ ንረኽቦ ኣለና። ጕዳይ ልዑላውነት መዓልቦ ዚረኽበሉ እዋን ከኣ ቀሪቡ እዩ ዘሎ። እምበኣር፡ ብንጽህናናን ብኣገልግሎትናን ኣብ ኵሉ ተግባርና ንኣምላኽ ብምምሳልን፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ እንድግፈሉ ግዜ ሕጂ እዩ።