ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ነገስት 13:1-25

ትሕዝቶ

  • ዮኣሓዝ፡ ንጉስ እስራኤል (1-9)

  • ዮኣስ፡ ንጉስ እስራኤል (10-13)

  • ኤልሳእ ንቕንኣት ዮኣስ ፈተኖ (14-19)

  • ኤልሳእ ሞተ፣ ኣዕጽምቱ ምዉት ኣተንስአ (20, 21)

  • ኤልሳእ እተነበዮ ናይ መወዳእታ ትንቢት ተፈጸመ (22-25)

13  ኣብ መበል 23 ዓመት ዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 17 ዓመት ከኣ ነገሰ።  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ በቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ተመላለሰ፣+ ካብኡ እውን ኣየልገሰን።  ቍጥዓ የሆዋ+ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ፣+ ብዅሉ ዘመኖም ከኣ ኣብ ኢድ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤን-ሃዳድ+ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሃቦም።  ዮኣሓዝ ግና ሞገስ የሆዋ ለመነ፣* የሆዋ ድማ እቲ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዝጨቈኖ ጭቈና ስለ ዝረኣየ፡ ሰምዖ።+  የሆዋ ኸኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሶርያ ዜድሕኖም መድሓኒ ሃቦም፣+ እስራኤላውያን ድማ ከም ቀደሞም ኣብ ኣባይቶም ኪቕመጡ ኸኣሉ።*  (ግናኸ፡ ካብቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም ኣየልገሱን።+ ብእኡ ደኣ ተመላለሱ፣ እቲ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ኣብ ሰማርያ ቘይሙ ነበረ።)  ንጉስ ሶርያ ኸምቲ ኣብ ዓውዲ ዘሎ ደበቝበቛ+ ብምርጋጽ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡+ ንዮኣሓዝ 50 ፈረሰኛታትን 10 ሰረገላን 10,000 ኣጋር ተዋጋእትን ዘጠቓለለ ሰራዊት ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ።  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣሓዝ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧  ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ሰማርያ እውን ቀበርዎ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ። 10  ኣብ መበል 37 ዓመት ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 16 ዓመት ድማ ነገሰ። 11  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ኣየልገሰን።+ በቲ ሓጢኣት እቲ ደኣ ተመላለሰ። 12  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 13  ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ የሮብዓም*+ ከኣ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።+ 14  ኤልሳእ+ ከኣ እታ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፣ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ “ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን!” ኢሉ በኸየ።+ 15  ኤልሳእ ከኣ፡ “ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታትን ወሰደ። 16  ንንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ኢድካ ኣብ ቀስቲ ኣንብር” በሎ። ኢዱ ድማ ኣብኡ ኣንበረ፣ ድሕሪኡ፡ ኤልሳእ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው ንጉስ ገበረ። 17  “ነቲ ናብ ምብራቕ ዜብል መስኰት ክፈቶ” ኸኣ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ “ወርውር!” በሎ። ንሱ ኸኣ ወርወረ። ንሱ ድማ፡ “ናይ የሆዋ ፍላጻ ዓወት፡* ፍላጻ ዓወት ኣብ ልዕሊ* ሶርያ! ንሶርያ ኣብ ኣፌቅ+ ኽሳዕ እትውድኦም ክትወቕዖም* ኢኻ” በሎ። 18  ንሱ ኸኣ፡ “ፍላጻታት ውሰድ” በሎ፣ ንሱ ድማ ወሰደ። ንንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ድማ ኣቋረጸ። 19  ሽዑ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ተቘጥዖ እሞ፡ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሳዕ ክትወቕዓ ነይሩካ! ሽዑ፡ ንሶርያ ኽሳዕ እትውድኦም ምወቓዕካዮም ኔርካ፣ ሕጂ ግና ንሶርያ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትወቕዖም ኢኻ” በሎ።+ 20  ኤልሳእ ከኣ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። በብመጀመርታ ዓመት* ዚመጹ ሞኣባውያን ዘመትቲ ጭፍራታት+ ድማ ነበሩ። 21  ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለዉ፡ ዘማቲ ጭፍራ ረኣዩ እሞ፡ ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርብዮምዎ ሃደሙ። እቲ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ ድማ፡ ህያው ኰይኑ+ ብእግሩ ደው በለ። 22  ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዅሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ጨቈኖ።+ 23  የሆዋ ግና ሞገስን ምሕረትን ገበረሎም፣+ ምእንቲ እቲ ምስ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ተገደሰሎም። ኬጥፍኦም ኣይደለየን፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን። 24  ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ምስ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ወዱ ቤን-ሃዳድ ነገሰ። 25  ሽዑ፡ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት፡ ካብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ከኣ ሰለስተ ሳዕ ወቕዖ፣*+ ነተን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣምለሰን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኣፈሽሓወ።”
ማለት፡ ሰላምን ደሓንን ረኸቡ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ ዳግማይ የሮብዓም።
ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ድሕነት ካብ።”
ወይ፡ “ክትስዕሮም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ምእታው ዓመት።” ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ሰዓሮ።”