ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 9:1-31

ትሕዝቶ

  • ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን በጽሓቶ (1-12)

  • ሃብቲ ሰሎሞን (13-28)

  • ሞት ሰሎሞን (29-31)

9  ንግስቲ ሳባ*+ ድማ ብዛዕባ ሰሎሞን ወረ ሰምዐት። ንሰሎሞን ከኣ ብእተሓላለኸ ሕቶታት* ክትፍትኖ ናብ የሩሳሌም መጸት። ምስኣ ኸኣ ኣዝዩ ዜደንቕ ዓጀባ፡* ዘይቲ በለሳንን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን+ ክቡራት ኣእማንን ምስ እተጻዕና ኣግማል መጸ። ናብ ሰሎሞን ኣትያ ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ተዛረበቶ።+  ሰሎሞን ከኣ ኵሉ ሕቶታታ መለሰላ። ሰሎሞን ንዓኣ ኺገልጸላ ዝኸበዶ* ነገር ኣይነበረን።  ንግስቲ ሳባ፡ ጥበብ ሰሎሞንን+ እታ ዝሃነጻ ቤትን+  ኣብ መኣዱ ዚቐርብ ምግብን+ ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣገልግሎት እቶም ኣሳሰይቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቲ መስተኡን ኣከዳድናኦምን ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዜቕርቦ ዚሓርር መስዋእቱን+ ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።*  ንንጉስ ከኣ ከምዚ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ ከለኹ ብዛዕባ ፍረ ዕዮኻን* ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ወረ ሓቂ እዩ።  መጺአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርእዮ ግና ነቲ ወረ ኣይኣመንክዎን ነይረ።+ እንሆ ድማ፡ ፍርቂ እቲ ዓብዪ ጥበብካ እኳ ኣይተነግረንን።+ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ትበልጽ ኢኻ።+  እቶም ሰብካ ሕጉሳት እዮም፡ እቶም ወትሩ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብሉን ጥበብካ ዚሰምዑን ገላዉኻ ሕጉሳት እዮም!  እቲ ንየሆዋ ኣምላኽካ ንጉስ ክትኰነሉ ኣብ ዝፋኑ ኼንብረካ ባህ ዝበሎ የሆዋ ኣምላኽካ ይወደስ። ኣምላኽካ ንእስራኤል ስለ ዜፍቅሮ፡+ ንዘለኣለም ምእንቲ ኬቝሞ ኢሉ፡ ፍትሕን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንዓኻ ንጉስ ክትከውን ሸይሙካ።”  ንሳ ኸኣ ንንጉስ 120 ታለንት* ወርቅን+ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይቲ በለሳንን ክቡራት ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ዘይቲ በለሳን ከቶ መሊሱ ኣይመጸን።+ 10  እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኡ ገላዉ ሒራምን ገላዉ ሰሎሞንን እውን፡+ ዕንጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን ኣምጽኡ።+ 11  ንጉስ ድማ ካብቲ ዕንጨይቲ ሰንደል ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን+ ዚኸውን መደያይቦ፡+ ንዘመርቲ ዚኸውን መሰንቆታትን* በገናታትን ሰርሐ።+ ከምኡ ዝበለስ ቅድሚኡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኣይተራእየን። 12  ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ፡ ካብቲ ንሳ ናብ ንጉስ ዘምጽኣቶ ዚበዝሕ፡* ዝደለየቶን ዝለመነቶን ዘበለ ዅሉ ሃባ። ሽዑ፡ ንሳ ምስ ገላዉኣ ተመሊሳ ናብ ሃገራ ኸደት።+ 13  ሚዛን እቲ ናብ ሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዝመጸ ወርቂ 666 ታለንት ወርቂ ነበረ፣+ 14  እዚ ኸኣ ብዘይካ እቲ ኻብ ሰብ ሸቐጥን ካብ ነጋዶን ካብ ኵሎም ነገስታት ኣዕራብን ካብ ሹማምንቲ እታ ምድርን ዚመጽእ ዝነበረ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ።+ 15  ንጉስ ሰሎሞን ድማ 200 ዓብዪ ዋልታ ሕዋስ ወርቅን+ (ነንሓደ ዓብዪ ዋልታ 600 ሲቃል* ሕዋስ ወርቂ)+ 16  300 ንእሽቶ ዋልታ* ሕዋስ ወርቅን (ነንሓደ ንእሽቶ ዋልታ ሰለስተ ምና* ወርቂ) ሰርሐ። ንጉስ ከኣ ነዚ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።