ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሓምለ 2016

ስለምንታይ ኢና ‘ኽንነቅሕ’ ዘሎና፧

ስለምንታይ ኢና ‘ኽንነቅሕ’ ዘሎና፧

“ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም።” —ማቴ. 24:42

መዝሙር፦ 16, 54

1. ሰዓት ከም ዝኣኸለን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን ምፍላጥ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ምሳሌ ሃብ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣኼባ ዚጅመረሉ ሰዓት ከም ዝኣኸለ፡ ኣብ ቪድዮ ዘሎ ሰዓት ሓቢሩ፣ ኮፍ ኢልና ነቲ ኣብ መጀመርታ እቲ ኣኼባ ዞባ ዘሎ ሙዚቃ እንሰምዓሉ ግዜ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነቲ ኦርኬስትራ ግምቢ ዘብዐኛ ዘዳለውዎ ጥዑም ሙዚቃ እንሰምዓሉ ግዜ እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣእምሮናን ልብናን ንዚስዕብ መደረታት እነዳልወሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ኣኼባ ኸም እተጀመረ ኸየድሃቡ፡ ናብዝን ናብትን ይብሉ ወይ ምስ ፈተውቶም የዕልሉ ኣለዉ። ሰዓት ከም ዝኣኸለን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን ነቒሖም ኣይተኸታተሉን። እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መድረኽ እዩ ዘሎ፡ ሙዚቃ እውን ተወሊዑ ኣሎ፡ ተኣከብቲ እውን ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። እዚ ዅነታት እዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመጽእ ዘሎ ዓብዪ ፍጻመ ብንቕሓት ምክትታል ዘለዎ ኣገዳስነት ክንግንዘብ ይሕግዘና እዩ። እቲ ፍጻመ እቲ እንታይ እዩ፧

2. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንቕሑ” ዝበሎም ስለምንታይ እዩ፧

2 የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ኪዛረቦም ከሎ፡ “እቲ ምዱብ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተቛመቱን ንቕሑን” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡  “ንቕሑ” ኢሉ ብተዳጋጋሚ ምዒድዎም እዩ። (ማቴ. 24:3፣ ማርቆስ 13:32-37 ኣንብብ።) ማቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከኣ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “እምበኣር፡ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። . . . ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ” ኢሉ ኺነቕሑ ተላብይዎም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ “እምበኣር፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ።—ማቴ. 24:42-44፣ 25:13

3. ስለምንታይ ኢና ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እነቕልበሉ፧

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀነና፡ ነቲ የሱስ ዝሃበና መጠንቀቕታ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። እቲ “ግዜ መወዳእታ” ኣብ ዚጽንቀቐሉ እዋን ንነብር ከም ዘለና፡ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚጅመረሉ ግዜ እውን ብዙሕ ከም ዘይተረፎ ንፈልጥ ኢና። (ዳን. 12:4፣ ማቴ. 24:21) ኣብ ብዘላ ዓለም ዜጨንቕ ውግእ፡ እናወሰኸ ዚኸይድ ምንዝርናን ጥሕሰት ሕግን፡ ሃይማኖታዊ ሕንፍሽፍሽ፡ ጥሜት፡ ለበዳ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንርኢ ኣለና። ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ይፍጽምዎ ኣለዉ። (ማቴ. 24:7, 11, 12, 14፣ ሉቃ. 21:11) ጐይታና መጺኡ ዕላማ ኣምላኽ ዚፍጽመሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ ዘለና።—ማር. 13:26, 27

እታ መዓልቲ ትቐርብ ኣላ

4. (ሀ) የሱስ፡ ኣርማጌዶን መዓስ ከም ዚኸውን ሕጂ ይፈልጥ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ብርቱዕ ጸበባ መዓስ ከም ዚጅምር እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

