ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ነገስት 5:1-27

ትሕዝቶ

  • ኤልሳእ ንንእማን ካብ ደዌኡ ኣሕወዮ (1-19)

  • እቲ ስሱዕ ገሓዚ ብደዌ ተወቕዐ (20-27)

5  ንእማን እቲ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ የሆዋ ንሶርያ ብእኡ ኣቢሉ ዓወት* ሂብዋ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ምርኡይን ክቡርን ሰብ ነበረ። ድዉይ* እኳ እንተ ነበረ፡ ሓያል ጅግና ነበረ።  ሶርያውያን ኣብ ሓደ ኻብቲ ወራራቶም፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ፣ ንሳ ድማ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኰነት።  ንእመቤታ ድማ፡ “ጐይታይ ነቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚበጽሖስ+ መን ምሃበ! ሽዑ፡ ካብ ደዌኡ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።+  ንሱ* ኸኣ ከይዱ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል እተዛረበቶ ነገሮ።  ንጉስ ሶርያ ድማ፡ “እምበኣር ኪድ። ንንጉስ እስራኤል ከኣ ደብዳበ ኽሰድደሉ እየ” በሎ። ንሱ ድማ ዓሰርተ ታለንት* ብሩርን 6,000 ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ።  ነታ ደብዳበ ኸኣ ናብ ንጉስ እስራኤል ኣምጽኣ፣ ንሳ ድማ ከምዚ ትብል ነበረት፦ “ምስዛ ዝመጸትካ ደብዳበ እዚኣ፡ ካብ ደዌኡ ምእንቲ ኸተሕውዮ፡ ንጊልያይ ንእማን ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ።”  ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ደዌኡ ኸሕውዮ ኢሉ ሰዲዱለይ ኣሎ እሞ፡ ዝቐትልን ብህይወት ዘንብርንሲ ኣነዶ ኣምላኽ እየ፧+ ኪብኣሰኒ ይደሊ ኸም ዘሎ በጃኹም ርኣዩለይ” በለ።  ኤልሳእ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ ግና፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ “ስለምንታይ ክዳውንትኻ ቐዲድካ፧ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ በጃኻ ናባይ ይምጻእ” በሎ።+  ንእማን ከኣ ምስ ኣፍራሱን ምስ ሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ። 10  ኤልሳእ ግና፡ ናብኡ ልኡኽ ልኢኹ፡ “ናብ ዮርዳኖስ ኬድካ፡+ ሸውዓተ ሳዕ ተሓጸብ፣+ ስጋኻ ድማ ኪምለሰካ እዩ፡ ክትነጽህ እውን ኢኻ” በሎ። 11  ሽዑ፡ ንእማን ተቘጢዑ ኪኸይድ ጀመረ እሞ፡ “እንሆ፡ ኣነስ፡ ‘ናባይ ወጺኡ፡ ኣብዚ ደው ኢሉ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ደዌ ናብዝን ናብትን እናኣበለ ብስም የሆዋ ኣምላኹ ተማህሊሉ ኼሕውየኒ እዩ’ ኢለ ነይረ። 12  ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ኣፍላግ ደማስቆ+ ዝዀነ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን፧ ኣብኡ ተሓጺበዶ ኣይምነጻህኩን፧” በለ። ነዲሩ ድማ ገጹ መሊሱ ኸደ። 13  ገላዉኡ ግና ናብኡ ቐሪቦም፡ “ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ፍሉይ ነገር ክትገብር እንተ ዚዛረበካ፡ ኣይምገበርካዮንዶ፧ ‘ተሓጸብ እሞ ንጻህ’ ጥራይ ካብ በለካ ግዳ፡ ክንደይ ብዝያዳ ዘይትገብሮ፧” በልዎ። 14  ሽዑ፡ ወሪዱ፡ ከም ቃል እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ።+ ድሕሪኡ፡ ስጋኡ ኸም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሰ፡+ ነጽሀ እውን።+ 15  ሽዑ፡ ንሱ ምስ ኵሉ ዓጀባኡ* ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ተመልሰ፣+ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ “ብዘይካ ኣብ እስራኤል ኣብ ኵላ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ፡ ሕጂ ፈሊጠ።+ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጸ በረኸት ተቐበል” በሎ። 16  ኤልሳእ ግና፡ “ከምቲ እቲ ዘገልግሎ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣይቅበለካን እየ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ ኪቕበሎ ግዲ በሎ፣ ንሱ ግና ኣበየ። 17  ሽዑ፡ ንእማን፡ “እንተ ዘይኰነስ፡ ጊልያኻ ብዘይካ ንየሆዋ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ኣይኬቕርብን እዩ እሞ፡ ንጊልያኻ ኻብዛ ምድሪ እዚኣ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ ሓመድ ይወሃቦ። 18  የሆዋ ግዳ ንጊልያኻ በዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ይቕረ ይበለለይ፦ ጐይታይ ኣብኣ ኺሰግድ ናብ ቤት ሪሞን ምስ ዚኣቱ፡ ኣብ ኢደይ ስለ ዚድገፍ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ኣሎኒ። ኣብ ቤት* ሪሞን ምስ ዝሰግድ፡ የሆዋ ደኣ ንጊልያኻ በዚ ነገር እዚ ይቕረ ይበለለይ” በለ። 19  ንሱ ድማ፡ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ እተወሰነ ርሕቀት ተጓዕዘ። 20  ገሓዚ+ ጊልያ ኤልሳእ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡+ ‘እንሆ ጐይታይ ንንእማን+ እዚ ሶርያዊ፡ ነቲ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ብዘይምቕባል፡ ንሒፍዎ። ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ደድሕሪኡ ኽጐይን ካብኡ ገለ ኽወስድን እየ’ በለ። 21  ገሓዚ ኸኣ፡ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ድማ ደድሕሪኡ ዚጐዪ ምስ ረኣየ፡ ኪቕበሎ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ፡ “ደሓንዶ፧” በሎ። 22  ንሱ ኸኣ፡ “ደሓን። ጐይታይ ደኣ፡ ‘እንሆ፡ ክልተ ኣጕባዝ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ካብ ደቂ ነብያት ሕጂ ሕጂ መጺኦምኒ። በጃኻ፡ ንዓታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሃቦም’ ኢሉ ልኢኹኒ” በሎ።+ 23  ንእማን ድማ፡ “አረ ኽልተ ታለንት ውሰድ” በሎ። ግዲ እውን በሎ፣+ ንሱ ኸኣ ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳውንቲ ድማ ምስኡ ገይሩ፡ ንኽልተ ገላዉኡ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ቀቅድሚኡ ጾርዎ። 24  ናብ ዖፌል* ምስ በጽሐ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣንበሮ እሞ፡ ነቶም ሰባት ሰደዶም። ምስ ከዱ፡ 25  ኣትዩ ኣብ ጥቓ ጐይታኡ ደው በለ። ኤልሳእ ድማ፡ “ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ንሱ ግና፡ “ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።+ 26  ኤልሳእ ከኣ፡ “እቲ ሰብኣይ ኪቕበለካ ኻብ ሰረገላኡ ኺወርድ ከሎስ፡ ልበይዶ ኣብኡ ምሳኻ ኣይነበረን፧ ብሩር ክትቅበል፡ ወይ ክዳውንቲ ወይ ኣእዋም ኣውልዕ ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ ወይ ኣባጊዕ ወይ ከብቲ ወይ ገላዉን ኣግራድን ክትቅበልሲ፡ ግዜኡ ድዩ፧+ 27  ሕጂ፡ ደዌ ንእማን+ ናባኻን ናብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ኪለግብ እዩ” በሎ። ብኡብኡ፡ ድዉይ ኰይኑ፡ ከም ውርጪ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ብሕማም ቈርበት እተወቕዐ።”
ንንእማን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሰፈሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብል።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ኣብ ሰማርያ ዚርከብ ቦታ ዀይኑ፡ ኵርባ ወይ ዕርዲ ኪኸውን ይኽእል።