ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ቍ. 2 2016

 ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ እዩ ተጻሒፉ ተወዲኡ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ማእለያ ዘይብሎም መጻሕፍቲ ተጻሒፎምን ጠፊኦምን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይጠፍአን። ነዚ ዚስዕብ እስከ ርአ።

  • ሓያላት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ ሓያል ጻዕሪ እኳ እንተ ኣካየዱ ኼጥፍእዎ ኣይከኣሉን። ንኣብነት፡ ኣን ኢንትሮዳክሽን ቱ ዘ መዲቫል ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ኣብ ገሊአን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃገራት “እቶም ብቛንቋ ተራ ሰባት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውንኑን ዜንብቡን ሰባት ከም መናፍቓንን ተቓወምትን ጌርካ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም።” እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ደቀባት ዝተርጐሙ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተባብዑ ምሁራት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም፡ ገሊኣቶም ከኣ ተቐቲሎም እዮም።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ጸላእቲ እኳ እንተ ነበርዎ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ልዕሊ ዅሉ እተዘርግሐ መጽሓፍ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብምሉእ ወይ ብኸፊል፡ ብልዕሊ 2,800 ቋንቋ ዳርጋ ሓሙሽተ ቢልዮን ቅዳሓት ተሓቲሙ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቲ ድሩት ዝርጋሐ ዘለዎን ግዜኡ ዚሓልፎን፡ ናይ ፍልስፍናን ስነ ፍልጠትን ካልእ ዓውድን መጻሕፍቲ ኺወዳዳደር ከሎ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ናብ እተፈላለየ ቛንቋታት ምትርጓሙ ንገሊኡ ቛንቋታት ኪዕቀብን ኪምዕብልን ሓጊዙ እዩ። እቲ ብማርቲን ሉተር እተዳለወ ትርጉም ጀርመንኛ ኣብቲ ቛንቋ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ነይርዎ። ናይ መጀመርታ ሕታም ኪንግ ጀምስ ቨርሽን፡ ብቛንቋ እንግሊዝኛ “ኻብ እተሓትሙ መጻሕፍቲ እቲ ኣዝዩ ጸላዊ ኪኸውን ዚኽእል መጽሓፍ” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ባህሊ ምዕራባውያን ጽልዋ ገይሩ እዩ፣ ጽልዋኡ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታትን ልምድታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስነ ጥበብን ስነ ጽሑፍን ሕግን ፖለቲካን ኣብ ካልእ ዓውድታትን ተራእዩ እዩ።”—ዘ ኦክስፎርድ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ቡክስ ኦቭ ዘ ባይብል።

እዚ ገለ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዚገብሮ ሓቅታት እዩ። ክሳዕ ክንድዚ ተፈላጥነት ኪረክብ ዝኸኣለ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ምእንቲ እዚ መጽሓፍ እዚ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉኸ ስለምንታይ እዮም፧ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ጥበብ ዜንጸባርቕ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጠንቂ መከራን ግጭትን ወዲ ሰብ እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ይሕግዘና። ልዕሊ ኹሉ ድማ እዚ ጸገማት እዚ ኸም ዜኽትም ተስፋ ይህብ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ከኣ ይገልጽ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ምስትውዓል ይህብ

