ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ጴጥሮስ 1:1-21

ትሕዝቶ

  • ሰላም (1)

  • ጽውዓኹም ኣጽኒዕኩም ሓዙ (2-15)

    • ኣብ እምነት ዚውሰኻ ባህርያት (5-9)

  • ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ትንቢታዊ ቓል (16-21)

1  ካብቲ ባርያን ሃዋርያን የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናብቶም ብጽድቂ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ዝረኸቡ፦  ብልክዕ ፍልጠት+ ኣምላኽን ጐይታና የሱስን፡ ጸጋን ሰላምን ይብዛሓልኩም።  ከመይሲ፡ ብልክዕ ፍልጠት እቲ ብኽብርን ብሕያውነትን ዝጸውዓና ኣቢሉ፡+ መለኮታዊ ሓይሉ ዅሉ እቲ ንህይወትን ንኣምላኽ ንዘሎና ተወፋይነትን ዚኸውን ነገራት ሂቡና* እዩ።  በዚ ድማ ነታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ሂቡና* እዩ።+ እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ብዘሎ ኽፉእ ትምኒት* ዚመጽእ ብልሽውና ኣምሊጥኩም፡ ተኻፈልቲ እቲ መለኮታዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ እዩ።+  ስለዚ፡ ብዅሉ ትግሃት እናተጋደልኩም+ ኣብ እምነትኩም ሕያውነት* ወስኹ፡+ ኣብ ሕያውነት* ከኣ ፍልጠት፡+  ኣብ ፍልጠት ድማ ርእሰ ግትኣት፡ ኣብ ርእሰ ግትኣት+ ከኣ ተጻዋርነት፡ ኣብ ተጻዋርነት ድማ ንኣምላኽ ዘሎኩም ተወፋይነት፡+  ኣብቲ ንኣምላኽ ዘሎኩም ተወፋይነት ከኣ ሕውነታዊት ፍቕሪ፡ ኣብ ሕውነታዊት ፍቕሪ እውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ።+  እዚ ነገራት እዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናበዝሐ እውን እንተ ኸይዱ፡ ብዛዕባ እቲ ልክዕ ፍልጠት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘይንጡፋት ወይ ዘይፈርዩ ኽትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።+  እቲ እዚ ነገር እዚ ዘይብሉስ፡ ብርሃን ከይርኢ ዚዕመት* ዕዉርን+ ካብ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምንጻሁ ዝረስዐን እዩ።+ 10  ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንጽውዓኹምን ንሕርያኹምን ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ኣዚኹም ትግሁ፣+ እዚ ትገብሩ እንተ ዄንኩምሲ፡ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም።+ 11  እኳ ደኣስ፡ በዚ ኸምዚ ናብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ+ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ መእተዊ ብኽብሪ* ኺውሃበኩም እዩ።+ 12  ስለዚ፡ ነዚ ትፈልጥዎ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ኣብታ ኣባኻትኩም ዘላ ሓቂ እውን ብጽኑዕ ሰሪትኩም እኳ እንተ ኣለኹም፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ሳዕ ከዘክረኩም ሓሲበ ኣለኹ። 13  ኣብዚ ድንኳን እዚ* ኽሳዕ ዘለኹ፡+ ብመዘኻኸሪታት ከነቓቕሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ።+ 14  ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘነጸረለይ ከኣ፡+ እዚ እናገበርኩ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድንኳነይ ከም ዚቕንጠጥ እፈልጥ እየ። 15  ድሕሪ ምኻደይ፡ ነዚ ነገራት እዚ ኽትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ክጽዕር እየ። 16  ብዛዕባ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን፡ ዕቤቱ ብዓይንና ርኢና እምበር፡+ ብጥበብ እተማህዘ ጽውጽዋያት ስዒብና ኣይኰንናን ዘፍለጥናኩም። 17  ከመይሲ፡ ካብቲ ዓብዪ ግርማ፡ “ኣነ ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ቃል* ምስ መጸ፡+ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ክብርን ግርማን ተቐቢሉ እዩ። 18  እወ፡ ኣብቲ ቕዱስ ከረን ምስኡ ኸለና፡ ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። 19  ስለዚ፡ ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ትንቢታዊ ቓል ኣሎና፣ ንስኻትኩም እውን መዓልቲ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ+ እውን ክሳዕ ዚወጽእ፡ ከምቲ ኣብ ጸልማት ቦታ ንዘሎ መብራህቲ+ ጌርኩም ኣብ ልብኹም ተቕልቡሉ ብምህላውኩም ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም። 20  ካብ ብሕታዊ ትርጉም ዚመጽእ ትንቢት ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዘየልቦ፡ ቅድም እዚ ፍለጡ። 21  ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም* ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡+ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብናጻ ሂቡና።”
ወይ፡ “ብናጻ ሂቡና።”
ወይ፡ “ፍትወት።”
ወይ፡ “ውርዝና፣ ጽቡቕ ጠባይ።”
ወይ፡ “ውርዝና፣ ጽቡቕ ጠባይ።”
ወይ፡ “ኣርሒቑ ዘይርኢ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብልግሲ።”
ማለት፡ ምድራዊ ሰብነት።
ቃ.ቃ.፡ “ድምጺ።”
ወይ፡ “ተመሪሖም።” ቃ.ቃ.፡ “ተወሲዶም።”