ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ሚያዝያ 2017

ፈቲኻ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ!

ፈቲኻ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ!

“ህዝቢ ብፍታዎም ስለ ዝመጹ፡ ንየሆዋ ወድስዎ!”—መሳ. 5:2

መዝሙር፦ 84, 75

1, 2. (ሀ) ኤልፋዝን ቢልዳድን ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት እንታይ እዮም ዝገለጹ፧ (ለ) የሆዋ ስምዒቱ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

“ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧ ልቦና ዘለዎዶኸ ኺረብሖ ይኽእል እዩ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእልሲ ጻድቕ ምዃንካዶ የገድሶ እዩ፧ ወይስ ንመገዲ ንጽህና ስለ ዝሰዓብካስ ረብሓዶ ይረክብ እዩ፧” (እዮ. 22:1-3) መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኤሊፋዝ እቲ ቴማናዊ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ‘ኣይፋልን’ ከም ዝዀነ እዩ ዚኣምን ነይሩ። እቲ ብጻዩ ዝነበረ ቢልዳድ እቲ ሹሓዊ እውን፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቁ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚኣምን ነይሩ።እዮብ 25:4 ኣንብብ።

2 እዞም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ፡ እቲ ንየሆዋ ብተኣማንነት እነቕርቦ ኣገልግሎት ንዕኡ ምንም ከም ዘይጠቕሞ፡ ንኣምላኽ ድማ ካብ ብልዒ፡ እቡብ ወይ ሓሰኻ ዚሓይሽ ጥቕሚ ኸም ዘይብልና እዮም ዚገልጹ ነይሮም። (እዮ. 4:19፡ እ.ጽ.፣ 25:6) ኣብ ፈለማ፡ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ትሑታት ኪመስሉና ይኽእሉ እዮም። (እዮ. 22:29) ኣብ ነዊሕ ከረን ኴንና ወይ ብመስኰት ነፋሪት ናብ ምድሪ ገጽና ምስ እንርኢ፡ ሰባት ኣዝዮም ደቀቕትን ዘይረብሑን ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ሰማያት ኰይኑ ናብ ምድርና ኺጥምት ከሎ፡ ነቲ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እንገብሮ ኣበርክቶ ምንም ረብሓ ኸም ዘይብሉ ገይሩ ድዩ ዚርእዮ፧ ንኤልፋዝን ንቢልዳድን ንሶፋርን ሓሶት ብምዝራቦም ኪገንሖም  ከሎ፡ ከመይ ከም ዚስምዖ ገሊጹ እዩ። ንእዮብ ስለ እተሓጐሰሉ ግና፡ “ጊልያይ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (እዮ. 42:7, 8) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ‘ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ።’

“እንታይ ኢኻ እትህቦ፧”

3. ኤሊሁ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ እንታይ እዩ ኢሉ፧ እንታይ ማለቱኸ እዩ፧

3 ኤሊሁ፡ “ጻድቕ እንተ ዄንካ፡ [ንኣምላኽ] እንታይ ኢኻ እትህቦ፧ ካባኻስ እንታይ እዩ ዚቕበል፧” ኢሉ ምስ ሓተተ፡ የሆዋ ኣይኣረሞን። (እዮ. 35:7) ግናኸ፡ ኤሊሁ ንኣምላኽ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ ኸም ዝዀነ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ የሆዋ ኣብ ኣምልኾና ጽግዕተኛ ኸም ዘይኰነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። የሆዋ ዚጐድሎ የብሉን። ከነሀብትሞ ዀነ ኸነሐይሎ ኣይንኽእል ኢና። እኳ ደኣስ፡ ኵሉ እቲ ዘሎና ሰናይ ነገራትን ክእለትን ብርታዐን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ እዩ። ነዚ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ድማ የስተብህለሉ እዩ።

4. የሆዋ ነቲ ንኻልኦት እንገብሮ ሰናይ ነገራት ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧

4 የሆዋ ነቲ ንኣገልገልቱ ብተኣማንነት ብምፍቃር እንገብሮ ነገራት፡ ንዕኡ ኸም ዝገበርናሉ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ምሳሌ 19:17፡ “ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣ ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ነቲ ንትሑታት እንገብሮ ሰናይ ነገራት ከም ዘስተብህለሉ እያ እትሕብረና። እቲ ፈጣሪ ዩኒቨርስ ዝዀነ የሆዋ፡ እዚ ሰናይ ተግባር እዚ ብምግባርና ንዕኡ ኸም ዘለቃሕናዮ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። ዜደንቕ ውህበታት ብምሃብ ድማ ይፈድየና እዩ። ከምኡ ኸም ዚገብር፡ ወዲ ኣምላኽ ኣረጋጊጹልና እዩ።ሉቃስ 14:13, 14 ኣንብብ።

5. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

5 የሆዋ ንነብዪ ኢሳይያስ ንዕኡ ወኪሉ ኺዛረብ ዕድመ ኣቕሪቡሉ እዩ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ፡ እሙናት ሰባት ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ እጃሞም ኬበርክቱ ባህ ከም ዚብሎ ኣርእዩ እዩ። (ኢሳ. 6:8-10) ኢሳይያስ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ብፍቓዱ ተቐቢልዎ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ኣሽሓት ኣሕዋት እውን፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ኢሎም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣጸጋሚ ሓላፍነታት ይስከሙ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ኢልካ ትሓትት ትኸውን፦ እቲ ኣነ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧ የሆዋ ብፍታወይ ከገልግሎ ምፍቃዱ ባህ ዜብለኒ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣነ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝፍጽሞ ዕዮ ብዘየገድስ ቃሉ ንምፍጻም ዜድሊ ዘበለ ኺገብርዶ ኣይክእልን፧ ነቲ ብግዜ ዴቦራን ባራቅን እተፈጸመ ፍጻመታት ነዘን ሕቶታት እዚአን ብኸመይ ከም ዚምልሰን እስከ ንመርምር።

ፈሪሆም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ትብዓት ሃቦም

6. ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ደቂ ገጠርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ያቢንን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

6 ያቢን ንጉስ ከነኣናውያን ንእስራኤላውያን፡ 20 ዓመት “ኣመና ጨቈኖም።” ደቂ ገጠር ብግህዶ ምእንቲ ኸይረኣዩ ይሕብኡ ነበሩ። እስራኤላውያን ብወተሃደራዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ ዜጥቅዑሉ ዀነ ንርእሶም ዚከላኸልሉ መሳርሒ ውግእ ኣይነበሮምን። እቶም ጸላእቶም ግና፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት ነበራኦም።—መሳ. 4:1-3, 13፣ 5:6-8 *

7, 8. (ሀ) የሆዋ ንባራቅ ኣብ ፈለማ ዝሃቦ መምርሒ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እስራኤላውያን ንሰራዊት ያቢን ዝሰዓርዎ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብነብዪት ዴቦራ ኣቢሉ ንባራቅ እዚ ዚስዕብ መምርሒ ሃቦ፦ “ኪድ፡ ናብ ከረን ታቦር ተጐዓዝ፣ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ድማ 10,000 ሰብኡት ውሰድ። ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ርባ ቂሶን ከምጽኦ እየ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ክህበካ እየ።”—መሳ. 4:4-7

8 እቲ ወረ ተዘርግሐ። ፈትዮም ዝመጹ ሰባት  ከኣ ኣብ ከረን ታቦር ተኣከቡ። ባራቅ ድማ ግዜ ኸየባኸነ መምርሒ የሆዋ ሰዓበ። (መሳፍንቲ 4:14-16 ኣንብብ።) ኣብ ታዓናክ ኣብ እተኻየደ ወሳኒ ውግእ፡ ሃንደበት ብርቱዕ ዝናም ዘኒሙ ነቲ ኸባቢ ናብ ረግረግ ቀየሮ። ባራቅ ድማ ንሰራዊት ሲሰራ ኽሳብ ሓሮሼት ን24 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ሰጐጎ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ሲሰራ ነታ ዘይትድፈር እትመስል ዝነበረት ሰረገላኡ ራሕሪሑ፡ ምናልባት ናብታ ኣብ ጥቓ ቀደሽ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ጸዓናኒም ሃደመ። ናብ ድንኳን ያዔል ሰበይቲ ሔበር እቲ ቄናዊ ድማ ኣተወ፣ ንሳ ኸኣ ተቐበለቶ። በቲ ውግእ ደኺሙ ስለ ዝነበረ፡ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ደቀሰ። ያዔል ድማ ቀተለቶ። (መሳ. 4:17-21) በዚ ኸምዚ ጸላእቲ እስራኤላውያን ተሳዕሩ። *