+ 17  ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡ ብጽሩይ ወርቂ እውን ለበጦ።+ 18  እቲ ዝፋን ከኣ ሽዱሽተ ደረጃ ነበሮ፣ ምስቲ ዝፋን ዝለገበ ድማ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኾፍ መበሊ ኸኣ መደገፍ ኢድ ነበሮ፣ ኣብ ጐድኒ እቲ መደገፊታት ኢድ ድማ ክልተ ኣንበሳ+ ደው ኢሎም ነበሩ። 19  ኣብቲ ሽዱሽተ ደረጃ 12 ኣንበሳ፡+ ማለት ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ሽዱሽተ ደረጃ ሓሓደ፡ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ዝገበረት ካልእ መንግስቲ ኣይነበረትን። 20  ኵሉ ኣቕሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ወርቂ ነበረ፣ ኵሉ ኣቕሑ ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ጽሩይ ወርቂ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን፡ ብሩር ገለ እኳ ኣይቍጸርን ነበረ እሞ፡ ብብሩር እተገብረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 21  ከመይሲ፡ መራኽብ ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም+ ናብ ተርሲስ+ ይኸዳ ነበራ። እተን መራኽብ ተርሲስ ከኣ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን+ ህበይን ጣዎስን ተጻዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። 22  ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዓበየ።+ 23  ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘንበሮ ጥበቡ ኺሰምዑ ኢሎም፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርእዩ ይደልዩ ነበሩ።+ 24  ነፍሲ ወከፎም ድማ ህያብ፡ ማለት ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን+ ኣጽዋርን ዘይቲ በለሳንን ኣፍራስን ኣባቕልን፡ ዓመት ዓመት የምጽኡ ነበሩ። 25  ሰሎሞን ድማ ንኣፍራሱ 4,000 ጋጽን* ሰረገላታትን 12,000 ፈረስን* ነበርዎ፣+ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+ 26  ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳብ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገስታት እውን ይገዝእ ነበረ።+ 27  ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 28  ኣፍራስ ድማ ካብ ግብጽን ካብ ኵለን ሃገራትን የምጽኡሉ ነበሩ።+ 29  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሰሎሞን፡+ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ ቃላት ነብዪ ናታንን+ ኣብ ትንቢት ኣሒያ+ እቲ ሺሎናውን ኣብቲ ብዛዕባ የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ዚምልከት መዝገብ ራእያት ዒዶ+ እቲ ብዓል ራእይን ተጻሒፉዶ የሎን፧ 30  ሰሎሞን ከኣ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል 40 ዓመት ነገሰ። 31  ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ። ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ እውን ቀበርዎ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ንግስቲ እታ ሳባ እትብሃል ሃገር።
ወይ፡ “ብሕንቅሕንቅሊተይ።”
ወይ፡ “ቃፍላይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብኣ መንፈስ ዚብሃል ኣይተረፈን።”
ወይ፡ “ቃላትካን።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ክራራትን።”
ወይ፡ “ብዘይ እቲ ኽንዲ እቲ ንሳ ናብ ንጉስ ዘምጽኣቶ ዝዋግኡ ህያባት” ኪኸውን ይኽእል።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ሓደ ምና 570 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስፍራ ኣፍራስን።”
ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።”