4 ኣኼባ ዞባ ዚጅመረሉ ሰዓት ብልክዕ ንፈልጦ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ይትረፍዶ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ ሰዓትን መዓልትን፡ ኣበየናይ ዓመት ከም ዚጅምር እኳ ኣይንፈልጦን ኢና። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:36) እንተዀነ ግና፡ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ምስ ከደ፡ ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪዋጋእ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ። (ራእ. 19:11-16) ስለዚ፡ የሱስ፡ ኣርማጌዶን መዓስ ከም ዚኸውን ሕጂ ይፈልጥ እዩ ኽንብል ንኽእል ኢና። ንሕና ግና ኣይንፈልጥን ኢና። እምበኣር፡ እቲ ጸበባ ኽሳዕ ዚጅምር ክንነቅሕ ኣሎና። የሆዋ ግና ነታ መዓልቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ይፈልጣ እዩ። መወዳእታ ብልክዕ መዓስ ከም ዚመጽእ ወሲኑ እዩ። ሕጂ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ ግዜ ይቐርብ ኣሎ፣ “ኣይኪድንጕን ድማ እዩ።” (ኣንባቆም 2:1-3 ኣንብብ።) ብዛዕባ እዚ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

5. የሆዋ እተነበዮ ትንቢታት ወትሩ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚፍጸም ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

5 የሆዋ እተነበዮ ትንቢታት ወትሩ ኣብ ልክዕ ግዜኡ እዩ ዚፍጸም። ንኣብነት፡ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ብዛዕባ ዘውጽኣሉ ግዜ እስከ ንርአ። ሙሴ ብዛዕባ እቲ ብ14 ኒሳን 1513 ቅ.ክ. ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ መወዳእታ እተን 430 ዓመት፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵሎም ሰራዊት የሆዋ ኻብ ምድሪ ግብጺ ወጹ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ዘጸ. 12:40-42) እተን “430 ዓመት” እቲአን፡ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ብ1943 ቅ.ክ. ኪዓዪ ምስ ጀመረ እየን ጀሚረን። (ገላ. 3:17, 18) ድሕርዚ እተወሰነ ግዜ ጸኒሑ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ” ኢሉ ነጊርዎ እዩ። (ዘፍ. 15:13፣ ግብ. 7:6) እተን “400 ዓመት” ግፍዒ ኸኣ ኣብታ ብ1913 ቅ.ክ. እስማኤል ንይስሃቅ ጡብ ምስ ሓደገ ዘላገጸሉ መዓልቲ ጀሚረን ኪዀና ኣለዋን፣ እስራኤላውያን  ብ1513 ቅ.ክ. ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ድማ ኣብቂዐን እየን። (ዘፍ. 21:8-10፣ ገላ. 4:22-29) እወ፡ የሆዋ ኣርባዕተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ ህዝቡ ሓራ ዚወጹሉ ግዜ ብልክዕ ወሲኑ ነይሩ እዩ።

6. የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜድሕኖም ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

6 እቲ ምስቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ህዝቢ ዝነበረ እያሱ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን” ኢልዎም እዩ። (እያ. 23:2, 14) የሆዋ ነቲ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዜድሕነና ዘተስፈወና ተስፋ ኸም ዚፍጽሞ እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ኽንድሕን እንተ ደሊና ግና፡ ክንነቅሕ ኣሎና።

ንድሕነት ንቕሓት የድሊ

7, 8. (ሀ) ብግዜ ጥንቲ፡ ሓላዊ እንታይ እጃም እዩ ነይርዎ፧ እዚኸ እንታይ ይምህረና፧ (ለ) ሓለውቲ ኣብ ስራሕ ከለዉ ምስ ዚድቅሱ እንታይ ኬጋጥም ይኽእል ከም ዝነበረ ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

