ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 20:1-37

ትሕዝቶ

  • ጐረባብቲ ኣህዛብ ንይሁዳ ኣስግእዎ (1-4)

  • ዮሳፋጥ ረድኤት ኪረክብ ጸለየ (5-13)

  • ምላሽ የሆዋ (14-19)

  • ይሁዳ ብተኣምራዊ መገዲ ደሓነ (20-30)

  • መወዳእታ ግዝኣት ዮሳፋጥ (31-37)

20  ድሕርዚ፡ ሞኣባውያንን+ ዓሞናውያንን+ ምስ ዓሞኒም* ሓቢሮም ንዮሳፋጥ ኪዋግእዎ መጹ።  ንዮሳፋጥ ከኣ፡ “ካብ ዞባ ባሕሪ፡* ካብ ኤዶም+ ብዙሕ ህዝቢ ኣንጻርካ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣብ ሓጻጾን-ታማር፡ ንሳ ዔን-ገዲ፡+ ድማ ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ።  ሽዑ፡ ዮሳፋጥ ፈርሀ፡ ንየሆዋ ኺደልዮ ኸኣ ቈረጸ።*+ ኣብ ኵላ ይሁዳ ድማ ጾም ኣወጀ።  ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንየሆዋ ኺሓትትዎ ተኣከቡ፣+ ካብ የሆዋ ምኽሪ ኺሓትቱ ድማ፡ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ተኣከቡ።  ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ጉባኤ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው ኢሉ፡  ከምዚ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ኣብ ሰማያት ኣምላኽ ዝዀንካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት ኣህዛብ እትገዝእከ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ሓይልን ብርታዐን ኣብ ኢድካ እዩ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል እውን የልቦን።+  ኦ ኣምላኽና፡ ንነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ሰጒጕካ፡ ንዓኣ ንዘርኢ እቲ ፈታዊኻ* ኣብርሃም ንሓዋሩ ርስቲ ጌርካ ዝሃብካዮም ንስኻ ደይኰንካን፧+  ንሳቶም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ፣ ኣብኣ እውን ንስምካ መቕደስ ሃነጹ፣+ ከምዚ ድማ በሉ፦  ‘ኣብ ልዕሌና መዓት፡ ማለት ሰይፊ፡ ፍርዲ፡ ለበዳ፡ ወይ ጥሜት እንተ መጺኡ፡ (ስምካ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡)+ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣ ደው ኢልና፡ ብጭንቅና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፣ ንስኻ ድማ ሰሚዕካ ኣድሕነና።’+ 10  ሕጂ ኸኣ፡ ሰብ ዓሞንን ሞኣብን ኣኽራን ሰዒርን+ እነዉ፣ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉስ ኪወርርዎም ኣይፈቐድካሎምን። ካባታቶም ዞሩ ደኣ እምበር፡ ኣየጥፍእዎምን።+ 11  እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስተኻና ርስትኻ ኺሰጕጉና ብምምጻእ፡ እዚ ይፈድዩና ኣለዉ።+ 12  ኦ ኣምላኽና፡ ኣብ ልዕሊኦም ፍርዲ ኣይትፍጽምን ዲኻ፧+ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ሓይሊ የብልናን፣ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፣+ ኣዒንትና ግና ናባኻ እየን።”+ 13  ኵሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድማ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ኢሎም ነበሩ። 14  ሽዑ፡ ኣብ ማእከል እታ ጉባኤ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ ወዲ በናያ ወዲ የዒኤል ወዲ ማታንያ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ መጸ። 15  ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ኵላትኩም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ እውን ንጉስ ዮሳፋጥ፡ ኣቕልቡ! የሆዋ ኸምዚ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብሰንኪ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ 16  ጽባሕ ኣንጻሮም ውረዱ። ብመተሓላለፊ ጺጽ ኪድይቡ እዮም፣ ኣብ ወሰን እቲ ስንጭሮ፡* ኣብ ቅድሚ በረኻ የሩኤል ክትረኽብዎም ኢኹም። 17  ኣብዚ ውግእ እዚ ኽትዋግኡ ኣይኬድልየኩምን እዩ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡+ እቲ የሆዋ ምእንታኹም ዚገብሮ ድሕነት ርኣዩ።*+ ኦ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ ጽባሕ ኣንጻሮም ውጹ፡ የሆዋ ድማ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።’”+ 18  ሽዑ፡ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ሰገደ፣ ኵሎም ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ንየሆዋ ኺሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብገጾም ተደፍኡ። 19  እቶም ካብ ደቂ ቀሃታውያንን+ ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ዝዀኑ ሌዋውያን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኺውድስዎ ተንስኡ።