ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 32:1-33

ትሕዝቶ

  • ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣስግኣ (1-8)

  • ሰናክሪብ ንየሆዋ በድሆ (9-19)

  • መልኣኽ ንሰራዊት ኣሶራውያን ወቕዖም (20-23)

  • ሕማምን ትዕቢትን ህዝቅያስ (24-26)

  • ግብርታት ህዝቅያስን ሞቱን (27-33)

32  ድሕሪ እዚ ነገራት እዝን እዚ ብተኣማንነት እተገብረ ግብርታት እዝን፡+ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር መጺኡ ንይሁዳ ወረራ። ነተን እተዓርዳ ኸተማታት ጥሒሱ ኣትዩ ኺሕዘን ሓሲቡ ድማ ከበበን።+  ህዝቅያስ ከኣ ሰናክሪብ ከም ዝመጸን ንየሩሳሌም ኪዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረኣየ፡  ምስ መሳፍንቱን ጀጋኑኡን ተማኺሩ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዘሎ ዓይኒ ማያት ኪደብዮ ወሰነ፣+ ንሳቶም ድማ ደገፍዎ።  ብዙሓት ህዝቢ ተኣኪቦም ከኣ፡ “ስለምንታይ ነገስታት ኣሶር መጺኦም ብዙሕ ማይ ዚረኽቡ፧” ኢሎም ንዅሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ በታ ምድሪ ዚውሕዝ ርባን ዓገትዎ።  ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበረ መካበብያ ብቘራጽነት ዳግም ሃነጾ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ግምብታት ሰርሐ፡ ኣብ ወጻኢ ኸኣ ካልእ መካበብያ ገበረ። ነቲ ዅምራ*+ ኸተማ ዳዊት ድማ ጸገኖ፡ ብዙሕ ኣጽዋርን* ዋላቱን እውን ገበረ።  ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣሕሉቕ ተዋጋእቲ ሸመ፡ ኣብታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዘላ ኣደባባይ ድማ ኣከቦም፡ ከምዚ ኢሉ እውን ኣተባብዖም፦*  “ትብዑን በርትዑን። ካብቶም ምስኡ ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እሞ፡ ብንጉስ ኣሶርን+ በቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+  ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ* እዩ፣ እቲ ኺረድኣናን ውግእና ኺዋግኣልናን ምሳና ዘሎ ግና የሆዋ ኣምላኽና እዩ።”+ እቲ ህዝቢ ድማ ብዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተበራትዐ።+  ድሕርዚ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ምስ ኵሉ ሃጸያዊ ሓይሉ* ኣብ ላኪሽ+ ከሎ፡ ገላዉኡ ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድን ከምዚ ኢሉ ሰደደ፦+ 10  “ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ ‘የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላ፡ ኣብኣ እትቕመጡስ ኣብ ምንታይ ተኣሚንኩም ኢኹም፧+ 11  ብጥሜትን ብጽምእን ምእንቲ ኽትሞቱ፡ “የሆዋ ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈና እዩ” እናበለ ዜስሕተኩምን ኣሕሊፉ ዚህበኩምን ዘሎስ ህዝቅያስ ደይኰነን፧+ 12  እቲ ንናይ ኣምላኽኩም በረኽትን መሰውኢታትን* ኣወጊዱ፡+ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ “ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ” ዝበለስ እዚ ህዝቅያስ እዚ ደይኰነን፧+ 13  ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራትዶ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ኬናግፉ ኽኢሎም እዮም፧+ 14  ኣምላኽኩም ካብ ኢደይ ኬናግፈኩም ዚኽእልሲ፡ ካብቶም ኣማልኽቲ እዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኦም፡ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኬናግፎ ዝኸኣለ መን እዩ፧+ 15  ሕጂ ኸኣ ህዝቅያስ በዚ ነገር እዚ ኣየታልልኩምን ኣየስሕትኩምን!+ ብእኡ ኣይትእመኑ፣ ከመይሲ፡ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ኬናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ወይ መንግስቲ የልቦን። ኣምላኽኩም ግዳ ኻብ ኢደይ ምንጋፍኩም ክንደይ ዘይሰኣኖ!’”+ 16  እቶም ገላዉኡ ድማ ኣንጻር የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣንጻር ጊልያኡ ህዝቅያስን ተወሳኺ ነገር ተዛረቡ። 