ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

 ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”—ማቴ. 28:19

መዝሙር 60 ህይወት ነድሕን

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:18-20 ዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ቀዳማይ ተልእኾ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ሃዋርያት ኣብ ሓደ ኸረን ኪእከቡ ኸለዉ፡ ልዑል ትጽቢት ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ እዩ ኣብቲ ቦታ እቲ ኺእከቡ ቘጸራ ገይሩሎም። (ማቴ. 28:16) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ እዩ “ኻብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእይዎም።” (1 ቈረ. 15:6) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብሓደ ኺእከቡ ዝጸውዖም ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ዜደንቕ ተልእኾ ኺህቦም ኢሉ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ተልእኾ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”—ማቴዎስ 28:18-20 ኣንብብ።

2 እቶም ቃላት የሱስ ዝሰምዑ ደቀ መዛሙርቲ፡ ክፍሊ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም እዮም። ቀንዲ ተልእኾ እታ ጉባኤ እቲኣ፡ ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ * ምግባር እዩ ነይሩ። ሎሚ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ናይ ሓቂ ክርስትና ዚስዕባ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጉባኤታት ኣለዋ፣ ቀንዲ ተልእኾ እዘን ጉባኤታት እዚአን እውን ካብቲ ናይ ቀደም እተፈልየ ኣይኰነን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣርባዕተ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ኵሎም ክርስትያናት፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እጃም ኣለዎም ድዩ፧ ኣብዚ ዕዮ እዚ ትዕግስቲ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

 ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3. ብመሰረት ዮሃንስ 14:6⁠ን 17:3⁠ን፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ጥራይ እዮም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚኽእሉ። ብተወሳኺ፡ እቶም ንክርስቶስ ዚስዕብዎ ዘበሉ ሕጂ ህይወቶም የመሓይሹ እዮም፣ ንመጻኢ ድማ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎም። (ዮሃንስ 14:6፣ 17:3 ኣንብብ።) እምበኣር፡ የሱስ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዩ ሂቡና፣ ኰይኑ ግና፡ ነዚ ዕዮ እዚ በይንና ኣይኰንናን እንዓይዮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ገሊኦም መገላግልቱን፡ “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 3:9) የሆዋን ክርስቶስንሲ ንዘይፍጹማት ሰባት ብሓቂ ዓብዪ መሰል እዮም ሂቦምዎም!

4. ካብ ተመክሮ ኢቫንን ማቲልዴን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

4 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ብዙሕ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ተመክሮ እቶም ኣብ ኮሎምብያ ዚነብሩ ኢቫንን ብዓልቲ ቤቱ ማቲልዴን እስከ ንርአ። ንሳቶም፡ ዳቭየር ንዝስሙ መንእሰይ መስከሩሉ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ህይወተይ ለውጥታት ክገብር እደሊ እየ፡ ግናኸ ኣይከኣልኩን” በሎም። ዳቭየር ተጓሳጣይ እዩ ነይሩ፣ ሓሽሽ ይወስድ፡ ብዙሕ ይሰቲ፡ ኢሪካ ምስ ዝስማ ዓርኩ እውን ይነብር ነይሩ እዩ። ኢቫን ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገራት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብታ ግልልቲ ቝሸቱ እናኸድና ኽንበጽሖ ጀሚርና፣ ከምኡ ንምግባር ንሓያሎ ሰዓታት በቲ ጭቃ ዝመልኦ መገዲ ብብሽክለታ ኽንጐዓዝ ነይሩና። ኢሪካ ኣብ ጠባይን ኣረኣእያን ዳቭየር ምምሕያሽ ምስ ረኣየት፡ ንሳ እውን ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጸምቢራትና” ይብል። ጸኒሑ ዳቭየር፡ ሓሽሽን መስተን ጕስጥን ሓደጎ። ንኢሪካ እውን ተመርዓዋ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ማቲልዴ ኽትገልጽ ከላ፡ “ዳቭየርን ኢሪካን ብ2016 ምስ ተጠምቁ፡ ‘ኣብ ህይወተይ ለውጥታት ክገብር እደሊ እየ፡ ግናኸ ኣይከኣልኩን’ ይብል ከም ዝነበረ ዘኪርና። ንብዓትና ድማ ክንዓግቶ ኣይከኣልናን” ትብል። ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኽንሕግዞም ከለና፡ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና።

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧

5. ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እንወስዶ ቐዳማይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

5 ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እንወስዶ ቐዳማይ ስጕምቲ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ‘ምድላይ’ እዩ። (ማቴ. 10:11) ንዅሎም እንረኽቦም ሰባት ብምምስካር፡ ብሓቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነቲ ክርስቶስ ክንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ብምስዓብ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

