ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ሚያዝያ 2017

“እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

“እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

“ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ።”—ዘዳ. 32:4

መዝሙር፦ 12, 135

1. ኣብርሃም፡ የሆዋ ፍትሓዊ ምዃኑ ኸም ዚተኣማመን ብኸመይ ገሊጹ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

“እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧” (ዘፍ. 18:25) ኣብርሃም ነዛ ሕቶ እዚኣ ብምሕታት፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ፍጹም ፍርዲ ኸም ዚፈርድ ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ እዩ። ኣብርሃም፡ የሆዋ “ንጻድቕ ምስ እኩይ ብምቕታል” ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዘይገብር ይተኣማመን ነይሩ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ንኣብርሃም፡ “ዘይሕሰብ” እዩ ዀይንዎ ነይሩ። ድሕሪ 400 ዓመት ኣቢሉ ድማ የሆዋ ብሙሴ ገይሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ኢሉ እዩ።—ዘዳ. 31:19፣ 32:4

2. የሆዋ ዘይፍትሓዊ ኪኸውን ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

2 የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ፍርዲ ኸም ዚፈርድ ኣብርሃም እተኣማመነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብሉጽ መርኣያ ፍትሕን ጽድቅን እዩ። እተን “ፍትሕ”ን “ጽድቅ”ን ተባሂለን ዚትርጐማ ናይ እብራይስጢ ቓላት ድማ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓንሳእ እየን ዚርከባ። ስለዚ፡ ክልቲአን ተመሳሳሊ ትርጉም እዩ ዘለወን።  የሆዋ ፍጹም መዐቀኒ ጽድቂ ስለ ዝዀነ፡ ፍርዱ ወትሩ ፍትሓዊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ቃሉ ኸም ዚገልጾ፡ “ንሱ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ” እዩ።—መዝ. 33:5

3. ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ካብ ዚርአ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ጥቐስ።

3 ኣብዛ ብዘይፍትሓውነት መሊኣ ዘላ ዓለም ዚነብሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ የሆዋ ወትሩ ፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ምፍላጦም የጸናንዖም እዩ። ከመይሲ፡ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኰይኖም እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ብዘይወዓልዎ ገበን ተኸሲሶም ተኣሲሮም እዮም። ገሊኦም ሳላ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ. ንጹሃት ከም ዝዀኑ ተረጋጊጹ ኻብ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ወጹ፡ ብዘይፈጸምዎ ገበን ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሮም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዜበሳጩን ዜቘጥዕን እኳ እንተ ዀነ፡ ክርስትያናት ካብዚ ንላዕሊ ንምጻሩ ዚኸብድ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ።

ኣብ ጉባኤ

4. እምነት ሓደ ክርስትያን ክትፍተን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

4 ክርስትያናት ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥሞም ትጽቢት ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘይፍትሓዊ ዚመስል ነገራት ክንርኢ ወይ ኬጋጥመና ኸሎ፡ እምነትና ትፍተን ትኸውን። ኣብ ጉባኤ ወይ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኣብ ዘሎካ ርክብ ከም እተበደልካ ምስ ዚስምዓካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ በዚ ትዕንቀፍ ዲኻ፧

5. ሓደ ክርስትያን ኣብ ጉባኤ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ምስ ዚርኢ ወይ ምስ ዜጋጥሞ ኺስምብድ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኵላትና ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ጉባኤ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ፣ ንሕና እውን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንፍጽም ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 1:8) ዘይፍትሓውነት ሳሕቲ ዜጋጥም እኳ እንተ ዀነ፡ እሙናት ክርስትያናት በዚ ኣይስምብዱን ወይ ኣይዕንቀፉን እዮም። የሆዋ፡ ብኣመንቲ ብጾትና ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥመና ኸሎ እሙናት ክንከውን ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽርታት ሂቡና ኣሎ።—መዝ. 55:12-14

6, 7. ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ነቲ ዅነታት ብግቡእ መገዲ ኺፈትሖ ዝሓገዞኸ ኣየናይ ባህርያት እዩ፧

