ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  መጋቢት 2016

የሆዋ ንህዝቡ ብመገዲ ህይወት ይመርሖም

የሆዋ ንህዝቡ ብመገዲ ህይወት ይመርሖም

“እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ።”—ኢሳ. 30:21

መዝሙር፦ 32, 48

1, 2. (ሀ) ህይወት ሓያሎ ሰባት ዘድሓነ መጠንቀቕታ እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።) (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ህይወቶም ኬድሕን ዚኽእል መምርሒ ኣለዎም፧

“ደው በል፡ ርአ፡ ስማዕ።” እዘን ቃላት እዚአን፡ ህይወት ሓያሎ ሰባት ኣድሒነን እየን። ልዕሊ 100 ዓመት ይገብር፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብቲ መገዲ ባቡር ዚሓልፈሉ ጽርግያታት እዘን ቃላት እዚአን እተጻሕፎ ምልክታት ይርከብ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ በቲ መገዲ ባቡር ዚሓልፋ ማካይን፡ ብናህሪ ምስ እትጐዓዝ ባቡር ምእንቲ ኸይጋጨዋ እዩ። እወ፡ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣቓልቦ ምግባር ህይወት ከም ዜድሕን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

2 የሆዋ ምልክታት ድሕንነት ጥራይ ኣይኰነን ዚህበና። የግዳስ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢሉ፡ ካብ ሓደጋ ኺርሕቁ ይሕግዞምን መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይሕብሮምን እዩ። ብዘይካዚ፡ ከም ሓደ ፈቃር ጓሳ ዀይኑ፡ ንኣባጊዑ ቕኑዕ ኣንፈት ይሕብረንን ካብ ሓደገኛ መገድታት ኪርሕቃ የጠንቅቐንን እዩ።—ኢሳይያስ 30:20, 21 ኣንብብ።

የሆዋ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንህዝቡ መሪሕዎም

3. ደቂ ሰብ ናብ ሞት ብዚመርሕ መገዲ ኺመላለሱ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣብ መላእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ የሆዋ ዝርዝር መምርሒ ሂቡ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገነት ኤደን፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ናብ ሓጐስን ኪመርሖም ዚኽእል መምርሒታት ሂቡዎም እዩ። (ዘፍ. 2:15-17) ኣዳምን ሄዋንን ንመምርሒኡ እንተ ዚእዘዙ፡ ዘይተኣዛዝነት ካብ  ዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤን ምደሓኑ ነይሮም፣ እወ፡ ስቓይ ዝመልኦ ህይወት ኣይምነበሩን፡ ብዘይ ተስፋ እውን ኣይምሞቱን። ይኹን እምበር፡ ሄዋን ኣብ ክንዲ እትእዘዝ፡ ነቲ ኻብኣ ኻብ ዚትሕት እንስሳ ዝረኸበቶ ምኽሪ ሰምዐት። ኣዳም ከኣ ድምጺ እዛ መዋቲት ሰብ ሰምዐ። ክልቲኦም ንመምርሒ እቲ ፈቃር ኣቦኦም ዝባኖም ሃቡ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ናብ ሞት ብዚመርሕ መገዲ ኺመላለሱ ጀመሩ።

4. (ሀ) ድሕሪ ማይ ኣይሂ ተወሳኺ መምርሒ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓድሽ ኵነታት ምስ ተፈጥረ፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዝነጸረ ብኸመይ እዩ፧