ብፍታው ብዛዕባ ዚቐርብ ኣገልግሎት ዘሎ እተፈላለየ ኣረኣእያ

9. መሳፍንቲ 5:20, 21 ብዛዕባ እቲ ምስ ሲሰራ እተገብረ ውግእ እንታይ ዝርዝር ሓበሬታ እዩ ዚህበና፧

9 ብዛዕባ እቲ ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 4 ተገሊጹ ዘሎ ጸብጻብ ብዝያዳ ኽንርዳእ እንኽእል ምዕራፍ 5 ምስ እነንብባ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፡ መሳፍንቲ 5:20, 21፡ “ካብ ሰማይ ከዋኽብቲ ተዋግኡ፣ ካብ ቅናት ዙረቶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ። . . . ርባ ቂሶን ወሰዶም” ትብል። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ መላእኽቲ ኸም ዝሓገዝዎም ድዩ ዚሕብር ወይስ ካብ ሰማይ ዝወደቐ ፍንጫላት ከዋኽብቲ ኸም ዝነበረ፧ እቲ ዛንታ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጸልናን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ እተን 900 ሰረገላታት ውግእ ብቐሊሉ ምእንቲ ኸይንቀሳቐሳ ኢሉ ኣብ ግቡእ ግዜን ቦታን ከቢድ ዝናም ብምዝናም ንህዝቡ ኣድሒንዎም እዩ። ኣብ መሳፍንቲ 4:14, 15፡ ዓወት ዝሃቦም የሆዋ ምዃኑ ሰለስተ ሳዕ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ እቶም ፈትዮም ዝመጹ 10,000 እስራኤላውያን፡ ሳላኦም ዓወት ከም እተረኽበ ኺዛረቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

10, 11. “ሜሮዝ” እንታይ እያ፧ ስለምንታይከ እያ ተረጊማ፧

10 ሕጂ ግና ኣብቲ ዴቦራን ባራቅን ንየሆዋ ብምውዳስ ዝዘመርዎ መዝሙር ዓወት ዚርከብ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ንርአ። ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ዘመሩ፦ “መልኣኽ የሆዋ፡ ‘ንሜሮዝ ርገምዋ’ በለ፡ ‘እወ፡ ንሓገዝ የሆዋ ኣይመጹን፡ ምስቶም ጀጋኑ ንሓገዝ የሆዋ ኣይመጹን እሞ፡ ንነበርታ ርገምዎም።’”—መሳ. 5:23

11 ሜሮዝ ስለ እተረግመት፡ ኣበይ ከባቢ ኸም ዝነበረት እውን ኣይትፍለጥን እያ። ነበርቲ ሜሮዝ ምስ ባራቅ ሓቢሮም ኪዋግኡ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ ሲሰራ በታ ኸተማ ኣቢሉ ኻብ ባራቅ ኪሃድም ከሎ፡ ነበርቲ ሜሮዝ ንሲሰራ ኣይሓዝዎን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘቕረቦ ጻውዒት ከይሰምዑ ኺተርፉ ዘይመስል እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ካብ ዞባኦም ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ኪዋጋእ ተኣኪቡ ነይሩ እዩ። ህዝቢ ሜሮዝ እቲ ጨካን ተዋጋኢ ዝነበረ ሲሰራ ብጐዳናኦም ንበይኑ እናሃደመ ስቕ ኢሎም ኪርእይዎ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ዕላማ የሆዋ ንምፍጻምን በረኸቱ ንምርካብን ዜኽእሎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዀነሎም ነይሩ። ነቲ ንየሆዋ ገለ ነገር ኪገብሩሉ ዚኽእሉሉ ኣጋጣሚ ዘይተጠቕሙሉ፡ ስለ ዘይተገደሱዶ ዀን ይኸውን፧ እዚ ዀይኑ እቲ፡ ካብታ ቐጺሉ ኣብ ዘሎ ፍቕድታት እተጠቕሰት ብትብዓት ስጕምቲ ዝወሰደት ያዔል ኣዝዮም እተፈልዩ እዮም ነይሮም።—መሳ. 5:24-27

12. መሳፍንቲ 5:9, 10 ብዛዕባ እተፈላለየ ኣረኣእያ ሰባት እንታይ ይሕብረና፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

