ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  መጋቢት 2017

ንዚግብኦ ዘበለ ኽብሪ ሃብ

ንዚግብኦ ዘበለ ኽብሪ ሃብ

“በረኸትን ክብርን ግርማን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን።”—ራእ. 5:13

መዝሙር፦ 10, 16

1. ንገሊኦም ክብሪ ኺውሃቦም ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢናኸ ኽንመያየጥ፧

ንሓደ ሰብ ምኽባር ኪብሃል ከሎ፡ ፍሉይ ትዅረትን ክብ ዝበለ ግምትን ምሃብ ማለት እዩ። እቲ እነኽብሮ ሰብ፡ ክብሪ ዚግብኦ ነገር ዝገበረ ወይ ፍሉይ ሓላፍነት ዘለዎ ኪኸውን ትጽቢት ንገብር ኢና። ስለዚ፡ ንመንን ስለምንታይን ከነኽብር ከም ዚግብኣና ንሓትት ንኸውን።

2, 3. (ሀ) የሆዋ ፍሉይ ክብሪ ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብ ራእይ 5:13 ተጠቒሱ ዘሎ ገንሸል መን እዩ፧ ክብሪ ዚግብኦኸ ስለምንታይ እዩ፧

2 ራእይ 5:13 ኸም እትሕብሮ፡ “ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን” ከነኽብሮም ይግብኣና እዩ። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 4፡ ንየሆዋ ስለምንታይ ክብሪ ኺውሃቦ ኸም ዚግባእ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ዝለዓሉ ፍጥረታት፡ ነቲ “ንዘለኣለመ ኣለም . . . ህያው ኰይኑ ዚነብር” የሆዋ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ወዲሶምዎ እዮም። “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ድማ በሉ።—ራእ. 4:9-11

3 እቲ ገንሸል ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ፡ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” እዩ። (ዮሃ. 1:29) የሱስ ካብ ኵሎም ዝነበሩን ዘለዉን ሰብኣውያን ነገስታት ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ  ይነግረና እዩ። “ንሱ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን፡ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ዘይረኣዮ ወይ ኪርእዮ ዘይክእል ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር እዩ” ድማ ይብለና። (1 ጢሞ. 6:14-16) ኣብ ክንዲ ሓጢኣትና ኺመውት ፍቓደኛ ዝዀነ ኻልእ ንጉስ እሞ መን ኣሎ፧ እዝስ ምስቶም ኣእላፋት ሰማያውያን ፍጡራት ሓቢርካ፡ “እቲ እተሓርደ ገንሸል፡ ሓይልን ሃብትን ጥበብን ብርታዐን ክብርን ግርማን በረኸትን ኪቕበል ብቑዕ እዩ” ኽትብልዶ ኣየለዓዕለካን፧—ራእ. 5:12

4. ንየሆዋን ንክርስቶስን ምኽባር ከም ኣማራጺ ዚርአ ጕዳይ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ንየሆዋን ንክርስቶስን ምኽባር ከም ኣማራጺ ዚርአ ጕዳይ ኣይኰነን። ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል። እቲ ኣብ ዮሃንስ 5:22, 23 ዘሎ ቓላት የሱስ ነዚ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ፍርዲ ንወዲ ሂብዎ እዩ፣ ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ኵላቶም ከምቲ ንኣቦ ዜኽብርዎ፡ ንወዲ እውን ምእንቲ ኬኽብርዎ እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ እውን ኣየኽብሮን እዩ።”መዝሙር 2:11, 12 ኣንብብ።

