ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ሓምለ 2017

“ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ”

“ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ”

“ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን።” —1 ተሰ. 5:11

መዝሙር፦ 90, 111

1, 2. ንዝሓዘኑ ብኸመይ ከም እነጸናንዖም ክንመያየጥ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሱሲ፡ “ወድና ምስ ሞተ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዚኸውን፡ ከቢድ ስቓይ ይስምዓና ነይሩ” በለት። ካልእ ክርስትያን ሓው ድማ፡ ሰበይቱ ሃንደበት ምስ ሞተት፡ “ኪግለጽ ዘይከኣል ኣካላዊ ስቓይ” ከም እተሰምዖ ገለጸ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ብዙሓት ካልኦት ሰባት እውን ከምዚ ዓይነት ስቓይ የሕልፉ እዮም። ብዙሓት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ቅድሚ ኣርማጌዶን ሰቦም ኪሞቶም ከም ዚኽእል ኣይሓስቡን እዮም። እንተዀነ ግና፡ ሰብካ ሞይትካ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ወይ ከኣ ብሞት ሰቡ ዝሓዘነ ሰብ ትፈልጥ ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ‘ሓዘንተኛ መጸናንዒ ኺረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

2 ኵሉ ቝስሊ ድሕሪ ግዜ ኸም ዚሓዊ ሰባት ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብሓቂዶ ግዜ ባዕሉ ንእተደቝሰ ልቢ ኼሕውዮ ይኽእል እዩ፧ ሓንቲ መበለት፡ “ንሓደ ሰብ ብዝያዳ ዜሕውዮ እቲ ንግዜ ዚጥቀመሉ መገዲ እዩ” በለት። እወ፡ ስምዒታዊ ቝስሊ ድሕሪ ግዜ ኺሓዊ ዚኽእል፡  ልክዕ ከም ኣካላዊ ቝስሊ ኽንክን እንተ ተገይሩሉ እዩ። ስቓይ እቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ኼፍኵስ ዚኽእል ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

የሆዋ—“ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”

3, 4. የሆዋ፡ ዝሓዘነ ሰብ ዚስምዖ ስቓይ ከም ዚርዳእ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ቀንዲ ምንጪ ምጽንናዕ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኸም ዝዀነ ርዱእ እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) እቲ ቐንዲ ኣብነት ድንጋጸ ዝዀነ የሆዋ ንህዝቡ፡ “ኣነ ባዕለይ እየ ዘጸናንዓኩም” ኢሉ መረጋገጺ ሂብዎም እዩ።—ኢሳ. 51:12፣ መዝ. 119:50, 52, 76

4 እቲ ኣቦ ርሕራሐ ዝዀነ ኣምላኽና ኸም እኒ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ሙሴን ንጉስ ዳዊትን ዝኣመሰሉ ፈተውቱ ሞይቶምዎ እዮም። (ዘሁ. 12:6-8፣ ማቴ. 22:31, 32፣ ግብ. 13:22) ቃል ኣምላኽ፡ የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም ካብ ምዉታት ዜተንስኣሉ ግዜ ብናፍቖት ከም ዚጽበ ይገልጽ እዩ። (እዮ. 14:14, 15) ንሳቶም ምስ ተንስኡ፡ ሕጉሳትን ሰብ ምሉእ ጥዕናን ኪዀኑ እዮም። እቲ ‘ኣዝዩ ዚፍቶ’ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ እውን ተሳቕዩ ሞይቱ እዩ። (ምሳ. 8:22, 30) እቲ የሆዋ በዚ ምኽንያት እዚ እተሰምዖ ስቓይ ከኣ ብቓላት ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን።—ዮሃ. 5:20፣ 10:17

5, 6. የሆዋ ኼጸናንዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ልብና ኣፍሲስና ብዛዕባ እቲ ዚስምዓና ሓዘን ብጸሎት ንዕኡ ኻብ ምንጋር ድሕር ምሕር ክንብል የብልናን። የሆዋ ስቓይና ኸም ዚርድኣልናን ከም ዜጸናንዓናን ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ዜጸናንዓና ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣምላኽ ንዓና ዚሕግዘሉ ሓደ መገዲ፡ “ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ” ኣቢሉ እዩ። (ግብ. 9:31) እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ሓያል ምንጪ ምጽንናዕ እዩ። የሱስ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኡ ‘ንዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም’ ቃል ኣትዩ እዩ። (ሉቃ. 11:13) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሱሲ፡ “ብዙሕ ሳዕ ተምበርኪኽና የሆዋ ኼጸናንዓና ለሚንና ኢና። ኵሉ ሳዕ ከኣ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ሓልይዎ እዩ” በለት።ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።

