ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ፧

ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ፧

“ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ . . . ዘክርዎም።” —እብ. 13:7

መዝሙር፦ 123, 126

1, 2. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ሃዋርያቱ እንታይ እዮም ሓሲቦም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

ሃዋርያት የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዀይኖም ናብ ሰማይ ገጾም ይጥምቱ ነበሩ። እቲ ጐይታኦምን ፈታዊኦምን ዝነበረ የሱስ ዓሪጉ ኣብ ማእከል ደበና ኺስወር ከሎ እዮም ዚርእዩ ነይሮም። (ግብ. 1:9, 10) የሱስ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ምሂርዎምን ኣተባቢዕዎምን መሪሕዎምን ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ካባታቶም ተፈልየ። እሞኸ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧

2 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢልዎም ነበረ። (ግብ. 1:8) ነዚ ዕዮ እዚ ደኣ ብኸመይ እዮም ኪፍጽምዎ፧ ሓቂ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚቕበሉ ኣረጋጊጽሎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:5) ይኹን እምበር፡ እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣመራርሓን ውዳበን የድልዮ ነበረ። የሆዋ ብግዜ ጥንቲ ንዝነበሩ ህዝቡ ብዚርኣዩ ወኪላቱ ኣቢሉ መሪሕዎምን ወዲብዎምን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ሃዋርያት፡ ‘የሆዋ ሓድሽ መራሒ ይሸይም ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

3. (ሀ) የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያት እንታይ ኣገዳሲ ውሳነ እዮም ገይሮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 3 ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ተወከሱን መለኮታዊ መምርሒ ኺውሃቦም ምስ ጸለዩን፡ ማትያስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ተኪኡ ምስቶም 11 ሃዋርያት ኪቝጸር ሓረይዎ። (ግብ. 1:15-26) እዚ ውሳነ እዚ ንዓታቶምን ንየሆዋን ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ማትያስ ኣገዳሲ ቦታ እዩ ተኪኡ። * የሱስ ንሃዋርያቱ ዝሓረዮም ኬሰንይዎ ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ኣገዳሲ እጃም ኬበርክቱ ዚሕግዞም ስልጠና ምእንቲ ኺህቦም ኢሉ እዩ። እቲ ዝነበሮም እጃም እንታይ እዩ፧ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ነዚ እተዋህቦም እጃም ኪፍጽሙ ዘዕጠቖም ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ተመሳሳሊ መሰናድዎ ኣለዎምዶ፧ ነቶም ‘ዚመርሑና ዘለዉ፡’ ብፍላይ ከኣ ንኣባላት “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ‘ኽንዝክሮም’ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧—እብ. 13:7፣ ማቴ. 24:45

ብዘይርአ መራሒ ዚምራሕ፡ ዚርአ ኣካል

4. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ካልኦት ሽማግለታትን እንታይ እጃም እዮም ኣበርኪቶም፧

4 ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ሃዋርያት ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኺመርሑ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ጴጥሮስ . . . ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡” ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ህይወት ዚህብ ቃል ሓቂ ኣካፈሎም። (ግብ. 2:14, 15) ሓያሎ ኻባታቶም ድማ ኣመንቲ ዀኑ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ፡ እቶም ሓደስቲ ክርስትያናት፡ “ብትምህርቲ ሃዋርያት . . . ጸኒዖም ነበሩ።” (ግብ. 2:42) እቶም ሃዋርያት ንገንዘብ እታ ጉባኤ የመሓድሩ ነበሩ። (ግብ. 4:34, 35) ‘ጸኒዖም ጸሎትን ኣገልግሎት እቲ ቓልን ብምግባር’ ድማ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ የማልኡሎም ነበሩ። (ግብ. 6:4) ብዘይካዚ፡ ዕዮ ወንጌል ኣብ ሓድሽ ክልታት ንምስፋሕ ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያናት መዘዙ። (ግብ. 8:14, 15) ድሕሪ ግዜ፡ ካልኦት ቅቡኣት ሽማግለታት ምስቶም ሃዋርያት ሓቢሮም ንጉባኤ ዚምልከት ጕዳያት ይኣልዩ ነበሩ። ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ከኣ ንዅለን ጉባኤታት መምርሒታት ይህብወን ነበሩ።—ግብ. 15:2

