ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

 ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኻብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ባሪኹኒ

የሆዋ ኻብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ባሪኹኒ

‘ፈላሚ ክኸውን ኣሎኒ። ፈላምነት ግና ብሓቂዶ ባህ ዜብል እዩ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ነቲ ኣብ ጀርመን ዝሰርሖ ዝነበርኩ ስራሐይ እፈትዎ ነይረ እየ። እቲ ስራሐይ ከኣ ናብ ከም ዳር ኤስ ሰላምን ኤሊሳቤትቪልን ኣስመራን ዝኣመሰላ ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ኸተማታት እኽሊ ምልኣኽ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብአንን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ካልእ ቦታታትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ንየሆዋ ኸም ዘገልግሎ ኣይፈልጥኩን ነይረ።

ኣብ መወዳእታ ንጥርጣረታተይ ሰጊረ ፈላሚ ምስ ኰንኩ፡ ካብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ በረኸት ዝረኸብኩሉ ኣፍ ደገ እዩ ተኸፊቱለይ። (ኤፌ. 3:20) እዚ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝዀነ ትሓስቡ ትዀኑ። ካብ መጀመርታ ኽጅምር።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብ1939 እየ ኣብ በርሊን፡ ጀርመን ተወሊደ። ብ1945 እቲ ውግእ ናብ መወዳእታኡ ገጹ ምስ ቀረበ፡ ኣብ ልዕሊ በርሊን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ ገዛውትና ተደብደበ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣነን ስድራ ቤተይን ናብ መዕቈብ ደብዳብ ነፈርቲ ኣምለጥና። ጸኒሕና ድማ፡ ካብኡ ናብታ ኣደይ እተወልደትላ ኸተማ ኢርፉርት ከድና።

ከባቢ 1950፡ ምስ ወለደይን ሓብተይን ኣብ ጀርመን

ኣደይ ንሓቂ ንምርካብ ብዙሕ ትጽዕር ነይራ እያ። ጽሑፋት ፈላስፋታት ተንብብ፡ ንእተፈላለያ ሃይማኖታት ከኣ ትምርምር ነበረት፣ ዜዕግብ ነገር ግና ኣይረኸበትን። ብ1948 ኣቢሉ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጻ። ኣደይ ድማ ኪኣትዋ ዓደመተን እሞ ብዙሕ ሕቶታት ብተኸታታሊ ሓተተተን። ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኸኣ፡ ንዓይን ንምንኣሰይ ሓብተይን፡ “ንሓቂ ረኺበያ!” በለትና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣነን ኣደይን ሓብተይን ኣብቲ ኣብ ኢርፉርት ዚግበር ኣኼባታት ክንእከብ ጀመረና።

ብ1950 መሊስና ናብ በርሊን ገዓዝና፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጉባኤ በርሊን-ክሮይትስበርግ ንእከብ ነበርና። ካብኡ ድማ ኣብ ውሽጢ በርሊን እንነብረሉ ገዛውቲ ምስ ቀየርና፡ ኣብ ጉባኤ በርሊን-ተምፕልሆፍ ንእከብ ነበረና። ጸኒሓ፡ ኣደይ ተጠምቀት፣ ኣነ ግና ድሕር ምሕር በልኩ። ስለምንታይ፧

