ከውታ ለይቲ ነቲ ኣስታት ሓደ ኪሎ ሜተርን ፈረቓን ዝግፍሑ ፈለግ ኒጀር ክንሰግሮ ነይሩና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ናይጀርያ ውግእ ሓድሕድ ስለ ዝነበረ፡ ንፈለግ ኒጀር ምስጋር፡ ንህይወትና ዜስግእ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብተደጋጋሚ ነዚ ሓደገኛ ጕዕዞ ኽንገብር ነይሩና። ከመይ ኢለ እየ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ኣትየ፧ ከይተወለድኩ ኣትሒዙ ዝነበረ ዅነታት እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብ1913 ጆን ሚልስ ዚብሃል ኣቦይ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ 25 ዓመት ዕድሚኡ ተጠምቀ። ነቲ መደረ ጥምቀት ከኣ ሓውና ራስል እዩ ኣቕሪብዎ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣቦይ ናብ ትሪኒዳድ ከደ፣ ኣብኡ ኸኣ ኮንስታንስ ፋርመር ንዝስማ ብቕንኣት እተገልግል ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርዓዋ። ኣቦይ ድማ ዊልያም ብራውን ንዚብሃል ዓርኩ፡ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ኬርኢ ይሕግዞ ነበረ። ብ1923 እንዳ ብራውን ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኽሳዕ ዚምደቡ ኸኣ ከምኡ ይገብሩ ነበሩ። እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዝነበሮም ኣቦይን ኣደይን ግና ናብራኦም ኣብ ትሪኒዳድ ቀጸሉ።

ፈቃራት ወለዲ

ወለደይ ትሽዓተ ውሉዳት ነበርዎም፣ ነቲ በዅሪ ኸኣ በቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ራዘርፎርድ ሰመይዎ። ኣነ ብ30 ታሕሳስ 1922 ምስ ተወለድኩ ድማ፡ በቲ ኣሰናዳዊ ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ!) ዝነበረ ክለይተን ዉድዎርዝ ጁንየር ሰመዩኒ። ወለድና ንዅላትና መሰረታዊ ትምህርቲ ኸም እንረክብ ገይሮም እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት እዮም ዜተኵሩ ነይሮም። ኣደይ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዜእምን መረዳእታ ናይ ምቕራብ ፍሉይ ክእለት ነይርዋ እዩ። ኣቦይ ከኣ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ የዘንትወልና ነይሩ እዩ፣ ኬዘንትወልና ኸሎ ድማ ነቲ ዛንታ ህያው ንምግባር ምሉእ ሰብነቱ ይጥቀም ነይሩ እዩ።

ጻዕርታቶም ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ሰለስተ ኻብቶም ሓሙሽተ ኣወዳት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሂርና ኢና። ሰለስተ ኣሓትና ኸኣ ኣብ ትሪኒዳድን ቶባጎን ንሓያሎ ዓመታት ፈለምቲ ዀይነን ኣገልጊለን እየን። ወለደይ በቲ ትምህርቶምን በቲ ሰናይ ኣብነቶምን ኣቢሎም፡ ንዓና ንደቆም “ኣብ ቤት የሆዋ” ተኺሎምና እዮም። እቲ ዝሃቡና መተባብዒ ኸኣ ኣብኡ ጸኒዕና ኽንቅጽልን፡ “ኣብ ኣጸዳት ኣምላኽና” ኽንልምልምን ሓጊዙና እዩ።—መዝ. 92:13

ቤትና ንንጥፈታት ስብከት ከም መበገሲ ዀይና እያ እተገልግል ነይራ። ፈለምቲ ኣብ ቤትና ይእከቡ እሞ ብዛዕባ እቲ ናብ ትሪኒዳድ ኪበጽሕ መጺኡ ዝነበረ ካናዳዊ ዝዀነ ሓውና ጆርጅ ያንግ ብዙሕ ሳዕ የዕልሉ ነይሮም እዮም። ወለደይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣቐዲሞም መገላግልቶም ዝነበሩ እሞ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ እንዳ  ብራውን ተሓጒሶም የዕልሉና ነይሮም እዮም። እዚ ዅሉ ድማ፡ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ ኣገልግሎት ክጅምር ደሪኹኒ እዩ።