5. ንሰባት ብሓፈሻ እተወሰነ ኽብሪ ኸነርእዮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ደቂ ሰብ “ብመልክዕ ኣምላኽ” እዮም ተፈጢሮም። (ዘፍ. 1:27) ስለዚ፡ መብዛሕትኦም ብእተፈላለየ ደረጃ ኣምላኻዊ ባህርያት የንጸባርቑ እዮም። ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ለውሃትን ርሕራሐን ኬርእዩ እውን ይኽእሉ እዮም። ሕልና ስለ ዘለዎም፡ ሽሕ እኳ ሕልናኦም ሓድሓደ ግዜ ዘይቅኑዕ ኪኸውን ወይ ኪቐንን ዚኽእል እንተ ዀነ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ፡ ግቡእ ወይ ዘይግቡእ ዝዀነ ነገራት ኪፈልዩ ዜኽእሎም ውሽጣዊ ኽእለት ሒዞም እዮም ዚውለዱ። (ሮሜ 2:14, 15) መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንጹህን ባህ ዜብልን ነገራት ይስሕቦም እዩ። ምስ ካልኦት ብሰላም ኪነብሩ እውን ይደልዩ እዮም። እንተስ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ፡ ብእተወሰነ መጠን ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እተወሰነ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።—መዝ. 8:5

ንኻልኦት ክብሪ ኽትህቦም ከለኻ፡ ግቡእ ሚዛንካ ሓሉ

6, 7. ንሰብ ክብሪ ብምሃብ ዝመጸ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧

6 ንሰባት ብዛዕባ እንህቦ ዓይነትን መጠንን ክብሪ ኽንውስን ከለና፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። መብዛሕትኦም ዘይፍጹማት ሰባት ብመንፈስ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብዙሕ ተጸልዮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሰባት ንገሊኦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ግቡእ ክብሪ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚህብዎም፡ የምልኽዎም እዮም። ንሃይማኖታውያንን ንፖለቲካውያንን መራሕቲ፡ ንስፖርተኛታት፡ ንኸዋኽብቲ ኢንዱስትሪ ምዝንጋዕ፡ ወይ ንኻልኦት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት፡ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎም ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ስለዚ፡ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ኣርኣያ ገይሮም ስለ ዚርእይዎም፡ ባህርያቶምን ኣከዳድናኦምን ኣካይዳኦምን ይቐድሑ እዮም።

7 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይግቡእ ክብሪ ኣይህቡን እዮም። ፍጹም ኣርኣያ ኪዀነና ዚኽእል ኣብ ምድሪ ዝነበረ ሰብ፡ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) ንሰባት ካብ ዚግብኦም ንላዕሊ ኽብሪ ንህቦም እንተ ዄንና፡ የሆዋ ኣይሕጐሰልናን እዩ። ነቲ፡ “ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ” ዚብል መሰረታዊ ሓቂ ኽንርስዖ የብልናን። (ሮሜ 3:23) ምስ ኣምልኾ ዚጸጋጋዕ ክብሪ ኺረክብ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ፈጺሙ የለን።

8, 9. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰበ ስልጣን መንግስቲ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኣለዎም፧ (ለ) ንሰበ ስልጣን ክሳዕ ክንደይ ኢና ኽንድግፎም ዘሎና፧

8 ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፡ ገሊኦም ሰባት ስልጣን ኣለዎም። ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ሕግን  ስርዓትን ኬፈጽሙን ዜጋታቶም ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡን ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። እዚ ድማ ንዅሉ ጥቕሚ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ነቶም ‘ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ኪግዝእዎም ከም ዚግባእ መኺርዎም እዩ። “ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ . . . ክብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ፡ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ” ኢሉ ድማ መዓዶም።—ሮሜ 13:1, 7

9 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሕጊ እታ ዚነብሩላ ሃገር ብምስምማዕ ንሰበ ስልጣን ክብሪ ይህቡ እዮም። ሰበ ስልጣን ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ፡ ንተሓባበሮም ኢና። እቲ እንህቦም ክብርን ደገፍን ቅዱስ ጽሑፋዊ ደረት ከም ዘለዎ ግና ዘይከሓድ እዩ። ንኣምላኽ ከይተኣዘዝና ወይ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ጥሒስና ንዓታቶም ኣይነኽብርን ኢና።1 ጴጥሮስ 2:13-17 ኣንብብ።

10. ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ መንግስትታትን ምስ ሰበ ስልጣንን ኣብ ዝነበሮም ርክብ ኣብነት ዝሓደጉ ብኸመይ እዮም፧

10 ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ መንግስትታትን ምስ ሰበ ስልጣንን ኣብ ዝነበሮም ርክብ ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም። ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኺግበር ምስ ኣወጀ፡ ዮሴፍን ማርያምን ተኣዚዞም እዮም። ማርያም በዅሪ ወዳ ኽትወልድ ቀሪባ እኳ እንተ ነበረት፡ ናብ ቤት-ልሄም ተጓዒዞም እዮም። (ሉቃ. 2:1-5) ድሕሪ ግዜ፡ ጳውሎስ ምስ ተኸስሰ፡ ንርእሱ ብኣኽብሮት ተማጒቱላ፡ ንንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳን ነቲ ገዛኢ እታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ይሁዳ ዝነበረ ፌስጦስን ድማ ግቡእ ክብሪ ሂብዎም እዩ።—ግብ. 25:1-12፣ 26:1-3

11, 12. (ሀ) ንሰበ ስልጣን መንግስትን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ፈላሊና እንርእዮም ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሓደ ኦስትርያዊ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ፖለቲከኛ ኽብሪ ብምሃቡ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ተረኺቡ፧

11 ይኹን እምበር፡ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ዝለዓለ ኽብሪ ኺውሃቦም ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ከምዚ ዓይነት ክብሪ ኣይህብዎምን እዮም። ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ኣይምህራን እየን፣ ኣብ ቃሉ ንዚርከብ ትምህርቲ ድማ ብቔናን መገዲ እየን ዜቕርባኦ። ስለዚ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ከም ሰቦም ነኽብሮም እኳ እንተ ዀንና፡ ፍሉይ ኣኽብሮት ግና ኣይንህቦምን ኢና። የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ግቡዛትን ዕውራት መራሕትን ከም ዝበሎም ንዝክር ኢና። (ማቴ. 23:23, 24) ብኣንጻሩ ግና፡ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ዚግብኦም ክብሪ ምሃብና ዘይተሓስበ ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

12 ሊዮፖልት ኢንግላይትነር ዝስሙ ቐናእ ኦስትርያዊ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሰበ ስልጣን ናዚ ኣሰርዎ፣ ብባቡር ድማ ናብ መዳጐኒ ደምበ ቡኸንዋልድ ለኣኽዎ። ኣብታ ባቡር ከኣ ዶክተር ሃይንሪኽ ግላይስነር ዝስሙ ኦስትርያዊ ፖለቲከኛ ምስኡ ተኣሲሩ ይውሰድ ነበረ። ናዚ ነቲ ዶክተር ስለ ዝጸልእዎ እዮም ኣሲሮምዎ ነይሮም። ናብቲ መዳጐኒ ደምበ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓውና ኢንግላይትነር ንግላይስነር ብዛዕባ እምነቱ ብኣኽብሮት ገለጸሉ፡ ንሱ ድማ ጽን ኢሉ ሰምዖ። ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ፡ ግላይስነር በቲ ዝነበሮ ስልጣን ተጠቒሙ ኣብ ኦስትርያ ንዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ሳዕ ሓጊዝዎም እዩ። ንስኻ እውን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ዚእዝዞም ገይሮም ንሰበ ስልጣን ዚግባእ ክብሪ ብምሃቦም እተረኽበ ጽቡቕ ውጽኢት ትዝክር ትኸውን።

