ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ተሰሎንቄ 1:1-12

ትሕዝቶ

  • ሰላምታ (1, 2)

  • እምነት ሰብ ተሰሎንቄ ዓበየት (3-5)

  • ንዘይእዙዛት ሕነ ምፍዳይ (6-10)

  • ምእንቲ እታ ጉባኤ እተጸለየ ጸሎት (11, 12)

1  ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን* ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየትን ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝወሰኸትን፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።+  ስለዚ፡ ንሕና ባዕልና በቲ ኣብ ኵሉ ጾይርኩምዎ ዘለኹም መስጐጕትኹምን ጸበባኹምን+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣምላኽ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።+  እዚ ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ መርትዖ እዩ፣ ነታ መከራ እትጸግቡላ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ከም እትቝጸሩ ድማ ይገብር።+  ነቶም ዜጽብቡልኩም ዘለዉ ጸበባ ኺፈድስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ።+  ንዓኻትኩም ንዝጸበበኩም ግና፡ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ+ ኺግለጽ ከሎ፡+ ምሳና ዕረፍቲ ኺውሃበኩም እዩ።  ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።+  እዚኣቶም ካብ ቅድሚ ጐይታን ካብ ክብሪ ሓይሉን ርሒቖም፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም፣+ 10  እዚ ድማ ምስ ቅዱሳቱ ኪኸብርን በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ኸም ግሩም ጌርካ ኺርአን ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ኪኸውን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዝመስከርናዮ፡ ኣባኻትኩም ተኣሚኑ እዩ። 11  ምእንቲ እዚ ድማ፡ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ገይሩ ኪቘጽረኩም፡+ ኵሉ እቲ ዚደልዮ ሰናይን* ኵሉ ግብሪ እምነትን እውን ብሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንጽሊ ኣለና። 12  እዚ ኸኣ ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኽበር፡ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት ምእንቲ ኽትከብሩ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ሲላስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ሕያውነትን።”