5, 6. (ሀ) መንፈስ ቅዱስ ንኣመሓዳሪ ኣካል ሓይሊ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) መላእኽቲ ንኣመሓዳሪ ኣካል ዝሓገዙ ብኸመይ እዮም፧ (ሐ) ቃል ኣምላኽ ንኣመሓዳሪ ኣካል ዝመርሖ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ የሆዋ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል በቲ መራሒኦም ዝዀነ የሱስ ኣቢሉ ኸም ዚመርሖ ተገንዚቦም ነይሮም እዮም። ብኸመይ እዮም ርግጸኛታት ኰይኖም፧ ቀዳማይ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣመሓዳሪ ኣካል ሓይሊ ሂብዎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:13) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ወሪዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ነቲ ኸም ሓለውቲ መጠን እተዋህቦም እጃም ኪፍጽሙ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ብ49 ድ.ክ. ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ግዝረት ውሳነ ኺገብር ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እዩ። እተን ጉባኤታት ንመምርሒኦም ስለ ዝሰዓባ ኸኣ፡ “ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።” (ግብ. 16:4, 5) ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዚገልጽ ናብ ጉባኤታት እተላእከ መልእኽቲ እውን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከም ፍቕርን እምነትን ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዜፍሪ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—ግብ. 15:11, 25-29፣ ገላ. 5:22, 23

6 ካልኣይ፡ መላእኽቲ ንኣመሓዳሪ ኣካል ሓጊዞምዎ እዮም። እቲ ኻብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ቅድሚ ምጥማቑ፡ ሓደ መልኣኽ ንቆርኔሌዎስ፡ ንሃዋርያ  ጴጥሮስ ልኢኹ ኼምጽኦ ነገሮ። ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስን ንኣዝማዱን ምስ ሰበኸሎም፡ እቶም ሰባት ዘይተገዝሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ወረደ። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ንሃዋርያትን ንኻልኦት ኣሕዋትን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪቕበልዎም ኣለዓዓሎም። (ግብ. 11:13-18) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መላእኽቲ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚመርሖ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ኣብ ምስፍሕፋሕን ኣብ ምቅልጣፍን ንጡፍ እጃም ነይርዎም እዩ። (ግብ. 5:19, 20) ሳልሳይ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣመሓዳሪ ኣካል መሪሕዎ እዩ። እቶም ቅቡኣት ሽማግለታት፡ ንሰረተ እምነት ወይ ንውድባዊ ኣሰራርሓ ዚምልከት ጕዳያት ኪውስኑ ኸለዉ ብቕዱሳት ጽሑፋት ይምርሑ ነይሮም እዮም።—ግብ. 1:20-22፣ 15:15-20

7. የሱስ ንቐዳሞት ክርስትያናት ከም ዝመርሖም ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

7 እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ስልጣን እኳ እንተ ነበሮ፡ መራሒኦም የሱስ ምዃኑ ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ክርስቶስ ገሊኦም ሃዋርያት ኪዀኑ’ ኸም ዝሃበ ጸሓፈ። “ብዅሉ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ብፍቕሪ ንዕበ” ድማ በለ። (ኤፌ. 4:11, 15) ብዘይካዚ፡ ‘ብመለኮታዊ መምርሒ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም ተሰምዩ’ ደኣ እምበር፡ ብስም ሓደ ኻብቶም ፍሉጣት ሃዋርያት ኣይተጸውዑን። (ግብ. 11:26) ሓቂ እዩ፡ ጳውሎስ፡ ነቲ ሃዋርያትን ካልኦት ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋትን ንዘመሓላለፍዎ “ስርዓታት” ወይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ልማዳት ‘ኣጽኒዖም ኪሕዙ’ መኺሩ ነይሩ እዩ። ወሲኹ ግና፡ “ግናኸ፡ ርእሲ ሰብኣይ [እንተላይ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል] ዘበለ ክርስቶስ፡ . . . ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ” ኢልዎም እዩ። (1 ቈረ. 11:2, 3) እወ፡ እቲ ዘይርአን ክብሪ ዝረኸበን ክርስቶስ የሱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ርእሱ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኰይኑ ነታ ጉባኤ ይመርሓ ነይሩ እዩ።

“እዚ፡ ዕዮ ሰብ ኣይኰነን”

8, 9. ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ሓውና ራስል እንታይ ኣገዳሲ እጃም እዩ ነይርዎ፧

8 ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ንምምላስ ጸዓሩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንምዝርጋሕ ድማ፡ ብ1884 ናይ ጽዮን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ብሕጊ ተመዝገበ፣ ሓውና ራስል ከኣ ፕረዚደንት እቲ ትካል ኰነ። * ራስል፡ ንፉዕ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ፣ ከም ስላሴን ዘይትመውት ነፍስን ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነታት ከኣ ብትብዓት ኣቃልዐ። ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ኸም ዚምለስን “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ” ብ1914 ከም ዜብቅዕን ኣስተብሂሉ ነበረ። (ሉቃ. 21:24) ነቲ ዝፈለጦ ሓቂ ንኻልኦት ንምክፋል ከኣ፡ ግዜኡን ጕልበቱን ገንዘቡን ወፈየ። ኣብቲ ኣገዳሲ ግዜ እቲ፡ የሆዋን እቲ ርእሲ ጉባኤን ንሓውና ራስል ተጠቒሞምሉ እዮም።