ክብሪ ዚግብኦም ካልኦት ሰባት

13. ፍሉይ ክብሪ ዚግብኦም መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧

13 ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ዚመርሑና ሽማግለታት ብርግጽ ክብሪ ይግብኦም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:17 ኣንብብ።) ነዞም ኣሕዋትና፡ ዜግነቶም፡ ደረጃ ትምህርቶም፡  ማሕበራዊ ደረጃኦም፡ ወይ ቍጠባዊ ዅነታቶም ብዘየገድስ ነኽብሮም ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውህበት ሰባት” ከም ዝዀኑ ይገልጽ እዩ፣ ኣምላኽ ንህዝቡ ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ ኣብ ዝገበሮ መሰናድዎ ድማ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም። (ኤፌ. 4:8) ብዛዕባ ሽማግለታት ጉባኤን ሓለውቲ ወረዳን ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን እሞ ሕሰብ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቶም ኪመርሑ እተሸሙ ዘበሉ ኽብ ኣቢሎም ይርእይዎም ነይሮም እዮም፣ ንሕና እውን ከምኡ ንገብር ኢና። ንወኪላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይነምልኾምን፡ ወይ ከኣ ምሳና ኪዀኑ ኸለዉ መላእኽቲ ኸም እተቐበልና ጌርና ኣይነኽብሮምን ኢና። ይኹን እምበር፡ ነዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ስለቲ ዚገብርዎ ጻዕርን ስለቲ ዜርእይዎ ትሕትናን ነኽብሮም ኢና።2 ቈረንቶስ 1:24፣ ራእይ 19:10 ኣንብብ።

14, 15. ክርስትያናት ጓሶት ካብ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከም ዚፍለዩ ግለጽ።

14 እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽማግለታት፡ ትሑታት መንፈሳውያን ጓሶት እዮም። ትሑታት ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ከም ህቡባት ሰባት ጌርካ ኺርኣዩ ኣይደልዩን እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ካብዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩን ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት እተፈልዩ እዮም። የሱስ ብዛዕባ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ኣብ ድራር ምርኡይ ቦታ፡ ኣብ ምኵራባት ከኣ ቀዳሞት መናብር ይደልዩ፣ ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ ኺውሃቦም . . . ይደልዩ” በለ።—ማቴ. 23:6, 7

15 ናይ ሓቂ ክርስትያን ጓሶት ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ይእዘዙ እዮም። የሱስ ከምዚ በለ፦ “መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህር ኣይትበሃሉ፣ ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም እውን ሓደ፡ ንሱ ድማ ሰማያዊ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መራሕቲ እውን ኣይትበሃሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየስ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን። ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ።” (ማቴ. 23:8-12) ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሽማግለታት ጉባኤ ነዚ ቓላት እዚ ስለ ዚእዘዙ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኬፍቅርዎምን ኬኽብርዎምን ይግብኦም እዩ።

ነቶም ብትሕትና ዜገልግሉ ሽማግለታት ከነፍቅሮምን ከነኽብሮምን ይግብኣና (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ)

16. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ዚገልጾ ነገራት ክንርድኦን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ብኸመይን ንመንን ግቡእ ክብሪ ኽንህብ ከም ዘለና ንምፍላጥ ግዜ ኺወስደልና ይኽእል እዩ። ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ብዛዕባ እዚ  ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ኺሕዙ ግዜ ወሲዱሎም እዩ። (ግብ. 10:22-26፣ 3 ዮሃ. 9, 10) ይኹን እምበር፡ ነቲ ኽብሪ ብዛዕባ ምሃብ ዚገልጽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ምጽዓርና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝና ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ።

