ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ዜና መዋእል 16:1-14

ትሕዝቶ

  • ኣሳ ምስ ሶርያ ዝገበሮ ውዕል (1-6)

  • ሓናኒ ንኣሳ ገንሖ (7-10)

  • ሞት ኣሳ (11-14)

16  ኣብ መበል 36 ዓመት ንግስና ኣሳ፡ ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤል ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+  ኣሳ ድማ ካብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ+ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦+  “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።”  ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ማይምን ንዅሉ መኽዘን ከተማታት ንፍታሌምን ወቕዑ።+  ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ።  ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ይሁዳ ወሰደ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ+ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡+ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን+ ንሚጽጳን+ ሰርሐን።*  በታ ግዜ እቲኣ፡ ሓናኒ+ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡* ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡* ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ።+  ኢትዮጵያውያንን ሊብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን፧ ብየሆዋ ስለ እተኣመንካ ግና፡ ንሱ ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ሂቡካ።+  ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ* ዝዀነ ብርታዐኡ* ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።+ ኣብዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪልዓለካ እዩ።”+ 10  ግናኸ፡ ኣሳ በቲ ረኣዪ ዀረየ፣ በዚ ነገር እዚ ስለ ዝነደረ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ኣእተዎ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም። 11  ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 12  ኣሳ ድማ ኣብ መበል 39 ዓመት ንግስናኡ ኣእጋሩ ሓመመ፡ ሕማሙ ኸኣ ኣዝዩ በርትዖ፣ ግናኸ፡ ምስ ሓመመ እኳ ንፈወስቲ እምበር፡ ንየሆዋ ኣይደለዮን። 13  ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ መበል 41 ዓመት ንግስናኡ እውን ሞተ። 14  ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ንርእሱ ዘዅዓቶ ዓብዪ መቓብር ከኣ ተቐብረ፣ ዘይቲ በለሳንን እተፈላለየ ዓይነት ቀመማት ተሓዋዊሱ ብፍሉይ እተገብረ ቕብእን ኣብ ዝመልአ ዓራት ኣንበርዎ።+ ምእንታኡ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ምንዳድ ገበሩ።*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኺዓርዳ፣ ዳግም ኪሰርሓ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ኪዳን።”
ወይ፡ “ኺዳን።”
ወይ፡ “ምዕራድ፣ ዳግም ምስራሕ።”
ወይ፡ “ዓረደን፣ ዳግም ሰርሐን።”
ቃ.ቃ.፡ “እተመርኰስካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይተመርኰስካ።”
ወይ፡ “ንዕኡ ውፉይ።”
ወይ፡ “ደገፉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቤት ኣጕናድ።”
ሬሳ ኣሳ ዘይኰነስ፡ ሽቱ ኣንዲዶም ኪዀኑ ኣለዎም።