ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሚያዝያ 2016

ኣገልግሎትካ ኸም ኣውሊ ድዩ፧

ኣገልግሎትካ ኸም ኣውሊ ድዩ፧

ኣገልግሎትና ንሰባት ኣድላዪን ጠቓምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ነዚ ዚርድኦ። ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ተገዳስነት እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ምሳና ዀይኖም ቃል ኣምላኽ ኬጽንዑ ኸም ዜድልዮም ግና ኣይግንዘቡን ይዀኑ።

ጋቪን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብ እኳ እንተ ነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ግና ኣይደለየን። ንሱ ድማ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዝነበረኒ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ሒደት እዩ ነይሩ፣ ዘይፈልጥ ምዃነይ ከኣ ክቃላዕ ኣይደለኹን። ሰባት ከየታልሉኒ እጥንቀቕ ነይረ እየ፣ ቃል ምእታው እውን የፍርሃኒ ነይሩ እዩ።” እንታይ ይመስለካ፧ ጋቪን ተስፋ ዘይብሉ ሰብ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰባት ኪህልዎ ዚኽእል ጽቡቕ ጽልዋ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሆዋ፡ ጥንቲ ንዝነበሩ ህዝቡ፡ “ቃላተይ ድማ ከም ኣውሊ ዛዕዛዕ ኪብል እዩ፣ ከም ጥሚቕ ኣብ ሳዕሪ” ኢልዎም እዩ። (ዘዳ. 31:19, 30፣ 32:2) ኣውሊ ዘለዎ ባህርያት እሞ ንርአ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎትና ንዅሉ ዓይነት ሰብ ብኸመይ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንሕግዝ ከም እንኽእል ኪሕብረና እዩ።—1 ጢሞ. 2:3, 4

 ኣገልግሎት ከም ኣውሊ እዩ—ብኸመይ፧

ኣውሊ፡ ቀስ ኢሉ እዩ ዜረስርስ። ኣውሊ በብቝሩብ ካብቲ ናብ ኣየር ዚሃፍፍ ማይ እዩ ዚፍጠር። ቃላት የሆዋ ኸኣ ብተመሳሳሊ ‘ኸም ኣውሊ ዛዕዛዕ ዚብል እዩ’ ነይሩ፣ ማለት ንህዝቡ ብለውሃትን ብልእመትን ብሓልዮትን እዩ ተዛሪብዎም። ንሕና እውን ንኣረኣእያ ወይ ንኣተሓሳስባ ሰባት ኣኽብሮት ብምሕዳር ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ሰባት ባዕሎም ሓሲቦም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ኺበጽሑ ኢና እነተባብዖም። ንሰባት ሓልዮትና ምስ እነርእዮም፡ ንእንብሎ ብቐሊሉ ይሰምዑ፣ ኣገልግሎትና ድማ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን እዩ።

ኣውሊ፡ መንፈስ የሐድስ እዩ። ነቲ ሰባት ኣብ ፈለማ ዜርእይዎ ተገዳስነት ክንኵስኵስ ምስ እንጽዕር፡ ኣገልግሎትና ንመንፈሶም ዜሐድስ እዩ ዚኸውን። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጋቪን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ካልኦት ጸቕጢ ኣይገበሩሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ መጀመርታ ዘዛራረቦ ክሪስ ዚብሃል ሓው፡ ጋቪን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ኢልዎ ምእንቲ ኺመያየጥ እተፈላላየ መገድታት ኣናድዩ እዩ። ክሪስ ንጋቪን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ፍረ ነገር ከም ዘለዎ፡ ነዚ ፍረ ነገር እዚ ምልላይ ድማ ነቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዚውሃብ ትምህርቲ ብዝያዳ ኺርድኦ ኸም ዚሕግዞ ኣብርሃሉ። ቀጺሉ ክሪስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸም ዝዀነ ዘእመኖ ነገር፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት ምዃኑ ነገሮ። እዚ ድማ ብዛዕባ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጡ መገዲ ኸፈተሎም። ጋቪን በቲ ዝገበርዎ ምይይጥ ተሓጐሰ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ተሰማምዐ።

ኣውሊ፡ ህይወት ይህብ እዩ። ኣብተን ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝናም ዘይዘንመለን ኣዋርሕ፡ እቲ ኣየር ውዑይን ደረቅን እዩ ዚኸውን። ኣውሊ እንተ ዘየረስሪስዎ ኸኣ ኣትክልቲ ጸምልዩ ይመውት እዩ። ኣብዚ ግዜና ድማ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተዛረቦ፡ መንፈሳዊ ደርቂ ኣሎ። (ኣሞ. 8:11) የሆዋ፡ እቶም ቅቡኣት ወንጌላውያን ምስቶም ካብ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ብጾቶም ኰይኖም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምእዋጅ፡ ከም “ኣውሊ ኻብ የሆዋ” ኸም ዚዀኑ ቓል ኣትዩ ነይሩ እዩ። (ሚክ. 5:7፣ ዮሃ. 10:16) ንሕናኸ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓዘ መልእኽትና፡ ክፍሊ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ ህይወት ዚህብ መንፈሳዊ ጠሊ ጌርና ዲና እንርእዮ፧

ኣውሊ፡ በረኸት የሆዋ እዩ። (ዘዳ. 33:13) ኣገልግሎትና ነቶም ዚቕበልዎ በረኸት ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጋቪን ተባሪኹ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዑ፡ ንዅሉ ሕቶታቱ መልሲ ረኺቡሉ እዩ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ቀልጢፉ እዩ ተጠሚቑ። ሕጂ፡ ምስታ ጆይስ እትብሃል ብዓልቲ ቤቱ ዀይኑ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ይሳተፍ ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዚሰብክዎ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንምድሪ የረስርስዋ ኣለዉ

ንኣገልግሎትካ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ብዛዕባ ኣውሊ ምስትንታንና፡ ነቲ ብብሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ተሳትፎ፡ ክብ ኣቢልና ኽንርእዮ እውን ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧ ሓንቲ ንጣብ ማይ ዋላ ሓንቲ ኣይትጠቅምን እያ፣ ብዙሕ ነጠብጣብ ኣውሊ ግና ንምድሪ የረስርሳ እዩ። ንሕና እውን እቲ ብብሕቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ተሳትፎ ብዙሕ ዘይረብሕ ይመስለና ይኸውን እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ብሓባር ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ንምስክር “ኵሎም ኣህዛብ” ኣበርክቶ ይገብር እዩ። (ማቴ. 24:14) ኣገልግሎትና ንኻልኦት በረኸት የሆዋ ኼምጽኣሎም ድዩ፧ በረኸት ምእንቲ ኼምጽእ፡ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ኸም ኣውሊ፡ ቀስ ኢሉ ዜረስርስን መንፈስ ዜሕድስን ህይወት ዚህብን ኪኸውን ይግባእ።