ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 26:1-23

ትሕዝቶ

  • ዑዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-5)

  • ጅግንነት ዑዝያ (6-15)

  • ዑዝያ ብሰንኪ ትዕቢቱ ድዉይ ኰነ (16-21)

  • ሞት ዑዝያ (22, 23)

26  ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ነቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ዑዝያ+ ወሲዶም፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።+  ንጉስ* ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ንሱ ንኤሎት+ ዳግም ሰርሓ፡ ናብ ይሁዳ እውን መለሳ።+  ዑዝያ+ ኺነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 16 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 52 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የኮልያ እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+  ንሱ ኸምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+  ብዘመን እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈርሆ ዚምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ድማ፡ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ኣብቲ ንየሆዋ ዚደልየሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የቕንዓሉ ነበረ።+  ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡+ መካበብያ ጋትን+ መካበብያ ያብነን+ መካበብያ ኣሽዶድን+ ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ክሊ ኣሽዶድን ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሐ።  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንን ኣንጻር እቶም ኣብ ጉርበዓል ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣዕራብን+ ኣንጻር መዑኒምን ይሕግዞ ነበረ።  እቶም ዓሞናውያን+ ከኣ ንዑዝያ ግብሪ ሃብዎ። ኣዝዩ በርቲዑ ነበረ እሞ፡ ዝናኡ ኽሳብ ግብጺ ተዘርግሐ።  ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ኣፍ ደገ መኣዝንን+ ኣብ ኣፍ ደገ ስንጭሮን+ ኣብ ደጋፍ መንደቕን ግምብታት ሃነጸ፡+ ኣጽንዖ እውን። 10  ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻ ግምብታት ሃነጸ፡+ ብዙሕ መዕቘሪታት ማይ እውን ኰዓተ፣* ኣብ ሼፈላን ኣብ ጐልጐልን* እውን ከምኡ ገበረ። ሕርሻ ይፈቱ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቀርሜሎስን ሓረስቶትን ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ። 11  ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተዓጥቀ ሰራዊት ነበሮ። ብኽፍልታት ተወዲቦም ድማ ንወተሃደራዊ ወፈራ ይወጹ ነበሩ። ንዓታቶም ከኣ የዒኤል እቲ ጸሓፍን+ ማዓስያ እቲ ሓለቓን፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ዝዀነ ሓናንያ ዀይኖም ቈጸርዎምን መዝገብዎምን።+ 12  ብዘሎ ቝጽሪ እቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ዝዀኑ ርእስታት ማይ ቤታት፡ 2,600 ነበረ። 13  ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝነበረ ዕጡቕ ሰራዊት፡ 307,500 ነበረ፣ እዚ ድማ ንንጉስ ኣንጻር ጸላእቱ ዚሕግዞ ንውግእ እተዳለወ ሓያል ሰራዊት ነበረ።+ 14  ዑዝያ ኸኣ ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ዋላቱን ሕላሳትን+ ቍራዓት ርእስን ድርዕታትን+ ቀስትታትን ኣእማን ወንጭፍን+ ኣዕጠቖ። 15  ኣብ የሩሳሌም ድማ ብመሃንድሳት እተነድፈ መሳርያታት ውግእ ገበረ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናት መካበብያን ተገብረ፡+ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን እውን ኪውርውር ይኽእል ነበረ። ንሱ ብዜደንቕ መገዲ ተሓጊዙን በርቲዑን ስለ ዝነበረ፡ ዝናኡ ኽሳብ ርሑቕ ተዘርግሐ። 16  ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ፣ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብምእታው ድማ ንየሆዋ ኣምላኹ ጠለሞ።+ 17  ብኡብኡ፡ ካህን ዓዛርያን 80 ተባዓት ካህናት የሆዋን ደድሕሪኡ ኣተዉ። 18  ንሳቶም ድማ ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ እውን በልዎ፦ “ኦ ዑዝያ፡ ንስኻ ንየሆዋ ዕጣን ክትዓጥን ግቡእ ኣይኰነን!+ እቶም እተቐደሱ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮን እዮም እሞ፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም ዕጣን ኪዓጥኑ ዘለዎም።+ ጠሊምካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ መቕደስ ውጻእ፣ በዚ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ።” 19  ዑዝያ ግና ነታ ዚዓጥነላ ጽንሃህ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸሎ፡ ነደረ፣+ ኣብቶም ካህናት ኪንድር ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት፡ ኣብ ግምባሩ ደዌ ወጾ።+ 20  ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኵሎም ካህናትን ምስ ጠመትዎ ድማ፡ ኣብ ግምባሩ ብደዌ ኸም እተወቕዐ ረኣዩ! ስለዚ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ፣ የሆዋ ስለ ዝወቕዖ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ እውን ተቐላጢፉ ወጸ። 21  ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ድዉይ ነበረ። ካብ ቤት የሆዋ ተወጊዱ ነበረ እሞ፡ ድዉይ ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ።+ ወዱ ዮታም ከኣ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት* ንጉስ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንህዝቢ እታ ምድሪ ይፈርድ ነበረ።+ 22  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዑዝያ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ተመዝጊቡ ኣሎ። 23  ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ቀበርዎ። ግናኸ፡ “ንሱ ድዉይ እዩ” ኢሎም፡ ኣብታ ኣብ መቓብር ነገስታት ዘላ መሬት ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮታም+ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣቦኡ ኣማስያ።
ወይ፡ “ወቒሩ ዀዓተ፡” ካብ ከውሒ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ከበሳን።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”