ነቲ ሓፋርን ተወላዋልን ብምዃነይ ዝነበረኒ ጸገም ብኸመይ ከም ዝሰገርክዎ

ሓፋር ብምንባረይ፡ ብዙሕ ዕቤት ኣይገበርኩን። ናብ ኣገልግሎት እኳ እኸይድ እንተ ነበርኩ፡ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ምስክርነት ንምሃብ ኢለ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይተዛረብኩን። ተባዓትን ንየሆዋ ውፉያትን ምስ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ግዜ ምስ ኣሕለፍኩ ግና፡ ለውጢ ገበርኩ። ገሊኦም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ ወይ ኣብያተ ማእሰርቲ ምብራቕ ጀርመን ዝነበሩ እዮም ነይሮም። ገሊኦም ከኣ ንናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ናብ ምብራቕ ጀርመን ጽሑፋት ሓቢኦም ዘእተዉ እዮም ነይሮም። ኣብነቶም ብርቱዕ  ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉለይ። ንየሆዋን ንኣሕዋቶምን ኢሎም ህይወቶምን ናጽነቶምን ኣብ ሓደጋ እንተ ኣእትዮም፡ ኣነ እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ንሕፍረተይ ከሰንፎ ኸም ዝኽእል ሓሰብኩ።

ብ1955 ኣብ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ስብከት ምስ ተሳተፍኩ፡ ንሕፍረተይ ከሰንፎ ጀመርኩ። ኣብ ኢንፎርማንት * ኣብ እተሓትመት ደብዳበ፡ ሓውና ናታን ኖር፡ እቲ ወፈራ ሓደ ኻብቲ ውድብና ዝወደበቶ ብዕቤቱ ቐዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ወፈራታት ምዃኑ ኣፍለጠ። ኵሎም ኣስፋሕቲ እንተ ተሳቲፎም፡ “ኣብዛ ምድሪ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምስክርነት ዚውሃበላ ኣዝያ እተደንቕ ወርሒ ኸነሕልፍ ኢና” በለ። ሓቁ እዩ ነይሩ! ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፈኹ፣ ብ1956 ድማ ምስ ኣቦይን ሓብተይን ብሓንሳእ ተጠመቕኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ካልእ ኣገዳሲ ውሳነ ኽገብር ነበረኒ።

ፈላምነት ውዒለ ሓዲረ ኽዓይዮ ዘሎኒ ቕኑዕ ዕዮ ምዃኑ ንዓመታት እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ስጕምቲ ንምውሳድ ግና ተደናጐኹ። ፈለማ፡ ኣብቲ ኣብ በርሊን ዝነበረ ዕዮ ጃምላዊ ንግዲ ዀነ ኣብ ኣታውን ወጻእን እተወሰነ ኽዓዪ ወሰንኩ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ሞያ እቲ ተመክሮን ክእለትን ከጥሪ ደለኹ። ስለዚ፡ ብ1961 ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካብ ኵሉ ዝዓበየት ወደባዊት ከተማ ሃምቡርግ ክሰርሕ ጀመርኩ። ኣብቲ ስራሐይ ዝነውሐ ግዜ ብዝሰራሕኩ መጠን፡ ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምእታው ዝነበረኒ ሸቶ ብዝያዳ ኸደናጕዮ እደሊ ነበርኩ። እሞ ደኣ ድሕሪኡ እንታይ እየ ገይረ፧

ብመንፈሳዊ መዳይ ቀዳምነት ዝህቦ ነገር ምእንቲ ኽሰርዕ፡ የሆዋ ብፈቃራት ኣሕዋት ገይሩ ምሕጋዙ አመስግኖ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገሊኦም ፈተውተይ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ፣ ንዓይ እውን ሰናይ ኣብነት ኰኑኒ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበረ ሓውና ኤሪኽ ሙንድ ብየሆዋ ኽእመን ኣተባብዓኒ። እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ብርእሶም ዚእመኑ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ጸኒሖም ከም ዝደኸሙ ነገረኒ። እቶም ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተኣመኑ ግና፡ እሙናት ኰይኖም ቀጸሉ፡ ኣብ ጉባኤ እውን ኣዕኑድ ኰኑ።