9 ሓውና ራስል፡ ክብሪ ሰብ ኪረክብ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ብ1896 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ ‘ንዓና ዀነ ንጽሑፋትና ኽብርን ኣኽብሮትን ኣይንደልን ኢና፣ ብሃይማኖታዊ መዓርጋት ድማ ክንጽዋዕ ኣይንደልን ኢና። ስምና ኺጽዋዕ እውን ባህጊ የብልናን።’ ጸኒሑ ኸኣ፡ “እዚ፡ ዕዮ ሰብ ኣይኰነን” በለ።

10. (ሀ) የሱስ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝሸመ መዓስ እዩ፧ (ለ) ኣመሓዳሪ ኣካል በብደረጃኡ ኻብቲ ንሕጋዊ ዕላማ ዝቘመ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም እተፈልየ ግለጽ።

10 ብ1919፡ ራስል ድሕሪ ሙማቱ ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ፡ የሱስ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸመ። ስለምንታይ፧ ንኣገልገልቲ ቤቱ “ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም” ኢሉ እዩ ሸይምዎ። (ማቴ. 24:45) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ  ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዝነበረ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዜገልግሉ ዝነበሩ ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት ንሰዓብቲ የሱስ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልዉሎም ነበሩ። እታ “ኣመሓዳሪ ኣካል” እትብል ቃል ካብ 1940ታት ኣትሒዛ እያ ኣብ ጽሑፋትና ኽትወጽእ ጀሚራ፣ ምስ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ እትተሓሓዝ ድማ እያ ነይራ። ብ1971 ግና ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ካብ ቦርድ ዳይረክተራቱን እተፈልየ ምዃኑ ነጸረ። እቲ ማሕበር ንሕጋዊ ዕላማ ዝቘመ ትካል ደኣ እምበር ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኣካል ኣይኰነን። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ድማ፡ ዳይረክተራት ማሕበር ዘይኰኑ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰኑ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ካብ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ኣሕዋት ዳይረክተራት እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚጥቀሙሉ ማሕበርን ካልእ ትካላትን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል መንፈሳዊ ትምህርትን መምርሕን ኣብ ምሃብ ኬተኵር ሓጊዙ እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ግብ. 6:4) ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚብሃል ብሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ከም ዝዀነ ገለጸት።

ብ1950ታት ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል

11. ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧

11 ኣመሓዳሪ ኣካል ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ብሓባር እዩ ዚውስን። ብኸመይ፧ ኣባላቱ ኣብ ሰሰሙን ብሓንሳእ ይእከቡ እዮም፣ እዚ ድማ ናይ ቀረባ ርክብን ሓድነትን ኪህልዎም ሓጊዙ እዩ። (ምሳ. 20:18) ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ንሓድሕዶም ብማዕረ ስለ ዚረኣኣዩ፡ በብዓመቱ እናተቐያየሩ እዮም ኣቦ መንበር ዚዀኑ። (1 ጴጥ. 5:1) እቲ ሽዱሽተ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ዓመታዊ ተርታ ኣቦ መንበርነት ይበጽሖ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ፡ ንርእሱ ኸም መራሒ ኣሕዋቱ ገይሩ ኣይርእያን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ እሙን ባርያ ዀይኑ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚረክብ ይግንዘብ እዩ።

እቲ እሙን ባርያ ብ1919 ካብ ዚሽየም ኣትሒዙ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምግቢ የዳሉ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 11 ርአ)

“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”

12. ኣመሓዳሪ ኣካል መለኮታዊ ራእይ ዘይቅበል ምዃኑ ወይ ጌጋ ኣልቦ ዘይምዃኑ እንታይ ሕቶታት ኬበግስ ይኽእል፧

12 ኣመሓዳሪ ኣካል መለኮታዊ ራእይ ኣይቅበልን እዩ፣ ዘይጋገ እውን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ንሰረተ እምነት ወይ ንውድባዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ኪጋገ ይኽእል እዩ። ካብ 1870 ንነጀው ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዝነበረና ምርዳእ እተገብረ ምትዕርራያት ድማ፡ ኣብታ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብሊፍስ ክላሪፋይድ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ ይርከብ እዩ። * የሱስ፡ እቲ እሙን ባርያ ፍጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዜዳሉ ኣይነገረናን። እሞኸ፡ ነቲ የሱስ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ሕቶ እንታይ ኢልና ኢና እንምልስ፧ (ማቴ. 24:45) ኣመሓዳሪ ኣካል ነዚ እጃም እዚ ይፍጽም ከም ዘሎ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝመርሖ ሰለስተ ነገራት፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ እውን ብኸመይ ከም ዝመርሖ እስከ ንርአ።