6 ቪሊ ዲል ዘሕለፎ ተመክሮ እሞ ኸም ኣብነት ርአ። ኣብ መጀመርታ 1931፡ ሓውና ዲል ኣብቲ ኣብ በርን፡ ስዊዘርላንድ ዚርከብ ቤት-ኤል ብተኣማንነት የገልግል ነበረ። ብ1946 ከኣ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ ኣብ እተኻየደ ሻምናይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈለ። ድሕሪ ምረቓ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኼገልግል ተመደበ። ሓውና ዲል ኣብ ታሪኽ ህይወቱ፡ “ኣብ ግንቦት 1949 ነቲ ኣብ በርን ዝነበረ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት፡ ክምርዖ ኸም ዝሓሰብኩ ሓበርክዎ” በለ። እቲ ቤት ጽሕፈትከ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ ካልእ ፍሉይ መሰላት ተሓዲጉ፡ ስሩዕ ፈላሚ ጥራይ ኪኸውን ፈቐደሉ። ሓውና ዲል፡ “መደረ ኽህብ ኣይተፈቕደለይን . . . ብዙሓት ኣሕዋት ከኣ ከም እተወገድና ቘጺሮም ሰላም ኣይብሉናን እዮም ነይሮም” በለ።

7 እሞኸ ሓውና ዲል እንታይ ገበረ፧ “ሓዳር ምግባር ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኸም ዘይኰነ ንፈልጥ ስለ ዝነበርና፡ ብጸሎት ተማዕቈብና፡ ኣብ የሆዋ ድማ ተወከልና” በለ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዘስዓበ ብዛዕባ ሓዳር ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያ ስለ እተዓረየ፡ ሓውና ዲል እቲ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ተመሊሱሉ እዩ።  ንየሆዋ እሙን ብምዃኑ ተኻሒሱ እዩ። * ንሕና ድማ፡ ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ አርኢ ድየ፧ የሆዋ ነቲ ነገር ኪፈትሖ ብትዕግስቲ እጽበ ድየ፡ ወይስ ባዕለይ ክፈትሖ እየ ጻዕሪ ዝገብር፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።—ምሳ. 11:2፣ ሚክያስ 7:7 ኣንብብ።

8. ንዓኻ ወይ ንኻልእ ኣባል ጉባኤ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዘጋጠመኩም ብጌጋ ኽትድምድም እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

8 ንዓኻ ወይ ንኻልእ ኣባል ጉባኤ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዘጋጠመኩም እንተ ተሰሚዑካ፡ ተጋጊኻ ኽትከውን ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ወይ ብዛዕባ እቲ ነገር ምሉእ ሓበሬታ ስለ ዘይብልና ኽንጋገ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘሎና ምርዳእ ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ብዘየገድስ፡ ናብ የሆዋ ንጸሊ፡ ብእኡ ንተኣመን፡ እሙናት ድማ ንኹን። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ‘ኣብ የሆዋ ኸይንንድር’ ኪሕግዘና እዩ።—ምሳሌ 19:3 ኣንብብ።

9. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽን እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

9 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ዘጋጠመ ሰለስተ ዘይፍትሓዊ ነገራት እስከ ንመርምር። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝወለዶ ዮሴፍ ካብ ኣሕዋቱ ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ነገር ክንርኢ ኢና። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣከኣብ ዝሓዘሉ መገድን ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዘጋጠሞ ነገርን ክንርኢ ኢና። ነዚ ኣብነታት እዚ ኽንምርምር ከለና፡ ብፍላይ ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዘጋጠመካ ኺስምዓካ ኸሎ መንፈሳዊ ትዅረትካ ኸይትስሕትን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ክትዕቅብን ዚሕግዘካ ነጥብታት ክትረክብ ጽዓር።

ዮሴፍ—ግዳይ ዘይፍትሓውነት

10, 11. (ሀ) ዮሴፍ እንታይ ዘይፍትሓዊ ነገር እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ረኺቡ፧

10 እቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ጓኖት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ብስጋ ኣሕዋቱ እውን ከይተረፉ ዘይፍትሓዊ ነገር ብምግባር በዲሎምዎ እዮም። ዮሴፍ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ዕድሚኡ ኸሎ፡ ኣሕዋቱ ጨውዮም ንባርነት ሸጥዎ። ብዘይፍቓዱ ድማ ናብ ግብጺ ተወስደ። (ዘፍ. 37:23-28፣ 42:21) ኣብ ምድሪ ጓና እተወሰነ እዋን ምስ ጸንሐ፡ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ተኸሲሱ፡ ጕዳዩ ኸይተጻረየ ተኣስረ። (ዘፍ. 39:17-20) ን13 ዓመት ድማ እዩ ባርያን እሱርን ኰይኑ ብዙሕ ጸበባ ኣሕሊፉ። ካብቲ ዮሴፍ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘይፍትሓዊ ነገር ብምግባር ኪብድሉና ኸለዉ ዚጠቕመና እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