7 ብዛዕባ ኣገዳስነት ንቕሓት፡ ብግዜ ጥንቲ ይኸውን ካብ ዝነበረ ነገር ሓደ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ብግዜ ጥንቲ፡ ከም የሩሳሌም ዝኣመሰላ ሓያሎ ዓበይቲ ኸተማታት ብመካበብያ እተኸብባ እየን ነይረን። እቲ መካበብያ ድማ ካብ ወረርቲ ዕቝባ ይዀነን ነይሩ እዩ፣ በሪኽ ብምዃኑ እውን ንኸባቢአን ኪቋመታ ይኽእላ ነይረን እየን። መዓልትን ለይትን ኣብ መካበብያን ኣብ ኣፍ ደገታትን ኰይኖም ዚሕልዉ ሓለውቲ እውን ነይሮም እዮም። ንነበርቲ እታ ኸተማ ኸኣ ብዛዕባ ዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ እዮም ዜንቅሕዎም ነይሮም። (ኢሳ. 62:6) እቶም ሓለውቲ ምንቃሖምን ትኵራት ምዃኖምን ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ ነይሩ።—ህዝ. 33:6

8 ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብ70 ድ.ክ. ሓለውቲ ኣፍ ደገታት ግምቢ ኣንቶንያ ደቂሶም ብምንባሮም፡ ሓይልታት ሮሜ ነቲ ምስ መካበብያ የሩሳሌም ዝለገበ ግምቢ ኺቈጻጸርዎ ኸም ዝኸኣሉ ኣዘንትዩ እዩ። እቶም ሮማውያን ካብኡ ናብታ ቤተ መቕደስ ጐይዮም ኣኣትዮም ብሓዊ ኣንደድዋ፣ እዚ ኸኣ መወዳእታ እቲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ኣይሁድን ወሪዱ ዝነበረ ብርቱዕ ጸበባ ዀነ።

9. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እንታይ እዮም ዘይፈልጡ፧

9 ሎሚ ብዙሓት ሃገራት ሓለውቲ ዶብን ጽኑዕ ሓለዋ ዚገብር ተክኖሎጅን እየን ዚጥቀማ። ዶበን ጥሒሶም ዚኣትዉ፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ድማ ኣብ ሓደጋ ዜእትዉ ጸላእቲ ኸይመጽወን ድማ ይሕልዋ። እዞም ሓለውቲ እዚኦም ግና፡ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት ወይ ካብ ሰባት ዚመጽእ ሓደጋታት ጥራይ እዮም ኬለልዩ ዚኽእሉ። ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘላን ንጥፈታታ ተካይድ ምህላዋን ኣይፈልጡን እዮም፣ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ኣንጸላልዩ ዘሎ ፍርዲ እንታይ ግደ ኸም ዘለዋ እውን ኣይፈልጡን እዮም። (ኢሳ. 9:6, 7፣ ዳን. 2:44) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንሕና ብመንፈሳዊ መዳይ ነቒሕና ምስ እንቋመት፡ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ዝመጸት እንተ መጸት ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ንኽእል ኢና።—መዝ. 130:6

ንቕሓትካ ኸይዳኸም ተጠንቀቕ

10, 11. (ሀ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ድያብሎስ ንሰባት፡ ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ኪብሉ ኸም ዝጸለዎም ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

10 ምሉእ ለይቲ ነቒሑ ኺሕሉ ዝሓደረ ሓላዊ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ግዜ ሓለዋኡ ቐቅድሚ ምብቃዑ፡ ብዝያዳ ይደክምን ይታኸስን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብዝቐረብና መጠን፡ ንቑሓት ክንከውን ብዝያዳ የጸግመና እዩ። ክሳዕ መወዳእታ ኽንነቅሕ እንተ ዘይክኢልና፡ ብሓቂ ዜሕዝን እዩ ዚኸውን! እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ንንቕሓትናን ንኣትኵሮናን ኬዳኽሞ ዚኽእል ሰለስተ ኣሉታዊ ጽልዋ እስከ ንርአ።