ዓለማዊ ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ካናዳ እትሕተም ኦታዋ ሲቲዝን እትብሃል ጋዜጣ ኸም ዝገለጸቶ፡ “ብዝሒ ዲፕሎማ ወይ ዲግሪ ምህላው፡ ቅኑዕ ስነ ምግባራዊ ውሳነታት ክትገብር የኽእለካ እዩ ማለት ኣይኰነን።” ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ከም ውሩያት ነጋዶን መራሕቲ ሃገራትን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ምሁራት ሰባት የጠፋፍኡን የታልሉን ይሰርቁን እዮም። እዚ ተግባራት እዚ ኸኣ ብመሰረት ኢደልማን ዚብሃል ትካል ህዝባዊ ጕዳያት ዘካየዶ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ፡ “ሰባት ኣብ መራሕቶም ዝነበሮም ምትእምማን ከም ዜጥፍኡ ገይርዎም እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ እዩ ዜተኵር። ብዛዕባ “ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ” ምስትውዓል ይህበና እዩ። (ምሳሌ 2:9) ንኣብነት፡ ሓደ ስቴፈን ኢልና እንጽውዖ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ። ኣብኡ ዀይኑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ነቲ ኣብኡ ዝረኸቦ ግብራዊ ምኽሪ ኼማስወሉን ጀመረ። “‘ኣቦኻን ኣዴኻን ምኽባር’ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺርድኣኒ ኽኢሉ እዩ። ስምዒታተይ ብፍላይ ድማ ቍጥዓይ ክቈጻጸር ክኢለ እየ” ብምባል ጸሓፈ።—ኤፌሶን 4:31፣ 6:2

እቲ ስቴፈን ኣብ ልቡ ዘሕደሮ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 19:11 ዚርከብ ጥቕሲ ዀይኑ፡ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ይብል። ሕጂ፡ ስቴፈን በዳሂ ዅነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ንጕዳዩ ህድእ ኢሉ ይምርምሮን ነቲ ብዛዕባኡ ዚገልጽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓይየሉ ይጽዕርን እዩ። “መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝበለጸ መምርሒ ዚህብ መጽሓፍ ኰይኑ እየ ረኺበዮ” ድማ በለ።

ሓንቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቐዲማ ብጌጋ እትፈርድ ሰበይቲ፡ ማሪያ ንእትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጸረፈታ፣ በዚ ድማ ዕግርግር ኣለዓዓለት። ማሪያ ግና ዓጸፌታ ኽትምልስ ኣብ ክንዲ እትፍትን ስቕ ኢላ መገዳ ቐጸለት። እታ ሰበይቲ በቲ ዘርኣየቶ ጠባይ ሕማቕ ተሰምዓ እሞ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረኽቦም ደለየት። ድሕሪ ወርሒ ኣቢላ ንማርያ ምስ ረኸበታ ድማ ሓቚፋ ብምስዓም ይቕረታ ሓተተታ። እቲ ማርያ ዘርኣየቶ ልእመትን ርእሰ ግትኣትን  ንሃይማኖታዊ እምነታ ዜንጸባርቕ ምዃኑ እውን ኣስተውዓለት። ከም ውጽኢቱ ድማ እዛ ኣቐዲማ ብጌጋ ዝፈረደት ሰበይትን ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቤታን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ወሰኑ።

የሱስ ክርስቶስ፡ ጥበብ ብግብራ ኸም እትጸድቕ ገለጸ። (ማቴዎስ 11:19) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ኸም ዝዀነ ዜረጋግጽ ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖታት ኣሎ። ብሉጽ ባህርያት ከም እነርኢ እዩ ዚገብረና። እዚ ስርዓታት እዚ፡ “ንገርሂ የጥብቦ፡” “ንልቢ የሐጕሶ፡” ንስነ ምግባራውን ንመንፈሳውን መዳያት ብምንጻር ከኣ፡ “ነዒንቲ የብርሄን” እዩ።—መዝሙር 19:7, 8