ብ1963፡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን

ጸኒሑ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ማርቲን ፖይትሲንገር እውን፡ “ትብዓት ከተጥርዮ እትኽእል ብሉጽ ሃብቲ እዩ!” ኢሉ ንኣሕዋት የተባብዖም ነበረ። ብዛዕባ እዘን ቃላት እዚአን ድሕሪ ምስትንታነይ፡ ኣብ ሰነ 1963 ንዓለማዊ ስራሐይ ሓዲገ ፈላምነት ጀመርኩ። ብሉጽ ውሳነ እየ ገይረ! ድሕሪ ኽልተ ወርሒ፡ ሓድሽ ስራሕ ከናዲ ቕድሚ ምጅማረይ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ፡ የሆዋ ኻብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ባረኸኒ። ናብ መበል 44 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተዓደምኩ።

ኣብ ጊልዓድ እተምሃርክዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ

“ኣብ ምድብካ ቐልጢፍካ ኣይትተሓልል” ዚብል ትምህርቲ ሓደ ኻብቲ እተምሃርክዎ ዓሚቝ ትምህርትታት እዩ ነይሩ፣ ምናዳ ሓውና ናታን ኖርን ሓውና ለይማን ስዊንግልን ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣጕሊሖምልና እዮም። ኣብቲ እተመደብናሉ ጸኒዕና ኽንቅጽል ድማ ኣተባቢዖምና እዮም። ሓውና ኖር ከምዚ በለና፦ “ኣብ ምንታይ ኢኹም ከተተኵሩ፧ ኣብቲ ርስሓትን ሓሸራታትን ድኽነትን ዲኹም፡ ወይስ ነቲ ኣእዋምን ዕምባባታትን ፍሽሑው ገጻትን ኢኹም ከተስተብህሉሉ፧ ንሰባት ምፍቃር ተምሃሩ!” ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ ሓውና ስዊንግል፡ ገሊኦም ኣሕዋት ስለምንታይ ቀልጢፎም ከም ዚሕለሉ ኺገልጽ ከሎ፡ ንብዓት ቅጽርጽር በሎ። ንስምዒቱ ንምህዳእ ከኣ፡ መደረኡ ኼቋርጽ ተገደደ። ሽዑ፡ ኣነ በዚ ውሽጠይ ስለ እተተንከየ፡ ንክርስቶስ ኰነ ንእሙናት ኣሕዋቱ ኸየጕህዮም ቈረጽኩ።—ማቴ. 25:40

ብ1967፡ ኣነን ክሎድን ሃይንሪኽን ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናሉ ሉቡምባሺ፡ ኮንጎ

ምድብና ምስ ተነግረና፡ ገሊኦም ቤት-ኤላውያን ንገሌና ናበይ ከም እተመደብና ተሃንጥዮም ሓተቱና። ካልኦት ዘዝተመደቡሉ ኺነግርዎም ከለዉ፡ ኣወንታዊ ሓሳባት ሃቡ። ኣነ፡ “ኮንጎ (ኪንሻሳ)” ምስ በልክዎም ግና፡ ሓንሳእ ሰገጥ ድሕሪ ምባል፡ “ዶ፧ ኮንጎ! በል፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን!” በሉኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኮንጎ (ኪንሻሳ) ብውግእን ብዕሱባትን ብቕትለትን ወትሩ ኣብ ዜና ትጥቀስ ነይራ እያ። ኣነ ግና ነቲ እተምሃርክዎ ትምህርቲ እሓስበሉ ነበርኩ። ካብቲ ኣብ መስከረም 1967 እተመረቕናሉ ነዊሕ ከይጸናሕና ድማ፡ ኣነን ሃይንሪኽ ዴንቦዝታልን ክሎድ ሊንዚን ናብ ኪንሻሳ ርእሲ ኸተማ ኮንጎ ነቐልና።

ሚስዮናውያን ንምስልጣን እትኸውን ብልጽቲ ዓዲ

ኣብ ኪንሻሳ ምስ በጻሕና፡ ንሰለስተ ወርሒ ቛንቋ ፈረንሳይኛ ኣጽናዕና። ካብኡ ናብታ ኣብ ደቡብ ኮንጎ ጥቓ ዶብ  ዛምብያ እትርከብ፡ ኣቐዲማ ኤሊሳቤትቪል እትብሃል ዝነበረት ከተማ ሉቡምባሺ ብነፋሪት ከድና። ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ናብ ዚርከብ ቤት ሚስዮናውያን እውን ኣቶና።

