ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ጴጥሮስ 2:1-22

ትሕዝቶ

  • ናይ ሓሶት መምህራን ኪህልዉ እዮም (1-3)

  • ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት መምህራን ዚወርድ ፍርዲ ርግጽ እዩ (4-10ሀ)

    • መላእኽቲ ናብ ጦርጦስ ተደርበዩ (4)

    • ማይ ኣይሂ፣ ሶዶምን ጎሞራን (5-7)

  • መለለዪ ናይ ሓሶት መምህራን (10ለ-22)

2  ግናኸ፡ ከምቲ ናይ ሓሶት ነብያት ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ናይ ሓሶት መምህራን ኪህልዉ እዮም።+ ንሳቶም ዜጥፍእ ኑፋቐ ሰላሕ ኣቢሎም ኬእትዉን ነቲ ዝዓደጎም ዋና እኳ ኪኽሕድዎን እዮም፣+ ኣብ ርእሶም እውን ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም።  ብዙሓት ድማ ነቲ ንውርምናኦም* ኪስዕብዎ እዮም፣+ ብሰሮም እውን መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ።+  ብቓል ጥበራ ገይሮም ከኣ፡ ብስስዐ ኺምዝምዙኹም እዮም። እቲ ቐደም እተወሰነ ፍርዶም+ ግና ኣይድንጕን፡ ጥፍኣቶም እውን ኣይድቅስን እዩ።+  ኣምላኽ ነቶም ዝሓጥኡ መላእኽቲ እኳ ኣይነሓፎምን፣+ የግዳስ፡ ናብ ጦርጦስ* ደርብዩ፡+ ንፍርዲ ኺዕቈሩ ብመቝሕ ድቕድቕ ጸልማት ኣሲርዎም እዩ።*+  ነታ ጥንታዊት ዓለም እውን ኣይነሓፋን፣+ የግዳስ፡ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ናይ ዘይብሎም ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ፡+ ንኖህ እቲ ሰባኽ ጽድቂ+ ሻምናይ ርእሱ+ ሓልይዎ እዩ።  ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓምዅሽቲ ብምግባር ድማ፡ ኰኒንወን እዩ፣+ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ብዛዕባ ዚመጾም ነገር ከኣ፡ መሰክሒ ዀይነን ኣለዋ።+  ነቲ ብንውርምና* እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣመና ዚጕሂ ዝነበረ ጻድቕ ሎጥ ግና ኣናጊፍዎ እዩ፣+  መዓልቲ መዓልትስ፡ በቲ እቲ ጻድቕ ኣብ መንጎኦም ኪነብር ከሎ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብርታት ጥሕሰት ሕጊ፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ* ትስቀ ነይራ እያ።  እምበኣር፡ የሆዋ* ነቶም ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ፣+ ንዓመጽቲ ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ኺጠፍኡ* ኸመይ ገይሩ ኸም ዚዓቝሮም ይፈልጥ እዩ፣+ 10  ምናዳ ኸኣ ነቶም ንስጋ ኻልኦት ኬርክሱ ዚደልዩን+ ንስልጣን ዚንዕቁን።+ ንሳቶም ደፋራት፡ ብርእሶም ዚምክሑ፡ ንኽቡራት ኪጸርፉ ዘይፈርሁ እዮም፣ 11  መላእኽቲ ግና ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ንየሆዋ* ኻብ ዘለዎም ኣኽብሮት እተላዕለ፡* ብጸርፊ ኣይከሰስዎምን።+ 12  እዚኣቶም ግና ከምቶም ኪትሓዙን ኪጠፍኡን እተፈጥሩ ዘይሓስቡ እንስሳታት ብምዃኖም፡ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ነገራት ይጻረፉ ኣለዉ።+ በቲ ባዕሎም ዜምጽእዎ መገዲ ጥፍኣት ኪጠፍኡ እዮም፣ 13  ከም ዓስቢ ዓመጻኦም እውን፡ ኪዕመጹ እዮም። ብቐትሪ እኳ ምሕንቃቕ ከም ተድላ ገይሮም ይርእይዎ እዮም።+ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ እናበልዑ፡ ብዜታልል ትምህርቶም ዚፍንጥዙ* ርስሓትን ኣበርን እዮም።+ 14  ዝሙት ዝመልኣን+ ካብ ሓጢኣት ዘየቋርጻን ኣዒንቲ ኣለዋኦም፣ ንዘይጸንዑ* ኸኣ ይሓብሉ እዮም። ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም። ርጉማት ደቂ እዮም። 15  ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ስሒቶም እዮም። መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ+ በላዓም+ ወዲ ቤዖር ስዒቦም እዮም፣ 16  ንሱ ግና ቅኑዕ ዝዀነ ብምጥሓሱ፡ መግናሕቲ ተቐቢሉ እዩ።+ ዓባስ መጽዓኛ ብድምጺ ሰብ ተዛሪባስ ንጽላለ እቲ ነብዪ ዓጊታቶ እያ።+ 17  እዚኣቶም ማይ ዘይብሉ ዓይኒ ማያትን ብህቦብላ ዚኽብከብ ግመን እዮም፣ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ተዓቚሩሎም ኣሎ።+ 18  ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት ይዛረቡ እዮም። ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ንቝሩብ ዘምለጡ ሰባት፡ ብትምኒት ስጋን+ ብንውርምናን* ይሓብሉ እዮም።+ 19  እተሳዕረ ነቲ ዝሰዓሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡+ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ብልሽውና ኽነሶም፡+ ሓርነት የተስፍውዎም ኣለዉ። 20  ብልክዕ ፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብ ርኽሰት ዓለም ድሕሪ ምምላጦም፡+ ከም ብሓድሽ ብእኡ እንተ ተጠላሊፎምን እንተ ተሳዒሮምን፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን።+ 21  ነታ መገዲ ጽድቂ ብልክዕ ፈሊጦም ካብቲ ቕዱስ ትእዛዝ ካብ ዚርሕቁ፡ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ።+ 22  ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፣ ሓሰማ እውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት” ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሕንኪ ኣልቦነቶም።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ናብ ጕድጓድ ድቕድቕ ጸልማት ኣእትይዎም እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብሕንኪ ኣልቦነት።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኪቝረጹ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ።”
ወይ፡ “ቀይዲ ዘይብሉ ደስታ ዚረኽቡ።”
ወይ፡ “ንዘይጸንዓ ነፍሳት።”
ወይ፡ “ብሕንኪ ኣልቦነትን።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።