11 ዮሴፍ ብዛዕባ ጕዳዩ ንሓደ መተኣስርቱ ኺነግሮ ኣጋጣሚ ረኺቡ ነበረ። እቲ መተኣስርቱ፡ ኣሰላፍ መስተ ንጉስ እዩ ነይሩ። ዮሴፍን እቲ ኣሰላፍ መስተን ብሓንሳእ ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ኣሰላፍ መስተ ሕልሚ ሓለመ፡ ዮሴፍ ከኣ ትርጉም ሕልሙ ነገሮ። እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ዝነበሮ ሓላፍነት ከም ዚምለሰሉ እውን ነገሮ። ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝረኸቦ ትርጉም ኪገልጸሉ ኸሎ ኸኣ፡ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ብዛዕባ ዅነታቱ ተዛረበ። ካብቲ ዮሴፍ ዝበሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ዘይበሎ ነገራት እውን ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ዘፍ. 40:5-13

12, 13. (ሀ) እቲ ዮሴፍ ነቲ ኣሰላፍ መስተ እተዛረቦ ቓላት፡ ዮሴፍ ነቲ ዘጋጠሞ ዘይፍትሓውነት ስቕ ኢሉ ኸም ዘይተቐበሎ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዮሴፍ ነቲ ኣሰላፍ መስተ እንታይ እዩ ዘይነገሮ፧

 12 ዘፍጥረት 40:14, 15 ኣንብብ። ዮሴፍ ከም ‘እተጨውየ’ እዩ ገሊጹ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ ቃል ብቓሉ፡ ‘እተሰርቀ’ ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ብርግጽ እምበኣር፡ ዮሴፍ ግዳይ ዘይፍትሓውነት እዩ ነይሩ። ዮሴፍ ነቲ እተኣስረሉ ገበን ከም ዘይፈጸሞ ገሊጹ እዩ። ነቲ ኣሰላፍ መስተ ድማ ንፈርኦን ኪነግረሉ ለመኖ። ስለምንታይ፧ ዕላማኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብዛ ቦታ እዚኣ ምእንቲ ኸተውጽኣኒ” በለ።

13 ዮሴፍ ንዅነታቱ ስቕ ኢሉ ዚቕበሎ ሰብ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ብዙሕ ዘይፍትሓውነት ከም ዘጋጠሞ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ነቲ ኣሰላፍ መስተ ኺሕግዞ ኸም ዚኽእል ተስፋ ብምግባር ብዛዕባ ዅነታቱ ዝነገሮ። ይኹን እምበር፡ እቶም ዝጨወይዎ ኣሕዋቱ ኸም ዝዀኑ ንፈርኦን ኰነ ንዋላ ሓደ ኻልእ ሰብ ከም ዝነገረ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣይነግረናን እዩ። ወረግ ኣሕዋቱ ናብ ግብጺ መጺኦም ምስኡ ምስ ተዓረቑስ፡ ፈርኦን ንኣሕዋት ዮሴፍ ተቐቢሉ ኣብ ግብጺ ኺነብሩን “ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ” ኺረኽቡን ዓዲምዎም እዩ።—ዘፍ. 45:16-20

ኣሉታዊ ዘረባ ነቲ ጸገም ኬጋድዶ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ኣብ ጉባኤ ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ ኣሉታዊ ዘረባ ኸይንዛረብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

14 ሓደ ክርስትያን ዘይፍትሓውነት ከም ዘጋጠሞ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ብዛዕባኡ ሕሜት ኪነዝሕ የብሉን። ሓገዝ ሽማግለታት ኪሓትት፡ ሓደ ኣባል ጉባኤ ኸቢድ ኣበሳ እንተ ፈጺሙ ኸኣ ንዓታቶም ኪነግሮም ይኽእል እዩ። (ዘሌ. 5:1) ከቢድ ኣበሳ እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ካልኦት ወይ ሽማግለታት ጣልቃ ኺኣትዉ ኸይሓተተ ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኺፈትሖ ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15 ኣንብብ።) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ብተኣማንነት ንፍትሓዮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ጕዳይ ብጌጋ ኸም እተረዳእናዮን ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዘየጋጠመናን ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ሽዑ ብፍላይ፡ ብዛዕባ  እቲ ክርስትያን ሓውና ብምሕማይ ነቲ ነገር ስለ ዘየጋደድናዮ ባህ ኪብለና እዩ። ይኹን እምበር፡ ተጋጊና ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ጐዳኢ ዘረባ ምዝራብ ነቲ ዅነታት ፈጺሙ ኣየመሓይሾን እዩ። ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ዘሎና ተኣማንነት ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ኸይንፍጽም ኪሕግዘና እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ብዛዕባ “እቲ ብዘይ ኣበር ዚመላለስ” ሰብ፡ “ብልሳኑ ዘይሓሚ፡ ንብጻዩ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንፈተውቱ ኸኣ ዘየጸልም” ኢሉ ኣሎ።—መዝ. 15:2, 3፣ ያእ. 3:5

ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ርክብ ኣይትረስዓዮ

15. ዮሴፍ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ በረኸት ዘምጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧

15 ካብቲ ዮሴፍ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ዮሴፍ ኣብቲ ን13 ዓመት ዘጋጠሞ ጸበባ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍ. 45:5-8) በቲ ዝበጽሖ ዘይፍትሓውነት ንየሆዋ ኣይወቐሶን። ነቲ ዝበጽሖ በደል እኳ እንተ ዘይረስዖ፡ ኣይተመረረን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዘይፍጽምናን ጌጋን ካልኦት ካብ የሆዋ ኺፈልዮ ኣይፈቐደን። እሙን ብምዃኑ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ዝበጽሖ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬዐርዮ ኸሎ ኺርኢ ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። ንሱን ስድራ ቤቱን ድማ ተባሪኾም እዮም።

16. ኣብ ጉባኤ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ንሕና እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ክንሕብሕቦን ክንሕልዎን ኣሎና። ዘይፍጽምና ኣሕዋትና ኻብቲ እነፍቅሮን እነምልኾን ኣምላኽና ኺፈላልየና ኣይነፍቅድ። (ሮሜ 8:38, 39) የግዳስ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘይፍትሓዊ ነገር ብምግባር እንተ በዲሎምና፡ ከም ዮሴፍ ናብ የሆዋ ንቕረብ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ኺህልወና ድማ ንጽዓር። ነቲ ዅነታት ንምእራም ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ዚከኣለና ዘበለ ምስ ገበርና፡ የሆዋ ብግዜኡን ብናቱ መገድን ከም ዜዐርዮ ብምትእምማን ንጕዳይና ናብ የሆዋ ንሕደጎ።

በቲ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ተኣመኑ

17. በቲ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ኸም እንእመን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

17 ኣብዚ ስርዓት እዚ ንነብር ክሳዕ ዘለና፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጉባኤ ንዓኻ ወይ ንኻልእ ሰብ ዘይፍትሓዊ ዚመስል ነገራት የጋጥመኩም ይኸውን። እዚ ኼዐንቅፈካ ግና ኣይተፍቅድ። (መዝ. 119:165) የግዳስ፡ ንኣምላኽ እሙን ኩን፡ ሓገዙ ኽትረክብ ጸሊ፡ ብእኡ ድማ ተኣመን። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ምሉእ ሓበሬታ ኺህልወና ኸም ዘይክእል ኣይንረስዕ። ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ነቲ ዅነታት ብጌጋ ተረዲእናዮ ኽንከውን እውን ንኽእል ኢና። ከምቲ ኻብ ኣብነት ዮሴፍ እተምሃርናዮ፡ ሕሜት ነቲ ዅነታት ከም ዜጋድዶ ተገንዚብና፡ ኣሉታዊ ዘረባ ኽንዛረብ የብልናን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቲ ዅነታት ባዕልና ኸነዐርዮ ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ እሙናት ክንከውን፡ የሆዋ ነቲ ዅነታት ክሳዕ ዜዐርዮ ድማ ብትዕግስቲ ኽንጽበ ንጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኸምቲ ንዮሴፍ ዝገበረሉ፡ ንዓና እውን ሞገሱ ኼርእየናን ኪባርኸናን እዩ። እወ፡ “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ዝዀነ የሆዋ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ” ስለ ዝዀነ፡ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ዘፍ. 18:25፣ ዘዳ. 32:4

18. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ እተራእየ ኻልእ ክልተ ዘይፍትሓዊ ነገራት ክንምርምር ኢና። ነቲ ጸብጻባት ክንምርምር ከለና ድማ፡ ትሕትናን ይቕረ ምባልን ምስ ፍትሒ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 “የሆዋ ዝውከሎ ኣምላኸይ እዩ” ዘርእስቱ ታሪኽ ህይወት ቪሊ ዲል ኣብ ናይ 1 ሕዳር 1991 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።