ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ለካቲት 2017

ዕላማ የሆዋ ኺፍጸም እዩ!

ዕላማ የሆዋ ኺፍጸም እዩ!

“ተዛሪበ እየ፡ ከምጽኦ ድማ እየ። ዓሊመ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።”—ኢሳ. 46:11

መዝሙር፦ 25, 18

1, 2. (ሀ) የሆዋ እንታይ እዩ ገሊጹልና፧ (ለ) ኣብ ኢሳይያስ 46:10, 11ን 55:11ን እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፋ ናይ መጀመርታ ቓላት፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ” ይብላ። (ዘፍ. 1:1) ብዛዕባ ጠፈርን ብርሃንን ስሕበትን ካልእ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራትን ዘሎና ምርዳእ ግና ሒደት እዩ። ብዛዕባ ዩኒቨርስ እውን ሒደት ጥራይ ኢና እንፈልጥ። (መክ. 3:11) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ገሊጹልና እዩ። ምድሪ ብመልክዕ ኣምላኽ ንእተፈጥሩ ሰባት መንበሪት ክትከውን እያ ተዳልያ። (ዘፍ. 1:26) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣቦኦም ኪኸውን እዮም ተፈጢሮም።

2 ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሰለስተ ኸም እተገልጸ፡ ንዕላማ የሆዋ ብድሆ ኣጋጠሞ። (ዘፍ. 3:1-7) እቲ ዘጋጠመ ብድሆ ግና ዘይስገር ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ንዕላማ የሆዋ ኺዓናቕፎ ዚኽእል የልቦን። (ኢሳ. 46:10, 11፣ 55:11) ስለዚ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ በቲ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

3. (ሀ) መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ ዚሕግዘና ኣገዳሲ ሓቅታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ነዚ ትምህርትታት እዚ ሕጂ ንምርምሮ ዘለና ስለምንታይ ኢና፧ (ሐ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንፈልጥ ኢና። እዚ ዅሉ፡ ገለ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ከነጽንዕ ምስ ጀመርና ኣብ ፈለማ እተምሃርናዮ ኣገዳሲ ሓቅታት እዩ። ንሕና እውን  ብግዴና፡ ካልኦት ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ትምህርትታት እዚ ኺፈልጡ ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና። ኣብዚ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ጉባኤ እንወስደሉ ዘለና እዋን እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኪእከቡ ኣብ ምዕዳም ዝከኣለና ንገብር ኢና ዘለና። (ሉቃ. 22:19, 20) እቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ሰባት ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ብዙሕ ኪምሃሩ እዮም። ስለዚ፡ ኣብዘን ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ተሪፈን ዘለዋ ሒደት መዓልትታት፡ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃሮናን ኣብቲ ኣገዳሲ ኣኼባ እቲ ንዚእከቡ ሰባትን ተገዳስነቶም ንምልዕዓል ክንጥቀመሉ ብዛዕባ እንኽእል ሕቶታት ምሕሳብና ጽቡቕ እዩ። ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ ኣምላኽ ንደቂ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ዘጋጠመ ጸገም እንታይ እዩ፧ መስዋእታዊ በጃ የሱስ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸም መገዲ ዝኸፈተ ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ዕላማ እንታይ እዩ፧

4. ፍጥረት ክብሪ የሆዋ ዜዘንቱ ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ኺፍራህ ዚግብኦ ፈጣሪ እዩ። ኵሉ እቲ ዝፈጠሮ ነቲ ልዑል ስርዓታቱ ዜማልእ እዩ። (ዘፍ. 1:31፣ ኤር. 10:12) ካብቲ ኣብ ፍጥረት ዚርአ ጽባቐን ስርዓትን እንታይ ኢና እንምሃር፧ ፍጥረት ክንዕዘብ ከለና፡ ኵሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ፍጥረታቱ እተፈጥሩሉ ጠቓሚ ዕላማ ኸም ዘለዎም ምፍላጥና የደንቐና እዩ። በቲ እተሓላለኸ ዋህዮታት ወዲ ሰብ፡ ብዕሸላት ቈልዑ፡ ወይ ከኣ ብፍሉይ ጽባቐ ዕራርቦ ጸሓይ ዘይግረም እሞ መን ኣሎ፧ ነዚ ፍጥረታት እዚ እነድንቕ ብተፈጥሮና ጽባቐ ኸነለሊ ዜኽእለና ስምዒት ስለ እተዋህበና እዩ።—መዝሙር 19:1፣ 104:24 ኣንብብ።

