ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ቈረንቶስ 5:1-21

ትሕዝቶ

  • ሰማያዊት መንበሪት ምልባስ (1-10)

  • ኣገልግሎት ዕርቂ (11-21)

    • ሓድሽ ፍጥረት (17)

    • ኣምባሳደራት ክርስቶስ (20)

5  እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈሪሳስ፡+ ካብ ኣምላኽ ህንጻ፡ ማለት ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት+ ኣብ ሰማያት ከም እትህልወና፡ ንፈልጥ ኢና።  ከመይሲ፡ ነታ ኻብ ሰማይ ንዓና ዝዀነት* ክንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዛ ቤት* እዚኣ ነስቈርቍር ኣለና፣+  ምስ ለበስናያስ፡ ዕሩቓት ኴንና ኣይክንርከብን ኢና።  ንሕና ኣብዛ ድንኳን እዚኣ ዘለናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሓጥ፡+ ነታ ሓንቲ ኽንለብስ ኢና እንደሊ እምበር፡+ ነዚኣ ኽንቅንጥጣ ስለ ዘይንደሊ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና።  እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ከም ዕርቡን ገይሩ ኸኣ መንፈስ ዝሃበና፡+ ኣምላኽ እዩ።+  እምበኣር፡ ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና፣ ኣብዚ ሰብነት እዚ ኽሳዕ ዝሰፈርና ድማ፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና፣+  ከመይሲ፡ ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ኢና እንመላለስ ዘለና።  ግናኸ፡ ትብዓት ኣሎና፣ ካብዚ ሰብነት እዚ ርሒቕና ምስ ጐይታ ኽንነብር እውን ምፈተና።+  ስለዚ፡ ምስኡ ሰፊርና ንሃሉ ወይ ካብኡ ንርሓቕ፡ ብእኡ ተቐባልነት ኪህልወና ንጽዕት ኣለና። 10  ነፍሲ ወከፍ ከምቲ በዚ ሰብነት እዚ ኸሎ ዝገበሮ፡ ጽቡቕ ወይስ ክፉእ፡ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ* ኣሎና።+ 11  እምበኣር፡ ፍርሃት ጐይታ ስለ እንፈልጥ፡ ንሰባት ነእምን ኣለና፡ ንኣምላኽ ግና ፍሉጣት* ኢና። ንሕልናኹም እውን ፍሉጣት* ክንከውን ተስፋ እገብር። 12  ነቶም በቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ብደጋዊ ትርኢት ዚምክሑ ምላሽ ምእንቲ ኽትህቡ፡+ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኣይኰንናን ንንእድ ዘለና። 13  እንተ ተጸሊልናስ፡+ ንኣምላኽ ኢና፣ ምስ ቀልብና እንተ ዄንና ኸኣ፡ ንዓኻትኩም ኢና። 14  እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ኸም ዝሞተ ደምዲምና ኢና፣+ ስለዚ፡ ኵሎም ሞይቶም እዮም። 15  እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ።+ 16  ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብስጋዊ ኣረኣእያ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና።+ ንክርስቶስ ብስጋ እኳ እንተ ፈለጥናዮ፡ ሕጅስ ብርግጽ ከምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።+ 17  ስለዚ፡ ሓደ እኳ ምስ ክርስቶስ ሓድነት እንተ ኣልይዎ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፣+ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ ሓድሽ ኰይኑ ኣሎ። 18  ኵሉ ግና ካብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዓረቐናን+ ኣገልግሎት ዕርቂ ዝሃበናን+ ኣምላኽ እዩ፣ 19  ማለት፡ ኣምላኽ ኣበሳኦም ከይቈጸረ፡+ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ምስ ርእሱ ይዓርቃ ኣሎ፣+ ነቲ ቓል ዕርቂ ድማ ንዓና ብሕድሪ ሂቡና ኣሎ።+ 20  እምበኣር፡ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ+ ኣምባሳደራት ኢና፣+ ስለዚ፡ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምሕጸን ከም ዘሎ እዩ። ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” ኢልና ንልምን ኣለና። 21  ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡+ እቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ፡+ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት* ከም ዚኸውን ተገይሩ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነታ ኻብ ሰማይ ዝዀነት መንበሪትና።”
ወይ፡ “መንበሪት።”
ወይ፡ “ክንግሃድ።”
ወይ፡ “ግሁዳት።”
ወይ፡ “ግሁዳት።”
ወይ፡ “መስዋእቲ ሓጢኣት።”