ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሓምለ 2016

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 37 ተጠቒሱ ዘሎ ኽልተ ዕንጨይቲ ብሓደ ምልጋቡ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

የሆዋ ንህዝቅኤል፡ ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ተመልሱ ኸም ሓደ ህዝቢ ገይሩ ኼሕብሮም ምዃኑ ዚሕብር ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ ሃቦ። እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ብሓደ ኺሓብሩ ምዃኖም ዚሕብር እዩ።

የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ ኽልተ ዕንጨይቲ ኺጽሕፍ ነገሮ። ህዝቅኤል፡ ኣብ ሓደ ዕንጨይቲ፡ “ንይሁዳን ምስኡ ንዘለዉ ህዝቢ እስራኤልን” ኢሉ ኺጽሕፍ፡ ኣብቲ ኻልእ ዕንጨይቲ ኸኣ፡ “ንዮሴፍ እቲ ዕንጨይቲ ኤፍሬምን ምስኡ ንዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን” ኢሉ ኺጽሕፍ ተነግሮ። ክልቲኡ ዕንጨይቲ፡ ኣብ ኢዱ “ሓደ ዕንጨይቲ” ኸም ዚኸውን ከኣ ተሓበሮ።—ህዝ. 37:15-17

 እቲ “ኤፍሬም” ዚብል ስያመ ንመን እዩ ዜመልክት፧ እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ፡ የሮብዓም ኪኸውን ከሎ፡ ካብ ነገድ ኤፍሬም እዩ ነይሩ። ነገድ ኤፍሬም ድማ ዓብላሊ ነገድ ኰነ። (ዘዳ. 33:13, 17፣ 1 ነገ. 11:26) እዚ ነገድ እዚ፡ ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ እዩ መጺኡ። (ዘሁ. 1:32, 33) ዮሴፍ ካብ ኣቦኡ ያእቆብ ፍሉይ በረኸት ተቐቢሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ዚውክል ዕንጨይቲ፡ “ዕንጨይቲ ኤፍሬም” ተባሂሉ ምጽዋዑ ብቑዕ እዩ ነይሩ። ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ኽልተ ዕንጨይቲ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ህዝቢ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል፡ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ማለት ብ740 ቅ.ክ. ብኣሶራውያን ናብ ምርኮ ተወሲዶም ነይሮም እዮም። (2 ነገ. 17:6) ስለዚ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኣብ መላእ እቲ ንሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር ዝተክአ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ፋሕ ኢሎም እዮም ነይሮም።

ብ607 ቅ.ክ. እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት ደቡባዊት መንግስትን ካብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ተሪፎም ኪዀኑ ዚኽእሉ ኻልኦትን ብባቢሎናውያን ናብ ምርኮ ተወስዱ። ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ነገድ ዚገዝኡ ዝነበሩ እቶም ካብ መስመር ወለዶ ይሁዳ ዝዀኑ ነገስታቶም እዮም ነይሮም፣ ካህናት ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ ቤተ መቕደስ የገልግሉ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ክህነት እውን ምሳታቶም እተኣሳሰረ እዩ ነይሩ። (2 ዜና 11:13, 14፣ 34:30) እቲ “ንይሁዳ” ዚብል እተጻሕፈሉ ዕንጨይቲ ነታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ዜመልክት ምዃኑ እምበኣር ብቑዕ እዩ።

እዚ ምሳልያዊ ኽልተ ዕንጨይቲ መዓስ እዩ ተላጊቡ፧ እስራኤላውያን ብ537 ቅ.ክ. ቤተ መቕደስ ኪሃንጹ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ እዩ። ወኪላት እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስትን እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስትን ካብ ምርኮ ተመልሱ። ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ዝነበረ ፍልልይ ድማ ኣብቅዐ። (ህዝ. 37:21, 22) እስራኤላውያን ንኣምላኽ እንደገና ብሓድነት ኬምልኽዎ ጀመሩ። ነብዪ ኢሳይያስን ነብዪ ኤርምያስን እውን ብዛዕባ እዚ ዕርቂ እዚ ተነብዮም ነይሮም እዮም።—ኢሳ. 11:12, 13፣ ኤር. 31:1, 6, 31

