ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሚያዝያ 2016

ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ኣስታት 1.4 ኪሎ ግራም ዚምዘን ክነሱ፡ “ኣብ ዩኒቨርስና ኽሳዕ ሕጂ ዝረኸብናዮ ኣዝዩ እተሓላለኸ ርኽበት” እተባህለ እንታይ እዩ፧ ሓንጎል ሰብ እዩ። ብሓቂ ድማ ዜደንቕ እዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ነቲ “ድንቂ” ግብርታት የሆዋ ዘሎና ኣድንቖት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። (መዝ. 139:14) ሓደ ኻብቲ ሓንጎልና ዚገብሮ ብዙሕ ተግባራት እስከ ንርአ፣ ንሱ ድማ ናይ ምሕሳብ ክእለት እዩ።

ንናይ ምሕሳብ ክእለትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ኣብ ኣእምሮና ሓድሽን ባህ ዜብልን ወይ ቅድሚ ሕጂ ተመኪርናዮ ዘይንፈልጥ ስእልታት ብምስኣል ወይ ሓሳብ ብምፍጣር እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ኣዘውቲርካ ኸም እትጥቀመሉስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ንኣብነት፡ ኬድካዮ ብዛዕባ ዘይትፈልጥ ቦታ ኣንቢብካ ወይ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ እዚኸ ነቲ ቦታ እቲ ብኣእምሮኻ ኻብ ምስኣል ዓጊቱካዶ፧ እምበኣር፡ ክንርእዮን ክንሰምዖን ከነስተማቕሮን ክንድህስሶን ከነሽትቶን ብዛዕባ ዘይንኽእል ነገር ክንሓስብ ከለና፡ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ኢና እንጥቀም።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ይሕብረና እዩ። (ዘፍ. 1:26, 27) እዝስ የሆዋ እውን ናይ ምሕሳብ ክእለት ከም ዘለዎ ዚእምት ደይኰነን፧ የሆዋ ነዚ ኽእለት እዚ ሂቡ ኻብ ፈጠረና ኸኣ፡ ፍቓዱ ንምግንዛብ ነቲ ኽእለት እቲ ኽንጥቀመሉ ይጽበየና እዩ። (መክ. 3:11) እሞኸ ኸምኡ ንምግባር ናይ ምሕሳብ ክእለትና ኸመይ ጌርና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ብዕሽነት ከይንጥቀመሉኸ ኸመይ ጌርና ኽንጥንቀቕ ንኽእል፧

ንናይ ምሕሳብ ክእለት ብዕሽነት ምጥቃም

(1) ኣብ ዘይግዜኡ ወይ ብዛዕባ ጌጋ ነገር ምሕሳብ።

ሓሳብ ጽቡቕን ጠቓምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። መክብብ 3:1፡ ‘ንዅሉ ንጥፈት ገግዜኡ ኣለዎ’ ስለ እትብል፡ ንገሊኡ ንጥፈታት ኣብ ዘይግዜኡ ኽንገብሮ ኸም እንኽእል ትሕብረና እያ። ንኣብነት፡ ኣእምሮና ኣብ እዋን ኣኼባታት ጉባኤ ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገይሽ እንተ ፈቒድናሉ፡ ሓሳብና ሓገዝ ድዩ ዚዀነና ወይስ ዕንቅፋት፧ ብዘይካዚ፡ ንኣእምሮና ኸም ርኹስ ሓሳባት ዝኣመሰለ ግጉይ ሓሳባት ኪሓስብ ምፍቃድ ሓደገኛ ምዃኑ፡ የሱስ ሓያል መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። (ማቴ. 5:28) ገለ ኻብቲ እንሓስቦ ነገራት ንየሆዋ ብዙሕ ኬጕህዮ ይኽእል እዩ። ርኹስ ሓሳባት ናብ ምንዝርና ኼሰጋግር ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ናይ ምሕሳብ ክእለትካ ኻብ የሆዋ ኸየርሕቐካ ቘራጽነት ግበር!