የሱስ—ዚድንግጸልና ሊቀ ኻህናት

7, 8. የሱስ ከም ዜጸናንዓና ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብቓሉን ብግብሩን ድንጋጸ ወይ ርሕራሐ የሆዋ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃ. 5:19) የሱስ፡ “ስቡር ንዝልቦም”ን “ንዅሎም ሕዙናት”ን ኬጸናንዕ እዩ ተላኢኹ ነይሩ። (ኢሳ. 61:1, 2፣ ሉቃ. 4:17-21) ስለዚ፡ ስቓይ ሰባት ዚርድኦን ካብ ስቓዮም ኪገላግሎም ልባዊ ድሌት ዘለዎን ርሕሩሕ ሰብ እዩ ነይሩ።—እብ. 2:17

8 የሱስ ብንእስነቱ፡ ቤተ ሰቡን ዚፈልጦም ሰባትን ከም ዝሞትዎ ርዱእ እዩ። እቲ ዘዕበዮ ዮሴፍ፡ የሱስ መንእሰይ ከሎ እዩ ሞይቱ ኪኸውን ዚኽእል። * እቲ ዀተቴ ወይ ከኣ ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል የሱስ ኰነ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኣሓቱን እተሰምዖም ሓዘን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።

9. ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ድንጋጽ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ንሰባት ብሓቂ ዚርዳእን ዚድንግጽን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ዚፈትዎ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ዘጋጠመ ነገር እሞ ርአ። የሱስ ንኣልኣዛር ከም ዜተንስኦ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ማርያምን ማርታን  እተሰምዐን ከቢድ ሓዘን ግና ተረዲእዎ ነበረ። ኣዝዩ ስለ ዝደንገጸለን ከኣ ነብዐ።—ዮሃ. 11:33-36

10. የሱስ ሎሚ እውን ከም ዚድንግጸልና ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 እቲ የሱስ እተዛረቦ ዜጸናንዕ ቃላት ሎሚ ንዓና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ” ይብለና። (እብ. 13:8) እቲ “ቐንዲ ወኪል ህይወት” ክንሓዝን ከለና ኸመይ ከም ዚስምዓና ስለ ዚርድኦ፡ “ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይኽእል እዩ።” (ግብ. 3:15፣ እብ. 2:10, 18) ስለዚ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ክርስቶስ ስቓይ ካልኦት ከም ዚትንክፎ፡ ሓዘኖም ከም ዚስምዖ፡ “ብግዜኡ” ድማ መጸናንዒ ኸም ዚህቦም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።እብራውያን 4:15, 16 ኣንብብ።

‘ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’

11. ዜጸናንዓ ዀይነን እተሰምዓኻ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየኖት እየን፧

11 እቲ ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ኣዝዩ ኸም ዝሓዘነ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብዙሕ ዜጸናንዕ ጥቕስታት እዩ። እወ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ዜጸናንዕ ጥቕስታት ኣሎ። እዚ ድማ ኣየገርመናን እዩ፣ ምኽንያቱ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) ንስኻ እውን ትሓዝን እንተ ኣሊኻ፡ እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ፦

  • “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝ. 34:18, 19

  • “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”—መዝ. 94:19

  • “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን . . . ንልብኹም የጸናንዕዎን የጽንዕዎን።”—2 ተሰ. 2:16, 17 *

ጉባኤ—ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ

12. ንኻልኦት ምንጪ ምጽንናዕ ክንከውን እንኽእለሉ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ንዝሓዘኑ እተጸናንዕ ካልእ ምንጪ ምጽንናዕ እያ። (1 ተሰሎንቄ 5:11 ኣንብብ።) ነቶም “ስቡር መንፈስ” ዘለዎም ከተበርትዖምን ከተጸናንዖምን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ምሳ. 17:22) “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ” ንዚብል ጥቕሲ ኽንርስዖ የብልናን። (መክ. 3:7) ዳሊን ዝስማ መበለት፡ “ብሞት ሰቦም ዝሓዘኑ ሰባት ሓሳቦምን ስምዒቶምን ኪገልጹ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ንሓደ ዝሓዘነ ሰብ ክትገብረሉ እትኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ዘረባኡ ኸይኰለፍካ ጽን ኢልካ ምስማዑ እዩ” በለት። ሓዋ ርእሱ ብምቕታሉ ሓዘን ዘጋጠማ ዩኒያ ድማ ከምዚ በለት፦ “ሓዘኖም ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣካ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር ስምዒቶም ክትርዳእ ምድላይካ እዩ።”