እዚ ትንቢት እዚ፡ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ፡ ማለት የሆዋ ንኣምለኽቱ ‘ሓደ ኸም ዚዀኑ’ ኺገብሮም ምዃኑ የጕልሕ። (ህዝ. 37:18, 19) እዚ ብዛዕባ ሓድነት ዜተስፉ ተስፋ እዚ ኣብ ግዜና ተፈጺሙ ድዩ፧ እወ፡ ኣብ ፈለማ እቲ ትንቢት ብ1919 ህዝቢ ኣምላኽ በብቝሩብ ኪውደቡን ኪሓብሩን ከለዉ እዩ ኺፍጸም ጀሚሩ። እቲ ሰይጣን ንሓዋሩ ኺፈላልዮም ዝገበሮ ፈተነ ፈሺሉ እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም እንደገና ዝሓበሩ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ነገስታትን ካህናትን ኪዀኑ እዩ ተስፋ ነይርዎም። (ራእ. 20:6) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ንይሁዳ እተጻሕፈ ዕንጨይቲ እዮም ነይሮም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ምስዞም መንፈሳውያን ኣይሁድ ኪሓብሩ ጀመሩ። (ዘካ. 8:23) እዚኣቶም ከምቲ ንዮሴፍ እተጻሕፈ ዕንጨይቲ እዮም ነይሮም፣ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኪገዝኡ ኸኣ ተስፋ ኣይነበሮምን።

ሎሚ፡ እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኦም፡ ነቲ “ጊልያይ ዳዊት” ተባሂሉ ብትንቢት እተነግረሉ ሓደ ንጉስ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እናተገዝኡ፡ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ብሓደ ሓቢሮም የገልግሉ ኣለዉ። (ህዝ. 37:24, 25) የሱስ፡ ‘ከምቲ ኣቦኡ ምስኡ ሓድነት ዘለዎ፡ ንሱ እውን ምስ ኣቦኡ ሓድነት ዘለዎ፡’ ኵሎም ሰዓብቱ እውን ‘ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ’ ጸልዩ እዩ። * (ዮሃ. 17:20, 21) ብዘይካዚ፡ የሱስ እቲ ብቕቡኣት ሰዓብቱ ዝቘመ ሒደት መጓሰ ምስቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ብምሕባር፡ “ሓደ መጓሰ” ኸም ዝዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንዅላቶም “ሓደ ጓሳ” ኸም ዚህልዎም እውን ሓቢሩ እዩ። (ዮሃ. 10:16) እዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላትሲ፡ ህዝቢ የሆዋ ተስፋኦም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ መንፈሳዊ ሓድነት ከም ዚህልዎም ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽዶ ኸይኰነ!

^ ሕ.ጽ. 6 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ኪዛረቦም ከሎ፡ ብዙሕ ምሳሌታት ሂብዎም እዩ። መጀመርታ፡ ብዛዕባ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ማለት በቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ዝቘመ ንእሽቶ ጕጅለ ጠቐሰ። (ማቴ. 24:45-47) ቀጺሉ፡ ንዅሎም እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ዜመልክት ምሳሌታት ሃበ። (ማቴ. 25:1-30) ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብዛዕባ እቶም ንኣሕዋቱ ዚድግፍዎም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ተዛረበ። (ማቴ. 25:31-46) ብተመሳሳሊ፡ ዘመናዊ ፍጻመ ትንቢት ህዝቅኤል ብቐዳምነት ኣብቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት እዩ ዚፍጸም። እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ፡ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት እተመልክት ወትሩ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብዚ ትንቢት እዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓድነት፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎምን ኣብ መንጎ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎምን ዘሎ ሓድነት የዘኻኽረና እዩ።