ናይ መጀመርታ ንጥፈታተይ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መጽሔታትና ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንስሱዕ ስርዓት ንግድን ንረሳሕ ፖለቲካን ዜቃልዕ ብርቱዕ መልእኽቲ ሒዙ ይወጽእ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብ1936 ኣቕሽሽቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሓዳሪ ጸቕጢ ብምግባር፡ ኵሉ ጽሑፋት ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዚእገድ ገበሩ። ንሕና ድማ ነቲ ጽሑፋትና ሓባእናዮ፣ ኵሉ ኽሳዕ ዚውዳእ ግና ንጥቀመሉ ነበረና። ብጕጅለ ዄንና ብእግርና ወይ ብብሽክለታ እናተጓዓዝና ብወረቐት ዕድመን ብፖስተራትን ጌርና ንሰብኽ ነበረና። ምስቶም መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ሒዞም ካብ ከተማ ቱናፑና ዝነቐሉ ጕጅለ ኸኣ፡ ናብ ግሉል ክፋላት ትሪኒዳድ ኬድና ሰበኽና። እዚ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ! ሳላ እቲ መንፈሳዊ ሃዋህው ድማ፡ ኣብ 16 ዓመተይ ተጠመቕኩ።

መጕልሒ ድምጺ ብእተገጥመላ ማኪና ዚሰብኩ ኣሕዋት ቱናፑና

ናይ ስድራ ቤትና ውርሻን እቲ ኣብ መጀመርታ ዘሐለፍክዎ ተመክሮታትን፡ ሚስዮናዊ ክኸውን ትምኒት ኣሕደረለይ። ብ1944 ናብ ኣሩባ ኸይደ ምስ ሓውና ኤድመንት ከሚንግስ ኣብ እተጸምበርኩሉ እዋን ድማ፡ እዚ ትምኒተይ እዚ ኣይቀሃመን ነይሩ። ነቲ ብ1945 እተባዕለ በዓል ዝኽሪ፡ ዓሰርተ ሰባት ብምእካብና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና ኔርና። ንዓመታኡ፡ ኣብታ ደሴት እቲኣ ናይ ፈለማ ጉባኤ ቘመት።

ምስ ኦሪስ፡ ህይወተይ ከም ብሓድሽ ለምለመ

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሓንቲ ኦሪስ ዊልያምስ እትብሃል መሳርሕተይ ብዘይወግዓዊ መገዲ መስከርኩላ። ኦሪስ ከኣ ነቲ ኣቐዲማ እትፈልጦ ሰረተ እምነታት ክትጣበቐሉ ኸላ፡ ሓያል ነጥብታት ኣምጽኣትለይ። ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢላ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ተማህረት እሞ ብ5 ጥሪ 1947 ተጠምቀት። ድሕሪኡ፡ ተፋቐርና እሞ ተመራዓውና። ኣብ ሕዳር 1950 ከኣ፡ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ምስ ኦሪስ ድማ ህይወተይ ከም ብሓድሽ ለምለመ።

ኣብ ናይጀርያ ዘሕለፍናዮ ባህ ዜብል ኣገልግሎት

ብ1955 ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንምሃር ተዓደምና። ኣነን ኦሪስን ነቲ ፍሉይ መሰል እቲ ንምድላው፡ ካብ ስራሕና ብፍቓድና ወጻእና፡ ቤትናን ካልእ ንብረትናን ሸጥና፡ ንኣሩባ ድማ ተሰናበትናያ። ብ29 ሓምለ 1956፡ ካብ መበል 27 ክፍሊ ጊልዓድ ተመረቕና፡ ናብ ናይጀርያ እውን ተመደብና።

ብ1957፡ ኣብ ሌጎስ፡ ናይጀርያ ምስ ዚርከቡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል

ኦሪስ ንተዘክሮኣ በዚ ኸምዚ ገሊጻቶ ኣላ፦ “መንፈስ የሆዋ ኣብቲ ኣብ ህይወት ሚስዮናውነት ዜጋጥም ዓቐብን ቍልቍልን ይሕግዘካ እዩ። ከም ሰብኣየይ ኣይኰንኩን ነይረ፡ ሚስዮናዊት ክኸውን ኣይደልን እየ ነይረ። ኣብ ገዛይ ኰይነ ደቀይ ከዕቢ እየ ዝደሊ ነይረ። እቲ ብስራት ክሳዕ ክንደይ ብህጹጽ ኪስበኽ ከም ዜድልዮ ምስ ኣስተውዓልኩ ግና ኣረኣእያይ ቀዪረ። ካብ ጊልዓድ ኣብ እተመረቕናሉ እዋን፡ ሚስዮናዊት ኰይነ ወንጌል ክሰብኽ ተላዒለ እየ ነይረ። ኲን ሜሪ ናብ እትብሃል መርከብ ክንስቀል ከለና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሓውና ኖር ዝመጸ ዎርዝ ቶርንተን፡ ‘ሰናይ መገሻ!’ ኢሉ ትምኒቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ቤት-ኤል ከም እነገልግል ሓበረና። ሽዑ ጕህየ ነይረ እየ። ደሓር ግና ብቕልጡፍ ኣረኣእያይ ብምዕራየይ ንቤት-ኤል ፈትየዮ እየ፣ ኣብኡ እውን በበይኑ ዕዮ ዓይየ እየ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝፈትዎ ዝነበርኩ፡ ተቐባሊት ጋሻ ምዃን እዩ ነይሩ። ሰባት እፈቱ እየ፣ እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ምስ ናይጀርያውያን ኣሕዋት ብቐጥታ የራኽበኒ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ብደሮና ተዋሒጦም፡ ደኺሞም፡ ጸሚኦም፡ ጠምዮም እዮም ዚመጹ ነይሮም። ዜድልዮም እኽለ ማይ ምቕራብን ምጽንናዖምን ባህ ዜብል ዕዮ እዩ ነይሩ። ኵሉ እቲ ዕዮና ንየሆዋ ዚቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ እዩ ዕግበትን ሓጐስን ዜምጽኣለይ ነይሩ።” እወ፡ እተመደበልና ዘበለ ዅሉ ዕዮ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽና ኽንልምልም የኽእለና ነይሩ እዩ።

ብ1961 ኣብ ትሪኒዳድ ብስድራ ቤት ተኣኻኺብና ኸለና፡ ሓውና ብራውን ገለ ኻብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኸቦ ባህ ዜብል ተመክሮታት ኣዘንተወልና። ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ዕቤት ነገርክዎም። ሓውና ብራውን ከኣ ንዓይ እናሓቘፈኒ ንኣቦይ፡ “ጆኒ፡ ንስኻ ናብ ኣፍሪቃ ክትከይድ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ዉድዎርዝ ግና ከይዱ!” በሎ። ኣቦይ ከኣ፡ “ኣይተቋርጽ ዎርዝ! ኣይተቋርጽ!” ኢሉ ኣተባብዓኒ። ካብቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ገዳይም ዝነበሩ ኣሕዋት ከምዚ ዝበለ መተባብዒ ምርካበይ፡ ነቲ ኣገልግሎተይ ኣጸቢቐ ኽፍጽም ዝነበረኒ ድሌት ኣሐዪሉለይ እዩ።

“ባይብል ብራውን” ዚብሃል ዝነበረ ዊልያም ብራውንን ኣንቶንያ ዝስማ ሰበይቱን ብዙሕ ኣተባቢዖምና እዮም

ብ1962፡ ኣብ መበል 37 ክፍሊ ጊልዓድ ዓሰርተ ወርሒ ዚወስድ ተወሳኺ ስልጠና ረኸብኩ። ሽዑ ሓላው ጨንፈር ናይጀርያ ዝነበረ ሓውና ዊልፍረድ ጉኽ ከኣ፡ ኣብ መበል 38 ክፍሊ ተኻፈለ እሞ ናብ ዓዲ እንግሊዝ  ተመደበ። ኣነ ድማ ሓላው ጨንፈር ናይጀርያ ክኸውን ሓላፍነት ተዋህበኒ። ኣብነት ሓውና ብራውን ብምስዓብ ከኣ፡ ብዙሕ መገሻታት ገበርኩ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንናይጀርያውያን ኣሕዋትና ኽፈልጦምን ክፈትዎምን ክኢለ እየ። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ንቡር ዝዀነ ብዙሕ ጥሪት እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ሓጐሶምን ዕግበቶምን ግና ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኣብ ገንዘብ ወይ ኣብ ስጋዊ ጥሪት ከም ዘይምርኰስ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ንዅነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኣኼባታት ጽሩያትን ጽፉፋትን ምዕሩጋትን ኰይኖም ምርኣይና ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ዓበይቲ ኣኼባታት ኪህሉ ኸሎ ድማ፡ ብዙሓት ብማካይን ጽዕነትን ቦለኬጃ​​​​ * ብዚብሃላ ማካይንን (ኣብቲ ዓዲ ዚስርሓ ብጐድነን ክፉታት ዝዀነ ኣውቶቡሳት) ይውሕዙ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዘን ኣውቶቡሳት እዚአን ብሂላት እተጻሕፈን እየን ነይረን። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኻባታተን፡ “ንኣሽቱ ነጥብታት ማይ፡ ብርቱዕ ውቅያኖስ ይኸውን” ዚብል ጽሑፍ ነይርዋ።