13. ብዛዕባ ሓዘን እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

13 ኵሉ ሰብ ዚስምዖ ሓዘንን ሓዘኑ ዚገልጸሉ መገድን ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ሓድሓድ ግዜ፡ ኣብ ልብና ዚስምዓና ስቓይ ምግላጹ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ልቢ ንምረቱ ይፈልጦ፣ ካልእ ከኣ ኣብ ሓጐሱ ኣይካፈልን” ይብለና። (ምሳ. 14:10) ሓደ ሰብ ከመይ ከም ዚስምዖ ምስ ገለጸ እውን፡ እቶም ዝሰምዕዎ ሰባት እንታይ ኪብል ከም ዝደለየ ምርዳእ ኬሸግሮም ይኽእል እዩ።

14. ሰቦም ንዝሞቶም ሕዙናት፡ ዜጸናንዕ ቃላት ክንዛረቦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 14 ስለዚ፡ ኣዝዩ ንዝሓዘነ ሰብ እንታይ ከም እንብሎ ኺጠፍኣና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልሳን ጥበበኛታት . . . የሕዊ” ይብለና። (ምሳ. 12:18) ብዙሓት ሰባት ኣብታ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ዘርእስታ ብሮሹር ንኻልኦት ኬካፍልዎ ዚኽእሉ ብዙሕ ዜጸናንዕ ሓሳባት ረኺቦም እዮም። * መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ‘ምስቶም ዚበኽዩ ምብካይካ’ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:15) ጋቢ ዝስማ ሰብኣያ ዝሞታ ሓብቲ፡ “ንብዓት፡ ቋንቋ ልበይ ኰይኑለይ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ፈተውተይ ምሳይ ኰይኖም ኪበኽዩ ኸለዉ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ በይነይ ዝሓዝን ዘለኹ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ” በለት።

15. ናብ ሕዙናት ብኣካል ኬድና ዜጸናንዕ ቃላት ምዝራብ ምስ ዚኸብደና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (“ ዜጸናንዕ ቃላት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

15 ናብ ሕዙናት ብኣካል ኬድካ ዜጸናንዕ ቃላት ምዝራብ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ሓዘንካ ንምግላጽ ካርድ፡ ኢ-መይል፡ መልእኽቲ ሞባይል፡ ወይ ደብዳበ ኽትልእከሎም ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ እተጸናንዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጠቕሰሎም፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ዝነበሮ ፍሉይ ባህርይ ወይ ከኣ ምስኡ ብዛዕባ ዘሕለፍካዮ ደስ ዜብል ግዜ ዘሎካ ተዘክሮ ኽትጽሕፈሎም ትኽእል ኢኻ። ዩኒያ፡ “ዜተባብዕ ሓጺር መልእኽቲ ወይ ክርስትያን ብጾተይ ምሳታቶም ግዜ ኼሕልፍ ዜቕርቡለይ ዕድመ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዝረኸብኩ ተሰሚዑኒ እዩ” በለት።

16. ንሕዙናት ከነጸናንዕ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧

16 ጸሎትና እውን ንዝሓዘኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኬጸናንዕ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዜሕዝን  ህሞት እቲ ብጸሎት ሓሳባትካ ምግላጽ ኪኸብደካን ብኽያት ሕንቕንቕ ኪብለካን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ምእንቲ እቲ ዝሓዘ ሰብ እተቕርቦ ልባዊ ጸሎት ብዙሕ ኬጸናንዖ ይኽእል እዩ። ዳሊን ከምዚ በለት፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣሓት ኬጸናንዓኒ ኢለን ኪመጻ ኸለዋ፡ ኪጽልያለይ ዚኽእላ እንተ ዀይነን እሓትተን እየ። ኣብ ፈለማ ብኽያት ሕንቕንቕ ይብለንን ምጽላይ ይኸብደንን እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ግና ኣብ ጸሎተን እተወሰነ ምሉእ ሓሳባት ምስ ተዛረባ ድምጸን እናበርትዐ እዩ ዚኸይድ፡ ልባዊ ጸሎት ድማ ይጽልያ እየን። እምነተንን ፍቕረንን ሓልዮተንን ንእምነተይ ብዙሕ ኣደልዲልዋ እዩ።”

ወትሩ ኣጸናንዕ

17-19. ንሕዙናት ብቐጻሊ ኸነጸናንዖም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ኪሓዝን ከም ዘለዎ ምውሳን ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ፡ ኣብተን ፈተውትን ኣዝማድን ንሕዙናት ዜጸናንዑለን ናይ መጀመርታ መዓልትታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ሰብ ኵሉ ናብ ንቡር ህይወቱ ምስ ተመልሰ እውን ንእተወሰነ ኣዋርሕ ካብ ሕዙናት ክንፍለ የብልናን። ከመይሲ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።” (ምሳ. 17:17) ንሕዙናት ሓዘኖም ክሳዕ ዚኽእሉ ኻብ ጐድኖም ከይተፈለና ብዙሕ ከነጸናንዖም ኣሎና።1 ተሰሎንቄ 3:7 ኣንብብ።