12 ኣብ መሳፍንቲ 5:9, 10 ኣብ መንጎ እቶም ምስ ባራቅ ዝኸዱ ሰባትን ብምኽኒት ዝተረፉ ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ንረክብ ኢና። ዴቦራን ባራቅን፡ ‘ንኣዘዝቲ እስራኤል፡ ምስቲ ህዝቢ ብፍታዎም ስለ ዝኸዱ’ ነኣድዎም። እዚኣቶም ካብቶም ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ‘ኣእዱግ ዚውጥሑ’  ዕቡያትን ካብቶም ‘ኣብ ብሉጽ ምንጻፋት ዚቕመጡ’ ምሾት ዚፈትዉ ሰባትን እተፈልዩ እዮም ነይሮም። እወ፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ከረን ታቦርን ኣብ ረግረግ ስንጭሮ ቂሶንን ኪዋግኡ ብፍታዎም ምስ ባራቅ ዝኸዱ ሰባት፡ ካብቶም ‘ብመገዲ ዚኸዱ፡’ ማለት ካብቶም ምሾት ዚደልዩ ኣዝዮም እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ንዅሎም እቶም ምሾት ዚፈትዉ ድማ፡ “ሕሰቡ!” ዚብል ለበዋ ተዋህቦም። እወ፡ እቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ እጃሞም ኬበርክቱ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ስለ ዘምለጦም፡ ኪሓስቡን ኬስተንትኑን ነበሮም። እቶም ሕጂ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሶም ካብ ምግልጋል ድሕር ምሕር ዚብሉ እውን ንዅነታቶም ኪሓስቡሉ ኣለዎም።

13. እቲ ነገድ ሮቤልን ዳንን ኣሴርን ዝነበሮም ኣረኣእያ ኻብ ናይ ዛብሎንን ንፍታሌምን ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

13 እቶም ብፍታዎም ዝመጹ ሰባት፡ የሆዋ ንልዑላውነቱ ብኸመይ ከም ዜዕቢ ብዓይኖም ኪርእዩ ኽኢሎም እዮም። ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ “ግብርታት ጽድቂ የሆዋ” ድማ ንኻልኦት ኪነግሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (መሳ. 5:11) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ነገድ ሮቤልን ዳንን ኣሴርን ንዕዮ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ንጥሪቶም፡ ማለት ንመጓሰኦምን ንመራኽቦምን ንወደባቶምን ዝያዳ ትዅረት ስለ ዝሃቡ፡ ኣብ መሳፍንቲ 5:15-17 ተወቒሶም ኣለዉ። ዛብሎንን ንፍታሌምን ግና፡ ንዴቦራን ንባራቅን ኪሕግዙ ኢሎም ‘ህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣሕሊፎም ሂቦም’ እዮም። (መሳ. 5:18) እዚ ብፍታውካ ኣብ ዚቐርብ ኣገልግሎት እተራእየ ፍልልይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምህረና እዩ።

“ንየሆዋ ወድስዎ!”

14. ሎሚ ንልዑላውነት የሆዋ ደገፍና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ሎሚ ቓል ብቓሉ ኣብ ውግእ ዘይንሳተፍ እኳ እንተ ዀንና፡ ብትብዓትን ብቕንኣትን ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል ግና ደገፍና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ውድብ የሆዋ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ፈትዮም ዜገልግሉ ፍቓደኛታት ትደሊ ኣላ። ሚልዮናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኰኑ መንእሰያት ከኣ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይካፈሉ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ፈለምቲ፡ ቤት-ኤላውያን፡ ወለንተኛታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም የገልግሉ እዮም።  ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብፍታዎም ዜገልግሉ ዓበይትን ንኣሽቱን ከኣ ኣለዉ። ሓያሎ ሽማግለታት እውን ምስ ሆስፒታል ኣብ ዘረዳድእ ኮሚተን ኣብ ምውዳብ ኣኼባ ዞባን ብምስታፍ ከቢድ ሓላፍነታት ይስከሙ እዮም። የሆዋ ነቲ ብፍቓድና እነገልግሎ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን ከም ዘይርስዖን ተኣማመን።—እብ. 6:10

ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ኣብ ስድራ ቤትካን ኣብ ጉባኤኻን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ሕሰበሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ንዕዮ የሆዋ ዘሎና ቕንኣት ከም ዘይዘሓለ ኸነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 እምበኣር ኵላትና ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተታ፦ ‘ኵሉ እቲ ኸቢድ ዕዮታት ካልኦት ኪዓይይዎ ኸለዉ ስቕ ኢለ ድየ ዝርኢ፧ ንስጋዊ ነገራት ዘሎኒ ድሌት ነቲ ንየሆዋ ብፍታወይ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ዕንቅፋት ይዀኖ ደዀን ይህሉ፧ ከም ባራቅን ዴቦራን ያዔልን ከምቶም 10,000 ፈትዮም ዝመጹ ሰባትን፡ ብዘሎኒ ዘበለ ተጠቒመ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ንጹር ትእዛዝ ክፍጽም ዜኽእለኒ እምነትን ትብዓትን ኣሎኒ ድዩ፧ ቍጠባዊ ረብሓ ኽረክብ ኢለ ናብ ካልእ ከተማ ወይ ሃገር ክግዕዝ እሓስብ እንተ ኣልየ፡ እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ስድራ ቤተይን ኣብ ጉባኤን ዚህልዎ ጽልዋ ብጸሎት ሓሲበሉ ድየ፧’ *

16. የሆዋ ዅሉ ነገር ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ እንታይ ኢና ኽንህቦ እንኽእል፧

16 የሆዋ ንልዑላውነቱ ኽንድግፍ ኣጋጣሚ ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ድያብሎስ ካብ ግዜ ኣዳምን ሄዋንን ኣትሒዙ ንደቂ ሰብ፡ ልዑላውነቱ ምእንቲ ኺድግፉ ኼስሕቶም ስለ ዚጽዕር፡ ኣብ ጐድኒ ኣገዛዝኣ የሆዋ ብምዃንካ ንሰይጣን ሓያልን ንጹርን ምላሽ ኢኻ እትህበሉ። እምነትካን ንጽህናኻን ንየሆዋ ፈቲኻ ኸተገልግሎ ኺድርኸካ ኸሎ፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 23:15, 16) ነቲ ንዕኡ ብተኣማንነት እተቕርቦ ኣገልግሎት፡ ንሰይጣን ምላሽ ንምሃብ ይጥቀመሉ እዩ። (ምሳ. 27:11) ስለዚ፡ ብተኣማንነት ምስ እትእዘዝ፡ ንየሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮን ዜሐጕሶን ህያብ ትህቦ ኣለኻ ማለት እዩ።

17. መሳፍንቲ 5:31 ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገር እንታይ እያ እትሕብረና፧

17 ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምድሪ በቶም ንልዑላውነት ካልእ ዘይኰነስ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ጥራይ ዚሓርዩ ሰባት ክትምላእ እያ። ነዚ እዋን እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሃረር ኢልና ዀን ኢና እንጽበዮ! ከምቲ ዴቦራን ባራቅን ዝዘመርዎ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዜፍቅሩኻ ግና፡ ከምታ ብኽብራ እትበርቕ ጸሓይ ይኹኑ” ኢልና ንዝምር ኢና። (መሳ. 5:31) እዚ ልመና እዚ፡ የሆዋ ነዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ እክይቲ ዓለም ምስ ኣጥፍኣ ምላሽ ኪረክብ እዩ። ውግእ ኣርማጌዶን ምስ ጀመረ፡ የሆዋ ንጸላእቱ ኼጥፍእ ዚሕግዝዎ ፍቓደኛታት ሰባት ኣየድልይዎን እዮም። የግዳስ፡ ‘ደው ኢልና የሆዋ ዚገብሮ ድሕነት’ ክንርኢ ኢና። (2 ዜና 20:17) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ብትብዓትን ብቕንኣትን ደገፍና ኸነበርክት እንኽእለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ።

18. እቲ ፈቲኻ እተቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

18 ዴቦራን ባራቅን ነቲ መዝሙር ዓወት ኪዝምሩ ኸለዉ፡ “ህዝቢ ብፍታዎም ስለ ዝመጹ፡ ንየሆዋ ወድስዎ” ብምባል ንፍጡራት ዘይኰነስ፡ ንልዑል ፈጣሪ ብምውዳስ እዮም ጀሚሮምዎ። (መሳ. 5:1, 2) ሎሚ እውን፡ ሰባት በቲ ፈቲና ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ተደሪኾም ‘ንየሆዋ ኺውድስዎ’ ተስፋ ንገብር።

^ ሕ.ጽ. 6 እቲ ማዕጺድ ነዊሕን በሊሕን ኰይኑ፡ ኣብ መቐለስ ሰረገላ ውግእ ይግጠም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለት ዘይትድፈር ተሽከርካሪት ውግእ ኪቐርብ ዚደፍር እሞ መን እዩ፧

^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ እዚ መሳጢ ዛንታ እዚ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-15 ወጺኡ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።