መብዛሕትኡ ኽፋል ሉቡምባሺ ዘይተተንከየ ኽሊ ስለ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኦም እቶም ነበርቲ ሓቂ ንምንጋር ናይ ፈለማ ሰባት ብምዃንና ተሓጒስና ኔርና ኢና። ነዊሕ ከይጸናሐ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ብምድላዮም፡ ንዅሎም ዚኸውን ግዜ ኣይነበረናን። ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ወይ ንኣባላት ፖሊስ እውን ንምስክረሎም ኔርና ኢና። ብዙሓት ንቓል ኣምላኽን ንዕዮ ስብከትናን ዓብዪ ኣኽብሮት ነይርዎም እዩ። እቶም ህዝቢ ብቐንዱ ቛንቋ ስዋሂሊ ይዛረቡ ብምንባሮም፡ ኣነን ክሎድ ሊንዚን ነቲ ቛንቋ እቲ ተምሃርናዮ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቋንቋ ስዋሂሊ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ተመደብና።

ብዙሕ ዜደንቕ ተመክሮታት እኳ እንተ ኣሎና፡ ጸገማት እውን የጓንፈና ነበረ። ብዙሕ ግዜ ዝሰኸሩ ወተሃደራት ወይ መሸገርቲ ኣባላት ፖሊስ ብሓሶት እናኸሰሱ ሽጉጦም ኣወጣዊጦምልና እዮም። ሓደ ግዜ፡ እተዓጥቁ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ኣብ ቤት ሚስዮናውያን እንገብሮ ኣኼባ ጉባኤ ተሃንዲዶም ድሕሪ ምእታው፡ ናብ መደበር ፖሊስ ወሰዱና፣ ኣብኡ ኸኣ ክሳዕ ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ኣብ ባይታ ኾፍ ኣቢሎምና ድሕሪ ምምሳይ፡ ክንከይድ ሓደጉና።

ብ1969፡ ናብ ዕዮ መገሻ ተመደብኩ። ኣብቲ ዕዮ ወረዳ ኸኣ፡ ኣብ ዝጨቀወ መገዲ ብመንጎ ጣሻ ንነዊሕ ርሕቀት ብእግረይ ክጕዓዝ ስለ ዝነበረኒ፡ ናብራ ኣፍሪቃ ጥዒመዮ እየ። ኣብ ሓንቲ ቝሸት፡ ደርሆ ምስ ጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ዓራተይ ሰፊራ እያ። ቅድሚ ምውጋሑ ቃቕ ቃቕ ኢላ ዘበራበረትኒ ኣጋጣሚ ድማ ከቶ ኣይርስዖን እየ። ምሸት  ኣብ ዙርያ መጋርያ ሓዊ ኾፍ ኢልና ምስ ኣሕዋት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘዕለልናሉ ባህ ዘብል ተዘክሮታት ኣሎኒ።

ሓደ ኻብቲ ዘጋጠመኒ ዓብዪ ጸገማት፡ ምስቶም ንምንቅስቓስ ኪታዋላ ዚድግፉ ናይ ሓሶት ኣሕዋት ዘጋጠመኒ ጕዳይ እዩ ነይሩ። * ገሊኣቶም ናብ ጉባኤታት ሰሊኾም ብምእታው፡ ሓላፍነታት ሒዞም ነይሮም እዮም። ብዙሓት ካብዞም “እተሓብኡ ኣኻውሕ፡” በቶም ናይ ሓቂ ኣሕዋትን ኣሓትን ተቓሊዖም እዮም። (ይሁ. 12) ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንጉባኤታት ኣጽረየን፡ ንዜገርም ዕቤት ከኣ መሰረት ኣንበረ።