እዚ ብሂል እዚ ኸኣ ሓቂ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዚገብሮ ጻዕሪ ዋጋ ኣለዎ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንሕና እውን እጃምና ጌርና ኢና። ብ1974፡ ናይጀርያ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ወጻኢ 100,000 ኣስፋሕቲ ዘመዝገበት ናይ መጀመርታ ሃገር ኰነት። እወ፡ እቲ ዕዮ ብሓቂ ኺልምልም ጀመረ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ ኣብ ናይጀርያ ኻብ 1967 ክሳዕ 1970 ውግእ ሓድሕድ ነበረ። ንሓያሎ ኣዋርሕ ከኣ፡ እቶም ስግር ፈለግ ኒጀር ኣብ ብያፍራ ዝነበሩ ኣሕዋትና ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝነበሮም ርክብ ተበትከ። ስለዚ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኸነብጽሓሎም ነይሩና። ኣብ መእተዊ ኸም ዝጠቐስክዎ ድማ፡ ብጸሎትን ኣብ የሆዋ ብምውካልን፡ ደጋጊምና ነቲ ፈለግ ሰጊርናዮ ኢና።

ነቲ ፈለግ ኒጀር ንምስጋር እንገብሮ ዝነበርና ሓደገኛ ጕዕዞ ብንጹር እዝክሮ እየ፣ ወተሃደራት ተኲሶም ከይቐትሉና፡ ሓሚምና ኸይንመውት፡ ወይ ብሰንኪ ኻልእ ሓደጋ ኸይንመውት ንሰግእ ኔርና ኢና። ነቲ እቶም ብዓይኒ ጥርጣረ ዚርእዩና ወተሃደራት ፈደራል ዚቈጻጸርዎ ኽፋል ምስጋሩ ቐሊል ኣይነበረን፣ ኣብታ ምስ ካልእ ርክብ ዘይነበራ ብያፍራ ምስ በጻሕካ ድማ ብዝያዳ ዜፍርህ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ካብ ከተማ ኣሳባ ናብ ከተማ ኦኒቻ ብታንኳ ተሳገርኩ እሞ ነቶም ኣብ ከተማ ኤኑጉ ዚርከቡ ሽማግለታት ኸተባብዖም ከድኩ። ኣብ ካልእ ጕዕዞ ኸኣ፡ ነቶም መብራህቲ ኺውልዑ ኣብ ዘይፍቀደላ ኸተማ ኣባ ዚነብሩ ዝነበሩ ሽማግለታት መተባብዒ ተዋህቦም። ኣብ ወደብ ሃርኮርት ድማ፡ ሓይልታት ፈደራል ነቲ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዝነበረ መከላኸሊ ብያፍራ ጥሒሶም ብምእታዎም፡ ተቐላጢፍና ንኣኼባና ብጸሎት ክንዓጽዎ ተገደድና።

ኣብቲ ኣኼባታት እቲ ኸኣ፡ እቶም ፍቑራት ኣሕዋትና፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየሎም መረጋገጺ ረኺቦም እዮም፣ ብዛዕባ ገለልትነትን ሓድነትን እውን ኣገዳሲ ምኽሪ ተዋሂብዎም እዩ። ናይጀርያውያን ኣሕዋትና ነቲ ዜስካሕክሕ ግጭት ብዓወት ሰጊሮምዎ እዮም። ነታ ብዓሌታዊ ጽልኢ ዘይትቕየድ ፍቕሪ ኣርእዮም፡ ክርስትያናዊ ሓድነቶም እውን ሓልዮም እዮም። ኣብቲ ግዜ ፈተና እቲ፡ ኣብ ጐድኖም ምዃንና ንዓና ዓብዪ ኽብሪ እዩ ነይሩ!