ግቡእ ክብሪ ምሃብ ዘለዎ ጥቕምታት

17. ነቶም ስልጣን ዘለዎም ምኽባር እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

17 ዓለማዊ ስልጣን ንዘለዎም ዘበሉ ግቡእ ክብሪ ንህቦም እንተ ዄንና፡ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ክንሰብኽ ኪፈቕዱልና ይኽእሉ እዮም። ንዚግብኦ ዘበለ ግቡእ ክብሪ ምሃብና፡ ንጥፈታትና ብኣወንታዊ መገዲ ኺርአ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ቢርግት ዝስማ ኣብ ጀርመን እትነብር ፈላሚት፡ ጓላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽትምረቕ ከላ ናብኡ ኸይዳ ነበረት። እተን መምህራን ከኣ ንቢርግት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ቈልዑ ምምሃሮም ባህ ከም ዝበለን ነገራኣ። ኣብ ቤት ትምህርተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ቘልዑ እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ከም ዚጕህያ ገለጻላ። ቢርግት ከኣ፡ “ደቅና ነቲ ንመምህራን ምኽባር እውን ዜጠቓልል ብዛዕባ ጠባይ ዚገልጽ ስርዓታት ኣምላኽ ኪስዕቡ ተማሂሮም እዮም” በለተን። ሓንቲ ኻብተን መምህራን፡ “ኵሎም ቈልዑ ኸም ደቅኹም እንተ ዚዀኑ፡ ምምህርና ኸም ገነት ባህ ዜብል ምዀነ ነይሩ” በለታ። ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት፡ ሓንቲ ኻብተን መምህራን ኣብቲ ኣብ ላይፕጺግ እተገብረ ኣኼባ ዞባ ተኻፈለት።

18, 19. ንሽማግለታት ዚግብኦም ክብሪ ጥራይ ክንህቦም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 እቲ ንሽማግለታት ጉባኤ እንህቦ ኽብሪ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ፍጹምን ጥበባውን ስርዓታት ኪምራሕ ኣለዎ። (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) ስለቲ ብትግሃት ዚገብርዎ ዕዮ ኽንንእዶምን ምስቲ ዚህቡና መምርሒ ኽንተሓባበርን ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ስራሖም ወትሩ ብሓጐስ ኪፍጽሙ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ “ፍሉጥ” ሽማግለ ንዚኽደነሉን ንዚመላኸዓሉን፡ ህዝባዊ መደረ ንዚህበሉ፡ ወይ ንዚዛረበሉ መገዲ ብልክዕ ክንቀድሖ ኣይፍትንን ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ግጉይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። እቲ ሽማግለ እውን ዘይፍጹም ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ክንስዕቦን ክንመስሎን ዘሎና ኣርኣያና፡ ክርስቶስ እዩ።

19 ንሽማግለታት ከም ህቡባት ሰባት ጌርና ዘይኰነስ እቲ ዚግብኦም ክብሪ ምስ እንህቦም፡ ንጠቕሞም ኢና። ከመይሲ፡ ኣብ መፈንጠራ ዅርዓት ከይወድቁን ልዕልና ኸይስምዖምን ከይመጻደቑን ኢና እንሕግዞም።

20. ንኻልኦት ክብሪ ምሃብ ንርእስና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

20 ንዚግብኦ ዘበለ ኽብሪ ምሃብና ኣብ ርእስና ጥራይ ከይነተኵር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ክብሪ ኽንረክብ ከለና ንርእስና ኽብ ኣቢልና ኸይንሓስብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ምስታ ንኣመንቲ ዀኑ ንዘይኣመንቲ ኻብ ዚግብኦም ንላዕሊ ኽብሪ ዘይትህብ ውድብ የሆዋ ብማዕረ ኽንመላለስ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እነኽብሮ ሰብ ዜጕህየና ነገራት ምስ ዚገብር ከይንዕንቀፍ ዚሕግዘና ጥበባዊ መገዲ እዩ።

21. ንዚግብኦም ዘበለ ኽብሪ ብምሃብና እንረኽቦ ዝለዓለ ጥቕሚ እንታይ እዩ፧

21 ንዚግብኦም ዘበለ ኽብሪ ብምሃብና እንረኽቦ ዝለዓለ ጥቕሚ፡ ከምኡ ብምግባር ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ምኽኣልና እዩ። መምርሒታቱ ብምስዓብ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኬባጭወሉ ንዚፍትን ዘበለ ምላሽ ንህብ። (ምሳ. 27:11) ዓለም ብዛዕባ ኽብሪ ምሃብ ቄናን ኣረኣእያ ብዘለዎም ሰባት ዝመልአት እያ። የሆዋ ብዚሰምሮ መገዲ ብኸመይ ክብሪ ኸም እንህብ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!