4 ብግዜ ኖህ፡ ኣምላኽ ናብ ድሕነት ዚመርሕ መምርሒ ሂቡ እዩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ ድማ፡ የሆዋ ደም ምጥቃም ዚኽልክል ንጹር ትእዛዝ ሂቡ እዩ። ነቲ ሕጊ እቲ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ ሓድሽ ኵነታት ስለ እተፈጥረ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ስጋ እንስሳታት ኪበልዑ ፈቒድሎም እዩ። ስለዚ፡ ሓድሽ መምርሒ ኣድለየ፣ እቲ መምርሒ እቲ ኸኣ፡ “ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙ፡ ኣይትብልዕዎ” ዚብል ነበረ። (ዘፍ. 9:1-4) እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናቱ ዝዀነ ነገር፡ ማለት ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኣነጸረ። ኣምላኽ ፈጣርን ወሃብ ህይወትን ስለ ዝዀነ፡ ንህይወት ዚምልከት ሕግታት ኬውጽእ መሰል ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሰባት ህይወት ብጻዮም ኬጥፍኡ ኸም ዘይግባእ ሕጊ ሂቡ እዩ። ንህይወትን ንደምን ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ፣ ነዚ ብዘይግቡእ መገዲ ንዚጥቀመሉ ዘበለ ድማ፡ ተሓታቲ ይገብሮ እዩ።—ዘፍ. 9:5, 6

5. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

5 እምበኣር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ኣምላኽ ብኸመይ መምርሒ ኸም ዝሃበ ዜርኢ ገለ ኣብነታት ንርአ። እዚ ድማ፡ መሪሕነት የሆዋ ስዒብና ናብ ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ንዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬደልድለልና እዩ።

ሓድሽ ህዝቢ፡ ሓድሽ መምርሒታት

6. ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ኺእዘዝዎ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧ እስራኤላውያን እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎም ዜድልዮም ነይሩ፧

6 ብግዜ ሙሴ፡ ብዛዕባ ግቡእ ኣካይዳ ዀነ ብዛዕባ ግቡእ ስርዓት ኣምልኾ ንጹር መምርሒ የድሊ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ዅነታት እውን ተለዊጡ ስለ ዝነበረ እዩ። ንልዕሊ ኽልተ ዘመን ዚኸውን፡ ዘርኢ ያእቆብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ብኣምልኾ ምዉታትን ጣኦታትን ኰነ ብኻልእ ንኣምላኽ ዜሕስር እምነታትን ተግባራትን መሊኣ ዝነበረት ግብጺ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጭቆና ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ፡ ሓድሽ መምርሒታት የድልዮም ነይሩ እዩ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ምሩኻት ህዝቢ ዘይኰኑስ፡ ብሕጊ የሆዋ ጥራይ ዚመላለሱ ሓራ ዝወጹ ህዝቢ እዮም ኰይኖም። ገሊኡ መወከሲ ጽሑፋት ከም ዚሕብሮ፡ እታ “ሕጊ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ምምራሕ፡ ምሕባር፡ ምእዛዝ” ዚብል ሓሳብ ምስ እተመሓላልፍ ሱር ቃል ትዛመድ እያ። ሕጊ ሙሴ፡ ካብ ሕሱር ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን ተግባራት ካልኦት ህዝብታት ከም ዜዕቍብ መካበብያ ዀይኑ ዓይዩ እዩ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ እቲ ህዝቢ በረኸት ኣምላኽ ይረክብ ነይሩ እዩ። ዕሽሽ ኪብልዎ ኸለዉ ግና፡ ሕማቕ ኵነታት የጋጥሞም ነይሩ።—ዘዳግም 28:1, 2, 15 ኣንብብ።

7. (ሀ) የሆዋ ስለምንታይ ንህዝቡ መምርሒ ኸም ዝሃበ ግለጽ። (ለ) ሕጊ ሙሴ መጕዚ እስራኤላውያን ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

7 መምርሒ ዜድልየሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ነይሩ እዩ። ሕጊ ሙሴ ናብቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዚፍጸም ኣገዳሲ ፍጻመ፡ ማለት ናብ ምምጻእ እቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዜመላኽት እዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ፡ እስራኤላውያን ዘይፍጹማት ከም ዝዀኑ ዝያዳ ኣነጺሩ እዩ። በጃ፡ ማለት ንሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ዚኸድን ፍጹም መስዋእቲ ኸም ዜድልዮም ኪርድኡ እውን ሓጊዝዎም እዩ። (ገላ. 3:19፣ እብ. 10:1-10) ብተወሳኺ፡ እቲ ሕጊ፡ እቲ ናብ መሲሕ ዚመርሕን እቲ መሲሕ ምስ መጸ ኸም ዚልለ ዚገብርን መስመር ወለዶ ተዓቂቡ ኺጸንሕ ሓጊዙ እዩ። እወ፡ ናብ ክርስቶስ ዚመርሕ ግዜያዊ መጕዚ ወይ “ሓላዊ” ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ።—ገላ. 3:23, 24

8. በቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 8 ንሕና እውን ከም ክርስትያናት መጠን፡ ካብቲ ንህዝቢ እስራኤል ኣብ እተዋህቦም ሕጊ ዘሎ መምርሒታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ነቲ ኣብቲ ሕጊ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንምምርማር፡ ደው ብምባልን ብምርኣይን ኢና ኻብኡ ኽንጥቀም እንኽእል። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ካብቲ ሕጊ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣብቲ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾን ክንጥቀመሉ እንኽእል ጠቓሚ መምርሒታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ እቲ ሕግታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ዝገበረ፡ ካብኡ ምእንቲ ኽንምሃርን በቲ መሰረታዊ ስርዓታቱ ምእንቲ ኽንምራሕን ነቲ ንክርስትያናት እተዋህበ ዝለዓለ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ሞሳ ምእንቲ ኺህልወናን ኢሉ እዩ። ነቲ የሱስ ዝበሎ እሞ ስምዓዮ፣ ንሱ፡ “‘ኣይትዘሙ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ። ስለዚ፡ ክንዝሙ የብልናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጾታዊ ርኽሰት ንምፍጻም ክንምነ እውን የብልናን።—ማቴ. 5:27, 28

9. ኣምላኽ ሓድሽ መምርሒ ኺህብ ዘድለየሉ እንታይ ሓድሽ ኵነታት እዩ ነይሩ፧

9 የሱስ መሲሕ ኰይኑ ምስ መጸ፡ ሓድሽ መለኮታዊ መምርሒ ኣድልዩ እዩ፣ ዕላማ ኣምላኽ እውን ብዝያዳ ተገሊጹ እዩ። ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ እንደገና ሓድሽ ኵነታት ስለ እተፈጥረ እዩ። ብ33 ድ.ክ. የሆዋ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝዀኑ ሓዲጉ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ሞገሱ ኼርኢ ጀመረ።

ንሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ እተዋህበ መምርሒ

10. ንክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድሽ ሕጊ እተዋህበ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ኻብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ መሰናድዎ ዝዀኑ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምልኾን ኣካይዳን ሓድሽ ወይ ዝሰፍሐ መምርሒታት ተቐቢሎም እዮም። እዞም ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን እዮም ኰይኖም። ሕጊ ሙሴ ንሓደ ህዝቢ፡ ማለት ንስጋዊ እስራኤል እተዋህበ እዩ ነይሩ። መንፈሳዊ እስራኤል ግና፡ በቶም ካብ ብዙሓት ህዝብታት ዝወጹን እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎምን ሰባት ዝቘመ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።’ (ግብ. 10:34, 35) ሕጊ ሙሴ ነቶም ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ ስጋውያን እስራኤል ኣብ እምኒ ብእተቐርጸ ሕጊ እዩ ኣመሓዲርዎም። እቲ መንፈሳውያን እስራኤል ዚጥቀምሉ “ሕጊ ክርስቶስ” ግና፡ ብቐንዱ ኣብ ልቢ ኣብ እተጻሕፈ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተ እዩ። ምስናይዚ፡ ክርስትያናት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ “ሕጊ ክርስቶስ” ይምልከቶምን ይጠቕሞምን እዩ።—ገላ. 6:2

11. ብ“ሕጊ ክርስቶስ” ዚጽሎ ኽልተ መዳይ ክርስትያናዊ ህይወት እንታይ እዩ፧

11 መንፈሳውያን እስራኤል ካብቲ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ዚህቦ መምርሒ ብዙሕ ይጥቀሙ እዮም። የሱስ ሓድሽ ኪዳን ቅድሚ ምምስራቱ፡ ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ሂቡ እዩ። እቲ ቐዳማይ ንዕዮ ስብከት ዚምልከት እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪስዕብዎ ዘለዎም ኣካይዳን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ብኸመይ ኪሕዝዎም ከም ዚግባእን ዚገልጽ እዩ። እዚ መምርሒ እዚ ንዅሎም ክርስትያናት ዚምልከት ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ተስፋኦም ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኣለዎም።

