ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ነገስት 23:1-37

ትሕዝቶ

  • ዮስያስ ዝገበሮ ተሓድሶ (1-20)

  • ፋስጋ ተባዕለ (21-23)

  • ዮስያስ ዝገበሮ ተወሳኺ ተሓድሶ (24-27)

  •  ሞት ዮስያስ (28-30)

  • ዮኣሓዝ፡ ንጉስ ይሁዳ (31-33)

  • ዮያቂም፡ ንጉስ ይሁዳ (34-37)

23  ሽዑ፡ ንጉስ ለኣኸ እሞ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣከብዎም።+  ድሕሪኡ፡ ንጉስ ምስ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ነበርቲ የሩሳሌምን ካህናትን ነብያትን፡ ኰታስ ምስ ኵሎም ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ናብ ቤት የሆዋ ደየበ። ኵሉ ቓላት እታ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበት መጽሓፍ+ ኪዳን+ ድማ እናሰምዑ ኣንበበ።+  ንጉስ ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ቃላት እቲ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ እተጻሕፈ ኺዳን ብምፍጻም፡ ንየሆዋ ኸም ዚስዕቦ፡ ትእዛዛቱን መዘኻኸሪታቱን ሕግታቱን ከኣ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን* ከም ዚሕሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ኣተወ።*+ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ኺዳን ተሰማምዑሉ።+  ንጉስ ድማ ንሒልቅያ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበሩ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ማዕጾን ነቲ ንበዓልን ንዓንዲ ኣምልኾን*+ ንዅሉ ሰራዊት ሰማያትን እተገብረ ዅሉ ኣቕሑ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኼውጽእዎ ኣዘዞም። ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም፡ ኣብ ዛላታት ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፣ ነቲ ሓምዅሽቱ እውን ናብ ቤት-ኤል ወሰዶ።+  ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ዘሎ በረኽቲ ኺዓጥኑ ዝሸምዎም ካህናት ጓኖት ኣማልኽትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንጭፍራታት ከዋኽብቲ መናዝልን ንዅሉ ሰራዊት ሰማያትን ዚዓጥኑ ዝነበሩን ካብ ሽመቶም ሰዓሮም።+  ነቲ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ካብ ቤት የሆዋ ናብ ወሰን የሩሳሌም፡ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣውጺኡ፡ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ፡+ ኣድኪሙ ድማ ደበቝበቛ ገበሮ፣ ነቲ ደበቝበቛ ኸኣ ኣብ መቓብር እቲ ተራ ህዝቢ በተኖ።+  ነቲ ኣንስቲ ኣብኡ ዀይነን ነቲ ዓንዲ ኣምልኾ* ንእሽቶ መቕደስ ድንኳን ዚኣልማሉ ዝነበራ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣባይቲ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ ኣፍረሶ።+  ንዅሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፣ ነቲ እቶም ካህናት ዚዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸኣ፡ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ብኤር-ሸባዕ+ ኣርከሶ። ነቲ ሰብ ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኺኣቱ ኸሎ ብጸጋሙ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እያሱ እቲ ሓለቓ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍ ደገታት እውን ኣፍረሶ።  እቶም ካህናት በረኽቲ ኸኣ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ኣየገልግሉን ነበሩ፣+ ምስ ኣሕዋቶም ግና ቅጫ ይበልዑ ነበሩ። 10  ዋላ ሓደ ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ብሓዊ ኸየሕልፍ ድማ፡+ ነቲ ኣብ ስንጭሮ ደቂ ሂኖም*+ ዝነበረ ኣምልኾ ቶፌት+ ኣርከሶ። 11  ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም* ኣፍራስ ከኣ፡ በቲ ኣብቲ ወገፈታት ዝነበረ ኽፍሊ ቤት* ናታን-ሜሌክ እቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣቢሎም ናብ ቤት የሆዋ ኸይኣትዉ ኸልከለ፣ ንሰረገላታት ጸሓይ+ እውን ብሓዊ ኣንደዶ። 12  ንጉስ ድማ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ+ ደርቢ ኣሓዝ ዘቘምዎ መሰውኢታትን ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት የሆዋ ዘቘሞ መሰውኢታትን ኣፍረሶ።+ ኣድኪሙ ኸኣ ነቲ ደበቝበቛ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን በተኖ። 13  ንጉስ ድማ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣሽቶረት እታ ጽይፍቲ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ንከሞሽ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ሞኣብን ንሚልኮም+ እቲ ፍንፉን ኣምላኽ ዓሞናውያንን+ ዝሰርሖ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ብደቡብ* ከረን ጥፍኣት* ዝነበረ በረኽቲ ኣርከሶ። 14  ነቲ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሮ፡ ነቲ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ኸኣ ቈራረጾ፡+ ነቲ ቦታታቶም እውን ብኣዕጽምቲ ሰብ መልኦ። 15  ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ መሰውኢ፡ ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዝገበሮ እሞ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ በሪኽ እውን ኣፍረሶ።+ ነቲ መሰውእን ነቲ በሪኽን ምስ ኣፍረሶ ድማ፡ ነቲ በሪኽ ኣንዲዱ፡ ኣድኪሙ ደበቝበቛ ገበሮ፣ ነቲ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ኣንደዶ።+ 16  ዮስያስ ግልጽ ኢሉ ኣብቲ ኸረን መቓብራት ምስ ረኣየ፡ ልኢኹ ኻብቲ መቓብራት ኣዕጽምቲ ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኸም ዚኸውን ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል የሆዋ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶ፡ ኣርከሶ እውን።