(2) ስጋዊ ሃብቲ ነባሪ ውሕስነት ከም ዜምጽእ ጌርካ ምሕሳብ።

ስጋዊ ነገራት ኣድላዪን ጠቓምን እዩ። ናይ ሓቂ ውሕስነትን ሓጐስን ካብ ስጋዊ ነገራት ከም ዚርከብ ጌርና እንተ ሓሲብና ግና፡ ብርግጽ ክንጕሂ ኢና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ፣ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዜዕቍብ መካበብያ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ምሳ. 18:11) ንኣብነት፡ ኣብ መስከረም 2009 ልዕሊ 80 ሚእታዊት እታ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ከተማ ማኒላ ብዝናም ምስ ኣዕለቕለቐ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንሕሰብ። እቶም ብዙሕ ሃብቲ ዝነበሮም ኣምሊጦምዶ፧  ሓደ ብዙሕ ጥሪቱ ዝሰኣነ ሃብታም፡ “እቲ ዕልቕልቕ ኣብ ልዕሊ ሃብታም ኰነ ድኻ ጸገማትን መከራን ስለ ዘምጽአ፡ ማዕረ እዩ ገይሩና” በለ። ሃብቲ ናይ ሓቂ ዕቝባን ውሕስነትን ከም ዜምጽእ ምሕሳብ ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ኣየምጽእን እዩ።

(3) ብዘየድሊ ምጭናቕ።

የሱስ እምብዛ “ኣይትጨነቑ” ኢሉ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 6:34) ወትሩ ዚጭነቕ ሰብ፡ ብዙሕ እዩ ዚሓስብ። ብሓሳብና ብዛዕባ ዝፈጠርናዮ ጸገማት፡ ማለት ገና ብዛዕባ ዘይመጸ ጸገማት፡ ምናልባት እውን ጠሪሱ ብዛዕባ ዘይመጽእ ጸገማት ብምጭናቕ ሓይልና ኽንጽንቅቕ ንኽእል ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ከምዚ ዝበለ ጭንቀት ከቢድ ኪኸውን ወይ ኪደቍስ ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 12:25፡ እ.ጽ.) እምብዛ ብዘይምጭናቕን በብመዓልቱ ዜተሓሳስበና ነገራት ገና ኸይመጸ ብዛዕባኡ ብዘይምሕሳብን፡ ምኽሪ የሱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልና ኣገዳሲ እዩ።

ናይ ምሕሳብ ክእለትና ብጥበብ ምጥቃም

(1) ሓደገኛ ዅነታት ኣቐዲምካ ርኢኻ ኻብኡ ምርሓቕ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ጐራሓትን ኣርሒቕና እንሓስብን ክንከውን የተባብዓና እዩ። (ምሳ. 22:3) ናይ ምሕሳብ ክእለትና ብምጥቃም፡ ውሳነታትና ኼምጽኦ ዚኽእል ሳዕቤናት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ናብ ማሕበራዊ ጕዳይ እንተ ተዓዲምካ፡ ናብኡ ንምኻድ ወይ ንዘይምኻድ ክትውስን ከለኻ ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧ ኣብኡ መን ከም እተዓደመን ብዝሒ እቶም ተዓደምትን ኣበይን መዓስን ከም ዚግበርን ኣብ ግምት ከተእቱ ኸለኻ፡ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ክትግምት ትኽእል ኢኻ። ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሳነ ጥዑይ ምትእኽኻብ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ እዚ መስርሕ እዚ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኬኽእለካ እዩ። ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ምስ እትጥቀመሉ ድማ፡ ብመንፈስ ጐዳኢ ኻብ ዝዀነ ዅነታት ክትርሕቕ ትኽእል ኢኻ።

(2) ንኣጸጋሚ ዅነታት ከመይ ጌርካ ኸም እትፈትሖ ምሕሳብ።

ብናይ ምሕሳብ ክእለትና ተጠቒምና ጸገማት ክንፈትሕ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ሰብ ኣይተረዳዳእካን ንበል። ሰላም ንምግባር ንሓውካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ እትቐርቦ፧ ብዙሕ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። ብኸመይ እዩ ዚራዳዳእ፧ ብዛዕባ እቲ ጸገም ንምዝርራብ ግቡእ ዚዀነሉ ግዜ መዓስ እዩ፧ እንታይ ቃላትን ቃና ድምጽን ምጥቃም ይሓይሽ፧ ናይ ምሕሳብ  ክእለትካ ምስ እትጥቀመሉ፡ ነቲ ዅነታት እትሕዘሉ ብዙሕ መገድታት ክትሓስብ እሞ ዝበለጸ ዀይኑ እተሰምዓካ መገዲ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 15:28፡ እ.ጽ.) በዚ ኸምዚ ሓሲብካ ነቲ ጸገም ምስ እትሕዞ፡ ኣብ ጉባኤ ሰላም ይሰፍን እዩ። እዚ ኸኣ ብርግጽ ንናይ ምሕሳብ ክእለትካ ብጽቡቕ ክትጥቀመሉ እትኽእል ሓደ መገዲ እዩ።

