ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ተሰሎንቄ 3:1-18

ትሕዝቶ

  • ብቐጻሊ ጸልዩ (1-5)

  • ብዘይ ስርዓት ብዛዕባ ዚመላለስ እተዋህበ መጠንቀቕታ (6-15)

  • ናይ መወዳእታ ሰላምታ (16-18)

3  ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ቃል የሆዋ* ኸምቲ ኣባኻትኩም ኰይንዎ ዘሎ ብፍጥነት ኪዝርጋሕን+ ኪኸብርንሲ ብቐጻሊ ጸልዩልና።+  እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡+ ካብ ጐዳእትን እኩያትን ሰባት ምእንቲ ኽንናገፍ+ እውን ጸልዩልና።  ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኬበርትዓኩምን ካብቲ እኩይ ኪሕልወኩምን እዩ።  ነቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘለኹምን ብሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኹም ብጐይታ ንተኣማመን ኢና።  ጐይታ ድማ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን+ ናብ ተጻዋርነት+ ክርስቶስን የቕንዓዮ።  ኣቱም ኣሕዋትና፡ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ* ስርዓት* ዘይኰነስ፡+ ብዘይ ስርዓት ካብ ዚመላለስ+ ዘበለ ሓው ክትርሕቑ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና።  ኣብ መንጎኹም ብዘይ ስርዓት ስለ ዘይተመላለስና፡ ከመይ ጌርኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም ትፈልጡ ኢኹም።+  ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ብልፍዓትን ደኣ ኢና ዓዪና እምበር፡+ ካብ ሓደ እኳ ብናጻ* እንጌራ ኣይበላዕናን።+  ስልጣን ስለ ዘይብልና ዘይኰነስ፡+ ንዓና ምእንቲ ኽትመስሉ፡ ኣርኣያ ኽንኰነኩም ደሊና ኢና ኸምኡ ዝገበርና።+ 10  ምሳኻትኩም ከለና እውን፡ “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕ” ኢልና ንእዝዘኩም ኔርና ኢና።+ 11  ከመይሲ፡ ገለ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡+ ኣብ ዘይምልከቶም ከም ዚኣትዉ እምበር፡ ከም ዘይዓይዩ፡ ንሰምዕ ኣለና።+ 12  ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።+ 13  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩምሲ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። 14  ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሓፍርሲ፡ ምልክት ግበሩሉ፡* ደጊም ምስኡ እውን ኣይትሕበሩ።+ 15  ግናኸ፡ ከም ሓው ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላእስ ኣይትቝጸርዎ።+ 16  ጐይታ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ መገዲ ዅሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩም።+ ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን። 17  እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ፣+ እዚኣ ኣብ ኵለን ደብዳበታተይ ምልክት እያ፣ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። 18  ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “እተቐበሎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ወግዒ፣ ትእዛዝ፣ ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ብዘይ ክፍሊት።”
ወይ፡ “ተመልከትዎ።”