+ 20  ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ፡ ናብ በረኻ ተቆዓ+ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ዮሳፋጥ ተንሲኡ፡ “ኦ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ስምዑኒ! ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡* ብየሆዋ ኣምላኽኩም እመኑ። ብነብያቱ እውን እመኑ እሞ፡+ ኪቐንዓኩም እዩ” በሎም። 21  ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ድማ፡ ቀቅድሚ እቶም ዕጡቓት ወጺኦም፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ”+ እናበሉ ንየሆዋ ዚዝምሩሉን ቅዱስ ስሉም ኣልባሳት ለቢሶም ዚውድስዎን ሰባት ሸመ።+ 22  ብታሕጓስ ውዳሰ ኺዝምሩ ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም ንይሁዳ ዚወርሩ ዝነበሩ ሰብ ዓሞንን ሞኣብን ኣኽራን ሰዒርን ደባይ ኣምጽኣሎም እሞ፡ ንሓድሕዶም ተቓተሉ።+ 23  እቶም ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ድማ ነቶም ነበርቲ ኣኽራን ሰዒር+ ኬጥፍእዎምን ኬጽንትዎምን ተንስኡ፣ ነቶም ነበርቲ ሰዒር ምስ ወድእዎም ከኣ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፍኡ ተሓጋገዙ።+ 24  ይሁዳ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ መጹ+ እሞ ናብቲ ህዝቢ ምስ ጠመቱ፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ሬሳታቶም ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኣዩ።+ 25  ዮሳፋጥን ህዝቡን ከኣ ነቲ ምርኮ ኻባታቶም ኪዘምቱ መጹ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ ጥሪትን ክዳውንትን ተባሃጊ ኣቕሑን ረኸቡ፣ ነዚ ድማ ምጻሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ገፈፍዎ።+ እቲ ምርኮ ኣኺሉ ዚተርፍ ነበረ እሞ፡ ንምዝማቱ ሰለስተ መዓልቲ ወሰደሎም። 26  ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ስንጭሮ* በራካ ተኣከቡ፣ ኣብኣ ድማ ንየሆዋ ወደስዎ።* ስለዚ እዮም ክሳዕ ሎሚ ነታ ቦታ እቲኣ ስንጭሮ በራካ*+ ኢሎም ሰምዮምዋ ዘለዉ። 27  ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ዮሳፋጥ እናመርሖም ናብ የሩሳሌም ብታሕጓስ ተመልሱ።+ 28  ብበገናን ብመሰንቆን*+ ብመለኸትን+ ድማ ናብ የሩሳሌም ኣተዉ፡ ናብ ቤት የሆዋ እውን ከዱ።+ 29  ኵለን መንግስትታት ሃገራት ከኣ የሆዋ ኣንጻር ጸላእቲ እስራኤል ከም እተዋግአ ምስ ሰምዓ፡ ራዕዲ ኣምላኽ ኣባታተን ኰነ።+ 30  በዚ ኸምዚ፡ መንግስቲ ዮሳፋጥ ሃድአት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሃቦ።+ 31  ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 35 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 25 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓዙባ እዩ፣ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ።+ 32  ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ኸኣ ተመላለሰ።+ ካብኡ ኣየልገሰን፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ቅኑዕ ገበረ።+ 33  ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቶም ህዝቢ እውን ገና ልቦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየዳለዉን ነበሩ።+ 34  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮሳፋጥ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ኣትዩ ዘሎ ቓላት የሁ+ ወዲ ሓናኒ+ ተጻሒፉ ኣሎ። 35  ድሕርዚ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝገበረ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ኪዳን ገበረ።+ 36  ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሕ ድማ መሻርኽቱ ገበሮ፣+ ነተን መራኽብ ከኣ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰርሕወን።+ 37  ይኹን እምበር፡ ኤልዔዘር ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ “ምስ ኣሓዝያ ኺዳን ስለ ዝገበርካ፡ የሆዋ ንዕዮኻ ኼፍርሶ እዩ” ኢሉ ኣንጻር ዮሳፋጥ ተነበየ።+ እተን መራኽብ ድማ ተሰብራ፣+ ናብ ተርሲስ ኪኸዳ እውን ኣይከኣላን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዑኒማውያን” ኪኸውን ይኽእል።
ምዉት ባሕሪ ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ገጹ ኣቕንዐ።”
ወይ፡ “ዓርክኻ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜድሕነኩም ርኣዩ።”
ወይ፡ “ኽትጻወሩስ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ባረኽዎ።”
ትርጉሙ፡ “በረኸት።”
ወይ፡ “ብኽራርን።”