13. መንፈስ ቅዱስ ንኣመሓዳሪ ኣካል ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

13 ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ። ኣመሓዳሪ ኣካል ቅድሚ ሕጂ ዘይርድኦ ዝነበረ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኪርዳእ መንፈስ ቅዱስ ሓጊዝዎ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ኣብ እተጠቕሰት መጽሓፍ እተዘርዘረ ዝበርሀ ትምህርትታት እሞ ሕሰብ። እዚ “መዓሙቝ ኣምላኽ” እዚ፡ ኪርከብን ኪግለጽን ዝኸኣለ ብኽእለት ሰብ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 2:10 ኣንብብ።) ኣመሓዳሪ ኣካል ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ መንፈስ ብዚምህረሉ ቓላት ኣቢልና እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓላት ኣይኰንናን እንዛረብ” እዮም ዚብሉ። (1 ቈረ. 2:13) ንሓያሎ ዘመናት ክሕደትን መንፈሳዊ ጸልማትን  ኣስፋሕፊሑ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ካብ 1919 ኣትሒዙ ኣብ መንፈሳዊ ምርዳእ ቅልጡፍ ዕቤት ኪርአ ዝኸኣለ ሳላ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

14. ብመሰረት ራእይ 14:6, 7፡ መላእኽቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚሕግዝዎም ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

14 ሓገዝ መላእኽቲ። ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ወንጌላውያን ንዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ናይ ምምሕዳር ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ዕዮ እዚ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ሓገዝ መላእኽቲ ስለ ዘለዎ እዩ። (ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።) ብዙሕ ሳዕ፡ ኣስፋሕቲ፡ ሓገዝ ኣምላኽ ደልዮም ይጽልዩ ናብ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብኡብኡ ኸይዶም እዮም። * ኣብ ገሊአን ሃገራት ከቢድ መስጐጕቲ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ዚርአ ዘሎ ሓፈሻዊ ዕቤት፡ ብልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ እንተ ዘይኰይኑ ዘይከኣል እዩ።

15. ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን መራሕቲ ህዝበ ክርስትያንን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ ኣብነት ሃብ።

15 ሓገዝ ቃል ኣምላኽ። (ዮሃንስ 17:17 ኣንብብ።) ብ1973 እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ። ናይ 1 ሰነ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ወልፊ ምትካኽ ሽጋራ ዘለዎም ሰባት ንጥምቀት ይበቕዑ ድዮም፧” ዚብል ሕቶ ሓተተት። መልሲ ኽትህብ ከላ ድማ፡ “ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ‘ኣይበቕዑን እዮም’ ናብ ዚብል መደምደምታ እዩ ዚወስደና” በለት። ምስቲ ጕዳይ ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጠቐሰት ከኣ፡ ሓደ ሽጋራ ዜትክኽ ሰብ ዘይንሳሕ እንተ  ዀይኑ፡ ስለምንታይ ኪውገድ ከም ዘለዎ ገለጸት። (1 ቈረ. 5:7፣ 2 ቈረ. 7:1) ከምዚ ድማ በለት፦ “እዚ ውሳነ እዚ ብሃውርን ብኢደ ወነንን እተገብረ ኣይኰነን። እዚ ጥብቂ ስርዓት እዚ፡ ካብቲ በቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ዝገለጸ ኣምላኽ ዝመነጨ እዩ።” እቲ እትወስዶ ስጕምቲ ንገሊኦም ኣባላታ ንምቕባሉ ዚኸብዶም ክነሱ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እትውከል ሃይማኖታዊት ውድብ ኣላዶ፧ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸት ብዛዕባ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዋ ሃይማኖታት እትገልጽ መጽሓፍ፡ “መራሕቲ ክርስትና ምስቲ ብኣባላቶምን ብማሕበረሰብን ተቐባልነት ዝረኸበ እምነታትን ርእይቶታትን ኪሰማምዑ ኢሎም፡ በብግዜኡ ንትምህርትታቶም ይለዋውጡ እዮም” በለት። ኣመሓዳሪ ኣካል ብህቡብ ርእይቶታት ዘይኰነስ፡ ብቓል ኣምላኽ ዚምራሕ ካብ ኰነ፡ ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ ኺብሃል ይከኣል፧

“ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ . . . ዘክርዎም”

16. ንኣመሓዳሪ ኣካል ክንዝክረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

16 እብራውያን 13:7 ኣንብብ። እታ “ዘክርዎም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ጥቐስዎም” ተባሂላ እውን ትትርጐም እያ። ስለዚ፡ ‘ነቶም ዚመርሑና ዘለዉ ኽንዝክሮም’ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ ጸሎትና ብዛዕባ ኣመሓዳሪ ኣካል ብምጥቃስ እዩ። (ኤፌ. 6:18) ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ምግቢ ኬቕርቡን ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኪኣልዩን ንእተወፈየ ገንዘብ ኬመሓድሩን ዘለዎም ሓላፍነት ሕሰቡ። ብሓቂ እምበኣር፡ ኣብ ክንዳኦም ከየቋረጽና ኽንልምን ኣሎና።

17, 18. (ሀ) ምስ ኣመሓዳሪ ኣካል ክንተሓባበር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብዕዮ ስብከትና ነቲ እሙን ባርያን ንየሱስን ክንድግፎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንኣመሓዳሪ ኣካል ምዝካር ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባኦም ምጽላይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ዚህብዎ መምርሒ ምትሕብባር እውን የጠቓልል። ኣብ ጽሑፋትናን ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታትናን እንረኽቦ መምርሒታት ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚመጽእ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓለውቲ ወረዳ ዚሸይም ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ይሸሙ። ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታትን ነቲ ዚውሃቦም መምርሒታት ጠቢቖም ብምስዓብ ንኣመሓዳሪ ኣካል ይዝክርዎ እዮም። ኵላትና ነቶም የሱስ ኪመርሑና ዚጥቀመሎም ዘሎ ሰባት ብምእዛዝ ንመራሒና የሱስ ከነኽብሮ ኣሎና።—እብ. 13:17

18 ንኣመሓዳሪ ኣካል ክንዝክረሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ድማ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብትግሃት ብምክፋል እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ኣስኣሰር እምነት እቶም ዚመርሕዎም ኪስዕቡ ኣተባቢዕዎም እዩ። እቲ እሙን ባርያ ድማ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምስፍሕፋሕ እተደንቕ እምነት ኣርእዩ እዩ። እሞኸ፡ ሓደ ኻብቶም ነቶም ቅቡኣት ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ዚድግፉ ኻልኦት ኣባጊዕ ዲኻ፧ እቲ መራሒኻ የሱስ፡ ‘ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋቱ ዝገበርካሉ፡ ንዕኡ ኸም ዝገበርካሉ’ ገይሩ ኸም ዚቘጽሮ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ እዩ።—ማቴ. 25:34-40

19. ንመራሒና የሱስ ክንስዕብ ዝቘረጽና ስለምንታይ ኢና፧

19 የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ንሰዓብቱ ኣይራሕርሖምን። (ማቴ. 28:20) ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስን መላእኽትን ቃል ኣምላኽን ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ እሙን ባርያ ደገፍ መንፈስ ቅዱስን መላእኽትን ቃል ኣምላኽን ኪረክብ ይሕግዞ እዩ። እቶም ኣባላት እቲ እሙን ባርያ ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ድማ፡ ‘ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ይስዕብዎ እዮም።’ (ራእ. 14:4) ንሕና ኸኣ ንመሪሕነቶም ምስ እንስዕብ፡ ንመራሒና የሱስ ኢና እንስዕብ ዘለና። ኣብ ቀረባ እዋን፡ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሓና እዩ። (ራእ. 7:14-17) ዋላ ሓደ ሰብኣዊ መራሒ፡ እዚ ተስፋ እዚ ኺህበና ኣይክእልን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 3 የሆዋ፡ “12 እምኒ መሰረት” እታ ሓዳስ የሩሳሌም ዜቝሙ፡ 12 ሃዋርያት ኪዀኑ መዲቡ ነይሩ እዩ። (ራእ. 21:14) ስለዚ፡ እሙን ኰይኑ ምድራዊ ህይወቱ ዝዛዘመ ሃዋርያ ብኻልእ ኪትካእ ኣየድልን እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ካብ 1955 ኣትሒዙ፡ እቲ ትካል፡ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ተጸውዐ።

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብታ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኣብ ዚብል ኣርእስቲ፡ “ዝበርሀ ትምህርትታት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ እውን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብታ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 58-59 ርአ።