6. ኣብ ኣገልግሎት ዕዉታት ንምዃን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

6 ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ንምፍላጥ ሃንቀውታ ኣለዎም፣ ብዙሓት ሰባት ግና ኣብ ፈለማ ግዲ ዘይብሎም እዮም ዚመስሉ። ንተገዳስነቶም ከነለዓዕሎ የድሊ ይኸውን። ኣብ ኣገልግሎት ዕዉታት ንምዃን፡ ብግቡእ ዝሓሰብናሉ ስልቲ ኺህልወና ኣለዎ። ስለዚ፡ ነቶም እትረኽቦም ሰባት ኬገድሶም ዚኽእል ርእሰ ነገራት ሕረ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ መእተዊ ኸም እትገብረሉ መድብ።

7. ምስ ሰብ ከመይ ጌርካ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል፧ ንሰብ ምስማዕን ርእይቶኡ ምኽባርን ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

7 ንኣብነት፡ ንሓደ ብዓል ቤት፡ “ብዛዕባ ሓደ ነገርዶ ርእይቶኻ ምሃብካኒ፧ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ይጸሉ እዩ። ናይ ዓለም ጸገማት ንምፍታሕ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ተድሊዶ ይመስለካ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብመሰረት ዳንኤል 2:44 ጌርካ ኸተመያይጦ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ንሓደ ሰብ፡ “እዱባት ቈልዑ ንምዕባይ ዚሕግዝ ወሳኒ ነገር እንታይ ይመስለካ፧ ርእይቶኻ ኽሰምዕ ምፈቶኹ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብመሰረት ዘዳግም 6:6, 7 ጌርካ ኸተመያይጦ ትኽእል ኢኻ። ክትመያየጠሉ እትሓርዮ ርእሰ ነገር እዚ ይኹን  እቲ፡ ብዛዕባ እቶም ዚሰምዑኻ ሰባት ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ምፍላጦም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጠቕሞም ብኣእምሮኻ ስኣል። ምሳታቶም ክትዛራረብ ከለኻ፡ ስምዓዮም፡ ርእይቶኦም ድማ ኣኽብረሎም። በዚ ኸምዚ፡ ብዝያዳ ኽትርድኦም ኢኻ፣ ንሳቶም እውን ብዝያዳ ኺሰምዑኻ እዮም።

8. ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ክንሕለል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

8 ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ቅድሚ ምውሳኑ፡ ግዜኻን ጕልበትካን ወፊኻ ተመላሊስካ ኽትበጽሖ የድሊ ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሰባት ተመሊስና ኽንበጽሖም ኣብ እንኸደሉ ግዜ፡ ኣብ ገዛኦም ኣይርከቡን ይዀኑ። ብተወሳኺ ድማ፡ ሓደ ብዓል ቤት ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ቕድሚ ምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ተመላሊስካ ኽትበጽሖ ይደሊ ይኸውን። ተኽሊ ብስሩዕ ማይ እንተ ሰትያ እያ እትዓቢ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንሓደ ተገዳሲ ብስሩዕ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምይይጥ እንተ ጌርናሉ እዩ እታ ንየሆዋን ንክርስቶስን ዘላቶ ፍቕሪ እትዓቢ።

ኵሎም ክርስትያናት፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እጃም ኣለዎም ድዩ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚግብኦም ሰባት ኣብ ምድላይ ይሳተፉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ) *

9-10. ኵሉ ክርስትያን ኣገልጋሊ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ኣብ ምርካብ ይሳተፍ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

9 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣገልጋሊ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ኣብ ምርካብ እጃም ኣለዎ። ነዚ ዕዮ እዚ ንዝጠፍአ ውሉድ ምስ ምርካብ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ብሓቂ ዘጋጠመ ዛንታ እስከ ንርአ። ሓደ ወዲ ሰለስተ ዓመት ሕጻን፡ ካብ ገዛኡ ጠፍአ። ንዕኡ ንምርካብ፡ ኣስታት 500 ሰባት ኪደልይዎ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ካብቲ እቲ ቘልዓ ዝጠፍኣሉ ድሕሪ 20 ሰዓት ኣቢሉ፡ ኣብ ግራት ዕፉን ተረኸበ። እቲ ዝረኸቦ ሰብ፡ ነቲ ቘልዓ ብምርካቡ በይኑ ኺምስገን ኣይደለየን። የግዳስ፡ “ንዕኡ ንምርካብ ኣማእታት ሰባት እዮም ጽዒሮም” በለ።