 11 ድያብሎስ ንሰባት፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ከም ዘይግደሱ ይገብሮም ኣሎ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ሰለስተ ሳዕ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ዮሃ. 12:31፣ 14:30፣ 16:11) ሰባት ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ትንቢታት ኣምላኽ ዕሽሽ ኢሎም ብህጹጽ ስጕምቲ ምእንቲ ኸይወስዱ፡ ድያብሎስ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጸልማት ከም ዚዓጽዎም፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ጸፎ. 1:14) ሰይጣን ብናይ ሓሶት ሃይማኖታት ገይሩ ንኣእምሮ ሰባት ኣዕዊርዎ ኣሎ። ምስ ሰባት ኣብ እትገብሮ ዝርርብ እንታይ ኣስተውዒልካ፧ ንሰባት ብዛዕባ ምምጻእ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዝን ክርስቶስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ይገዝእ ከም ዘሎን ክትነግሮም ከለኻ፡ ድያብሎስ “ንኣእምሮ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዕዊርዎ” ኸም ዘሎ ትርኢዶ ኣለኻ፧ (2 ቈረ. 4:3-6) ክንደይ ሳዕ እዮም ሰባት “ኣይንደልን ኢና” ዚብሉና፧ እዛ ዓለም ናበይ ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ኽንነግሮም ክንፍትን ከለና፡ ተገዳስነት የብሎምን።

12. ድያብሎስ ኬታልለና ኸነፍቅደሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

12 ካልኦት ተገዳስነት ዘይብሎም ምዃኖም ተስፋ ኬቝርጸካ ወይ ንንቕሓትካ ኼዳኽሞ ኣይትፍቀድ። ንቑሕ ክትኰነሉ ዘሎካ ምኽንያት ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “መዓልቲ የሆዋ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:1-6 ኣንብብ።) የሱስ ድማ፡ “ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ” ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ። (ሉቃ. 12:39, 40) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ሰይጣን ንብዙሓት ሰባት፡ ብሓሶት “ሰላምን ደሓንን!” ከም ዚስምዖም ኪገብር እዩ። ኵነታት ዓለም ደሓን ከም ዝዀነ ገይሮም ምእንቲ ኺሓስቡ፡ ኬስሕቶም እዩ። ንሕናኸ፧ ‘ክሳዕ ዝነቓሕናን ቀልብና ኽሳዕ ዝሓለናን፡’ እታ መዓልቲ ፍርዲ እቲኣ ‘ኸም ንሰረቕቲ ኣይትመጸናን እያ።’ ስለዚ ኸኣ ኢና መዓልቲ መዓልቲ ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚብለና ኸነስተንትንን ዘሎና።

13. መንፈስ ዓለም ንደቂ ሰብ ብኸመይ ይጸልዎም ኣሎ፧ ካብቲ ሓደገኛ ጽልዋ እቲኸ ኸመይ ጌርና ኸነምልጥ ንኽእል፧

13 መንፈስ ዓለም ብመንፈሳዊ መዳይ ንሰባት የደቅሶም ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ መነባብሮኦም ጥራይ እምብዛ ስለ ዜተኵሩ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ኣይኰኑን። (ማቴ. 5:3) ኣብቲ “ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን” ዜለዓዕል ዚማርኽ ስጋዊ ነገራት እዛ ዓለም እዚኣ ጥሒሎም  ኣለዉ። (1 ዮሃ. 2:16) ናይ መዘናግዒ ኢንዱስትሪ እውን ንሰባት “ተድላ ዚፈትዉ” ገይርዎም ኣሎ፣ እቲ ኢንዱስትሪ ዜቕርቦ ፈተናታት ከኣ በብዓመቱ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኸይድቅሱ፡ “ትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ” ዝበሎም።—ሮሜ 13:11-14

