ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ቈረንቶስ 6:1-18

ትሕዝቶ

  • ዕላማ ጸጋ ኣምላኽ ኣይትስሓትዎ (1, 2)

  • ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘጓነፎ ነገራት (3-13)

  • ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ (14-18)

6  ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢልኩምሲ ዕላማኡ ኸይትስሕትዎ፡+ ምስኡ እናዓየና+ ንምሕጸነኩም ኣለና።  ከመይሲ፡ “ብቕብልቲ ግዜ ሰሚዐካ፡ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ” ይብል እዩ።+ እንሆ፡ እታ ኣዝያ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ። እንሆ፡ እታ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ።  ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣+  ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣+ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ፡+  ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡+ ብህውከት፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብዘይ ምግቢ፡+  ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡+ ብለውሃት፡+ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ፡+  ብሓቀኛ ዘረባ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡+ ብኣጽዋር ጽድቂ+ የማነ* ጸጋም፡*  ብኽብርን ብሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ነርኢ ኢና። ከም መስሓትቲ እናተቘጸርና፡ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና፣  ከም ዘይፍሉጣት፡ ግናኸ ፍሉጣት ኢና፣ እንመውት ከም ዘለና፡* ግናኸ እንሆ፡ ህያዋን ኢና፣+ ከም ቅጹዓት፡* ግናኸ ንሞት ኣይተወፈናን፣+ 10  ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ከም ድኻታት፡ ግናኸ ንብዙሓት ነሀብትም ኢና፣ ሓንቲ ኸም ዘይብልና፡ ግናኸ ዅሉ ኣሎና።+ 11  ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ክንዛረበኩምሲ ኣፍና ኸፊትና ኣለና፣* ልብና እውን ጋህ ኣቢልናልኩም ኣለና። 12  ንስኻትኩም ደኣ ኢኹም ፍቕርኹም እትቝጥቡልና ዘለኹም እምበር፡+ ንሕናስ ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕርና ኣይቈጠብናልኩምን።* 13  ከም ምላሹ ኸኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ጋህ ኣብሉ።*+ 14  ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።*+ ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን* እንታይ ርክብ ኣለዎ፧+ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧+ 15  ክርስቶስከ ምስ ብልያል* እንታይ ስኒት ኣለዎ፧+ ወይስ ኣማኒ* ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት* ኣለዎ፧+ 16  ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧+ ከምቲ ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር፡+ ኣባታቶም እውን ክመላለስ እየ፣ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበለ፡+ ንሕናስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።+ 17  “‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡* ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’”፣+ “‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’”+ 18  “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣+ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’+ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።”*

እግረ ጽሑፍ

ምናልባት ንመጥቃዕቲ።
ምናልባት ንመኸተ።
ወይ፡ “ሞት ከም ዚግብኣና።”
ወይ፡ “ግሱጻት።”
ወይ፡ “ብግህዶ ተዛሪብናኩም ኢና።”
ወይ፡ “ኣባናስ ኣይጸበበኩምን።”
ወይ፡ “ኣግፍሑ።”
እዛ ቓል እዚኣ ብግሪኽኛ ምስ ዘይመማጣጥንትኻ ወይ ምስ ዘይመጻምድትኻ ምጽማድ ተመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ጥሕሰት ሕግን።”
ካብ እብራይስጢ ዀይና፡ “ዘይጠቅም” ማለት እያ። ንሰይጣን ተመልክት።
ወይ፡ “እሙን።”
ወይ፡ “ግደ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።