12. ንዕዮ ስብከት ዚምልከት እንታይ ሓድሽ ነገር እዩ ነይሩ፧

12 ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ኺገብርዎ ዝኣዘዞም ዕዮ ስብከት እቲ ብስራት እሞ ሕሰብ። ዕዮ ስብከት ብሜላ ዀነ ብስፍሓት ሓድሽ እዩ ነይሩ። ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ዘመናት፡ ኣህዛብ ተቐባልነት ዚረኽቡ ንየሆዋ ኼገልግሉ ናብ የሩሳሌም ምስ  ዚመጹ እዩ ነይሩ። (1 ነገ. 8:41-43) ከምኡ ዚገብሩ ዝነበሩ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዘሎ ትእዛዝ ቅድሚ ምሃቡ እዩ። (ኣንብብ።) እወ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ‘ኪኸዱ’ እዩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ድማ፡ የሆዋ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ ከም ዚደሊ ዚሕብር መርትዖ ተራእዩ እዩ። መንፈስ ቅዱሱ ን120 ኣባላት እታ ሓዳስ ጉባኤ፡ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን ብእተፈላለየ ቛንቋታት ኪሰብኩሎም ኢሉ ብተኣምራዊ መገዲ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። (ግብ. 2:4-11) ድሕሪኡ፡ እቲ ኽሊ ናብ ሳምራውያን ሰፍሐ። ኣብ 36 ድ.ክ. ድማ ዝያዳ ስለ ዝሰፍሐ፡ ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዜጠቓልል ኰነ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብ “ንእሽቶ ቐላይ” ኣይሁድ ጥራይ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ናብ “ውቅያኖስ” ኣህዛብ ሰፊሑ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

13, 14. (ሀ) እቲ የሱስ ዝሃቦ “ሓድሽ ትእዛዝ” እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

13 ሕጂ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና እንሕዘሉ መገዲ ንርአ። የሱስ ብዛዕባ እዚ፡ “ሓድሽ ትእዛዝ” ኣተኣታትዩ እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።) እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኣብ ንቡር መዓልታዊ ህይወትና ንሓድሕድና ምፍቓር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና ህይወትና ኣሕሊፍና ንምሃብ ፍቓደኛታት ምዃን እውን ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘይነበረ ሕጊ እዩ።—ማቴ. 22:39፣ 1 ዮሃ. 3:16

14 በዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ጥቕሚ ርእሱ ሰዊኡ እዩ ኣፍቂርዎም። እታ ንዓታቶም ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ምእንታኦም ኪመውት ደሪኻቶ እያ። ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምኡ ኺገብሩ ትጽቢት ይገብረሎም እዩ። ስለዚ፡ ንሕና እውን ኣብ ክንዲ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኽንሳቐን ክንመውትን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።—1 ተሰ. 2:8

ንሕጅን ንመጻእን ዚኸውን መምርሒታት

15, 16. ሕጂ እንታይ ሓድሽ ኵነታት ኢና ረኺብና ዘለና፧ ኣምላኽ ዚመርሓና ዘሎኸ ብኸመይ እዩ፧

15 የሱስ ብፍላይ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምስ ሸሞ፡ ንህዝቡ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ይህቦም ኣሎ። (ማቴ. 24:45-47) እዚ ምግቢ እዚ፡ ምስ ሓድሽ ኵነታት ዚሰማማዕ ኣገዳሲ መምርሒታት እውን ዝሓዘ እዩ።