ብ1971፡ ኣብቲ ኣብ ኪንሻሳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከገልግል ተመደብኩ፣ ኣብኡ ድማ ከም ምልእኣኽ ደብዳበታትን ምእዛዝ ጽሑፋትን ምቍጽጻር ምክትታል ጕዳይ ኣገልግሎትን ዝኣመሰለ በበይኑ ዕዮታት እዓዪ ነበርኩ። ብዙሕ ትሕተ ቕርጺ ኣብ ዘይብላ ዓባይ ሃገር ከመይ ጌርካ ነቲ ዕዮ ኸም እትውድቦ፡ ኣብ ቤት-ኤል ተማሂረ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብኣየር እተላእከ መልእኽቲ፡ ናብ ጉባኤታት ንምብጻሕ ኣዋርሕ ይወስድ ነይሩ እዩ። እቲ መልእኽቲ ኻብ ነፋሪት ናብ ጃለቡ ድሕሪ ምርጋፉ፡ እተን ጃለቡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ማይ ዚበቍል ኣትክልቲ ኪኸዳ ብዘይምኽኣለን ንሰሙናት ደው ይብላ ነይረን እየን። እዚ ጸገማት እዝን ካልእን እናሃለወ ኽነሱ ግና፡ እቲ ዕዮ ይዕየ ነይሩ እዩ።

ኣሕዋት ከመይ ገይሮም ብሒደት ገንዘብ ዓበይቲ ኣኼባታት ከም ዜዳልዉ ምስ ረኣኹ ተደኒቐ እየ። ንጕላ ጸሪቦም መድረኽ የዳልዉ፡ ንነዊሕ ሳዕሪ ድማ ከም መንደቕ ይጥቀሙሉ፡ ነቲ ሳዕሪ ብሓንሳእ ጠሚሮም እውን ኣብ ኮፍ መበሊኦም ከም መተርኣስ ይገብርዎ ነይሮም። ኣርቃይ ከም መዋቕር ቤት፡ ተንኮበት ከኣ ከም ናሕሲ ወይ ሰደቓ ገይሮም ይጥቀመሉ ነይሮም እዮም። መሳምር ስለ ዘይረኽቡ ኸኣ፡ ቅላጥ ኦም ቈራሪጾም ብእኡ ገይሮም ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ነዞም ሓቦኛታትን ብልሓተኛታትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ እየ ዘድንቖም። ኣዝየ እውን እየ ዝፈትዎም። ናብ ሓድሽ ምድብ ምስ ከድኩ፡ ብዙሕ እየ ናፊቐዮም።

ኣብ ኬንያ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት

ብ1974፡ ናብቲ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተቐየርኩ። ጨንፈር ኬንያ ንዕዮ ስብከት እቲ ኣብ ጐረባብቲ ዚርከባ ዓሰርተ ሃገራት ይድግፍ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ዕዮ ነይሩና እዩ፣ ኣብ ገሊአን ካብተን ሃገራት እውን ዕዮና ተኣጊዱ ነይሩ እዩ። ብተደጋጋሚ ኸኣ ናብተን ሃገራት እቲአን፡ ምናዳ ናብ ኢትዮጵያ እልኣኽ ነይረ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣሕዋትና ይስጐጉን ከቢድ ፈተናታት የሕልፉን ነይሮም እዮም። ብዙሓት ከቢድ ግፍዒ ኣሕሊፎም ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም እዮም፣ ገሊኦም እውን ተቐቲሎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ምስ የሆዋን ንሓድሕዶምን ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበሮም፡ ብተኣማንነት ጸኒዖም እዮም።