10 ብዙሓት ሰባት ከምቲ ሕጻን ጠፊኦም እዮም ዘለዉ። ተስፋ የብሎምን፣ ሓገዝ ግና ይደልዩ እዮም። (ኤፌ. 2:12) ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ከኣ ንዚግብኦም ሰባት ኣብ ምድላይ ንሳተፍ ኣለና። ምሳኻ መጽናዕቲ  መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብር ሰብ ኣይትረክብን ትኸውን። ኣብቲ ኽሊ እቲ ዜገልግሉ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ግና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኺምሃር ዚደሊ ሰብ ይረኽቡ ይዀኑ። ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን ዚደሊ ሰብ ምስ ዚረክብ፡ ንዕኡ ኣብ ምድላይ እተሳተፈ ዘበለ ዅሉ ይሕጐስ እዩ።

11. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እኳ እንተ ዘየለኻ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ከመይ ጌርካ ኽትሕግዝ ትኽእል፧

11 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እኳ እንተ ዘየለኻ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ግና ብኻልእ መገድታት ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደስቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጹ ኸለዉ፡ ሓንጐፋይ ኢልካ ኽትቅበሎምን ክትተዓራረኾምን ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ፍቕሪ ምስ እተርእዮም ከኣ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃንና ኼለልዩ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃ. 13:34, 35) ኣብ ኣኼባታት እትህቦ ሓጺር መልሲ እውን፡ ንሓደስቲ ሰባት እምነቶም ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ብኸመይ ከም ዚገልጹ ይምህሮም እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንሓድሽ ኣስፋሒ ናብ ኣገልግሎት ሒዝካዮ ኽትከይድ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚምህር እውን ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንክርስቶስ ኪመስሎ ኢኻ እትምህሮ ዘለኻ።—ሉቃ. 10:25-28

12. ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ፍሉይ ክእለት የድልየካ ድዩ፧ ግለጽ።

12 ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ንምምሃር ፍሉይ ክእለት ከም ዜድልየና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ስለምንታይ፧ ኣብነት እታ ኣብ ቦሊቭያ እትነብር ፋውስቲና እስከ ንርአ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ከተንብብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ካብኡ ንነጀው ግና፡ ብእተወሰነ ኸተንብብ ክኢላ እያ። ሕጂ ጥምቕቲ እያ፣ ንኻልኦት ምምሃር እውን የሐጕሳ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ሰሰሙን ሓሙሽተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እያ። ፋውስቲና ዘለዋ ናይ ንባብ ክእለት ማዕረ መብዛሕትአን ተምሃሮኣ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንሽዱሽተ ሰባት ግና ናብ ጥምቀት ኪበጽሓ ሓጊዛ እያ።—ሉቃስ 10:21

13. ብዙሕ ሓላፍነታት እኳ እንተ ኣሎና፡ ገለ ኻብቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብምስታፍ ዚርከብ በረኸት እንታይ እዩ፧

13 ብዙሓት ክርስትያናት ብዙሕ ኣገዳሲ ሓላፍነታት ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ግዜ ይምድቡ እዮም፣ ካብኡ እውን ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። ኣብነት እታ ኣብ ኣላስካ እትነብር መላኒ እስከ ንርአ። ንሳ ነታ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓላ በይና እያ እተዕብያ ነይራ። ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ከኣ ትሰርሕ ነይራ እያ፣ መንሽሮ ንዘለዎ ወላዲ እውን ትኣሊ ነይራ እያ። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ግልልቲ ኸተማ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንሳ በይና ጥራይ እያ ነይራ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ድሌት ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ቝሪ ተጻዊራ ኽትሰብኽ ዜኽእል ብርታዐ ንምርካብ ትጽሊ ነይራ እያ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ምስ ሴራ ተራኸበት፣ ሴራ ድማ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብምፍላጣ ኣዝያ ተሓጐሰት። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ሴራ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀነት። ብዛዕባ እዚ፡ መላኒ ኸምዚ ትብል፦ “ዓርቢ  ምሸት፡ ብዙሕ ድኻም ዚስምዓኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነን ጓለይን መጽናዕቲ ንምምራሕ ብምኻድና ተጠቒምና ኢና። ንሕቶታት ሴራ መልሲ ንምርካብ ምርምር ምግባር ንፈትዎ ኔርና ኢና፣ ንሳ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ምርኣይና እውን ብዙሕ ባህ ኢሉና እዩ።” ድሕርዚ፡ ሴራ ነቲ ዘጋጠማ ተቓውሞ ብትብዓት ሰገረቶ፡ ካብ ቤተ ክርስትያና ወጸት፡ ድሕሪኡ እውን ተጠምቀት።

ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር፡ ትዕግስቲ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

14. (ሀ) ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምስ ምግፋፍ ዓሳ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ፡ ኣባኻ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

