ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ነገስት 2:1-25

ትሕዝቶ

  • ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ዓረገ (1-18)

    • ኤልሳእ ንባርኖስ ኤልያስ ወሰዶ (13, 14)

  • ኤልሳእ ንማይ ያሪኮ ኣጥዓዮ (19-22)

  • ድብታት፡ ቈልዑ ቤት-ኤል ቀተላ (23-25)

2  የሆዋ ንኤልያስ+ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማያት ኪወስዶ ምስ በለ፡+ ኤልያስን ኤልሳእን+ ካብ ጊልጋል ወጺኦም ከዱ።+  ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ “የሆዋ ናብ ቤት-ኤል ስለ ዝለኣኸኒ፡ በጃኻ ኣብዚ ጽናሕ” በሎ። ኤልሳእ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ከዱ።+  እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት* ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ “ሎሚ የሆዋ ንጐይታኻ ኻብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ርእስነት ከም ዚወስዶ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ።+ ንሱ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣለኹ። ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።  ኤልያስ ከኣ፡ “ኤልሳእ፡ የሆዋ ናብ ያሪኮ ስለ ዝለኣኸኒ፡ በጃኻ ኣብዚ ጽናሕ” በሎ።+ ንሱ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ናብ ያሪኮ ድማ መጹ።  እቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ “ሎሚ የሆዋ ንጐይታኻ ኻብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ርእስነት ከም ዚወስዶ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣለኹ። ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።  ኤልያስ ከኣ፡ “የሆዋ ናብ ዮርዳኖስ ስለ ዝለኣኸኒ፡ በጃኻ ኣብዚ ጽናሕ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ከዱ።  ክልቲኦም ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ 50 ኻብ ደቂ ነብያት ከይዶም ካብ ማዕዶ ደው ኢሎም ይርእዩ ነበሩ።  ሽዑ፡ ኤልያስ ነቲ ባርኖሱ+ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ከኣ ተመቕለ፣ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ምድሪ ተሳገሩ።+  ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ “ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ፡ እንታይ ክገብረልካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ። ኤልሳእ ከኣ፡ “በጃኻ፡ ካብ መንፈስካ+ ዕጽፊ ግደዶ* ይወሃበኒ፧”+ በለ። 10  ንሱ ድማ፡ “ኣጸጋሚ ነገር ኢኻ ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከለኹ እንተ ርኢኻኒ፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ መለሰ። 11  እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ብሃንደበት ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን+ ንኽልቲኦም ፈላለዮም፣ ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማያት ዓረገ።+ 12  ኤልሳእ ከኣ እዚ እናረኣየ፡ “ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን!” ኢሉ ይጭድር ነበረ።+ ደጊም ምርኣዩ ምስ ሰኣነ፡ ንኽዳውንቱ ሒዙ ኣብ ክልተ ቐደዶ።+ 13  ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ+ ኣልዒሉ ድማ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። 14  ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ወሲዱ ኸኣ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ኤልያስ ኣበይ ኣሎ፧” በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ።+ 15  እቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ብማዕዶ ምስ ረኣይዎ፡ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ዓሪፉ” በሉ።+ ኪቕበልዎ ኸይዶም ድማ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱሉ። 16  ንሳቶም ከኣ፡ “እንሆ፡ ሕጂ 50 ኽኢላታት ሰባት ምስ ገላዉኻ ኣለዉ። በጃኻ፡ ንጐይታኻ ኺደልይዎ ይኺዱ። ምናልባት መንፈስ* የሆዋ ኣልዒሉ፡ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኽራን ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ስንጭሮታት ደርብይዎ ይኸውን” በሉ።+ ንሱ ግና፡ “ኣይትስደድዎም” በሎም። 17  ንሳቶም ግና ክሳዕ ዚሓፍር ግዲ በልዎ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ስደድዎም” በለ። ነቶም 50 ሰባት ድማ ሰደድዎም፣ ንሳቶም ከኣ ሰለስተ መዓልቲ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን። 18  ናብኡ ኺምለሱ ኸለዉ፡ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ነበረ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፧” በሎም። 19  ሰብ እታ ኸተማ ድማ ንኤልሳእ፡ “ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘለኻ፡ ኣቀማምጣ እዛ ኸተማ ጽቡቕ እዩ፣+ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፣ እታ ምድሪ ኸኣ መኻን* እያ” በልዎ። 20  ንሱ ድማ፡ “ሓድሽ ጭሔሎ ኣምጽኡለይ፡ ጨው ከኣ ግበሩሉ” በሎም። ናብኡ ድማ ኣምጽኡሉ። 21  ናብ ምንጪ እቲ ማይ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ፡+ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነዚ ማይ እዚ ኣጥዕየዮ ኣለኹ። ደጊም ኣይኬምውትን ወይ ኣይኬምክንን* እዩ’” በለ። 22  እቲ ማይ ድማ፡ ከምቲ ብኤልሳእ እተዘርበ ቓል፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ ኣሎ። 23  ካብኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ንኣሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ “ኣታ በራሕ፡ ደይብ! ኣታ በራሕ፡ ደይብ!” ኢሎም ኣላገጹሉ።+ 24  ንሱ ኸኣ ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ረኣዮም እሞ፡ ብስም የሆዋ ረገሞም። ሽዑ፡ ክልተ ድቢ+ ኻብ ዱር ወጺአን፡ 42 ቈልዑ ሰላልዓ።+ 25  ካብኡ ድማ ናብ ከረን ቀርሜሎስ+ ከደ፣ ካብኡ እውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍስኻ።”
“ደቂ ነብያት” ንቤት ትምህርቲ ነብያት ወይ ንማሕበር ነብያት ዜመልክት ይመስል።
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ኽልተ ኽፋልዶ።”
ወይ፡ “ንፋስ።”
ወይ፡ “ጥንሲ እተስድድ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጥንሲ ኣይኬስድድን” ኪኸውን ይኽእል።