ብ1969፡ ሓውና ሚልተን ሄንሸል ኣብቲ ኣብ ስታድዩም ያንኪ፡ ኒው ዮርክ እተገብረ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ኣቦ መንበር ኰይኑ ኣገልገለ። ኣነ እውን ሓጋዚኡ ዀይነ ብምግልጋለይ፡ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ከመይሲ፡ ብ1970 ኣብ ሌጎስ፡ ናይጀርያ፡ “ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ጌርና ኢና። እቲ ኣኼባ እቲ ደድሕሪ እቲ ውግእ ሓድሕድ ስለ እተገብረ ኸኣ፡ ብበረኸት የሆዋ ጥራይ እዩ ኺዕወት ክኢሉ። እቲ ኣኼባ ብ17 ቛንቋ ስለ እተገብረ፡ 121,128 ተኣከብቲ እውን ስለ ዝነበርዎ፡ ሓድሽ ታሪኽ እተመዝገበሉ እዩ ነይሩ። ሓውና ኖርን ሓውና ሄንሸልን ካልኦት ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ነፈርቲ ተኻርዮም ዝመጹ በጻሕትን ከኣ፡ ድሕሪ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኽሳዕ ሽዑ ብዕቤቱ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክርስትያናዊ ጥምቀት ረኣዩ፣ እወ፡ 3,775 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠምቁ! ኣብ ውዳበ እቲ ኣኼባ እቲ ንምሕጋዝ ዘሕለፍክዎ ግዜ፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ እተዋጠርኩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ቍጽሪ እቶም ኣስፋሕቲ በዚሑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተተኲሱ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

ኣብቲ፡ “ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ 121,128 ተኣከብቲ ተኣከቡ፣ እቲ ኣኼባ ኸኣ ብ17 ቛንቋ ቐረበ፡ ቋንቋ ኢቦ እውን ሓደ ኻብኡ እዩ ነይሩ

ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝነበርኩሉ ልዕሊ 30 ዓመት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ገያሺ ሓላውን ሓላው ዞባን ኰይነ ኣገልጊለ እየ። እቶም ዝበጽሖም ዝነበርኩ ሚስዮናውያን ከኣ ብሕታዊ ቘላሕታን መተባብዕን ብምርካቦም ብዙሕ እዮም ዜመስግኑ ነይሮም። ኣቓልቦ ኸም ዚግበረሎም መረጋገጺ ኽህብ ብምኽኣለይ፡ ባህ ይብለኒ ነይሩ እዩ። ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት እንተ ተገይሩሎም፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዝለምለመት ኦም ከም ዚዀኑ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎ ብርታዐን ሓድነትን እውን ዓቂቦም ከም ዚመላለሱ፡ ካብዚ ዕዮ እዚ ተማሂረ እየ።

 ሳላ ሓገዝ የሆዋ ጥራይ ኢና ውግእ ሓድሕድን ሕማምን ዜስዕቦ ጸገማት ተጻዊርና ኽንቅጽል ዝኸኣልና። ወትሩ በረኸት የሆዋ ንርኢ ኔርና ኢና። ኦሪስ ብዛዕባኡ ዝሃበቶ ሓሳብ እውን ከምዚ ይብል፦

“ክልቴና ብተደጋጋሚ ዓሶ ሓሚምና ኢና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዎርዝ ውኖኡ ኣጥፊኡ ኣብ ሌጎስ ኣብ ዚርከብ ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ እዩ። ሽዑ፡ ኪመውት ከም ዚኽእል ተነጊሩኒ ነይሩ እዩ፣ እቲ ዜሕጕስ ግና፡ ኣይሞተን! ውኖኡ ምስ ተመልሶ፡ ንሓደ ዚሕልዎ ዝነበረ ኣላዪ ሕሙማት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ነገሮ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ነቲ ንዋምቢወ ዝስሙ ኣላዪ ሕሙማት ንምብጻሕን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ተገዳስነት ንምዅስኳስን ምስ ዎርዝ ከይደ ነይረ እየ። ንሱ ሓቂ ተቐቢሉ እዩ፣ ጸኒሑ እውን ኣብ ከተማ ኣባ ሽማግለ ዀይኑ ኼገልግል ጀሚሩ እዩ። ኣነ እውን ንብዙሓት ሰባት ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀና ሓጊዘየን እየ፣ ገሊአን እውን ኣኽረርቲ እስላም እየን ነይረን። ንህዝቢ ናይጀርያን ባህሎምን ልምድታቶምን ቋንቋኦምን ክንፈልጥን ክንፈቱን ምኽኣልና፡ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና ነይሩ።”

ካልእ ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ድማ እዚ እዩ፦ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብቲ እተመደበልና ዕዮ ኸም ኦም ምእንቲ ኽንልምልም፡ ባህሎም ካብ ናትና ኣመና እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከነፍቅሮም ነይሩና።