ብ1980፡ ገይል ማተሰን ንእትብሃል ካናዳዊት ምስ ተመርዓኽዋ፡ ኣብ ህይወተይ ደስ ዜብል ነገር ረኺበ እየ። ኣነን ገይልን ኣብ ጊልዓድ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኢና ተማሂርና። ደብዳበ ድማ ንጸሓሓፍ ኔርና ኢና። ገይል ሚስዮናዊት ኰይና ኣብ ቦሊቭያ እያ እተገልግል ነይራ። ድሕሪ 12 ዓመት፡ ኣብ ኒው ዮርክ ዳግም ተራኸብና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኣብ ኬንያ ተመርዓና። ንገይል በቲ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታኣን በቲ ኣብነታዊ ዝዀነ ዕግበታን ብዙሕ እየ ዘመስግና። ናይ ሓቂ ደጋፊትን ፈቃር ብጸይትን ኰይናትኒ እያ።

ብ1986፡ ኣነን ገይልን ኣብ ናብ ዕዮ መገሻ ተመደበና፣ ማዕረ ማዕሪኡ እውን ኣነ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ አገልግል ነበርኩ። እቲ ዕዮ መገሻ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ኬንያ ኣብ ዚርከባ ብዙሓት ሃገራት ምግልጋል የጠቓልል ነበረ።

ብ1992፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ እተገብረ ኣኼባ፡ መደረ እናኣቐረብኩ

ብ1992 ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ንዚግበር ኣኼባ ዞባ ምድላዋት ዝገበርናሉ እዋን ትዝ ይብለኒ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዕዮና ኣብኡ ኣይተኣገደን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንመአከቢ ዚኸውን ብደጊኡ ኽፉእ ዝትርኢቱ፡ ብውሽጡ እውን ዝገደደ ዳር ትርኢት ዝዀነ መኽዘን ጥራይ ኢና ኽንረክብ ክኢልና። ኣኼባ እንገብረላ ዕለት ምስ ኣኸለት፡ ኣሕዋት ንውሽጣዊ ኽፋል እቲ መኽዘን ከመይ ገይሮም ንኣምልኾ የሆዋ ዚበቅዕ ቦታ ገይሮም ከም ዝቐየርዎ ደንጽዩኒ እዩ። ካብ ብዙሓት ስድራ ቤታት ንመሰለሚ ዚኸውን ዓለባታት ብምምጻእ፡ ንዅሉ እቲ ኽፉእ ትርኢት ሸፈንዎ። 1,279 ተኣከብቲ እተረኽቡሉ ዜሐጕስን መሳጥን ኣኼባ ድማ ገበርና።

 ኣብ ዕዮ መገሻ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ንሓድር ብምንባርና፡ እዚ ንዓና ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ እተሰርሐ ብሉጽ ቪላ ሓዲርና ኢና፣ ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ፡ ኣብ ሰፈር ሰራሕተኛታት ብዚንጎ ኣብ እተሰርሐ ኽፍሊ ሓዲርና ኢና፡ ሽቓቑ እውን 100 ሜተር ርሒቕካ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ከነገልግል ዝኸድናዮ ቦታታት ብዘየገድስ ግና፡ ነቲ ምስ ቀናኣት ፈለምትን ኣስፋሕትን ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓልናሉ መዓልትታት ኢና ብጽቡቕ እንዝክሮ። ዚቕጽል ምድብ ኪውሃበና ኸሎ፡ ንብዙሓት እንፈትዎም ፈተውትና ሓዲግና ኢና እንኸይድ፣ ብዙሕ እውን ንናፍቖም ኢና።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ በረኸት

ኣብ መወዳእታ 1980ታትን ኣብ መጀመርታ 1990ታትን፡ ዕዮና ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ኬንያ ኣብ ዚርከባ እተፈላለየ ሃገራት ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓደስቲ ኣብያተ ጽሕፈት ጨናፍርን ሃገራትን ቈመ። ብ1993 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ከነገልግል ተመደብና። ኣብታ ሃገር እቲኣ ኸኣ ንሓያሎ ዓመታት ንጥፈታትና ብሕቡእ ኪካየድ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ንዕዮና ሕጋዊ ተፈላጥነት ተዋህቦ።

