ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 21:1-20

ትሕዝቶ

  • ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-11)

  • ካብ ኤልያስ ብጽሑፍ ዝመጸ መልእኽቲ (12-15)

  • ሕማቕ መወዳእታ ዮራም (16-20)

21  ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ።+  ኣሕዋቱ፡ ደቂ ዮሳፋጥ ከኣ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያን ሚካኤልን ሸፋጥያን እዮም፣ ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል እዮም።  ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባት ብሩርን ወርቅን ክቡር ነገራትን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ እተዓርዳ ኸተማታት ሃቦም፣+ ንዮራም ግና፡ ንሱ በዅሪ ስለ ዝነበረ፡ እታ መንግስቲ ሃቦ።+  ዮራም ንመንግስቲ ኣቦኡ ምስ ተቘጻጸረ፡ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም መሳፍንቲ እስራኤልን ብሰይፊ ብምቕታል ስልጣኑ ኣደልደለ።+  ዮራም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ።+  ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ዀይና ነበረት እሞ፡+ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላለሰ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ክፉእ ይገብር ነበረ።  የሆዋ ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ኢሉ፡+ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ መብራህቲ ኺህቦም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፡+ ንቤት ዳዊት ኬጥፍኣ ኣይደለየን።  ብዘመኑ ኤዶም ካብ ይሁዳ ዓለወ፣+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።+  ሽዑ፡ ዮራም ምስ ኣዘዝቱን ምስ ኵሉ ሰረገላታቱን ተሳገረ፣ ብለይቲ ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታትን ሰዓሮም። 10  ግናኸ፡ ኤዶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ይሁዳ ዓልዩ ኣሎ። ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደጎ፡+ በታ ግዜ እቲኣ ሊብና+ እውን ካብኡ ዓለወት። 11  ንነበርቲ የሩሳሌም ብመንፈሳዊ መዳይ ኬመንዝሮም ኢሉ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሐ፣+ ንይሁዳ እውን ኣስሓቶም። 12  ካብ ነብዪ ኤልያስ ከኣ ከምዚ ዚብል መልእኽቲ ብጽሑፍ መጾ፦+ “የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብመገድታት ኣቦኻ ዮሳፋጥ+ ወይ ብመገድታት ኣሳ+ ንጉስ ይሁዳ ኣይተመላለስካን። 13  ግናኸ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላሊስካ፡+ ንይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ድማ ከም ምንዝርና ቤት ኣከኣብ+ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣመንዚርካዮም፡+ ነቶም ካባኻ ዝሓሹ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እውን ቀቲልካዮም።+ 14  ስለዚ፡ የሆዋ ንህዝብኻን ንደቅኻን ንኣንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ኣበርቲዑ ኺወቕዖም እዩ። 15  ንስኻ ኸኣ ብሰንኪ ሕማም ኣምዑትካ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብብዙሕ ሕማም፡ እንተላይ ብሕማም ኣምዑትካ ኽትሳቐ ኢኻ።’” 16  የሆዋ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን*+ ነቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነበሩ ኣዕራብን+ ኣንጻር ዮራም ኣለዓዓሎም።+ 17  ንሳቶም ከኣ ንይሁዳ ወሪሮምን ጥሒሶም ኣትዮምን ኣብ ቤት* ንጉስ እተረኽበ ዅሉ ጥሪት፡ ከምኡ እውን ደቁን ኣንስቱን ማሪኾም ወሰዱ፣+ ብዘይካ ዮኣሓዝ*+ እቲ ሕሳስ ልደ ወዱ፡ ካልእ ወዲ ኣይተረፎን። 18  ድሕሪ እዚ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ኣብ ኣምዑቱ ብዘይሓዊ ሕማም ወቕዖ።+ 19  ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ ምስ ሓለፈ፡ ብሰንኪ ሕማሙ ኣምዑቱ ወጸ፡ ብሕማሙ ብርቱዕ ቃንዛ እናተቐንዘወ ኸኣ ሞተ፣ ህዝቡ ድማ ከምቲ ምእንቲ ኣቦታቱ ሓዊ ዜንድዱ ዝነበሩ፡ ምእንታኡ ሓዊ ኣየንደዱን።+ 20  ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ። ምስ ሞተ ሓደ እኳ ኣይሓዘነን። ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ፣+ ግናኸ፡ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንመንፈስ ፍልስጥኤማውያንን።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ኣሓዝያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።