ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 4:1-22

ትሕዝቶ

  • መሰውእን ባሕርን ገበራታትን (1-6)

  • ቀወምቲ ቐነዲልን ሰደቓታትን ኣጸዳትን (7-11ሀ)

  • ምዝዛም ኣቕሑ እታ ቤተ መቕደስ (11ለ-22)

4  መሰውኢ ነሓሲ+ ኸኣ ገበረ፣ እዚ ድማ 20 እመት ዝንውሓቱ፡ 20 እመት ዝግፍሑ፡ 10 እመት ዝቝመቱ ነበረ።  ናይ ፍሲ ባሕሪ*+ ኸኣ ገበረ። ንሱ ድማ ከቢብ ዝቕርጹ ዀይኑ፡ ካብ ሓደ ወሰን ኣፉ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ኣፉ 10 እመት፡ ቍመቱ ኸኣ 5 እመት፡ ዙርያኡ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 30 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ኰነ።+  ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ኣፉ ኸኣ ብዙርያኡ ኣብ እመት ዓሰርተ ሓምሓም ዝቕርጹ ስልማት+ ኰይኑ ኣብ ዙርያ እቲ ባሕሪ ነበረ። እቲ ሓምሓማት ድማ ክልተ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ብፍሲ እተሰርሐ ነበረ።  ኣብ ልዕሊ 12 ብዕራይ+ ከኣ ተነብረ፣ 3 ናብ ሰሜን ገጾም፡ 3 ናብ ምዕራብ ገጾም፡ 3 ናብ ደቡብ ገጾም፡ 3 ድማ ናብ ምብራቕ ገጾም ገይሮም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ተነብረ፣ ናይ ኵላቶም ድሕሪት ድማ ናብ ማእከል ኣቢሉ ነበረ።  ርጕዱ ኸኣ ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ነበረ፣ እቲ ኣፉ ድማ ከም ኣፍ ጽዋእ ኰይኑ፡ ከም ዕምባባ ሹሻን ተገብረ። እቲ መትሓዚ ኸኣ 3,000 ባት* ኪሕዝ ይኽእል ነበረ።  ድሕርዚ፡ ብእኡ ምእንቲ ኺሕጸቡ ዓሰርተ ገበራ ገይሩ፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ድማ ብጸጋም ኣንበረ።+ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ነገር ከኣ ኣብኡ ይሓጽቡ ነበሩ።+ እቲ ባሕሪ ግና፡ እቶም ካህናት ዚሕጸቡሉ ዝነበረ እዩ።+  ካብ ወርቂ ድማ ከምቲ ውጥኑ+ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዴል ገይሩ፡+ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብጸጋም ኣንበሮ።+  ዓሰርተ ሰደቓ ገይሩ ድማ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብጸጋም ኣንበሮ፣+ 100 ጭሔሎ ወርቂ እውን ገበረ።  ነቲ ኣጸድ+ ካህናትን+ ነቲ ዓብዪ ኣጸድን+ መዓጹ እቲ ኣጸድን ድማ ገበረ፣ ነቲ መዓጹ ኸኣ ብነሓሲ ለበጦ። 10  ነቲ ባሕሪ ድማ ብሸነኽ የማን፡ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቢሉ ኣንበሮ።+ 11  ሒራም ከኣ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ገበረ።+ በዚ ኸምዚ፡ ሒራም ነቲ ንንጉስ ሰሎሞን ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ስራሕ ፈጸሞ፣+ 12  ማለት ነቲ ኽልተ ዓንድን+ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኣራእስ ዓንድን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ ዚኸድን ክልተ መርበብ፡+ 13  ነቲ ንኽልተ መርበብ ዚኸውን 400 ሮማን፡+ ነንሓደ መርበብ ዚኸውን ክልተ መስርዕ ሮማናት፡ ነቲ ኣብቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ+ ዚኸውን መኽደኒ፡ 14  ነቲ ዓሰርተ ዓረብያን ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓረብያታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡+ 15  ነቲ ባሕርን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ 12 ብዕራይን፡+ 16  ነቲ ድስትታትን ነቲ መጽሓሪታትን ነቲ ሻኳታትን ፈጸሞ።+ ሒራም-ኣቢው+ ንዅሉ እዚ ኣቕሑ እዚ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንቤት የሆዋ፡ ካብ እተዀልዐ ነሓሲ ሰርሓሉ። 17  እቲ ንጉስ ኣብ ከባቢ ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኮትን+ ጸሬዳን፡ ኣብ ረጒድ ካይላ ኣፍሰሶ። 18  ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እዚ ኣቕሑ እዚ ኣዝዩ ኣብዝሖ፣ ሚዛን እቲ ነሓሲ ኸኣ ኣይተፈልጠን።+ 19  ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እቲ ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን ኣቕሑ ሰርሖ፣+ ማለት ነቲ መሰውኢ ወርቂ፡+ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ዚንበሮ ሰደቓታት፡+ 20  ነቲ ኸምቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዚበርህ ካብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐወምቲ ቐነዲልን ቀነዲሉን፡+ 21  ነቲ ኻብ ወርቂ፡ ካብ ዝጸረየ ወርቂ እተገብረ ዕምባባታትን ቀነዲልን መንቀርቀራት መጥፍእን፡ 22  ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ መቐዛት መጥፍእን ጭሔሎታትን ጽዋኣትን መትሓዚታት ሓውን፡ ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ኣፍ ደገ እታ ቤትን ንቕድስተ ቕዱሳን ዚኸውን ውሽጣዊ መዓጹኣን+ ንመዓጹ እታ ቤተ መቕደስን ሰርሖ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዕቘሪ።”
ኣስታት 7.4 ሰ.ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ባት፡ 22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።