5. የሆዋ ዅሉ ፍጥረቱ ብሓደ ተዋዲዱ ኸም ዚዓዪ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅሉ ፍጥረት ዶብ ገይሩሉ እዩ። ኵሉ ብስኒት ምእንቲ ኺዓዪ፡ ሕግታት ተፈጥሮን ስነ ምግባርን ኣውጺኡ እዩ። (መዝ. 19:7-9) ስለዚ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ዅሉ ነገራት ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ነናቱ ቦታን እጃምን ኣለዎ። የሆዋ ዅሉ ፍጥረቱ ብሓደ ተዋዲዱ ብዛዕባ ዚዓይየሉ መገዲ ስርዓት ኣውጺኡ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሕጊ ስሕበት፡ ኣብ ከባቢ ምድሪ ንዘሎ ሃዋህው ኣየር ከይወጽእ ይሕዞ፡ ንማዕበላትን ውቅያኖሳትን ይቈጻጸር፡ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ስርዓት ተፈጥሮ እውን እጃሙ የበርክት እዩ። ኵሉ ፍጥረት፡ እንተላይ ደቂ ሰብ፡ በዚ ዶብ እዚ ይቕየዱ እዮም። ብንጹር እምበኣር፡ ኣብ ፍጥረት ዚርአ ስርዓት፡ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዕላማ ኸም ዘለዎ እዩ ዚምስክር። ኣብ ኣገልግሎትና፡ ሰባት ኣብቲ ነዚ ዜደንቕ ስርዓት እዚ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ ኽንገብርዶ ኣይግብኣናን፧—ራእ. 4:11

6, 7. ገለ ኻብቲ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦም ውህበታት እንታይ እዩ፧

6 ናይ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ። (ዘፍ. 1:28፣ መዝ. 37:29) ንኣዳምን ሄዋንን ድማ ባህ ኢልዎም ኪነብሩ ዜኽእሎም ክቡር ውህበታት ብልግሲ ሂብዎም ነይሩ። (ያእቆብ 1:17 ኣንብብ።) ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ናይ ምምዝዛን ክእለት፡ ከምኡ ድማ ኬፍቅሩን ዕርክነት ኪምስርቱን ዜኽእሎም ዓቕሚ እውን ሂብዎም ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ፈጣሪ ንኣዳም ኣዘዞ፡ ብኸመይ ተኣዛዝነቱ ኸም ዜርኢ ድማ ነገሮ። ኣዳም ከኣ ዜድልዮ ነገራት ብኸመይ ከም ዜማልእን ንእንስሳታትን ንምድርን ብኸመይ ከም ዚከናኸንን ተማህረ። (ዘፍ. 2:15-17, 19, 20) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን፡ ክእለት ምጥዓምን ምድህሳስን ምርኣይን ምስማዕን ምሽታትን ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ስለዚ፡ በቲ ኣብታ ገነት ዝነበረት መንበሪቶም ዝነበረ ዅሉ ጽቡቕ ነገራት ኪሕጐሱ  ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እዞም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን፡ ባህ ዜብል ስራሕ ኪሰርሑ፡ ብስራሖም ዕግበት ኪረኽቡ፡ ሓድሽ ነገራት ከኣ ኪፈልጡ ዜኽእሎም መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ነይርዎም እዩ።