ሓድሽ ምድብ

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ድሕሪ ምግልጋልና፡ ብ1987 ኣብታ ሰይንት ሉሲያ እትብሃል ኣብ ካሪበያ እትርከብ ጽብቕቲ ደሴት፡ ሚስዮናውያን ወፍሪ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና። ባህ ዜብል ዕዮ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሓድሽ ብድሆታት ነይርዎ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ እዩ ዚምርዖ፣ ኣብ ሰይንት ሉሲያ ኸኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብግቡእ ከይተመራዓዉ ተኣኻኺቦም እዮም ዚነብሩ። ቃል ኣምላኽ ሓያል ብምዃኑ ግና፡ ብዙሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜድሊ ምትዕርራይ ኪገብሩ ተለዓዒሎም እዮም።

ኣብ ኵለን እተን ኣብ ሓዳር ዘሕለፍናየን 68 ዓመታት፡ ንኦሪስ ብዙሕ እየ ዘፍቅራ ነይረ

ዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና ሓይልና ብምድካሙ፡ ብ2005 ኣመሓዳሪ ኣካል ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከነገልግል መደበና። የሆዋ ንኦሪስ ስለ ዝሃበኒ፡ ክሳዕ ሕጂ መዓልቲ መዓልቲ አመስግኖ እየ። ብ2015 ግና፡ ኦሪስ በቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ተሰኒፋ እያ። ሞታ ዘስዓበለይ ሓዘን ብቓላት ክገልጾ ዝኽእል ኣይኰነን። ብልጽቲ ብጸይተይ፡ ፈቃርን ተፈታዊትን ሰበይተይ እያ ነይራ። ኣብ ኵለን እተን ብሓንሳእ ዝነበርናለን 68 ዓመታት፡ ብዙሕ እየ ዘፍቅራ ነይረ። ኣብ ሓዳር ኰነ ኣብ ጉባኤ ሓጐስ ንምርካብ ዜኽእል ስርዓት፡ ንርእስነት ምኽባርን ብናጻ ይቕረ ምባልን ብትሕትና ምምልላስን ፍረ መንፈስ ምፍራይን ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ።

ዜጕሂ ወይ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብብሕቲ ንዝገበርናዮ መስዋእትታት ዜበላሹ ነገር ከይንገብር ካብ የሆዋ ሓገዝ ነናዲ ኔርና ኢና። እናተኣረምና ብዝኸድና መጠን ግና፡ ኵነታት እናተመሓየሸ ኸም ዚኸይድ ርኢና ኢና፣ እቲ ብሉጽ እውን ገና ብሕጂ እዩ ዘሎ።—ኢሳ. 60:17፣ 2 ቈረ. 13:11፡ እ.ጽ.።

ኣብ ትሪኒዳድን ቶባጎን፡ የሆዋ ንዕዮ ወለደይን ካልኦትን ስለ ዝባረኾ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ፡ 9,892 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኸም ዘለዉ ይሕብር እዩ። ኣብ ኣሩባ፡ ነታ ዝነበርኩላ ጉባኤ ንምድልዳል፡ ብዙሓት ዓይዮም እዮም። ሕጂ ኣብታ ደሴት እቲኣ፡ 14 እናዓበያ ዚኸዳ ጉባኤታት ኣለዋ። ኣብ ናይጀርያ ኸኣ፡ ብዝሒ እቶም ኣስፋሕቲ ዓብዪ ወሰኽ ብምግባር፡ 381,398 ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ደሴት ሰይንት ሉሲያ ድማ፡ ንመንግስቲ የሆዋ ዚድግፉ 783 ኣለዉ።

ሕጂ ኣብ 90ታት ዕድመይ እየ ዘለኹ። መዝሙር 92:14 ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት የሆዋ እተተኽሉ፡ “ብግዜ እርጋን እኳ ይለምዑ፡ ይብርትዑን ይሕደሱን” ትብል እያ። በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ህይወት፡ ብዙሕ እሕጐስ እየ። እቲ ዝወረስክዎ ሃብታም ክርስትያናዊ ውርሻይ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከገልግሎ ኣተባቢዑኒ እዩ። የሆዋ ኸኣ በታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ ተደሪኹ፡ ‘ኣብ ኣጸዳት ኣምላኸይ ክልምልም’ ፈቒዱለይ እዩ።—መዝ. 92:13

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብ ናይ 8 መጋቢት 1972 ሕታም ንቕሑ!፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 24-26 ርአ።