14 ኣገልግሎትካ ዘየፍሪ እኳ እንተ መሰለ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰባት ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምስ ምግፋፍ ዓሳ ኸም ዘመሳሰሎ ኣይትረስዕ። ገፈፍቲ ዓሳ ንሓያሎ ሰዓታት ምስ ጸዓሩ እዮም ዓሳ ዚሕዙ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስ መሰየ ወይ ገና ኸይወግሐ እዮም ዚዓይዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ርሒቖም ኪፍትኑ ኣለዎም። (ሉቃ. 5:5) ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ እተፈላለየ እዋናትን ኣብ በበይኑ ቦታታትን ብትዕግስቲ ንነዊሕ ሰዓታት “ኪገፍፉ” ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ንሰባት ንምርካብ ዘለዎም ኣጋጣሚ ምእንቲ ኼስፍሑ ኢሎም እዮም። እቶም ብዙሕ ጻዕሪ ዚገብሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልእኽትና ዚግደሱ ሰባት ስለ ዚረኽቡ፡ ዓስቦም ይረኽቡ እዮም። እሞኸ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ሰዓታት ወይ ቦታታት ክትሰብኽ ምኸኣልካዶ፧—2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2 ኣንብብ።

ንተምሃሮኻ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ብትዕግስቲ ሓግዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ትዕግስቲ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

15 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ትዕግስቲ  ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ነቲ ተምሃራይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰረተ እምነታት ኪፈልጥን ኪፈትዎን ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ኽንገብር ስለ ዜድልየና እዩ። እወ፡ ነቲ ተምሃራይ፡ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ምእንቲ ኺፈልጦን ምእንቲ ኼፍቅሮን ኽንሕግዞ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዚጽበ ኽንምህሮ፡ ከም ናይ ሓቂ ክርስትያን መጠን ብኸመይ ህይወቱ ኺመርሕ ከም ዚግብኦ እውን ከነፍልጦ ኣሎና። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኪቃለስ ከሎ ኸኣ፡ ብትዕግስቲ ኽንሕግዞ ኣሎና። ገሊኣቶም ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ኣተሓሳስባኦምን ልማዳቶምን ይቕይሩ እዮም። ገሊኣቶም ግና ነዊሕ ግዜ ይወስደሎም እዩ።

16. ካብ ተመክሮ ራውል እንታይ ተማሂርካ፧

16 ኣብ ፐሩ ዜገልግል ሓደ ሚስዮናዊ፡ ጥቕሚ ትዕግስቲ ዜርኢ ተመክሮ ኣለዎ። እቲ ሚስዮናዊ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ራውል ምስ ዝስሙ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ መጻሕፍቲ ኣጽኒዐ እየ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ህይወቱ ኸቢድ ጸገማት ነይርዎ እዩ። ሕማቕ ሓዳር ነይርዎ፡ ጽዩፍ ቋንቋ የዘውትር ነይሩ፡ ደቁ እውን ኣየኽብርዎን እዮም ነይሮም። ናብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ይመጽእ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ንምሕጋዝ ብቐጻሊ እኸዶ ነይረ እየ። ካብቲ እተራኸብናሉ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ፡ ንጥምቀት ኪበቅዕ ክኢሉ እዩ።”

17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

17 የሱስ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዙና እዩ። ነቲ መዝነት እቲ ንምፍጻም፡ ካብ ኣተሓሳስባና ኣመና እተፈልየ ኣተሓሳስባ ንዘለዎም ሰባት ክንዛረቦም ኣሎና፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ሃይማኖት ዘይብሎም ወይ ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ከመይ ጌርና ኽንነግሮም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 68 ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝራእ

^ ሕ.ጽ. 5 ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዋ ቐዳማይ ተልእኾ፡ ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ምሕጋዝ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ተልእኾና እዚ ኽንፍጽም ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ሒዛ ኣላ።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ትምህርትታት የሱስ ኪምሃሩ ጥራይ ኣይኰኑን ዚጽዕሩ። ኣብ ግብሪ እውን የውዕልዎ እዮም። ብእተኻእሎም መጠን፡ ኣስኣሰር ወይ ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ይጽዕሩ እዮም።—1 ጴጥ. 2:21

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ናብ ዕረፍቲ ዚኸይድ ሰብኣይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኻብ ዝረኸቦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፍ ይወስድ። ደሓር ኣብ ዕረፍቱ ኸሎ፡ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግህዶ ምስክርነት ኪህቡ ይርኢ። ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ገዛኡ ይዅሕኵሑ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ እቲ ሰብኣይ እቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ይኸውን። ኣብ መወዳእታ፡ ይጥመቕ።