17  ንሱ እውን ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪጸርፎን+ ኣንጻሩ ኺዛረብንሲ፡ “ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ኬናግፉ ዘይከኣሉ፡+ ከምኡ ኸኣ ኣምላኽ ህዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኣይኬናግፎን እዩ” ኢሉ ደብዳበታት ጸሓፈ።+ 18  ነታ ኸተማ ምእንቲ ኺሕዝዋ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ዝነበሩ ህዝቢ የሩሳሌም ኬፍርህዎምን ኬሸብርዎምን ኢሎም፡ ዓው ኢሎም ብቛንቛ ኣይሁድ ይደሃዩ ነበሩ።+ 19  ኣንጻር ኣምላኽ የሩሳሌም ድማ፡ ከምቲ ኣንጻር እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ህዝብታት ምድሪ እተዛረብዎ ገይሮም ተዛረቡ። 20  ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽን ግና፡ ብዛዕባ እዚ ይጽልዩን ናብ ሰማያት የእውዩን ነበሩ።+ 21  የሆዋ ኸኣ ሓደ መልኣኽ ሰዲዱ፡ ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ንዝነበረ ሓያል ጅግናን መራሕን ሓለቓን ዘበለ ዅሉ ኣጥፍአ፣+ ንሱ ኸኣ ተዋሪዱ ናብ ምድሩ ተመልሰ። ናብ ቤት* ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ደቁ ኣብኡ ብሰይፊ ቐተልዎ።+ 22  በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንህዝቅያስን ንነበርቲ የሩሳሌምን ካብ ኢድ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦትን ኣድሓኖም፡ ኣብ ዙርያኦም እውን ዕረፍቲ ሃቦም። 23  ብዙሓት ከኣ ንየሆዋ ናብ የሩሳሌም መባእ ኣምጽኡሉ፣ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ክቡር ነገራት ኣምጽኡሉ፣+ ድሕርዚ ኸኣ፡ ንሱ ብዅሎም ኣህዛብ ኣዝዩ ተኸብረ። 24  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ፣ ናብ የሆዋ ምስ ጸለየ ድማ፡+ ንሱ መለሰሉ፡ ምልክት* እውን ሃቦ።+ 25  ህዝቅያስ ግና ልቡ ተዓበየ እምበር፡ ነቲ እተገብረሉ ጽቡቕ ብሞሳ ኣይመለሰን፣ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ ኣምጽአ። 26  ግናኸ፡ ህዝቅያስ ልቡ ብምዕባዩ፡ ምስቶም ነበርቲ የሩሳሌም ኰይኑ ርእሱ ኣትሓተ፣+ ብዘመን ህዝቅያስ ድማ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኣይመጸን።+ 27  ህዝቅያስ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ፣+ ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡራት ኣእማንን ንዘይቲ በለሳንን ንዋላቱን ንዅሉ ዓይነት ተባሃጊ ኣቕሑን ዚዀኖ ማዕከናት ገበረ።+ 28  ንእቶት እኽልን ንጕዕሽ ወይንን ንዘይትን ዚኸውን መኽዘናት፡ ንዅለን ዓይነት ማል ድማ ጋጻት፡ ንመጓሰ እውን ደምበታት ገበረ። 29  ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ጥሪት ሂብዎ ነበረ እሞ፡ ንዕኡ ዚኸውን ከተማታት ሰርሐ፣ ኣኺለን ዚተርፋ ማልን ጤለ በጊዕን ከብትን እውን ኣጥረየ። 30  ነቲ ላዕለዋይ ምንጪ ማያት ጊሖን+ ዓጊቱ፡ ናብ ምዕራብ ናብ ከተማ ዳዊት+ ዝኣለዮ ኸኣ ህዝቅያስ እዩ።+ ህዝቅያስ ድማ ኣብ ኵሉ ግብሩ ቐንዖ። 31  ኣፈኛታት መሳፍንቲ ባቢሎን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝዀነ ምልክት*+ ኪሓትትዎ ምስ መጹ፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፍትኖ ኢሉ፡+ ንዅሉ እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጦ፡ በይኑ ሓደጎ።+ 32  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ህዝቅያስን እቲ ብተኣማንነት ብዘርኣዮ ፍቕሩ ዝገበሮ ግብርታትን፡+ ንሱ ኣብቲ ራእይ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 33  ህዝቅያስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብታ ናብ መቓብራት ደቂ ዳዊት እተደይብ ዓቐበት ድማ ቀበርዎ፣+ ኵሎም ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ከኣ ብሞቱ ኣኽበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።
ወይ፡ “ተወርዋርን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንልቦም ተዛረበ።”
ወይ፡ “ሰብኣዊ ብርታዐ።”
ወይ፡ “ኵሉ ወተሃደራዊ ሓይሉን ግርማኡን።”
ቃ.ቃ.፡ “እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ትእምርቲ።”
ወይ፡ “ትእምርቲ።”