18 ሓደ ሓዘንተኛ፡ ዝኽሪ ዕለት መርዓ፡ ሙዚቃ፡ ስእሊ፡ ዝዀነ ዓይነት ዕዮ፡ ካልእ ከይተረፈ እውን ጨናን ድምጽን ወቕቲ ዓመትን ነቲ ዝሞተ ሰብ ኬዘኻኽሮ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኪሓዝን ይኽእል እዩ። መጻምድቶም ዝሞቶም ሰባት ዝዀነ ይኹን ነገር ንፈለማ እዋን በይኖም ኪገብሩ ኸለዉ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ወይ ኣብ በዓል ዝኽሪ ንፈለማ እዋን ንበይኖም ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ኪሓዝኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓው፡ “ኣብታ ብዓልቲ ቤተይ ምስ ሞተት ዝነበረት ናይ መጀመርታ ዝኽሪ ዕለት መርዓና ብዙሕ ከም ዝሓዝን ተረዲኡኒ ነይሩ። ቀሊል ከኣ ኣይነበረን። እተወሰኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ግና ኣብታ መዓልቲ እቲኣ በይነይ ምእንቲ ኸይከውን ዚቐርቦም ኣዕሩኽተይ ምሳይ ግዜ ኼሕልፉ ኣቐዲሞም መዲቦም ነይሮም እዮም” በለ።

19 ሕዙናት መተባብዒ ዜድልዮም ኣብ ፍሉይ እዋናት ጥራይ ከም ዘይኰነ ግና ኣይትረስዕ። ዩኒያ ኸምዚ በለት፦ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፍሉይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ዘይብሉ እዋናት እትረኽቦ ሓገዝን ምሕዝነትን ብዙሕ ይጠቅም እዩ። እዚ ብወዝቢ ዚግበር ነገራት ጽቡቕን ኣዝዩ ዜጸናንዕን እዩ።” ሓቂ እዩ፡ ንዅሉ እቲ ሓዘንተኛ ዚስምዖ ሓዘን ኰነ ጽምዋ ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና፣ ግብራዊ ዝዀነ ስጕምትታት ብምውሳድ ግና ከነጸናንዕ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 3:18) ጋቢ ኸምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ንየሆዋ ስለ እቶም ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ዝሓገዙኒ ፈቃራት ሽማግለታት ኣዝየ አመስግኖ እየ። ኣብ ሕቝፊ የሆዋ ኸም ዘለኹ ዀይኑ ኺስምዓኒ ሓጊዞምኒ እዮም።”

20. ተስፋታት የሆዋ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ ዝዀነና ስለምንታይ እዩ፧

20 ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ክርስቶስ ሰሚዖም ምስ ወጹ፡’ እቲ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ ዝዀነ የሆዋ ንዅሉ ሓዘን ኬወግዶን ነባሪ መጸናንዒ ኼምጽእን እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29) ኣምላኽ፡ “ንሞት ንዘለኣለም ኬጥፍኦ እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።” (ኢሳ. 25:8፡ እ.ጽ.) ድሕሪኡ፡ ኵሎም ነበርቲ ምድሪ፡ ‘ምስቶም ዚበኽዩ ኺበኽዩ’ ዘይኰኑስ፡ ‘ምስቶም ዚሕጐሱ ኺሕጐሱ’ እዮም።—ሮሜ 12:15

^ ሕ.ጽ. 8 ዮሴፍ ንመወዳእታ እዋን እተጠቕሰ፡ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ እዩ። የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ብምቕያር ናይ መጀመርታ ተኣምር ኪገብር ከሎ ዀነ ብድሕሪኡ ዮሴፍ ኣይተጠቕሰን። የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ምስ ተሰቕለ ድማ፡ ንሃዋርያ ዮሃንስ ንኣዲኡ ኪከናኸነሉ ሕድሪ ሂብዎ እዩ። ዮሴፍ ብህይወት እንተ ዚህሉ፡ የሱስ ምናልባት ከምኡ ኣይምገበረን ነይሩ።—ዮሃ. 19:26, 27

^ ሕ.ጽ. 11 ንብዙሓት ዘጸናንዖም ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ መዝሙር 20:1, 2፣ 31:7፣ 38:8, 9, 15፣ 55:22፣ 121:1, 2፣ ኢሳይያስ 57:15፣ 66:13፣ ፊልጲ 4:13፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

^ ሕ.ጽ. 14 ነታ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ከም የሱስ ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም” ዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ርአ።