7 ካልእ ዕላማ ኣምላኽከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን፡ ፍጹማት ውሉዳት ኪወልዱ ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም ነይሩ። ደቆም ውሉዳት ወሊዶም ንምድሪ ኺመልእዋ ኸኣ ዕላማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ኰኑ ኻልኦት ወለዲ፡ ከምቲ የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ፍጹማት ሰብኣውያን ደቁ ዘፍቀሮም፡ ንሳቶም እውን ንደቆም ኬፍቅሩ እዩ ዚደሊ። ምድሪ ምስ ኵሉ ጸጋታታ መንበሪቶም ክትከውን እያ ተዳልያ።—መዝ. 115:16

እቲ ዘጋጠመ ጸገም እንታይ እዩ፧

8. ዕላማ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:16, 17 ዘሎ ሕጊ እንታይ እዩ፧

8 ኵሉ ነገራት ግና ብኡብኡ ኸምቲ ኣምላኽ ዝሓሰቦ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን፡ እቲ እተዋህቦም ናጽነት ደረት ከም ዘለዎ ዚግንዘቡ እንተ ዀይኖም ዚፍትኖም ቀሊል ሕጊ ሃቦም። “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ። ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ድማ ኣዘዘ። (ዘፍ. 2:16, 17) ኣዳምን ሄዋንን ነዚ ሕጊ እዚ ኺርድእዎ ዀነ ኺእዘዝዎ ዚኸብድ ኣይነበረን። ኪበልዕዎ ኻብ ዚኽእሉ ንላዕሊ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ነይርዎም እዩ።

9, 10. (ሀ) ሰይጣን ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ኸሲስዎ፧ (ለ) ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ኪገብሩ እዮም ወሲኖም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ሰይጣን ድያብሎስ ብተመን ተጠቒሙ፡ ሄዋን ንኣቦኣ የሆዋ ምእንቲ ኸይትእዘዞ ኣስሓታ። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ፣ ራእ. 12:9) ሰይጣን፡ ኣምላኽ ንሰብኣውያን ውሉዳቱ፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት” ከይበልዑ ኸም ዝኣዘዞም ገይሩ ተዛረበ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ድሌትኩም ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም ማለት ድዩ፧’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። ቀጺሉ ድማ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም” ኢሉ ውጹእ ሓሶት ተዛረበ። “ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ . . . ስለ ዝፈለጠ እዩ” ኢሉ ድማ ንኣምላኽ ከይትእዘዞ ኣስድዓ። ካብታ ፍረ ምስ ዚበልዑ ምስትውዓል ስለ ዚረኽቡ፡ የሆዋ ኻብታ ፍረ ኺበልዑ ኸም ዘይደልዮም እዩ ሰይጣን ዚእምት ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ‘ከም ኣምላኽ ክትኰኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን እውን ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢሉ ናይ ሓሶት ተስፋ ኣተስፈዎም።

10 ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ከም ዚገብሩ ኺውስኑ ነበሮም። ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ድዮም ወይስ ነቲ እቲ ተመን ዝበሎም ኪሰምዑ፧ ንኣምላኽ ከይእዘዙ ወሰኑ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ዕልወት ሰይጣን ሓበሩ። የሆዋ ኣቦኦም ከይከውን ነጸግዎ፡ ካብቲ ብኣገዛዝኣኡ ዚርከብ ዕቝባ ድማ ረሓቑ።—ዘፍ. 3:6-13

11. የሆዋ ዕልወት ዘይጻወር ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ምስ ዓለዉ፡ ፍጽምናኦም ኣጥፍኡ። ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ ዕልወቶም ካብ የሆዋ ረሓቑ። ከመይሲ፡ ‘ኣዒንቲ የሆዋ ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን።’ ስለዚ፡ ‘ንእከይ ኣይጻወሮን እዩ።’ (ኣን. 1:13) ንእከይ እንተ ዚጻወሮ፡ ድሕንነት እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ህያዋን ፍጥረታት ኣብ ሓደጋ ምኣተወ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ ሓጢኣት ስጕምቲ እንተ ዘይወስደሉ ነይሩ፡ እምንቶ ዚግበሮ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ መጠራጠረ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንስርዓታቱ እሙን ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኣይጥሕሶን እዩ። (መዝ. 119:142) ስለዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ሕጊ ኣምላኽ ኪጥሕሱ ዚፈቅድ ኣይነበረን። ካብ የሆዋ ስለ ዝዓለዉ ኸኣ፡  ሞይቶም ናብቲ እተፈጥሩሉ ሓመድ ተመሊሶም እዮም።—ዘፍ. 3:19