16 ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚብሎ እዋን ኢና እንነብር ዘለና፣ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸበባ ኪኸውን እዩ። (2 ጢሞ. 3:1፣ ማር. 13:19) ብዘይካዚ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ስለ እተደርበዩ፡ ንነበርቲ ምድሪ ብርቱዕ ቍጥዓ ወሪድዎም ኣሎ። (ራእ. 12:9, 12) ታሪኻውን መዳርግቲ ዘይብሉን ወፈራ ዕዮ ስብከት ከነካይድ መዝነት ተዋሂቡና እዩ፣ እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ንዅሎም ሰባትን ቋንቋታትን ይስበኽ ኣሎ።

17, 18. ነቲ ዚውሃበና መምርሒ እንታይ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና፧

17 ነቲ ብውድብ ኣምላኽ ዚቐርበልና ናውቲ ስብከት ክንጥቀመሉ ኣሎና። እሞኸ ነዚ ኽትጥቀመሉ ትደሊ ዲኻ፧ ነቲ ነዚ ናውቲ እዚ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኸም እንጥቀመሉ ዚገልጽ ኣብ ኣኼባታትና ዚውሃበና መምርሒ ብንቕሓት ትከታተሎ ዲኻ፧ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታትከ ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበካ መምርሒ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

18 እወ፡ በረኸት ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ ንዅሉ እቲ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒታት ከነቕልበሉ ኣሎና። ሕጂ እዙዛት ምዃንና፡ ኣብቲ ዅሉ ስርዓት ሰይጣን ዚጠፍኣሉ “ብርቱዕ ጸበባ” ንዚውሃበና መምርሒ ኽንስዕብ ኪሕግዘና እዩ። (ማቴ. 24:21) ድሕሪኡ፡ ኣብታ ኻብ ጽልዋ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ሓራ እትኸውን ሓዳስ ዓለም ክንነብር ከለና፡ ሓድሽ መምርሒታት ኪውሃበና እዩ።

ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ብዛዕባ ናብራ ሓዳስ ዓለም መምርሒታት ዚህበና ጥቕላላት ኪቕላዕ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 19, 20 ርአ)

19, 20. እንታይ ጥቕላላት እዩ ኪኽፈት፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ እዩ፧

 19 ነቲ ኣብ ትሕቲ ሙሴ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤልን ነታ ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ዝዀነት ክርስትያናዊት ጉባኤን ሓድሽ መምርሒታት ኪውሃቦም ኣድልይዎም እዩ። ብዛዕባ ናብራ ሓዳስ ዓለም መምርሒታት ዚህበና ጥቕላላት ከም ዚቕላዕ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ራእይ 20:12 ኣንብብ።) እዚ ጥቕላላት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኬማልእዎ ዚሓትቶም ብቕዓታት ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ምዉታት ዚትንስኡን ኵሎም ካልኦት ሰባትን ነዚ ብምጽናዕ፡ ንዓታቶም ዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም። እዚ ጥቕላላት እዚ፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ተወሳኺ ምስትውዓል ክንረክብ ከም ዚሕግዘና ርግጸኛታት ኢና። ነበርቲ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ በቲ ኻብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ዚረኽብዎ እናወሰኸ ዚኸይድ ምርዳእን በቲ ዚቕላዕ ጥቕላላትን ስለ ዚምርሑ፡ ንብጾቶም ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ኪሕዝዎም እዮም። (ኢሳ. 26:9) ነቲ ብመሪሕነት እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚካየድ መደብ ትምህርቲ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።

20 እቶም ነቲ “ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ” ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። የሆዋ ድማ ንስም እቶም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናኦም ዚሕልዉ፡ ኣብ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ንዘለኣለም ኪጽሕፎ እዩ። እወ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና! ስለዚ፡ ሕጂ ቓል ኣምላኽ ክንምርምር ደው ንብል፡ ትርጉሙ ኽንርዳእ ንርኢ፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ብምእዛዝ ድማ ንሰምዕ እንተ ዄንና፡ ካብቲ ዓብዪ ጸበባ ብህይወት ክንተርፍን ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ጥበበኛን ፈቃርን ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ንዘለኣለም ክንምሃርን ኢና።—መክ. 3:11፣ ሮሜ 11:33