+ 17  ንሱ ድማ፡ “እቲ ኣብቲ ዝርእዮ ዘለኹ ሓወልቲ መቓብርከ እንታይ እዩ፧” በለ። ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ “መቓብር እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ እዚ ኣብ መሰውኢ ቤት-ኤል ዝገበርካዮ ነገር ኣቐዲሙ እተዛረበ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እዩ”+ በልዎ። 18  ንሱ ኸኣ፡ “የዕርፍ። ንኣዕጽምቱ ኣይትረብሽዎ” በለ። ስለዚ፡ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ኸይተረበሸ ተረፈ።+ 19  ዮስያስ ድማ ንዅለን እተን ነገስታት እስራኤል ንኣምላኽ ኬዀርይዎ ዝሃነጽወን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ ኣባይቲ ኣምልኾ ኣወገደን፣+ ከምቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ኸኣ ገበረን።+ 20  ኣብቲ መሰውኢታት ድማ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናት በረኽቲ ሓረዶም፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ።+ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። 21  ንጉስ ድማ ንዅሎም ህዝቢ፡ “ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ ኪዳን እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ” ኢሉ ኣዘዞም።+ 22  ካብቲ ፈራዶ ንእስራኤል ዚፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ኣትሒዙ፡ ኣብ ኵሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን፡ ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን።+ 23  ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ ዮስያስ ግና፡ እዚ ፋስጋ እዚ ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ ተባዕለ። 24  ዮስያስ ከኣ ንቓላት እቲ ኣብታ ኻህን ሒልቅያ ኣብ ቤት የሆዋ ዝረኸባ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ+ ሕጊ ምእንቲ ኺፍጽሞ ኢሉ፡+ ንጠየቕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን+ ንተራፊምን*+ ንጽዩፋት ጣኦታትን* ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳን የሩሳሌምን እተራእየ ጽያፍን ኣርሓቐ። 25  ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን*+ ብዅሉ ሓይሉን ናብ የሆዋ እተመልሰ ንጉስ ቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፣ ድሕሪኡ እውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስአን። 26  ግናኸ፡ ብሰሪ እቲ ምናሴ ኬዀርዮ ኢሉ ዝገበሮ ዅሉ ዜዀሪ ነገራት፡ የሆዋ ኻብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ነዳዲ ቝጥዓኡ ኣይተመልሰን።+ 27  የሆዋ ድማ፡ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ፡+ ንይሁዳ እውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፣+ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ነታ፡ ‘ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ’ ዝበልኩላ ቤትን+ ከኣ ክሓድገን እየ” በለ። 28  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮስያስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 29  ብዘመኑ ኸኣ፡ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ንንጉስ ኣሶር ኪቀባበሎ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ መጸ፣ ንጉስ ዮስያስ ድማ ኪገጥመሉ ወጸ፣ ግናኸ፡ ኔኮ ምስ ረኣዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።+ 30  ገላዉኡ ኸኣ ሬሳኡ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጺኦም ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ቐቢኦም ኣንገስዎ።+ 31  ዮኣሓዝ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 23 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል እዩ፣+ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 32  ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 33  ፈርኦን ኔኮ+ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ፡ ኣብ ሪብላ+ ኣብ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ፣ ነታ ምድሪ ድማ 100 ታለንት* ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን መቕጻዕቲ ኽትከፍል ሰልዓላ።+ 34  ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ኣንገሶ፣ ስሙ ኸኣ ናብ ዮያቂም ለወጦ። ንዮኣሓዝ ከኣ ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ ኣምጽኦ፣+ ንሱ እውን ኣብኣ ሞተ።+ 35  ዮያቂም ድማ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሃቦ፣ ነቲ ፈርኦን ዝሰልዖ ብሩር ንምሃብ ግና ነታ ምድሪ ኣገበራ። ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኺህብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ እታ ምድሪ እተሰልዐ መጠን ብሩርን ወርቅን ኣኽፈለ። 36  ዮያቂም+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 11 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ዘቢዳ እዩ፣ ንሳ ጓል ጰዳያ ብዓል ሩማ እያ። 37  ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኺዳን ሓደሰ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ገሃነም” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ዝሃብዎም።”
ወይ፡ “መመገቢ ኽፍሊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብየማን፡” ማለት፡ ናብ ምብራቕ ገጽካ ኽትከውን ከለኻ፡ ደቡብ።
ማለት፡ ደብረ ዘይቲ፡ ብፍላይ እቲ ብደቡባዊ ጫፍ ዚርከብ ከረን ኵራ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ንጣኦታትን።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።