12. ንዘርኢ ኣዳም እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

12 ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ፍረ ምስ በልዑ፡ ዳግም ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪዀኑ ኣይከኣሉን። ኣምላኽ ካብ ኤደን ሰጐጎም፡ ናብኣ ኺምለሱ እውን ተስፋ ኣይነበሮምን። (ዘፍ. 3:23, 24) በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ዓስቢ ውሳነኦም ከም ዚዓጽዱ ገበረ። (ዘዳግም 32:4, 5 ኣንብብ።) ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ባህርያት ኣምላኽ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኼንጸባርቑ ኣይከኣሉን። ኣዳም ነቲ ዝነበሮ ዜደንቕ መጻኢ ኣጥፊኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንውሉዳቱ እውን ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሞትን ኣውሪስዎም እዩ። (ሮሜ 5:12) ብሰንኪ እዚ፡ ዘርኢ ኣዳም፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስኢኖም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን ኰኑ ዘርኦም፡ ፍጹማት ውሉዳት ኪወልዱ ኣይከኣሉን። ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜና ኸኣ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ንደቂ ሰብ የስሕቶም ኣሎ።—ዮሃ. 8:44

እቲ በጃ ነቲ ነቓዕ ጸገኖ

13. የሆዋ፡ ደቂ ሰብ እንታይ ኪህልዎም እዩ ዚደሊ፧

13 ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ጽኑዕ ፍቕሪ እዩ ዘለዎ። ኣዳምን ሄዋንን እኳ እንተ ዓለዉ፡ የሆዋ ደቂ ሰብ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ይደሊ እዩ። ሓደ እኳ ኺመውት ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ስለዚ፡ ደድሕሪ እቲ ዕልወት፡ ኣምላኽ ነቲ ስርዓታት ጽድቁ ኸይጠሓሰ፡ ደቂ ሰብ ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚኽእልሉ መሰናድዎ ገበረ። የሆዋ ኸምኡ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

14. (ሀ) ብመሰረት ዮሃንስ 3:16፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱ ንምግባር እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ተገዳስነት ምስ ዘሕደሩ ሰባት ብዛዕባ ኣየናይ ሕቶ ኢና ኽንመያየጥ እንኽእል፧

14 ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ። ሓያሎ ኻብቶም ናብ በዓል ዝኽሪ እንዕድሞም ሰባት ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቓሎም ይፈልጥዋ እዮም። ግናኸ፡ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ እንገብሮ ወፈራን በዓል ዝኽርን ድሕሪኡ ናብቶም ኣብቲ ፍጻመ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት እንገብሮ ምብጻሕን፡ ነቶም ሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ዘበሉ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኺፈልጡ ኽንሕግዞም ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ፍቕርን ጥበብን የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ ብኸመይ ከም እተገልጸ ኣጸቢቖም ምስ ተረድኡ፡ ልቦም ኪትንከፍ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ብዛዕባ እቲ በጃ ኸነጕልሖ እንኽእል ነጥብታት እንታይ እዩ፧

15. እቲ ሰብ ዝዀነ የሱስ ካብ ኣዳም ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

15 የሆዋ፡ ኪብጀወና ዚኽእል ፍጹም ሰብ ኣዳልዩ። እቲ ፍጹም ሰብ ንየሆዋ እሙን ኪኸውንን ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ ህይወቱ ኺህብን የድልዮ ነበረ። (ሮሜ 5:17-19) የሆዋ ንህይወት እቲ በዅሪ ፍጥረቱ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣመሓላለፎ። (ዮሃ. 1:14) በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ከምቲ ኣዳም ኣብ ፈለማ ዝነበሮ ፍጹም ሰብ ኰነ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ዘይከም ኣዳም፡ ነቲ የሆዋ ሓደ ፍጹም ዝዀነ ሰብ ኪሕልዎ ዚደልዮ ስርዓታት ሓልዩ እዩ። ዋላ እኳ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተናታት እንተ ኣጋጠሞ፡ የሱስ ኣይሓጥአን፡ ሕጊ ኣምላኽ እውን ኣይጠሓሰን።

