ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ሓምለ 2017

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ኻብ መጥቃዕቲ ሰብ ኪከላኸል ኢሉ ኸም ሽጉጥ ወይ ጠበንጃ ዝኣመሰለ ኣጽዋር ኪሕዝ ግቡእ ድዩ፧

ክርስትያናት ንርእሶም ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ኢሎም እተፈላለየ ስጕምትታት ዚወስዱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይጥሕሱን እዮም። እዚ ስርዓታት እዚ ድማ፡ ንርእስኻ ኻብ መጥቃዕቲ ሰብ ክትከላኸል ኢልካ ሽጉጥ፡ ጠበንጃ፡ ወይ ካልእ ዓይነት ኣጽዋር ምሓዝ ጌጋ ምዃኑ እዩ ዚሕብር። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት እሞ ሕሰብ፦

ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ህይወት ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕድስቲ እያ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ የሆዋ “ምንጪ ህይወት” ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (መዝ. 36:9) ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ወይ ንንብረቱ ኻብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ፡ ህይወት ሰብ ከየጥፍእን ብዕዳ ደም ተሓታቲ ኸይከውንን ዚከኣሎ ዘበለ ይገብር እዩ።—ዘዳ. 22:8፣ መዝ. 51:14

ህይወት ሰብ ብእተፈላለየ መሳርሒ ኺጠፍእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጠበንጃ ወይ ካልእ ዓይነት መሳርያ ግና ከይሓሰብካ ወይ ኰነ ኢልካ ህይወት ሰብ ንምጥፋእ ቀሊል ይገብሮ እዩ። * ብዘይካዚ፡ ሓደ ዜጥቅዕ ሰብ ኣብ ውጥረት ኪኣቱ ይኽእል እዩ። እቲ ኻልእ ሰብ ብረት ከም ዘለዎ ምስ ረኣየ ድማ፡ ዝያዳ ሓደጋ ኺፈጥር ይኽእል ይኸውን። ኣብቲ ዅነታት ከኣ ሰብ ኪመውት ይኽእል እዩ።

የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ንሰዓብቱ ኺዕጠቑ ኺነግሮም ከሎ፡ ንርእሶም ዚከላኸሉሉ ኣጽዋር ኪሕዙ ኣይኰነን ዚእምተሎም ነይሩ። (ሉቃ. 22:36, 38)  የግዳስ፡ እተዓጥቁ ሰባት ምስ ዚመጽዎም እውን ብዓመጻ ኺምክቱ ኸም ዘይብሎም እዩ ኺምህሮም ደልዩ ነይሩ። (ሉቃ. 22:52) ጴጥሮስ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ብሰይፊ ምስ ወቕዖ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” ኢሉ ኣዘዞ። “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም” ኢሉ ድማ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ተዛረበ፣ ሰዓብቱ ድማ ክሳዕ ሎሚ በዚ ስርዓት እዚ እዮም ዚምርሑ።—ማቴ. 26:51, 52

ብመሰረት ሚክያስ 4:3፡ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ‘ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ገይሮም እዮም።’ እዚ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ፣ ንሱ፡ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . .  ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” በለ። (ሮሜ 12:17, 18) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብ“ኸተርቲ” ተኸቲሩን ካልእ ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎን እኳ እንተ ነበረ፡ ንድሕንነቱ ኻብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ንላዕሊ ቐዳምነት ኣይሃበን። (2 ቈረ. 11:26) የግዳስ፡ ብኣምላኽን በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ‘ካብ ኣጽዋር ውግእ ዚሓይሽ’ ጥበብን ተኣመነ።—መክ. 9:18

ክርስትያናት፡ ህይወት ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ይግንዘቡ እዮም። ሰብ “ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።” (ሉቃ. 12:15) ስለዚ፡ ሓደ ጥበበኛ ክርስትያን ንሓደ መሳርያ እተዓጥቀ ሰራቒ ብዘረባ ኺመልሶ እንተ ዘይክኢሉ፡ ነቲ “ንእኩይ ኣይትቃወምዎ” ኣብ ዚብል ቃላት የሱስ ዘሎ ስርዓት እዩ ዚስዕብ። እዚ ድማ ብኽዳንናን ቀምሽናን ዚምሰል ነገራት ኣሕሊፍካ ምሃብ እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:39, 40፣ ሉቃ. 6:29) * ካብ ኵሉ ዝበለጸ ሜላ፡ ኣቐዲምካ ምክልኻል እዩ። ‘መነባብሮና ኺርኣየልና’ ዘይንጽዕር እንተ ዄንና፡ ጐረባብትና ኸኣ ሰላማውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ዚፈልጡ እንተ ዀይኖም፡ ግዳይ ገበነኛታት ካብ ምዃን ንርእስና ኸነዕቍባ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃ. 2:16፣ ምሳ. 18:10