ብ1996፡ ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዕዮ መገሻ

የሆዋ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተገብረ ዕዮ ባሪኽዎ እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀሚሮም እዮም። ካብ 2012 ኣትሒዙ፡ ኣብ ዓዓመት ልዕሊ 20 ሚእታዊት እቶም ኣስፋሕቲ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዜድሊ ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፣ ልዕሊ 120 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ተሃኒጹ እዩ። ብ2004፡ ስድራ ቤት-ኤል ናብ ሓድሽ ህንጻ ግዒዙ እዩ፣ ኣብኡ ዚርከብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ እውን ተወሳኺ በረኸት ኰይኑና እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣነን ገይልን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥቡቕ ዕርክነት መስሪትና ኢና። ስለቲ ፍቕሮምን ለውሃቶምን፡ ብዙሕ ንፈትዎም ኢና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ጸገማት ጥዕና ኣጋጢሙና እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብ ጨንፈር ማእከላይ ኤውሮጳ ተመዲብና ኣለና። ኣብኡ ብፍቕሪ ኽንክን ይግበረልና እኳ እንተሎ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፍቑራት ፈተውትና ብዙሕ ንናፍቖም ኢና።

የሆዋ ኣብቊልዎ

የሆዋ ነቲ ዕዮ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብቍሎ ወይ ከም ዜዕብዮ ርኢና ኢና። (1 ቈረ. 3:6, 9) ንኣብነት፡ ነቶም ነሓሲ ኺዕድኑ ናብ ኮንጎ ዝመጹ ሩዋንዳውያን ክምስክረሎም ከለኹ፡ ኣብ ሩዋንዳ ጸብጻብ ዚህብ ዋላ ሓደ ኣስፋሒ ኣይነበረን። ሕጂ፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ልዕሊ 30,000 ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ብ1967፡ ኣብ ኮንጎ (ኪንሻሳ) ኣስታት 6,000 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ሕጂ፡ ኣስታት 230,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ፣ ኣብቲ ብ2018 እተባዕለ በዓል ዝኽሪ ኸኣ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ኬንያ ኣብ ዝነበራ ዅለን ሃገራት ድማ፡ ብዝሒ ኣስፋሕቲ ናብ ልዕሊ 100,000 በጺሑ ኣሎ።

ልዕሊ 50 ዓመት ይገብር፡ ኣነ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽጅምር፡ የሆዋ ብእተፈላለዩ ኣሕዋት ገይሩ ደጊፉኒ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ሓፋር እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ምግባር ግና ተማሂረ እየ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኸብክዎ ተመክሮ፡ ትዕግስትን ዕግበትን ከማዕብል ሓጊዙኒ እዩ። ኣነን ገይልን ነቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽን ሓቦኛታትን ብየሆዋ ዚእመኑን ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነድንቖም ኢና። ንጸጋ የሆዋ ብዙሕ አመስግነሉ እየ። የሆዋ ብሓቂ ኻብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ባሪኹኒ እዩ።—መዝ. 37:4

^ ሕ.ጽ. 11 ደሓር ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተባህለት፡ ሕጂ ድማ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ እትብሃል ዘላ።

^ ሕ.ጽ. 23 “ኪታዋላ” እትብል ቃል፡ “ምግዛእ፡ ምምራሕ፡ ወይ ምምሕዳር” ካብ ዝትርጉማ ቓል ስዋሂሊ እተወስደት እያ። ዕላማ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ፖለቲካዊ፡ ማለት ካብ በልጅዩም ናጽነት ንምርካብ እዩ ነይሩ። ጕጅለታት ኪታዋላ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይረኽቡን የጽንዕዎን ይዝርግሕዎን ነይሮም እዮም፣ ንፖለቲካዊ ኣረኣእያኦምን ንማሪታዊ ልምድታቶምን ንርኹስ ኣነባብራኦምን ከም ዚድግፍ ገይሮም ድማ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጠውይዎ ነይሮም እዮም።