መጽሓፍ ቅዱስ ጠንቂ መከራን ግጭትን ወዲ ሰብ ይገልጽ

ተመራመርቲ ብዛዕባ ሓደ ተላባዒ ሕማም ኬጽንዑ ኸለዉ፡ ጠንቂ እቲ ሕማም፡ ማለት ንዕኡ ዜለዓዕሎ ነገራት ኪፈልጡ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብቲ ነቲ ኸም “ለበዳ” ዝዀነ መከራን ባእስን ወዲ ሰብ ንምርዳእ ዚግበር ጻዕሪ እውን እዚ ኣገባብ እዚ ይዓዪ እዩ። እቲ ብዛዕባ ጸገማትና ዝጀመረሉ ግዜ ዚገልጽ ጥንታዊ ታሪኽና ሰኒዱ ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ዘፍጥረት፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ፡ መከራ ደቂ ሰብ ከም ዝጀመረ እያ እትገልጽ። ንሳቶም ቅኑዕን ጌጋን ባዕሎም ኪውስኑ እዮም መሪጾም፣ እዚ ግና ንፈጣሪና ጥራይ ዚግብኦ መሰል እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:1-7) እቲ ዜሕዝን ከኣ ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ሰባት ብሓፈሻ ብርእስኻ ናይ ምኻድ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዮም እዮም። ውጽኢቱኸ፧ ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ ናጽነትን ሓጐስን ዜስተማቕሩ፡ ኣደዳ ተኸታታሊ ግጭት፡ ጭቆና፡ ከምኡ እውን ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ውድቀት እዮም ኰይኖም። (መክብብ 8:9) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሰብ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) እቲ ዜሐጕስ ድማ ዕልዋ ደቂ ሰብ ዜብቅዓሉ እዋን ቀሪቡ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ንስልጣኑን ንስርዓታቱን ዜኽብሩ ሰባት ብዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንእከይን ነቲ ዜስዕቦ መከራን ንዘለኣለም ኪቕጽል ከም ዘይሓድጎ እዩ ዜረጋግጸልና። እኩያት፡ “ሳዕቤናት መገዶም ኪስከሙ” እዮም። (ምሳሌ 1:30, 31NW) “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11

“[ኣምላኽ] ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።”—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

ኣምላኽ፡ ምድሪ ሰላማዊት ክትከውን ዘለዎ ዕላማ ብ“መንግስቲ ኣምላኽ” ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። (ሉቃስ 4:43) እዛ መንግስቲ፡ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እያ፣ ኣምላኽ ድማ ብእኣ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘለዎ መሰል ልዑላውነት ኬረጋግጽ እዩ። የሱስ፡ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል፡ ነዛ መንግስቲ ምስ ምድሪ ኣተኣሳሲርዋ ኣሎ።—ማቴዎስ 6:10

እወ፡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፈጣሪ ኺገዝእ ዘለዎ መሰል ኣፍልጦ ብምሃብ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም። ብልሽውናን ስስዐን ቍጠባዊ ፍልልይን ዓሌታዊ ጽልእን ውግእን ኪጠፍእ እዩ። ቃል ብቓሉ ሓንቲ ዓለም፡ ሓንቲ መንግስቲ ኸምኡ እውን ሓደ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን መዐቀኒ ኺህሉ እዩ።—ራእይ 11:15

ናብ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ፍልጠት የድሊ። ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:3, 4፡ “[ኣምላኽ] ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ” ትብል። እዚ ሓቂ እዚ፡ ነቲ ቕዋም መንግስቲ  ኣምላኽ ኪብሃል ዚከኣል፡ እዛ መንግስቲ እትምርሓሉ ሕግታትን ስርዓታትን ዚገልጽ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ የጠቓልል። ገለ ኻብኡ ድማ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ይርከብ። (ማቴዎስ፡ ምዕራፍ 5-7) ነዘን ሰለስተ ምዕራፋት ከተንብበን ከለኻ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ጥበብ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕሎ፡ ህይወት ከመይ ከም እትመስል ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን።

መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ እተዘርግሐ መጽሓፍ ምዃኑ ኼገርመና ኣለዎ ድዩ፧ ኣይፋልን! ከመይሲ፡ ትምህርትታቱ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ። ብብዝሒ ምዝርጋሑ ድማ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ሃገራትን ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባኡ ኺፈልጡን ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ኪጥቀሙን ከም ዚደሊ ዜርኢ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድዩ፧

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ መጻሕፍቲ እተፈልየ መጽሓፍ ኪኸውን ኣለዎ

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ ጸገማትካ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታት ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኺረኽቡሉ ይሕግዞም ኣሎ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