ክርስትያናት፡ ሕልና ኻልኦት የኽብሩ እዮም። (ሮሜ 14:21) ገሊኦም ክርስትያናት፡ ሓደ ኣባል ጉባኤ ንርእሱ ኻብ መጥቃዕቲ ሰብ ዚከላኸለሉ መሳርያ ኸም ዘለዎ ምስ ፈለጡ፡ ኪስምብዱ ወይ እውን ኪዕንቀፉ ይኽእሉ እዮም። ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ዋላ እውን ሕጋዊ መሰልና እንተ ዀነ፡ ንድሌት ካልኦት ከነቐድም ትድርኸና እያ።—1 ቈረ. 10:32, 33፣ 13:4, 5

ክርስትያናት ኣብነት ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም። (2 ቈረ. 4:2፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) ሓደ ክርስትያን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምስ ተዋህቦ እውን ንርእሱ ኻብ መጥቃዕቲ ሰብ ዚከላኸለሉ መሳርያ ዚሕዝ እንተ ዀይኑ፡ ከም ኣብነታዊ ጌርካ ኣይቍጸርን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ወይ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦ ኣይበቅዕን እዩ። እዚ ኣብ ዓለማዊ ስራሑ መሳርያ ንዚሕዝ ክርስትያን እውን ይምልከት እዩ። እዚ ክርስትያን እዚ፡ ካልእ ስራሕ እንተ ደለየ ይሕሾ። *

ሓደ ክርስትያን ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ንንብረቱን ካብ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዚከላኸለሉ መገዲ ዀነ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ምርጫኡ ባዕሉ እዩ ውሳነ ዚገብር። ይኹን እምበር፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ ኣምላኽን ንዓና ዘላቶ ፍቕርን ዜንጸባርቕ እዩ። መንፈሳዊ ብስለት ዘለዎም ክርስትያናት ከኣ፡ ነዚ ስርዓታት እዚ ስለ ዜኽብሩ፡ ንርእሶም ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ኪከላኸሉ ኢሎም ኣጽዋር ኣይሕዙን እዮም። እቶም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ብኣምላኽ ዚእመኑ፡ ናይ ሓቅን ነባርን ድሕንነት ከም ዚረኽቡ ይፈልጡ እዮም።—መዝ. 97:10፣ ምሳ. 1:33፣ 2:6, 7

ኣብ ብርቱዕ ጸበባ፡ ክርስትያናት ብኣምላኽ ኪእመኑ፡ ንርእሶም ድማ ኣይኪከላኸሉላን እዮም

^ ሕ.ጽ. 3 ሓደ ክርስትያን ዚምገቦም እንስሳታት ንምህዳን ወይ ከኣ ንርእሱ ኻብ ኣራዊት ንምክልኻል ኢሉ ኸም ሽጉጥ ወይ ጠበንጃ ዝኣመሰለ ኣጽዋር ኪውንን ይውስን ይኸውን። እዚ መሳርያታት እዚ ኣብ ዘይንጥቀመሉ እዋን ግና፡ ነቲ ጠያይት ኣምሊቝና ኸነቐምጦ፡ ምናልባት ከኣ ነቲ መሳርያ በታቲንና ኣብ ስቱር ቦታ ኽንዓጽዎ ኣሎና። ምውናን ኣጽዋር ብሕጊ ኽልኩል፡ ቀይድታት ዘለዎ ወይ ብኻልእ መገዲ ቝጽጽር ዚግበረሉ እንተ ዀይኑ፡ ክርስትያናት ንሕጊ ኺእዘዙ ኣለዎም።—ሮሜ 13:1

^ ሕ.ጽ. 2 ካብ ጾታዊ ዓመጽ ንርእስኻ ብዛዕባ ምክልኻል ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 8 መጋቢት 1993 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ጾታዊ ዓመጽ ብኸመይ ከም እትከላኸል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣጽዋር ክትዕጠቕ ዜገድድ ስራሕ ብዛዕባ ምስራሕ ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2005 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 31፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1983 (እንግሊዝኛ) ከኣ፡ ኣብ ገጽ 25-26 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።