(3) ንብሕታዊ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ምምሕያሽ።

መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ገጻት ምንባብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ትምህርቲ ኸነስተውዕል፡ ኣብ ህይወትና ግብራዊ ኽንገብሮ ድማ ክንድረኽ ኣሎና። ንመገድታት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓዝዝ ይኽእል እዩ። ናይ ምሕሳብ ክእለትና ምስ እንጥቀመሉ ኸኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ዘርእስቱ ጽሑፍ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ መጽሓፍ እቲ ዚርከብ ዛንታታት ከነንብብ ከለና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሰብ ዝነበሮ ዅነታት ብኣእምሮና ኽንስእል ይሕግዘና እዩ። ነቲ ትርኢት ንርእዮ፡ ነቲ ደሃይ ንሰምዖ፡ ነቲ ጨና ነሽትቶ፡ ነቲ ስምዒት እውን ነስተውዕሎ ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር ከኣ፡ ካብቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ዚመስለና ዝነበረ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜደንቕ ትምህርትታትን ዜተባብዕ ሓሳባትን ንረክብ ኢና። በዚ ኸምዚ ንናይ ምሕሳብ ክእለትና ምስ እንጥቀመሉ፡ ብሕታዊ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ይመሓየሽ እዩ።

(4) ደንጋጺ ምዃን።

ድንጋጸ ንስምዒት ካልእ ኣብ ልብና ኸም ዚስምዓና እትገብር ጽብቕቲ ባህርይ እያ። የሆዋን የሱስን ደንገጽቲ ስለ ዝዀኑ፡ ክንመስሎም ኣሎና። (ዘጸ. 3:7፣ መዝ. 72:13) ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸመይ ጌርና ኸነማዕብላ ንኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ድንጋጸ ንምምዕባል ዚሕግዝ ሓያል መገዲ፡ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ምጥቃም እዩ። ክርስትያን ሓውና ወይ ሓብትና ዜሕልፎ ዘሎ ጸገም ኣሕሊፍና ኣይንፈልጥን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ‘ኣብ ኵነታቱ እንተ ዝኸውን፡ ከመይ ምተሰምዓኒ፧ እንታይ ኪግበረለይ ምደለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ምስ እንጥቀመሉ፡ ደንገጽቲ ኽንከውን ይሕግዘና እዩ። ደንገጽቲ ምዃን ከኣ ኣብ ኵሉ መዳይ ክርስትያናዊ ህይወትና፡ እንተላይ ኣብ ኣገልግሎትናን ኣብቲ ምስ ካልኦት ክርስትያናት ዘሎና ርክብን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

(5) ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ከም ዚኸውን ብኣእምሮና ምስኣል።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 35:5-7፣ 65:21-25፣ ራእ. 21:3, 4) ጽሑፋትና ድማ ብብዙሕ ውቁብ ስእልታት ገይሩ ነዚ ይገልጸልና እዩ። ስለምንታይ፧ ስእሊ ንናይ ምሕሳብ ክእለትና ስለ ዜሐይሎ፡ ነቲ እተተስፈወ በረኸት ከነስተማቕሮ ኸለና ኺርኣየና ይኽእል እዩ። እቲ ንናይ ምሕሳብ ክእለትና ዝፈጠሮ የሆዋ፡ እዚ ኽእለት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። ብእኡ ተጠቒምና ብዛዕባ ተስፋታቱ ምስ እነስተንትን፡ ኣብ ተፈጻምነቱ ዘሎና እምንቶ ይድልድል፡ ጸገማት እናኣጋጠመና እሙናት ክንከውን ከኣ ይሕግዘና እዩ።

የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነዚ ዜደንቕ ናይ ምሕሳብ ክእለት ሂቡና ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጽቡቕ ጌርና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ መዓልቲ መዓልቲ ነዚ ውህበት እዚ ብጥበብ ብምጥቃም፡ ንወሃቢ እዚ ዜደንቕ ውህበት ዘሎና ምስጋና ነርኢ።