16. በጃ ኽቡር ውህበት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ ብሙማት ንዓታቶም ኬድሕኖም ይኽእል እዩ። ፍጹምን እሙንን ንኣምላኽ ዚእዘዝን ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ኣዳም ኪዀኖ ዝነበሮ ዚመዓራረ እዩ ነይሩ። (1 ጢሞ. 2:6) የሱስ መስዋእታዊ በጃ ብሙማቱ ድማ፡ “ብዙሓት” ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም እዩ።  (ማቴ. 20:28) ብርግጽ እምበኣር፡ መስዋእታዊ በጃ የሱስ፡ ዕላማ የሆዋ ኺፍጸም ኣፍ ደገ ኸፊቱ እዩ። (2 ቈረ. 1:19, 20) ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ ድማ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂብዎም እዩ።

የሆዋ ናብኡ ኽንምለስ ኣፍ ደገ ኸፊቱልና

17. እቲ በጃ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱልና፧

17 የሆዋ ዓብዪ ዋጋ ኸፊሉ እዩ በጃ ኣዳልዩልና። (1 ጴጥ. 1:19) ንደቂ ሰብ ኣዝዩ ስለ ዜኽብሮም፡ እቲ ሓደ ወዱ ኣብ ክንዳና ኺመውት ፈቒዱ እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሱስ ነቲ ናይ መጀመርታ ኣቦና ዝዀነ ኣዳም እዩ ተኪኡ። (1 ቈረ. 15:45) የሱስ ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ ህይወት ክንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ክንምለስ እውን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። እወ፡ ሳላ መስዋእቲ የሱስ፡ የሆዋ ስርዓታት ጽድቁ ኸይጠሓሰ ንደቂ ሰብ ናብ ስድራ ቤቱ ኪቕበሎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ዅሎም እሙናት ሰባት ፍጹማት ዝዀኑሉ እዋን ምሕሳብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ፧ ኣብ መንጎ ሰማያውን ምድራውን ክፋል ስድራ ቤት ኣምላኽ ፍጹም ሓድነት ኪህሉ እዩ። ሽዑ፡ ምሉእ ብምሉእ ደቂ ኣምላኽ ክንከውን ኢና።—ሮሜ 8:21

18. የሆዋ “ንዅሉ፡ ኵሉ” ዚኸውን መዓስ እዩ፧

18 ዕልወት ሰይጣን፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ፍቕሩ ኸየርእዮም ኣይዓገቶን፡ ዘይፍጹማት ሰባት ንየሆዋ እሙናት ከይኰኑ እውን ኪዓግቶም ኣይክእልን እዩ። የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ፡ ንዅሎም ደቁ ምሉእ ብምሉእ ጻድቃን ኪዀኑ ኺሕግዞም እዩ። “ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ” ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ ረኸበ ዚህሉ ህይወት እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ዮሃ. 6:40) የሆዋ ብፍቕሩን ብጥበቡን ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ ብምሕጋዝ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኺፍጽሞ እዩ። ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽና፡ “ንዅሉ፡ ኵሉ” ኪኸውን እዩ።—1 ቈረ. 15:28

19. (ሀ) ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ እንታይ ክንገብር እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧ (“ ነቶም ዚግብኦም ንድለዮም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ በጃ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

19 ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ፡ ካልኦት ካብዚ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት እዚ ኺጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ኸነፍልጦም ኪድርኸና ኣለዎ። እቲ በጃ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንሰባት ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝሃበሉ መገዲ ምዃኑ ሰባት ኪፈልጡ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ እቲ በጃ ኻብዚ ንላዕሊ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ መስዋእቲ የሱስ ነቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዘልዓሎ ንስነ ምግባር ዚምልከት ጕዳያት ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህበሉ ኽንርኢ ኢና።