14. ኣብ ሉቃስ 21:34, 35 እንታይ መጠንቀቕታ ንረክብ፧

14 መንፈስ ዓለም ዘይኰነስ፡ መንፈስ ኣምላኽ እዩ ኺጸልወና እንደሊ። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ዅነታት ብንጹር ከም እንርዳእ ገይሩና ኣሎ። [1] (1 ቈረ. 2:12) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምትኻስ ፍሉይ ነገር ኣየድልዮን እዩ፣ ኣብ ናብራኡ ንቡር ንጥፈታት ብምብዛሕ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ እንተ ስኢኑሉ ጥራይ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪታኸስ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 21:34, 35 ኣንብብ።) ንመዓልቲ የሆዋ ነቒሕና ስለ እተጸበና፡ ካልኦት የላግጹልና ይዀኑ፣ ብሰንኪ እዚ ግና ናይ ህጹጽነት መንፈስ ከነጥፍእ የብልናን። (2 ጴጥ. 3:3-7) ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ሓቢርና ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲርና ኽንእከብ ኣሎና።

ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕ ንምዃን ዚከኣለካ ዘበለ ትገብርዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-16 ርአ)

15. ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንታይ ድኽመት እዩ ነይርዎም፧ ንሕናኸ እንታይ ምስ እነጕድል ኢና ኸማታቶም ክንደክም እንኽእል፧

15 ዘይፍጹም ስጋና ንንቕሓትና ኼዳኽሞ ይኽእል። ሰባት ብስጋዊ ድኽመቶም ኪስነፉ ኸም ዚኽእሉ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብታ ቐቅድሚ እታ የሱስ እተቐትለላ መዓልቲ ዝነበረት ለይቲ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። የሱስ ንጽህናኡ ምእንቲ ኺሕሉ፡ ብርታዐ ንምርካብ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኺምህለል ነይርዎ። ንሱ ኺጽሊ ኸሎ ድማ፡ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን፡ “ንቕሑ” ኢልዎም ነይሩ። ንሳቶም ግና እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ነገር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይፈለጡን። ከምቲ ጐይታኦም ዝበሎም ኣብ ክንዲ ዚነቕሑ፡ ደኺሞም ብምንባሮም ደቀሱ። የሱስ ግና ሰብነቱ ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቒሑ ናብ ኣቦኡ ብጽኑዕ ይጽሊ ነበረ። እቶም ብጾቱ እውን ከምኡ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም።—ማር. 14:32-41

16. ብመሰረት ሉቃስ 21:36፡ የሱስ ‘ክንነቅሕ’ እተማሕጸናና ብኸመይ እዩ፧

16 ብመንፈሳዊ መዳይ ‘ንቑሕ’ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ቅኑዕ ንምግባር ክንሕልን ኣሎና ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ካብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ዘጋጠመ ነገር ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ የሆዋ ኺምህለሉ ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:36 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕ ንምዃን፡ ብጸሎት ክንነቅሕ ኣሎና።—1 ጴጥ. 4:7

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቕሑ

17. ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዚመጽእ ድሉዋት ምዃንና ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

17 የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ግዜ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ” ስለ ዝበለ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እንታኸሰሉ ግዜ ኣይኰነን፣ ነቲ ሰይጣንን ዓለሙን ዜቕርቡልና፡ ስጋና እውን ዚምነዮ ዘይጭበጥ ሕልሚ እንስዕበሉ ግዜ እውን ኣይኰነን። (ማቴ. 24:44) ኣምላኽን ክርስቶስን ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም፡ ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ከም ዚጽበየናን ከመይ ጌርና ኽንነቅሕ ከም ዘሎናን ተማሕጺኖምና ኣለዉ። ንመንፈሳውነትናን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ከነተኵረሉ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ድማ ቀዳምነት ክንህብ ኣሎና። ነቲ ዚመጽእ ድሉዋት ምእንቲ ኽንከውን፡ ነዚ ዘለናሉ ግዜን ነዚ ዚኸውን ዘሎ ፍጻመታትን ከነለልዮ ኣሎና። (ራእ. 22:20) ነዚ ምልላይና፡ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ!

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 14) ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 21 ርአ።